Print this page

ጽባሕ ካብ ዘጣዕስን ዘሕትትን ምዕቃብ

2018-05-29 19:54:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3258 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሎሚ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊቲ ብሰንኪ ህግደፍ ናይ ስደት ግደይ ኮይኑ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ዝወርድ ዘሎ ብድምሩ ዘስካሕክሕ ኢልናዮ ክንሓልፍ እንተዘይ ኮይና ዘርዚርና እንውደኦ ኣይኮነን። ህግደፍ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ሓደ እዋን እምነት ዘንበረሉ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ምጽናት ዘምርሕ በደል ዝፍጽም ዘሎ፡ ብሃንደበት ዘይኮነ ብኸመይ ንህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ከም ዘስትዮ ሓሲቡን ወጢኑን እዩ። ስለዚ ካብ ከምዚ ኮነ ኢሉ ዓሊሙ ሕገመንግስቲ ነፊጉ ዝውጽዕ ኣካል ራህዋ ኣይትጽበን። “ስለምንታይ እዩ ህግዲፍ ከምኡ ዝገብር ዘሎ?” ዝብል ሕቶ ብብዙሓት ወገናት ዝቐርብ እዩ። እቲ መልሲ’ውን ከምቲ መልክዕ ናይቲ ሕቶ ብዙሕ እዩ። ተደሚሩ ግና ሕልሙ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ኮይኑ ፡እቲ ነዚ ንምዕቃብn ንምብጻሕn ዝመርጾ መንገዲ ከኣ ንህዝቢ ኩሉ መሰላቱ ገፊፍካን ኣበርክቶኡ ጨዊኻን ብምድሃል ስለ ዝኾነ እዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ኢልካ ምጥቕላል ብመጠኑ’ውን እንተኾነ ነቲ ሕቶ መልሲ እዩ።

ናይቲ ወጽዓ መሪሕ ሃንዳሲ ህግደፍ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ካብቲ ናቱ ወጽዓ ዘይፍለ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሙ ኤርትራዊ ወገናት’ውን ኣለዉ። ናይ ህግደፍ ናይ ወጽዓ ቅኒት ምእንቲ ስልጣንን ምስኡ ተጐዝጒዙ ዝኸይድ ኩለመዳያዊ ረብሓን እዩ። ናይቶም ብተግባር ካብ ናቱ ኣካይዳ ብዘይፍለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ዝፍጽሙ ወገናት ተግባር ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ቅኒቶም ከኣ ግዝያዊ ነገራዊ ረብሓ ምኽዕባት እዩ። እቶም ዋላ ረብሓ እንተዘይረኸቡ ንተግባራት ህግደፍን ደቂ መዛምርቱን ዝድግፉን ዘመጉሱን እውን ብሕልናን ኣተሓሳስባንሲ ካብ ህግደፍ ፈሊኻ ዝረኣዩ ገበነኛታት ኣይኮኑን። እዚ ኣብ ብዙሕ መዳይን ክፍሊ ሕረተሰብ ኤርትራን ዘጋጥም ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብቶም ግዳይ ስደት ኮይኖም ዘለዉ ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ እዩ።

ገለ ኤርትራውያን ከምቲ “ወዲ ዓሻስ ክልተሻዕ ይውቃዕ” ዝበሃል፡ እቲ ብህግደፍ ዝወርዶም በደል ከይኣክል ንግዚያዊ ንዋያዊ ረብሓ ክብሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሰንኪ ዘይውሑስ ጉዕዞ ስደት ዓቕሎም ዝጸበቦም ዜጋታቶም በደል ከም ዝፍጽሙ ከም ዜና ካብ እንሰምዕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ጉዕዞቲ ዘይውሑስ ስደት፡ ህይወቶም ክሓልፍ፡ ንብረቶም ክውሰድ፡ ውሽጣዊ ኣካላቶም ከም ተራ ኣቕሓ ኣብ ዕዳጋ ክወርድ እንከሎ፡ ናይ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ኢድ ከም ዘለዎ ካብ ዝንገር ነዊሕ ኮይኑ እዩ። እዚ ተግባር ነቶም ተግበርቱ ተጣዒስካ ዘይወጽእ ገበንን ተሓታትነት ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ኣብዚ ጉዳይ ንጹህ ኢድ ዘለና እውን “ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ከምዚ ፈጺሞም” ክበሃል እንከሎ ዘይኩርኩሓና ኣይኮነን። እዚ ንተግበርቱ ጽባሕ ዘይወጸሎም ጣዕሳ ዘኸትል ተግባር ኣብ ዶባት ኤርትራ፡ ኣብ ምድረ-በዳ ሳሕራ፡ ኣብ ባሕሪ መዲትራንያንን ገማግም ሃገራት ኤውሮጳን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብተን ኤርትራውያን ዘይውሑስ ህይወት ዘሕልፉለን ዘለዉ ከም እስራኤል ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ይፍጸም ከምዘሎ ብዙሓት ወገናት ዝዘራረብሉ ዘለዉ እዩ።

