Print this page

ካብ ተመኩሮ ናይ ዘይምምሃር ድኽመትና

2018-12-28 12:05:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2531 times
Rate this item
(1 Vote)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“እምኒ ክትከይድ እንከለኻ ኣዕንቂፋትካ፡ ክትምለስ እንከለኻ እንተደጊማትካ ንስኻ ኢኻ እምኒ” ዝብል ኣዘራርባ ካብ ተመኩሮኻ ናይ ዘይምምሃር ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘረድእ እዩ። “መለበምን ኣይግበርካ መለበሚ ግና ኣይኽላእካ” ዝብል ኣበሃህላ ኣይኮነንዶ ካብ ናትካስ ካብ ናይ ካለኦት ተመኩሮ ምምሃር ዘለዎ ኣገዳስነት ዝምዕድ እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮና ካብ ተመኩሮኻ ናይ ዘይምሃር ድኽመት ንኹልና ዘግደዓና እዩ።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ምእንቲ ልዕልናኡን ስልጣኑን፡ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ እንተንመሃረሉ ካባና ሓሊፉ ንኻልእ እውን መሃሪ ክኸውን ዝኽል ተደጋጋሚ ደቛሲ ተግባራት ከካይድ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ እውን ካብዚ ናይ ጥፍኣት ሓዲድ ኣይወጸን። ብስም መንካዕ ዝፈጸሞ ግፍዒ፡ ብስም የሚን ዝፈጸሞ በደል፡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ናይ ግዳም ሓይሊ ኮይኑ ንምጥፋእ ወጢኑ ዝሰርሓሉ፡ ኣብ ድሮ ምእዋጅ ውጽኢት ረፈንዶም ዘካየዶ ሽሕጣን፡ ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ማይሓባር ዘርኣዮ ጭካነ፡ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ-15ን ናይ ብሕቲ ሚድያ ጋዜጠኛታትን ዝወሰዶ ምድጓን፡ ተበግሶ ወዲዓልን ብጾቱን ንምድቋስ ዝኸዶ መንገዲ፡ ማእሰርቲ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእከል ኣስመራ ካብእቶም ብግህዶ ዝተራእዩ ኮለፍቲ ስጉምትታት ዝጥቀሱ እዮም። ካለኦት ብሰላሕታ ስለ ዝተወስዱ ብህዝቢ ዘይፍለጡ ጸይቅታት ከኣ ኣዲኦም ትቑጸሮም። እቲ ናይ ክድዓትን ሸፈጥን ምርጫ ዲክታቶር ኢሳይያስ ሕጂ እውን ኣይተዓጽወን። ኢሳይያስ ቀጻልነቱ ኣብዚ እኩይ ኣሰራርሓ ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መጻኢ እውን ትንፋሱ ካሳብ እትሓልፍ ካብ ጸይቂ ንድሕሪት ኣይከብልን እዩ። እቶም ነዚ መንገዲ ጸይቂ ክንዓጽፎ ዝግባኣና እቶም ናይቲ ጸይቂ ተግባራቱ ግዳይ ኮይንና ዘለና ህዝብን ሃገርን ኢና።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዝረአ ድኽመት ብዙሕ’ኳ እንተኾነ ካብ ተመኩሮኻ ናይ ዘይምምሃር ሕጽረት ዓብይ እጃም ከም ዘለዎ ኩነታትና ዝምስክሮ ዘሎ ሓቂ እዩ። ካብ ተመኩሮና እንተንመሃር ክንገብሮ ዝነበረና ብዙሕ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ሓባር ዕማም እንዳሃለወና ብሓባር ዘይምስራሕና ከም ናይ ድኽመትና ገላጺ ኣብነት ክውሰድ ይኽእል። ብሰንኪዚ ካብ ተመኩሮና ዘይምምሃርና ከኣ ብዙሕ ክንሰርሓሉ ዝነበረና ዕድላትን ግዜን ኣምኪና ኢና። ግዜ ብማዕረ ዝወሃበካ እምበር፡ ነቲ ንዓኡ ተጠቒምካ ሰሪሕካ ከተቃንዖ ዝግበኣካ ኣይሰርሓልካን እዩ። እነሆ ከኣ ግዜ ብማዕረ ተዋሂቡና ክነሱ ገለን ሰሪሖምሉ ኣብቲ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ንሕና ከኣ ኣብ ውሱን ርሕቀት ነኹድድ ኣለና።

