Print this page

ጸላኢ ኣብ ምዕዳም ዝነብር ጉጅለ

2019-11-04 08:46:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2613 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ኣበራቱ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ካብቲ ኣበራቱ እቲ ቀንዲ ከኣ ናቱ ኣቐሚጡ ደገደገ ከመዓዱ እምበር፡ ውሽጡ ክርኢ ዘይተዓደለ ምዃኑ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብዛ ለዋህ ናይ ኢዳ ዘይረኸበት ሃገርና ንዘጋጥም ጸገማት፡ ቀሪቡ ክፈጥሕን ከማሓድርን ዘኽእል ብቕዓትን ትብዓትን ስለ ዘየብሉ፡ ንዓኡ እቲ ዝቐለለ መዋጸኦ ነቲ ጸገማት ምሕባኡ ወይ ናይ ሓሶት ግዳማዊ ተሓታቲ ምፍጣር እዩ። ናይዚ ሸንኮለል ቀንዲ ዕላማ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጡ ዝርኢ ብናይ “መጹና መጹኻ” ልብወለዳዊ ኣውያት ተሰናቢዱ፡ ነቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳዩ ኣወንዚፉ፡ ናብ ግዳም ከም ዝቋመት ንምድፋኡ እዩ።

ጉጅለ ህግድፊ ከምዚ ዝኣመሰለ መዳህለሊ ውዲት ክምህዝብ እንከሎ፡ ብሃታሃታን ገርህን ዘይኮነ፡ ኣብ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ይረክብ እዩ ዝብሎ፡ ዛዕባ መሪጹ እዩ ኣብኡ ዘትክል። ንኣብነት እቲ “ብደገ መጸና” ኢሉ ኣሰይጥኑ ዝስነዖ፡ ንህልውና ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውድቕ ገይሩ ይስእሎ። ነዚ ንምዕዋት ከኣ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብጉዳይ ሃገሩ ኣብ ጽመጾ፡ ዓይኒ ዘይሓሲ ምዃኑ ንሓያሎ ግዜ መዝሚዝዎ እዩ። እዚ ጉጅለ ቀልቢ ህዝቢ ንምቕያር ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ናይ ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ህይወት በሊዑ። ብዙሓት ብዛዕባዚ መዳህለሊ ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ ናይ ቀረባ ምክትታልን መጽናዕትን ዘካየዱ ወገናት ከም ዝምስክርዎም፡ ብሓላፍነትን ብልቦናን እንተዝተሓዙ፡ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ህይወት ብዙሓት ኤርትራውያን ዕሸላት ዝወሓጡ ውግኣት፡ ህግዲፍ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምቕያር ኮነ ኢሉ እንተዘይጥቀመሎም፡ ብዘይ ደም ምፍሳስ ክውገኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ውግኣት እዮም። ንኣብነት ህግዲፍ ንዝተወሰነ ግዜ ውግእ ኣሳዊሩ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ምስተጠቕመሎም፡ ምስ የመንን ኢትዮጵያን ዘጋጠመሙ ጸገማት ናይ ቤት ፍርዲ  ቀሪቦም እዮም ተበይኖም። ኣብ ክልቲኡ ተመኩሮታት ከኣ ህግዲፍ ጻሕታሪ ከም ዝነበረ ብሳልሳይ ኣካል ተረጋጊጹ’ዩ። መስርሕ ቤት ፍርዲ  ብዘይውግእ ክብጻሕ ይኽእል ዝነበረ መዕለቢ እዩ።

ህግዲፍ ኣቓልቦ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጡ ናብቲ ቀንዲ ጉዳዩ ናብ ደገ ከም ዝርኢ ዝምህዞ ተንኮላት ስምዒታውን ቀጻሊ መሰረት ዘየብሉን ብምዃኑ፡ እቲ ሓደ ምስምስ ክበልዮ እንከሎ ካልእ ክምህዝ ናይ ግድን እዩ። ከም መፈራርሒ ዝጥቀመሎም ጸላእቲ ዝብሎም፡ ደሓር ከድልዮ እንከሎ ብርኮም ስዒሙ ዝተዓረቖም ናይ ሓሶት ጸላእቲ ከምኡ ብዙሓት እዮም። ምምሕዳር ዋሽንገትን፡ መንግስቲ ወያነ፡ ሃገራት ዓረብ፡ ምዕራባዊ ዓለም በብግዜኡ እንዳቐያየር ክጥቀመሎም ዝጸንሐ ኣካላት እዮም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ቀልቢ ህዝቢ ስሒቦም ይኽውሉኒ እዮም ዝብሎም፡ ከም ማዕቀብ፡ ምጥራር ዶብ፡ ምጉስጓስ መንእሰያት ሃገር ገዲፎም ንክስደዱ፡ ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ብዙሕ ሸቂጥሎም እዩ። ሎሚ ግና ነቲ ንሱ ዝቃወሞ ዝነበረ ባዕሉ ክርዕሞ፡ ነቲ ዝድግፎ ዝነበረ ከኣ ባዕሉ ክጸልኦን ክረግሞን ምስ ጀመረን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ከዓቦን፡ ሓድሽ መኸወሊ  ኣጀንዳ ክፈጥር ኣብ ዝተገደድሉ እዋን ኣሎ።

