Print this page

መልእኽቲ መደረ ኢሳይያስ፡“ እንተ ፈታሕካዮስ ጥራሕ ቁጻር”

2019-05-26 20:22:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2694 times
Rate this item
(1 Vote)

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ዲክታተር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ልሙድ ኣብ  ጽንብል መበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ መደረ ኣስሚዑ። መራሕቲ ሃገራት ኣብ ከም ኣጋጣሚ 24 ጉንበት ዘስምዕዎ መደረ መጻኢ መደባቶምን ዕድል ናይታ ሃገርን ህዝባን ዘመላኽት ስለ ዝኾነ ትጽቢት ይግበረሉ እዩ። ዋላ’ኳ ህዝብና ሓድሽ ክጽበ ኢሳይያስ ከኣ ኣብ ዝኣረገ ዛዕባ ከኹድድ ተረባሪቦም እንተኾኑ፡ ዝተወሰኑ ኤርትራውያን “ምናልባት ደኾነ ኣብ መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ሓድሽ የምጽእ ይኸውን?” ዝብል ትጽቢት ዘሕደሩ ነይሮም። ሓድሽ ከምጽእ ይኽእል እዩ ኢሎም ክግምቱ ዝድረኾም ከኣ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ከካይዶ ዝጸንሐ ክሳብ ሕጂ መዕለቢኡ ዘይተፈልጠን፡ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ዘሎን ምቅርራብ ርእዮም፡ ኣብ ዘቤታዊ ኤርትራዊ ጉዳይውን ይቕጽሎ ይኸውን ዝብል ግምት ስለ ዘሕደሩ እዩ። እዚ ግምትዚ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ ኣብ ገለ ናይ ግዳም ተዓዘብቲ’ውን ቦታ ረኺቡ ነይሩ እዩ።

መብዛሕትኡ ህዝብና ግና ኢሳይያስ ካብ ኣብያን ኣብ ኣረጊት ኣጀንዳ ምኹዳድን ሓሊፉ፡ ሓድሽ ሓሳብ ዘመንጩ ኣተሓሳስባ ከም ዘየብሉን፡ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዘብለጭልጭ መሬት ዘይሓዘ ዝምድና ካብ ልባዊ ናይ ሰላም ድሌቱ ዝመጸ ዘይኮነስ፡ ናይ ጐይተቱ ቃል ንዘይምዕባርን ገለ ግነዖት ንምርካብን ምንባሩ ስለ ዝርድኡ፡ ህግዲፍ ልቡ ኣረስሪሱ ኣብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባ ሓድሽ ነገር ከምጽእ’ዩ ዝብል ግምት ኣይነበሮምን። እቲ ቀንዲ “እዚ ሰብኣይ ሓድሽ ጉዳይ ኣየምጽእን’ዩ” ዘብሎም ከኣ፡ ኢሳይያስ ኣብዛ ዘለዋ መንበር ንምቕጻል ዘዋጽኦ፡ ኣብቲ ዓጽይዎ ዘሎ ባብ ምቕጻል እምበር፡ ቁሩብ ጩራ እንተፈጢሩ ደሓር መምለሲ ከምዘይረክብ ስለ ዝርዳእ’ዩ።

ኢሳይያስ ኣብ መደርኡ ብዘይካቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውድስ ዝመስል መዳህለልን መቐሸሽን ቃላቱ፡ ኣብቲ ባዕሉ እውን “ሓደስቲ ኣይኮነን” ዝበሎ ንጸዓት፡ መንገዲ ምድርን ኣየርን፡ ምምዕባል ወደባት፡ ህንጸት ማይ፡ ትምህርትን ሕክምናን፡ ኢንዱስትርን ኣባይትን ዝምልከቱ ጸገማት ኣኳማሲዑ። ዲክታቶር ኢሳይያስ “ነቲ ሕሩስ ክሓርስ” ዝሰምዑ ወገናት ሓድሽ ጉዳይ ብዘይምምጻኡ እንዳሓዘኑ ንመደረኡ “ሓድሽ ነገር የብሉን” ይብልዎ ኣለዎ። እዚ ማለት ግና ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ኢሳይያስ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣጋጣሚ እንታይ ይጽበ ከም ዝነበረ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ካብ ትጽቢታት ህዝብና ዋላ ሓንቲ ዘይምትንካፉ ከኣ፡ “ቀደም፡ ሎሚ ኮነ ጽባሕ ኣነ እየ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሓስብን ዝፈልጥን ህዝቢ ዝተጸበየ ይጸበ በቲ ዝመረጽኩዎ መገዲ እየ ኣጠርሚመ ዝኸይድ” ዝሕመረቱ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንሐ ንዕቀትን ብደዐን መሊሱ ዘሕደሰ መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉ።

