Print this page

ዓብይ መርኣያ ውድቀት ህግደፍ

2018-10-01 18:08:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3204 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣጅልዎ ዝጸንሐ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ደፊኡ ምስ መጾ ኣብ ምቕባሉ ኮነ ዘይምቕባሉ ነናይ ገዛእ ርእሱ ሓደጋ ከም ዝነበሮ ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። እቲ ምስ ዘይምቕባል ክመጾ ዝኽእል ዝነበረ ሓደጋ ተነጽሎን ካብተን ምስ ምውዳእ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከባብያዊ ስትራተጅያዊ መኽሰብ ዘለወን ሃገራት ዝወሃቦ ዘሎ ረብሓን ዝስለሞ ዘሎ መዳልያታትን መስኣን። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዝጸንሐ ናይ ጽምዋን ተነጽሎን ዓለሙ እውን መቐጸለ። እነሆ ከኣ ካብዚ ንምድሓን ግና ድማ ኩሉ ድሌታቱ ንእገዳ ሓዊስካ ኣብ ዘይተማለኣሉ ብዘይውነኡ ተቐቢልዎ።

እቲ ምስ ምቕባል ክመጾ ዝኽእልን ተጸሚሙ ኣትይዎ ዘሎን ሳዕቤን ከኣ ናይቲ ብኣይሰላም ኣይውግእ ተዓቢጡ ዝጸንሐ ህዝባዊ ቁጠዐ ምግንፋል ነይሩ። እነሆ ከኣ ምልክታቱ ይርአ ኣሎ። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ብዓንተብኡ ካብቲ ክልተ ሕማቓት እቲ ከብዱ ዝመልኣሉን ናይ ሓሶት ምስሊ ክህቦ ዝወጠኖን ሕማቕ እዩ መሪጹ።

ንሕና ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚርና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ጉዳይ ንክውድእ ክንቃለስ ጸኒሕና። ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኩሎም ኣካላትን’ውን እቲ ጉዳይ ዝውደኣሉ ኩነታት ክፈጥሩ ክንጽውዕን ክንምሕጸንን ጸኒሕና። ምኽንያትና ከኣ ኣብ ክልተ ክጠቓለል ዝኽእል ነይሩ። እቲ ሓደ ልኡላውነት ኤርትራ ብመሰረ’ቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኣረጋጊጽካ ህዝብና ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሓዲርዎ ዝነበረ ሻቕሎት ንክውገደሉ’ሞ ናብ ካልእ ዘቤታዊ ጉዳያቱ ክቋመት ንክኽእል ነይሩ። እቲ ካለኣይ ምኽንያት ከኣ እቲ ህግደፍ በዚ ዘይተወደአ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሕበኣሉ ዝነበረ በዓቲ ክፈርሶ እሞ ናይ ለውጢ ድፍኢት ቦታ ክረክብ ነይሩ። እነሆ ከኣ ሎሚ ከምቲ ዝገመትናዮ ህግደፍ መሕብኢኡ ፈሪሱ፣ ብዛዕባቲ ዝኸዶ ዘሎ ጐደሎን ዘይግሉጽን ኣተገባብራ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ዝዛረበሉ ልሳኑ ተዓቢሱ ናብቲ ልሙድ ናይ ምጽቃጥ ጠባዩ ኣትዩ ኣብዚ ወሳኒ ህዝቢ ናይ ምትህድዳእ ግዜ ሃሚጡ።

ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት፣ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ዝምድናኦም “ብሕቖን ከምድን” ዝምሰል ተጻራሪ እዩ ክብል እንከለና፣ ብፍላይ ናይ ደገ ሓይልታት ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝካየድ ብክንደይ ውዲትን ሸርሕን ዝተሰነዐ ውሱን ናይ ደገፍ ሰልፍታትን ፈስቲቫላትን ርእዮም “ከመይ ገይሩ ደኣ እዚ ህዝቢ ይድግፎ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ የልዕሉ ነይሮም። በቲ “ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዕድል እንተዝረክብ እቲ ሓቂ መተራእየ ነይሩ” እንብሎ ዕጉባት ዘይነበሩ ከኣ ውሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ ሎሚ እቲ ሓቀኛ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍ እነሆ ብናይ ራሕሪካዮ ሃጽ ምባል ቋንቋ ባዕሉ ክዛረብ ጀሚሩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዶብ ተኸፊቱ ካብን ናብን ብነጻ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ምስ ተባህለ፣ ኣብቲ ዶባት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ዛላንበሳ ኣፍደገ ኣብ ሓደ ደቒቕ ክሳብ ዕስራ መካይን ይመሓላለፋ ኣለዋ። እተን ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝኣትዋ ዝመረሮ ህዝቢ ዝጸዓና እየን። እተን ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝኣትዋ ከኣ ንግዳዊ መሰረታዊ ሃላኺ ነገራት ዝጸዓና እየን። እቲ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ሰብ ውሑድ እሞ ድማ ኩነታት ኣስመራን ክርኢ ዝደሊ ብሰንኪ ክብርን ሕጽረትን መሰረታዊ ጉዳያት ኣብ ኣስመራና ቅድሚቲ ዝሓሰቦ ዕለት ናብ ቦታኡ ዝምለስ እዩ። እቲ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ህዝቢ ግና ብዙሕ፣ ክሳብ ኣበይ ከም ዘበጽሕን ኣብቲ ዝበጽሖ ምስ በጸሐ እንታይ ከም ዝገብር ዘይወሰነን፣ ንሓዋሩ ከይምለስ ንኤርትራ ኩቦ ዝደርበየላ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣይፍለጥን ህግደፍ ከየርክብዎ ግዜ ከይሃበ፣ ዘይወሃብ ሂቡ ዓዲ ግራት በጺሑ ካብ መቐለ ሓሊፉ ብዘይውሑስ ኣገባብ መጐዓዝያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተንፍስ ብዙሕ እዩ። እዚ ስለ ዘይተኣማምኖ ብሞያለ ኣቢሉ ኬንያ ኣቋሪጹ ዩጋንዳ ዝኣተወ ከኣ ብዙሕ እዩ። ስለዚ ናይቲ ዘይቋርጽ ውሕጅ ኤርትራውያን መልሓስ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ገጹ ኣቕኒዑ ኣሎ ማለት’ዩ።

