Print this page

ብቑዕ መተካእታ ንምዃን ዘይሓለፍናዮ ፈተና!

2018-08-26 09:10:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2612 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ጽቡቕ ከምዘይነበረ ጌና ኣብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ከይበጽሐ ዝተረዳእናዮ እዩ። ኣብቲ ከምዚ ሎሚ ከይገዘፈ ውሱን ምልክት ዘርእየሉ ዝነበረ በብዝጥዕመና ኣገባብ ክንገልጾን መተካእታ ከም ዘድልዮን ክንሕብር ጸኒሕና። ምሕባር ጥራይ ዘይኮነ መተካእታ ሓሳብ ንምምጻእ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ማሕበራት ካብ እንውደብ እውን ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። እቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ስቓይ ቅጭጭ ከይበሎ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ብወገኑ ብዘይሕብእብእ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ዘረድእ “ኣነ እየ ህዝብን ሃገርን” ዘስምዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት መርተዖታት ክህበና ጸኒሑ እዩ።

ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ መተካእታ ምምጻእ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነ ናይ ህልውና ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ። ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ዝበቅዕ ቅሩብነት ኣርኢና ካብ እንንቀሳቐስ’ውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ 2001 እቲ ስርዓት ጸረ-ህዝብነቱ እምብዛ ሳዕሪሩ ንወጻዒ ባህርያቱ ብሰፊሕ ናይ ማእሰርቲ ለበዳ ምስ ኣረጋገጾ ብዙሓት ኣብ ሕቑፍኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ደንበ ተቓውሞ ተጸንቢሮም እቲ ናይ ለውጢ ደንበ ኣዝዩ ዝመቖሉን ናይ ህዝብና ናይ ለውጢ ባህጊ ሰማይ ዝዓረገሉን ደረጃ በጺሑ ነይሩ። እቲ ባህጊ ግና ብዝድህሰስ መተካእታ ኣይተሰነየን።

ወጻዒ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ብናትና ዳህሳስ ድዩ ብናቱ ቅሉዕ ትዕቢተኛ ተግባራት ንጹር ምንባሩ ንቐጻሊ ቃልስና ኣገዳሲ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ዝኸበደ ነቲ ሕማቕ ባህሪኡ ምርዳእ ዘይኮነ፡ መተካእታ ምቕራብ ምንባሩን ምዃኑን ከኣ ህልዊ ኩነታትና መስካሪ እዩ። ሓደ ጸገም ጠንቁ ምስተፈልጠ መድሃኒት እንተረኺብካሉ ሓጋዚ እዩ። እንተኾነ ነቲ ጸገም ፈሊጥካዮ ክንስኻ መተካእ እንተ ዘይረኺብካሉ ፋይዳ የብሉን። እዚ ከኣ ንሕና ንዘለናዮ ሃለዋት ዘመልክት እዩ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ብኹሉ ማኣዝናት ክረኣይ እንከሎ፡ ኣብ ዝርዝር ከይኣተኻ ኣስካሕካሒ እዩ። ናይቶም መተካእታ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዘለና ወገናት ንጥፈት ብኣንጻር’ዚ ክንህር ዝግበኦ ኣይከኣለን። ብኻልእ ኣዘራርባ ንሕናን ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍን ብማዕረ ንደኽመሉ ዘለና ዘይንቡር ኩነታት ንዕዘብ ኣለና።

ተልእኮን ዕላማን ሓይልታት ለውጢ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓጺር ጸሚቝካ ክቐርብ እንከሎ ንወጽዓ ህግደፍ ዓጺፍካ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ መተካእታ ኮይንካ ምቕራብ እዩ። እዚ ዕማም’ዚ ቀሊል ከምዘይኮነ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ከም ዝከኣል ግና ብተመኩሮታት ዝተረጋገጸ መስርሕ እዩ። ኣብ ከምዚ ንሕና ዘለናዮ ብብዙሓት ኣገባብ ውዳበታት ዝግለጽ ሃለዋት ብቑዕ መተካእታ ንምዃን ካብ ዘኽብድዎ ምኽንያታት እቲ ዕማም ናይ ብዙሓት ሰብ ጉዳይ ብምዃኑ፡ እቶም ሰብ ጉዳይ ኣብ ሓደ ርኢቶ ክጽመዱ ስለ ዝኸብድ እዩ። እንተኾነ እዚ እውን ፍልልያትካ ወጊንካ ኣብቶም ዘሰማምዑኻ ብሓላፍነት ክትሰርሕ እንተተቢዕካ ስለ ዝከኣል ምኽኑይ መህደሚ ጌርና እነቕርቦ ኣይኮነን። ነዚ ብዙሓት ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ዘተኸተላ ሃገራት ዘረጋገጸኦ እዩ። ስለዚ ነቲ ዝከኣል ናይ ዘይምኽኣልና ናትና ድኽመት ዘመልክት ምዃኑ ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ።