ኢሳይያስ ኣብዚ መደርኡ ዘኮማሰዖም ካልእ ዛዕባ ትዕግስቲ ከምዘድሊ እዩ። ትርጉም ትዕግስቲ ብቋንቋ  መደረ ኢሳይያስ “ኣብ ገዛእ ዋኒንኩም ስቕ ኢልኩም ስምዑንን ርኣዩንን” እዩ። ትርጉም ጽንዓት ከኣ   ስንኹም ነኺስኩም ንነዊሕ ዕድመ ስልጣን ጸልዩለይ እዩ። ብመሰረቱ ናይ ኤርትራ ጸገም ናይዞም ኢሳይያስ ኣብ መደርኡ ዝጠቐሶም ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮም ጽላታት ድሕረት ጥራይ ኣይኮነን። እዚ ኢሳይያስ ዝዘርዘሮ ሳዕቤን ኮይኑ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ምሕንጋድ ኢሳይያስ ኣብ ምትካል ሕገመንግስታውን ህዝቢ ዝማእከሉ ዲሞክራስያውን ስርዓት እዩ። ኣብዚ ዝፈሸለ ሰብኣይ፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ቁጠባውን ማሕበራውን ጽላታት ከዕሪ ማለት ከኣ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። ንሱ ኣብዞም ጽላታት ዘሎ ጸገም ዝጠቕሰ፡ ካብቲ ቀንዲ ህዝቢ ዝጠልቦ ዘሎ መሰረታዊ ጉዳያት ንምህዳም እዩ። እንተ ጸገም ምዝርዛር ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገገዝኡ ስለ ዘሎ ካብ ኢሳይያስ ዝጽበዮ ኣይኮነን። ኢሳይያስ ናይ ብሓቂ “መራሒ መንግስቲ ኤርትራ” እንተዝኸውን፡ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ጸገማት ምቑላል ዘይኮነ፡ ነቶም ጸገማት ንምፍታሕ ህዝቢ ዘሳትፍ ትካላዊ ስርዓት ምዝርጋሕ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ህግዲፍ ኣይበቐዖን። ንመጻኢ እውን ኢሳይያስ ኣብቲ ብሓይሊ ተወጢሕዎ ዘሎ በሪኽ ቦታ ክሳብ ዘሎ ኣይክረጋገጽ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ በዚ “ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም” ዝዓይነቱ፡ ናይ ኢሳይያስ ጠባርን ኣሽካዕላልን መደረ ክትክዝን ክሕርቅምን ዘይኮነ ንክቕይሮ እዩ ክትንስእ ዝግበኦ። በካይዳ ኢሳይያስ ርእሱ ከድንን ዘይኮነስ ክሕርን እዩ ዝግበኦ። እቶም ውሑዳት ኢሳይያስ ከም መራሕ ሃገር ዘየሎ ክነሱ፡ ከም ዘሎ ኣምሲሎም “ኣሎ እምበር” ዝብሉን ነብሶም ዘዕሽዉን ወገናትና ከኣ “ሕጂ እውን ደንጉዩ እምበር ኣይመሰየን’ሞ ናብ ልብኹም ተመለሱ” ካብ ምባል ሓሊፍና እንብሎም የብልናን።