ካብ ተመኩሮኻ ምምሃር ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ሓደ መድረኽ ዘየዕወተካ ኣተሓሳስባ፡ ብዝሓሸ ኣተሓሳስባ ክትትከኦ ናይ ምብቃዕ ክእለት እዩ። ሓድሽ ኣተሓሳስባ ንምትእትታው ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ንሕሉፍ ከም መምሃሪ ወሲድካ ንቕድሚት ምምዕዳው፡ ኣብ ሕሉፍ ክትጸባጸብ ግዜኻን ዓቕምኻን ምብኻን፡ ኣብ ክንዲ ህዝባዊ፡ ግላዊ ወይ ጉጅላዊ ስምዒትካ ምቕዳም፡ ኣብ ክንዲ ምክእኣልን ምጽውዋርን ኣብ ዘየፍሪ ህልኽ ምኹዳድ ናይ ግድን ክንስዕሮም ይግበኣና። ነዚ ኣብ ዝበቓዕናሉ ኣፍና መሊእና ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ክንብል ንኽእል። ካብዚ ሓሉፉ ኣብ ባይታ ተዘሪኡ ምብቋል ዝኣበየ መኻን ኣተሓሳስባ መመሊስካ እንተኳማሳዕካዮ ውጽኢት የብሉን። ኣረጊትን ሓድሽን ኣተሓሳስባታት ኣዳዊስካ ምኻድ ከኣ ውጽኢቱ ውድቀትዩ ዝኸውን። ካብቲ ኣረጊት ኣተሓሳስባ ብዘየዳግም ክንወጽእ ከይበቓዕና ሓድሽ ኣተሓሳስባ ከነተኣታቱ እንተደለናዮ እውን ኣይከኣልን እዩ።

ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ብብዙሓት ጸለውቲ ረቛሕታት እሞ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ፡ ክትተዓጻጽፍ እንተዘይበቒዕካ፡ ግዜን ዕድልን ክገድፈካ ንስኻ ድሕሪት ክትተርፍ መወዳእታን ውጽኢትን ዘየብሉ ጉዕዞ እዩ ዝኸውን። እቲ ኣብ ተመኩሮና ኣዝዩ ዝገርም ከኣ፡ እቲ ዝኸበደ ጠንቂ ሕማምካ እንታይ ምዃኑ እንዳፈለጥናዮ መፍትሒ ኣብ ምምጻእ ሒቕ ምባል እዩ። ሓጺር ኣብነት ንምጥቃስ፡ ኩለን ውድባትና ብሓባር እንተዘይወፊረን ማዕረ ባህጊ ህዝብና ከፍርያ ከምዘይክእላ ይፈልጣ እየን። ነዚ ተረድኦ ምግንዛበን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ነዚ ተርዲእካ ብሓባር ብዘሰልፍ ስጉምቲ እንተዘይኣሰኒኻዮ ግና፡ ሕማምካ እንዳፈለጥካ ሰኣን ዝተኣዘዘልካ መድሃኒት ብግቡእ ምውሳድ ካብ ሙማት ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።

እቲ ኩነታት ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ’ኳ እንተኾነ፡ ሎሚ ሃገርና ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነትሉ ደረጃ ንርከብ ኣለና። እቲ ኣጀንዳነታ ግና ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክመና ኣሰካፊ እምበር ዘቕስንን ዘሐብንን ኣይኮነን። ሕሱም ግህሰት ኩሉ መሰረታዊ መሰላት፡ ብዝሒ ስደተኛታትን ኣብያተ-ማእሰርትን፡ ብኩራት ልዕልና ሕጊ፡ ዘይቅሱን ሃለዋት ምስ ጐረባብቲ፡ ቁጠባዊ ድቀት ኮታ ኩሎም ናይ ወጽዓ ነጸብራቓት እዮም ንሃገርና ብኣጀንዳነት ኣብ ቅድሚት ሰሪዐሙዋ ዘለዉ። ኣብዚ እዋንዚ  ርኢና ከም ዘይረኣና ኮይና ከነጽቅጥ እንተዘይደሊና፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ንኤርትራውያን ንዝሰምዖ ፍጡር እውን ዘቕስን ኣይኮነን። ስለዚ ካብዚ ብተመኩሮኻ ናይ ዘይምምሃር ሕማቕ ተመኩሮ ወጺእና፡ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ሓድሽ ሓድነታዊ ኣተሓሳስባ ከነመንጩ ኣብ እንግደደሉ ግዜ ዘይህብ  ህሞት ምህላውና ነስተብህል።

Last modified on Friday, 28 December 2018 13:09