ህዝቢ ንሓደ ስርዓት ክጸልኦ እንከሎ፣ ጽልኡ ዝገልጸሉ ብዙሕ ኣገባባት ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ስርዓተ-ምርጫ እንተዝህሉ ብድምጹ ጽልኡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ መገለጸ ግና እዚ ዕድል’ዚ የለን። ኣብ ኤርትራ መሰል ምውዳብ፣ ምዝራብን ሰላማዊ ሰልፊ ምውጻእን እንተዝህሉ ተኣኪቡ ኣይንደልየካን መበለ ግና የለን። ስለዚ በታ ኣብ ኢዱ ዘላ ነቲ ስርዓት ራሕሪሕካዮ ብምኻድ ጽልኡ ይገልጽ ኣሎ። ሃገር፣ ህዝብን መንግስትን እንተዘይተወሃሂዶም ሓደጋ ከም ዘጋጥም ንዝርዳእ ሓላፍነታዊ መንግስቲ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ኣሃዛቱ ብበዓል ማርቲን ፕላውት ዝገለጽ ዘሎን ኣብ ባይት’ውን ዝረአ ዘሎ ፍልሰት ከሰክፎ ጥራይ ዘይኮነ ከሻቕሎ መተገብአ። መልክዕ ንምትሓዙ ከኣ ዳምዳም መበለ። ህግደፍ ግና ነቲ ውድቀት ርዒሙ ሃገር ብዘይህዝቢ ዝምራሕ ግዲ መሲልዎ ዝተሰቆሮ’ውን ኣይመስልን።

ስለዚ ንሕና እቶም ሻቕሎት ህዝብ ዘሻቕለና፣ ኣብዚ ንሕና ብቕሙጥና ዓለም ብጉዳይ ህዝብና ትሻቐለሉ ዘላ ግዜ፣ ንህዝብና ነእውየሉ። ንህዝብና ኣብቲ ዘለኻዮ ጥዒሙካ ኣሎ’ሞ ንህግደ ኣይትግደፍ ክንብሎ’ኳ የጸግም። ምናልባት እውን “ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ” መበለና። እቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ናይቲ ጸገሙ መሰረታዊ ፍታሕ ዘይምዃኑ ምሕባሩ ግና ኣገዳሲ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ እቲ ኣብ ኤርትራ ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ዝተወደበን ናይ ምግዳድ ተኽእሎ ዘለዎን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣዘዝቱን ደሓር ከይጠዓሱ ኣብዚ ሕማቕ እዋን ደሃይ ግበሩ ንብሎም። እታ ኩሉ ነገር ዝኸፈሉላ ሃገር ህዝባ ገዲፍዋ ክትባድም እንከላ ወይ ስቕ ኢሎም ከም ዘየምሕረሎም ክንሕብሮም ንፈቱ። ብሰንኪ ውሑዳት ምናልባት እውን ብሰንኪ ሓደ ሚዛኑ ዝሰሓተ ሰብኣይ ሃገር እንዳጠፈአት ኣብ ክንዲ ሱቕ ኢልኩም ምርኣይ “በትሪ ኣብ ኢድኩም ተመን ኣብ እግርኹም” እዩ’ሞ ስጉምቲ ክትወስዱ እትግደድሉ ግዜ ምዃኑ ምዝኽኻርኩም ኣገዳሲ እዩ። እንተ’ዚ ተረኽቦ ኣማን ብኣምን መርኣያ ውድቀት ህግደፍ ዘመልክት እዩ።

Last modified on Monday, 01 October 2018 20:14