ካብዚ ዘለናዮ ሓላፍነታዊ መልክዕ ዘይሓዘ ኣተሃላልዋ ንምውጻእ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ፈተነታት ኣካይድና ኢና። ብዘይካቶም ብዙሓት ውድባት፡ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን ዝተሳተፍሎም፡ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እንብሎም፡ ኣብ ሕድሕድ ክልተ-ሰለስተ ውድባት ክፍተኑ ዝጸንሑ ዝምድናታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ኣብ ውጽኢት ክንመጽእ እንከለና ግና ዳርጋ ኩሎም ክሳብ ሕጂ ሓቢርካ ናይ ምስጓም ፈተነታትና ኣይተዓወቱን። ናይዚ ዘይምዕዋት ጠንቂ ኩልና በብደረጃና በብጽሒትና እንወስደሉ ድኽመታት እዩ። ንድኽመታትና ጉጅለ ህግደፍ እውን ዕድል እንተረኺቡ መሊሱ ከም ዘጋድዶ ፍሉጥ እዩ። እቲ መተካእታ ናይ ምዃን ዕማምን ሓላፍነትን ግና ሕጂ እውን ንዓና እዩ ዝጽበየና ዘሎ። እቲ መዋጸኦ ከኣ ካብ ሰማይ ዝወርድ ህያብ ዘይኮነ፡ ንሕና ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ተማሂርና እነዕርዮ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሓንሳብ ሕማቕ ምስ በልካዮ ኣብኡ ጠጠው ዝብል ዘይኮነ ኣብ ቀጻሊ ዕቤት ዘሎ እዩ። እቲ ዕቤት ናበይ ገጹ’ዩ ንዝብል ኣብቲ ቅድም ዝሓዞ ናብ ቁልቁል ዝንቆት ዘሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እውን ነቲ ናይ ጥፍኣት ኣቕጣጫ መመሊስካ ምትራሩ እንተዘይኮይኑ መተካእታ ከምጽእ ዘበት እዩ። ሎሚ ንሕና ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ብኸመይ ከም ዝረጋገጽ እንዳሻቐለና ካልእ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ዝመስል ተርእዮ ምቕልቃሉ ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ማዕረ ማዕረ’ዚ ሻቕሎት ሓይልታት ለውጢ ይንህር ከምዘሎ ዘዳዲ ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ጀነቫ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ናይዚ ናህሪ መርኣያ እዩ። እቲ ፍታሕ ግና በቲ ኩነታት ምሽቓልን ምንሃርን ዘይኮነ፡ ነቲ ሻቕሎት ናብ ራህዋ ዝቕይር ውዱብ መተካእታ ኮይንካ ክትቀርብ ምብቃዕ ጥራይ እዩ። እሞ ብመንጽርዚ ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለና? ንዝብል ሕቶ መልስና “ጌና ነቲ ብቑዕ መተካእታ ናይ ምዃን ፈተና ኣይሓለፍናዮን” ዝብል ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ዕንክሊል ዘባኸናዮ ግዜ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እንተኾነ ሕጂ እውን እቲ መተካእታ ናይ ምዃን ዕድልና ኣይተዓጽወን። እቲ ወጽዓ ኣይኮነንዶ ክውገድ መመሊሱ ኣብ ዝገደደሉ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ዘባኸናዮ ግዜን ዕድልን ናይ ምምላሱ ዕድል ኣሎ’ሞ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደል ቅድሚ ኩሉ ሰሪዕና ብመግለጽታትን ኣዋጃትን ዘይኮነ፡ ብተግባር ሓቢርካ ብምስጓም “ኣለናልካ” ንበሎ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብፍላይ ካብቲ ብ4 ሰነ 2017 ናይ ሓቢርና ንስራሕ እማመ መጸዋዕታ ምቕራቡ ንነጀው፡ ብዘይምቁራጽ ይጽውዕን ቅርቡነቱ ይገልጽን ኣሎ። ማዕረ ትጽቢቱ’ኳ እንተዘይኮነ ሰማዒ እዝኒ ኣይሰኣነን። ስለዚ ሕጂ እውን ነቲ ረኺብዎ ዘሎ ኣውንታዊ ምላሽ ብግቡእ ዓቂቡ እንዳሰርሓሉ ነቲ “ሓቢርና ብቑዕ መተካእታ ንኹን” ዝብል መጸዋዕታኡ ክቕጽሎ እዩ።

Last modified on Sunday, 26 August 2018 11:13