Print this page

ኢሳይያስ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ የለን

2019-01-15 10:05:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2984 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብቲ ቀደም ቀደም፡ ዝተወሰነ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ብሌን ዓይኑ ይሕልዎን በጃ ይሓልፈሉን ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብኣንጻርዚ ካብ ንግሁኡ ኢሳይያስ ከምዚ ሕጂ ኮይንዎ ዘሎ ዕንኪላሎ ከም ዝኸውን ዝኣመቱ እውን ነይሮም። ኢሳይያስ ነዚ ውሱን ናይ ህዝቢ ደገፍ ብምምዝማዝ ዝተኽተሎ ናይ ሓሶት “ሓላዪ ህዝቢ” መሲልካ ናይ ምቕራብ ድራማታት’ኳ ይሰርሕ እንተነበረ፡ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ወገን ኮይኑ ግን ኣይፈልጥን። ግዜ ሓያል ፈራዲ ስለ ዝኾነ እዚ ናይ ኢሳይያስ ሓሳዊ ምስሉይነት ዘለኣለማዊ ክኸውን ኣይከኣለን። ምስልይነቱ እንዳተቐንጠጠ ሓቀኛ እንታይነት ናይዚ ዲክታቶር ካብ ምቅላዑ ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ ማለት ኢሳይያስ ናይ ገዛእ ርእሱ እምበር ናይ ውሑዳት ኮነ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን መርኣያ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ።

እዚ ክብሃል እንከሎ፡ ኢሳይያስ በይኑ ዘይኮነ ግዝያዊ መኻይዲ ዝኾንዎ ኣካላት ፈጢሩ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ወገን መሲሉ ክቐርብ ኣይጸዓረን ማለት ግን ኣይኮነን። ኩልና ከም እንርደኦ “ዓወት ንሓፋሽ” ክሳብ ሕጂ መሪሕ ጭረሖ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ኮይና ትቕጽል ኣላ። “መዓስ፡ እንታይ ንምርግጋጽን ንምዕዋትን እዩ ሓፋሽ ተዓዊቱ?” ኢልካ ምስ እትሓትት ግና፡ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና፡ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወትን ከዕኑን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ እንክዕወት ዘርኢ ተመኩሮ የብልናን። እምበርከ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይሕገመንግስቲ፡ ብዘይልዕልና ሕጊ፡ ብዘይፈልጦምን ዘይመረጾምን መራሕቲ፡ ብዘይምኽባር ኩሉ መሰረታዊ መሰላት፡ ብዘይ ናይ ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽ መሰልን፡ ወዘተ እንዳተመሓደረ፡  ባዶ “ዓወት ንሓፋሽ ክደጋገመሉ እንከሎ ምስምንታይ እዩ ክቒጸር። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ከም ዝተዓወተ፡ እንተኾነ ናይ ዓወቱ ተጠቃሚ ከምዘይኮነ ግና ብሩህ እዩ።

ኢሳይያስ ከም ዝኾነ ጸረ ህዝቢ፡ ንሱ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጥ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባኡ ዝፈልጥ ኮይኑ ኣይስመዖን እዩ። ናይ ካለኦት ዲክታቶራት ዝምድና ምስቲ ዝገዝእዎ ህዝቢ ንምድህሳስ ግዜ ከይወሰድና፡ ናብ ተመኩሮና ክንመጽእ እንከለና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳይያስ እንታይ ከም ዝሓስብን ስለምንታይን ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ብፖለቲካ ከኣ ዝበሰሉ ኤርትራዊ ብዛዕባዚ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ከዕልሉ እንከለዉ፡ “ኢሳይያስ ብፍላይ ምስ ትግራይ ዘለዎ ሽግር ጉዳይ ዶብ ዘይኮነ፡ ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ዘይተጋህደ ሕልሙ ከይከውን እሰግእ እየ” ዝበልዎ፡ ህዝብና ብዛዕባ ሃርጎምጎም ኢሳይያስ ይፈልጥዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዕሚቑ ከም ዝፈልጥ ዘመላኽት እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብዚ ግናይ ሰብኣይ ቅርበት ዝነበሮም ወገናት ዝህብዎ ዘለዉ ግምታት እውን ነዚ ዘራጉድ እዩ።

ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ኢሳይያስ ካብቲ ኣብ ዓዲ ኮይኑ ኩሉ ንቓልሲ ዘድሊ ዋጋ ክኸፍል ዝጸንሓ ሓፋሽ ኤርትራዊ፡ ናብቲ ብረት ዓጢቑ ኣብ ሜዳ ዝተሰለፈ ኤርትራዊ ክፋል ከም ዘዳሉ ይንገር ነይሩ። ንሱ ብዝሃንደሶ ተንኮል ኣብ ኣብያተ-መዘናግዕን ካለኦት ህዝቢ ዝእከበሎምን ኣገልግሎት ዝሓተሎምን መድረኻት እንዳሲቪልን እንዳተጋደልትን እንዳበልካ ማይቤታት ተንኮላዊ ምክፍፋላት ነይሮም እዮም። ነዚ ኢሳይያስ ኮነ ኢሉ ዝዘርገሖ ናይ ጥፍኣት መርበብ ተኸቲሎም ጣዕሳኡ ኣብ ዘይወጽእ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ዝተሳተፉ ንዓኣቶም እምበር ንህዝቢ ዘይተቓለሱ ከም ዝነበሩ እውን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ከሳቢ እቲ ብምክፍፋል ዝሃጥር ኢሳይያስ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እንዳሓደረ ግና ኢሳይያስ ኣይኮነንዶ ናይቲ ሓፍሽ ተጋዳላይ ክኸውንስ ናይ ጉጅለ 13 ኮነ ናይ ጉጅለ 15 እውን ክኸውን ኣይከኣለን። እዚ ኣብ ልዕሊ እዞም ናይ ኣተሓሳስባ ጉጅለታት ዝወሰዶ ስጉምትታት ከኣ ኢሳይያስ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ከምዘየለ ዘረድእ ግብራዊ ስጉምቲ እዩ። ንሱ ናይዞም ክሳብ ሕጂ ብምርኩስ ተደጊፎም ምስኡ ዘለዉ ፍሩያት ባእታታት እውን የለን። ኮታ ከም ብርሃነ ኣብርሀ እንዳቖንጠረ  መዓስ ከም ዝውደኦም መስርዕ ሒዞም ዝጽበዩ ዘለዉ  ግዳያት እዮም። ብእምንቶና ንሳቶም እውን እዚ ይጠፍኦም እዩ ማለት ኣይመስለናን። እንዳፈለጡ ተኾዲጮም ይጽበይዎ ምህላዎም ከኣ ደጊም ዝገበረ ይግበርና እምበር እንታይ ክገብር ብዝብል ድዉይ ውሳነ እዩ። ከምቲ ግቡእ ግና ረፊዱ እምበር፡ ንኢሳይያስ ከምቲ በይኑ እንዳሓሰበ ብሓሶት ምሳኹም ኣለኹም ዝብሎም፡ ደጊም ንሕና እውን ምሳኻ የለናን ዝብልሉ ዕድል ኣይዓረበን።