ኣብተን ናይ ሰባት ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰል ዘኽብራ ምዕቡላት ሃገራት፡ በቲ ጸጋአን ዝጥቀሙ ገለ ኤርትራውያን፡ በቲ ንሳቶም ዝረኸብዎ መሰል እንዳተሃራረፉ፡ “ናብ ከም ከናዳ ዝኣመሰላ ዕሉዋት ሃገራት፡ ክንወስደኩም ክንድዚ ገንዘብ ክፈሉ” ዝብሉ ብጠቕሚ ዝዓወሩ ወገናት ኣለዉ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ንዝህብዎ ኣገልግሎት ገንዘብ ዝሓቱ ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቶም ተሓቢኦም ርሃጾም ኣፍሲሶም ዘዋህለልዎ ወይ ድማ ካብ ቤተሰብ ብመልክዕ ሓገዝን ልቓሕን ዝኣከብዎ ገንዘቦም በሊዖም ዝጠልሙ ምህላዎም ከኣ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እዚ ኣብ እስራኤል፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሃሰስ እንተ ኢልካ ኣብ ባይታ እትረኽቦ ሓቂ እዩ። ሎሚ ብጽባሕ ከም ዝትካእ ፍሉጥ እዩ። ጽባሕ ከኣ እዚ ናይ ሎሚ ተግባራት ዛንታ ኮይኑ ክምዘን እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ጽባሕ ሰባት ብናይ ሎሚ ተግባራቶም ክምጐሱ፡ ክንቀፉ ምናልባት እውን ክሕተቱ እዮም። ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ዝበደልካዮ ህዝቢ ምጥዓስ ወይ ተሓታቲ ምዃን እቲ ዝሓለፈ ዝእርም ኣይኮነን። ሎሚ ከሎ ጋና ምእራሙ ግና ይከኣል እዩ። ስለዚ እዞም ሎሚ ዘይረሃጽዎ ገንዘብ ጨውጨው ጥዒምዎም ኣብ ልዕሊ ወገኖም በደልን ጥልመትን ዝፍጽሙ ዘለዉ ክሓስብሉ ይግባእ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብደላሎ፡ ዘይሕጋውያን ኣዘዋወርቲ ሰባትን ዓለም ለኻዊ ሕጊ ስደተኛታት ብዘየኽብሩ መንግስታትን ዝፍጸም በደል ስለ ዝሓዝን ከም ወትሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ከትሪ ኣትሪሩ እንዳኾነነ፡ ኣብዚ ሕማቕ ተግባር ተዋፊሮም ዘለዉ ወገናት ናብ ልቦም ተመሊሶም ክእደቡ መልእኽቱ የመሓላልፍ። እቶም ናይ ከምዚ ተግባራት ግዳያት ኮይኖም ገንዘቦም ዘባኽኑ ዘለዉ ወገናትና ፡ ገንዘቦም ንመንን ስለምንታይን የፍስሱ ከም ዘለዉ ከጽንዑ ይግበኦም እምበር፡ ከምቲ “ህርፋንያ ጸባስ ጓጉድ ማይ ኣወደአ” ዝበሃል ንዝእተወሎም ቃል ከጽንዕዎ ይግበኦም። ካብዚ ሓሊፉ ክዝመቱ እንከለዉ ብዘይነሓፍነት ንገበርቲ ግናይ ከቃልዑን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርቡን ይግበኦም። ምኽንያቱ ንሳቶም ኣጽቂጦም ካልእ ከእውየሎም ኣይክእልን እዩ። ነዚ ሕማቕ ተግባር እነውግዝ ወገናት ከኣ ባዕልና ምኹናኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነናብቲ ንነብረሉ ዘለና ሃገራት ሕጋዊ ትካላት “ኣቤት ምእንቲ ፍትሒ” ክንብል ይግበኣና።

Last modified on Tuesday, 29 May 2018 22:00