Print this page

ድምጺ ይኣክል ይቃላሕ ኣሎ

2019-03-28 21:24:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2331 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ከም ኩሉ ተርእዮ ትዕግስቲ’ውን ደረት ኣለዎ። እቲ ድሕሪ ትዕግስትን ምጽማምን ዝለዓል ናህሪ ከኣ መላሲ የብሉን። ኣብዚ እዋንዚ መመሊሱ እንዳሰፈሐን እንዳነሃረን ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራዊ መቓልሕ “ይኣክል” ከኣ ነዚ እዩ ዘረደኣና። ኣብ ዝሐለፈ ግዜ ሚዛን ኤርትራውያን ብዛዕባ ምምሕዳር ዲክታተር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንነዊሕ ግዜ በበይኑ ጸኒሑ። ብምፍልላይ ህዝቢ ዝዕንገል ጉጅለ ኢሳይያስ ከኣ ክሰርሓሉ ጸኒሑ።  ንተንኮለኛን ጸረ ህዝብን ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ተረዲኡ ዓገብ ዝበለ ወገን ንነወሕ ግዜ ክቃወም ጸኒሑን ኣሎን። ጉጅለ ኢሳይያስ እዚ ወገንዚ እንተዓብዩ ሓደጋ ከም ዝኾኖ ተረዲኡ ብህዝቢ ተቐባልነት ንከይረክብ ዘይፈንቀሎ እምንን ዘይቀብኦ ጸለሎን ኣይነበረን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ቀሊል ግምት ዘይወሃቦ ኤርትራዊ፡ ወጽዓ ስለ ዝመረጸ ዘይኮነስ፡ ተንኮለኛ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ቀልጢፉ ስለ ዘይተራእዮ ንጉጅለ ኢሳይያስ ክድግፍ ጸኑሑ እዩ። ከም መግለጺ ክቱር ደገፉ ከኣ ነቶም ዓገብ ዝበልና “እዚ ሰብኣይ እንታይ ግበር ኢኹም እንትብልዎ ዘለኹም፡ እዛ ሃገር ብዘይብኣኡ እንታይ ክትከውን እያ” ብዝብል ክዘርይሉ ዝጸንሑ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ሓቀኛ ባህሪኻ ሓቢእካ ንውሱን ግዜን መድረኽን እምበር፡ ንሓዋሩ ክንበር ኣይከኣልን እዩ። እዋኑ ስለ ዝበጸሐ ከኣ፡ እቲ “ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ” ዝበሃለሉ ዝነበረ ኢሳይያስ ናይ ህዝቢ ከም ዘይኮነ ባዕሉ ክቃላዕ ጀሚሩ። ነታ “ነዓይን ንዓኣን ፈላሊኻ ምርኣይ ኣይካልን” ክብላ ዝጸንሐ ኤርትራ እውን ዘይናታ፡ እኳደኣ ኣብ ሓደጋ ዘውድቓ ምዃኑ ብግብሪ ኣርእዩ። መዝሙር “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ናይ ሓሶት ምዃኑ ከኣ ባዕሉ ተጠሊዑ ኣብ ሰፋሕቲ መድረኻት ዳሕዲሕዎ። ናይቶም ንሱ ሃገራዊ ጉልባብ ኣልቢሱ ኣብ ዘንቀዶ ውግእ ዝሓለፉ ኤርትራውያን መንእሰያት መስዋእትነት “ክሳራ ኣይኮነን” ኢልዎ። እዚ ዝተኸታተለ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ እነሆ ነቲ ክትኣምኖ ዘጸግም ክሕደትን ህድማን ኢሳይያስ ምስ ኣስተብሃለ “ኣንታ እዚ ሰብኣይ ኣገሪሁና እምበር ነይሩ” ይብል ኣሎ። “ይኣክል” ዝብል ዘሎ ከኣ ካብዚ ነቒሉ እዩ። ይኣክል እንተተባሂሉ ከኣ እቲ ዝተርፍ ደቀቕቲ ናይ ኣተገባብራ ዝርዝር እንተዘይኮይኑ ጭቆና ኢሳይያስ ኮራርምቱ ምውዳኡ ዘመልክት እዩ።