ድሕሪ ደጊም ግና ንህዝቢ ኤርትራ ንዝተወሰነ ግዜ እምበር፡ ንሓዋሩ ምዕሻው ስለ ዘይከኣል፡ እቲ “ኣተሓባባእ” ከምቲ ናይ ቅድም ኣይክቐሎን እዩ። ደጊም ህዝቢ ኤርትራ “ደርጓዕ” ስለ ዝሰምዐ ጥራይ ናይ ህግዲፍ መዳኸሪ ክኸውን ኣይኮነን። እቲ በብኹርንዑ ዝስማዕ ዘሎ “ሓቂ መሲሉናባ ተዓሽና ጸኒሕና” ዝብሉ  ናይ ጣዕሳ ድምጽታት ውጽኢት ሃብታም ተመኩሮ ኣብቲ ጋዕጋዕ ኣካይዳ ህግዲፍ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝበሃል ህግዲፍ ካብ ተመኩሮ ዝመሃር ሕልና ስለ ዘየብሉ፡ “ኮንደኾን ይኾነለይ” ብዝብል ሓድሽ ቅዲ መታለልን ሓድሽ ጸላእን ካብ ምዕዳግ ከቶ ዓዲ ኣይክውዕል እዩ። ኣብዚ ለንቅነ “ብ2011 ኣብ ልዕለይ ዝተማህዘ ዕልዋ ነይሩ” ዝብል ብላይ መዝገብ ክገናጽል ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ “ምስጢራዊ” ተባሂሉ ተሰኒዑ ቀሪቡ ዘሎ ብውሽጢ እንዳሓዘንካ ብደገ ዘስሕቕ ሰነድ፡ ብዙሓት ሓሳባት ሰፊሩ ኣሎ። ህግዲፍ “ስለምንታይ ደኣ ኣብቲ እዋኑ፡ ብዛዕባዚ ሲኣይኤ ወዲበምዎ ዝበሃል ዘሎ ፈተነ ዕልዋ ንህዝቢ ዘይሓበርካ”? ተባሂሉ፡ እንተ ዝሕተት እንታይ መመለሰ እንድዒ። ኣብቲ ጥዕናኡ ዘይተፈልጠ ሰነዱ፡ ወዮ ኤርትራዊ ዋኒኑ ወዲኡስ፡ ዞባዊ ጉዳያት ክዓምም ከም ዝኾነ ክፍክር ጀሚሩ ዝነበረ ጉጅለ ብኬንያ ጀሚሩ ጉረባብቲ ጸላእቲ ሃገራት ክኸስስ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሓደ ገጽ ናይቲ ጸላኢ ናይ ምዕዳግ ሕዱር ባህሪኡ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ “ብመንገዲ ኬንያ ኣቢልካ ናይ ሃይማኖት ሰባኺ ኣዋፊርካ ንኤርትራን ንኢትዮጵያን ሓደ ናይ ምግባረን ፈተነ ነይሩ” ዝብል ክሲ ኣብዚ ናይ ድሮ ሞት ምምጽዳቕ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።

እዚ ጉጅለ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተጠሊዑ ኣብ ብዙሕ ኢትዮጵያዊ መድረኻት ነቲ ''ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኣብ ባይታ ከይተመልከተ፡ ዘተ ዝባሃል ዘይሕሰብ እዩ'' ኢሉ ንሓያሎ ዓመታት ዝገዓረሉ ጠንጢኑ ጐረርኡ ክሳብ ዝደርቕ፡ ''ቀዳማይ ዕማምና፡ ውሽጣዊ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ምርግጋጽ እዩ፡ ንዶ/ር ኣብይ ንስኻ ክትመርሓና ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ፡ ንቓል ዓለም ዝዛረቦ ዘሎኹ ኣይኮነን፤ ንዓኻ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ እዮም፤ ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብል እንተሃልዩ፡ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጥ እዩ'' ክብል ከም ዝጸንሐ ዘንጊዕዎ ማለት ድዩ። ስለዚ ነዚ ኣቐሚጥካ፡ ነቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደ ናይ ምግባር ፈተነ፡ ናብ ቀሺዶ ናብ ሸኽ፡ ናብ ሲኣይኤዶ ሞሳድ ዘላግበሉ ምኽንያትከ ከመይ እዩ። ምናልባ ነቲ ንሱ ገጽ ምስ ኣርኣዮ ኣብ ዕላዊ መድርኽ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ብዙሓት ሃገራት “ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ክንደኦም ኮይነ ቃል ክህብ ወኪሎምኒ ስለዘለዉ፡ ናይ ክልቴና ብሓደ ጠሚረ ከቕርቦ እየ፤ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ደረጃ ምውኽኻል በጺሑ ስለዘሎ እንኳዕ ደስ በለና'' ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ውላ ከምቲ ኣመሉ ተሰልቢጡ እንተዝኸሶ’ኳ ቁሩብ መመልከዓሉ። እንተኾነ ኢሳይያስ ኣብ ከምዚ ጉዳያት መልሲ ክህብ ዘኽእል ሞራልን ድፍረትን ፈጺሙ የብሉን።

ስለዚ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራ፡ እንተ ኢሳይያስ፡ ሓደ ተንኮል ክፍተሖ እንከሎ ካልእ ተንኮል ካብ ምእላም ዓዲ ክውዕል ዕደ። ንሕና ከም ህዝዝብ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ግና፡ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና መንገድና ክንሕዝ ክንበራበር እምበር፡ ህግዲፍ ኣብ ዘዝሃንደሰልና መንገዲ ጥፍኣት ክንነብር ከምዘይብልና ሰዲህኤ ብኣጽነኦት የዘኻኽር።

Last modified on Monday, 04 November 2019 09:51