ኢሳይያስ ነዚ ነባርን ዝተሓላለኸን ውዲቱ ከዕውት ሓሶት ከዘውትር ናይ ግድን እዩ። ንሓቀኛ መንነት ኢሳይያስ ዘይተረድኡ ግሩሃት ሓሳዊ ምባሉ የሕምሞም ይኸውን። ምናልባት እውን ከምኡ ምባል ንኤርትራ ምውራድ ይመስሎም ይኸውን። እንተ ሓሶታት ኢሳይያስ ብዙሕ እዩ። ኣብ ካልእ ከይከድና ኣብ ዝኾነ ቃለ-መጠይቑ ዝኣትዎም ቃላትን ዝህንድሶም ቆጸራታትን ናይ ሓሶት እዮም። ቅድሚ ወርሕን ገለን ኣቢሉ ኣብ ዘካየዶ ዳሕረዋይ ቃለ-መጠይቕ’ኳ፡ ድሕሪ ሰሙን ብዛዕባ ኤርትራዊ ዜቤታዊ ጉዳይ ክዛርብ ቆጸራ ከም ዝሓዘ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ይስማዕ ነይሩ። ብተግባር ግና “ወይከ።” ኢሳይያስ ምናልባት ሓደ እዋን ንቓለ-መጠይቕ እንተቐሪቡ ብዛዕባዚ ዝጠለሞ ቆጸራ እውን ይቕረታ ኣይክሓትትን እዩ። ናይዚ ቀንዲ ትርጉም ከኣ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ዘርኢ እዩ። እዚ ካብ ኮነ ከምቲ “ኣድጊ ዝገበረካስ ጠይቂ ግበሮ” ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራኸ “ምሳና ከምዘየለኻ ተርዲእና ኣለና” ዘይብለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ። ብወገና ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ በጺሑ ፈሪሑ ኣይንብልን። ኣብ ቅድሚ ብዓለም ደረጃ ዝተዋደደ ጸረ መሰል ርእሰ-ውሳነ ኣታሓሳስባ ተሰሊፉ ተዓዊቱ ነጻነቱ ዘውሓሰ ህዝቢ፡ በዚ ብተግባሩ ዝፈኾሰ ሰብ ፈሪሑ ምባል ንህዝቢ ኤርትራ ዝምጥን ኣይኮነን። ምናልባት ንኢሳይያስ ምድፋር ንልኡላውነት ኤርትራ ከም ኣብ ሓደጋ ምእታው ዘይኮነ ክነሱ፡ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ከይከው እንተተባህለ ሚዛናውነት ኣለዎ። በዚ ኣጋጣሚ ንሉኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ ደድሕሪ ኢሳይያስ ምኻድ ምዃኑ ግን ኣይንዘንግዕ።

ከምቲ “ፈርስን ኣኮይ ኣኮይ ይብል፡ ኣድግንከ ዘይግዳዱ” ዝበሃል፡ ደጊም ኢሳይያስ ኣዳዕዲዑ ናይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ከምዘይኮነ እንዳነገረና፡ ኣብ ከባቢኡ ጥውይውይ ምባል ከብቅዕ ይግበኦ። ሓንቲ ከብድኻ እትበልዕ ኣብነት ክንጠቅስ። ኢሳይያስ ናብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝገሸሉ፡ ንኢትዮጵያን፡ ብክልተ ኢዱ ንሓንሳብ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ፡ ንሓንሳብ ድማ ኣብ ኣፉ እንዳሰዓመ ፍቕሩ ገሊጽሎም። ንኤርትራውያን ግና ብዘይካ ተሓቢእካ ኮለል፡ ነተን ኣብ ዘየብለን ጸሓይ ዝመስል ቅጫ ቀጭየንን ኣቑጽልቲ ሒዘንን ዕልል ዝብላሉ ለወሃት ኣዴታትና፡ ብሓንቲ ኢዱ እውን ፍቕሩ ገሊጹለን ኣይፈልጥን። እዚ ኩነታት ዋላ ደጋጊምካ ተሓቖንካዮ፡  ኢሳይያስ ምስ ህዝብና ከምዘየለ እምበር፡ ጻዕዮ ዘምጸኦ ካልእ ሓቂ የለን።

Last modified on Tuesday, 15 January 2019 12:56