ሎሚ ሰኣን ተቐራሪብካ ምልዛብን ጽጹይ ሚዛን ምክያድን ኣብ ሕድሕዱ ተተፋኒኑ መፍቶ ኢሳይያስ ኮይኑ ዝጸንሐ ኣብ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ግና ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎ ኤርትራዊ ተቐራሪቡ ናይ ለውጢ ቅኑዕ ጐደና ክሕዝ ክኢሉ ኣሎ። ጉጅለ ኢሳይያስ በዚ ዘይተጸበዮ ዘይኮነስ፡ ቀልጢፉ ኣብ ዘይሓሰቦ እዋን ድምጺ ይኣክል ስለ ዝመጾ ክስንብድ ባህርያዊ እዩ። ንድምጺ “ይኣክል” ኣሜን ኢሉ ኢድ ክህብ ባህርያዊ ስለ ዘይኮነ ከኣ መዋጸኦ ዝመሰሎ፡ ግና ዘየዋጽኦ መህደሚ ክረክብ ዳምዳም ይብል ኣሎ። እዚ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ዘየብሉ ኣጀንዳታት ኣትሒዙ ጉጅለታት ልኢኹ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባታት ከኣ ናይቲ ዓቕሊ ጽበት ኣብነት እዩ። እቲ ነቲ ፈተነታት ኣዝዩ ዘገርም ዝግበሮ ዘሎ ከኣ፡ ከምቲ “ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም” ዝበሃል ኣብቲ ኣኼባታት ዝዝረብን ህዝቢ ኤርትራ ክዝረበሉ ዝደልዮን ዛዕባታት ዘይቃዶ ምዃኑ እዩ። እቲ ህዝቢ ክዝረበሉ ዝደልዮ ካብ ውድዕነት ኤርትራ ዝነቅል ክፍታሕ ዘድልዮ ዛዕባታት እዩ። እቲ ጉጅለ ዘልዕሎ ጉዳያት ከኣ ምስ ህልዊ ጠለብ ህዝቢ ዘይከይድ ኮነ ኢልካ ንመህደሚ ዝተሃንደሰ እዩ።

ህልዊ ጠለባት ህዝብና ኣብ ዙርያ፡ ምትእትታው ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምጥያስ ግዳያት ደረት ዘየብሉ ኣገልግሎትን፡ ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዘተኩር እዩ። ኣብቲ ካብ ሓቀኛ ክዉንነት መህደሚ ኣኼባታት ከኣ ዞባዊ ሰላም፡ ከባብያዊ ቁጠባዊ ምትእስሳር፡ ትካላዊ ውሕስነት ዘየብሉ ኣብ ውልቀ-መራሕቲ ዝተንጠልጠለ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ፡ ክንድዚ መዓርፎ ነፈርትን ክንድዚ ኪሎሜተር መንገድን ክሃንጽ ኢና ዝብሉ ቅድሚ ሕጂ ህዝብና ክህውትተሎም ዝጸንሑ ንዲክታተር ኢሳይያስ ገዚፍ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝሓህቅኑ መደንዘዝቲ ዛዕባታት እዮም።

እዚ ክትዕዘብ እንከለኻ ምምሕዳር ኢሳይያስ ትዕቢተኛ ጥራይ ዘይኮነ፡ እምበርከ ዓሻ ምምሕዳርዶ ኣይኮነን ክትብል ትግደድ። ምኽንያቱ እዞም ሕጂ ኣብ ኣኼባታት “ክንገብሮም ኢና” ዝበሃሉ ዘለዉ ናይ ሓሶት ውጥናት ብተደጋጋሚ ተባሂሎምስ ዝተጠልሙ እዮም። ትዝክሩዶ ዲክታተር ኢሳይያስ ኣብ 2013 ምስታ ልሳኑ ኣብ ዝገበሮ ቃለም መጠይቕ “ቁጠባዊ ዕቤት ኤርትራ ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ “ናይ 3 ኣዋርሕ ግዜ ጥራይ ሃበኒ፡ እቲ ለውጢ ሽዑ ክትርእዮ ኢኻ?” ዝብል መልሲ ሂቡ ካብቲ ዛዕባ ክሃድም እንከሎ። ስለዚ እዚ ክሳብ ክንድዚ ጻዕዳ ሓሶት ዝሕሱ ዲክታቶር ሎሚ  ኣብ  ቅድሚኡ ክትግበር ዝግበኦ ህጹጽ ተባራዒ ዘቤታዊ ጉዳያት ጸቒጡ፡ “ክንድዚ መዓርፎ ነፈርቲ ክንሃንጽ ኢና” ብዝብል ካልእ መዳህለሊ መብጸዓታት ዕድመይ ከናውሕ እኽእል እዩ ኢሉ ዝሓስብ ኣካል ጐራሕ ካብ ምባሉ፡ ዓሻ ወይ ብሕሉፍ ስስዕቲ ዝዓወረ ምባሉ እዩ ዝቐልል።

እምበኣር ሎሚ ጉዳይና ኣብ ኢድና እምበር ኣብ እንዳ ጉጅለ ኢሳይያስ ኢድ ነሲእና እንረኽቦ ከምዘይኮነ ብግቡእ ተረዲእና ኣለና። ድምጺ ይኣክል ክሳብ ክንድዚ በሪኹ ምቅልሑ ከኣ ናይዚ ምልከት እዩ። ሎሚ ከምቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሓርበኛ፡ ኔልሰን ማንደላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈትሐ፡ ‘’ንሓርነትና ኣዝዩ ብዙሕ ጊዜ ተጸቢና። ካብዚ ንላዕሊ ግና ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ንቓልስና ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ከነሐይሎ ዘሎና ሕጂ ኢዩ። ሎሚ ብቓልሲ እንዛነየሉ ግዜ ኣይኮነን። እንተተዛኒና፡ መጻኢ ወለዶታት ይቕረ ዘይብሎ ጌጋ ክንፍጽም ኢና” ዝበሎ፡ ድምጺ “ይኣክል” ምቅላሕ ናይ ኩልና ኤርትራውያን መድረኻዊ ሓላፍነት እዩ።

Last modified on Thursday, 28 March 2019 22:28