ኣብ መደረ ኢሳይያስ ካልእ ኣዛራቢ ጉዳይ፡ ብዛዕባቲ ክንደይ ወልደፍደፍ ዝበለሉ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ዋላ ሓንቲ ቃል ከይጠቐሰ ጓስይዎ ምሕላፉ እዩ። እዚ ብዘይምግናን እቲ ዝምድና ቀምሲሉ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። እቲ ብዙሓት ወገናት፡ ድሌት ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ኩነታት እንተዘየሳንዩ፡ ናብ ዝድህሰስ ውጽኢት ክበጽሕ ኣይክእልን እዩ፡ ዝብልዎ ከኣ ህያው እንዳኾነ ይመጽእ ዘሎ ይመስል። ህልዊ ኩነታት ክልቴን ሃገራት እንተኣወዳዲርና ከኣ፡ እቲ ሰላምን ጥዑይ ጉርብትናን’ኳ ንደልዮን ዝተቓለስናሉን እንተኾነ፡ እቲ ሸበድበድ ዘይሰማማዕ ከተሰማምዕ ካብ ምፍታን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስቲ የለን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግና ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ናይ ፍትሒ ልዕልና የለን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግና ትካላዊ መስርሕ ፍትሒ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ብዝኾነ ጉዳይ ዝተታሕዙ ዜጋታት ድሕሪ ምትሓዞም ሃለዋቶም ኣይፍለጥን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግና ዜጋታት ብገበን ምስ ዝጥርጠሩ ኣብ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ባዕሎም ይኹን ብጠበቅኦም ነብሶም ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎም። ኣብ ኤርትራ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ከም ኣጀንዳኳ ኣይለዓልን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግና ብፓርላማ ዝተመስረቱ፡ ኮሚሽናት ሰብኣዊ መሰልን ናይ ህዝቢ ሓባሲ ንብዓትን ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን የለን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግና ሕጋውነት ለቢሰን ዝንቀሳቐሳ ክሳብ 107 ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ልዕሊ 20 ናይ ብሕቲ ማዕከናት  ተለቪዝዮን፡ ብዙሓት ብሕታዊ መደበራት ሬድዮን ጋዜጣታትን ኣለዋ። ኣብ ኤርትራ ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርስቲ የለን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግና ናይ ብሕቲ ከይወሰኽካ፡ ልዕሊ 30 መንግስታዊ ዩኒቨርስታት ኣለዋ። ኣብ ኤርትራ ዝሕግግ፡ ዘፈጽምን ዝፈርድን ሓደ ዲክታቶር ሰብኣይ እዩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግና ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ምርጫ ዝበሃል የለን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5 ዓመት ፈደራላውን ክልላውን ምርጫታት ይካየዱ። ጉዳይ ኣጠቓቕማ ባንክ፡ ጉዳይ ግደ ብሕታዊ ጽላት ኣብ ወፍሪ፡ ጉዳይ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኣመሰሉ፡ ዛዕባታት እንተወሲኽናሉ ከኣ ናይቲ ዝየሳኒ ሃለዋት ዝርዝር ኣዝዩ ነዊሕ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዝምድና ክትገብር ምፍታን፡ ትምኒት እምበር ግብራዊ ክኸውን ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ኢሳይያስ ናብቲ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታት ንምምጻእ ዕጭ ካብ በለ፡ ንኢትዮጵያ ናብቲ ኤርትራ ዘላትሉ ጽልሙት ኩነታት ምምላሳ ከኣ ዘይሕለም እዩ። እቶም ነዚ ዘሕዝን ኩነታት ሃገሮም ኣቐሚጦም፡ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ናይ ኣተገባብራ ሕጽረታት ክወራዘዩ ዝህቅኑ ኤርትራውያን ከኣ ኣዝዮም የሕዝኑ። እዚ ማለት ግና እቲ ናትካ ኣቐሚጥካ ናብ እንዳማትካ ዳምዳም ምባል እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ ናይ ካለኦት ሃገራት ሕጽረትን ተመኩሮን ምዝራብ ነውሪ እዩ ማለት ኣይኮነን። እንተ መደረ ኢሳይያስ “እንተ ፈታሕካዮስ ጥራ ቁጻር” እዩ።

Last modified on Sunday, 26 May 2019 22:28