Print this page

ዘሕብን ፍጻመታት በብኩርናዑ

2018-04-16 07:24:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3441 times
Rate this item
(1 Vote)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሰሪሕናዮ ዘለና ሰልፍታት ይኹን ጽላላት ንሓባራዊ ስራሕ ደምበ ተቓውሞ ዝሕግዝ እምበር ዝዕንቅፍ ክኸውን ኣይግብኦን።”(ካብ እማመ ሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ውድባት ሰዲህኤ ዝተወስደ)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብዚ እዋንዚ ካብ ካልእ ግዜ ብዝተፈልየ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት የካይድ ኣሎ። እዚ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ቀንዲ ኣካል ናይቲ ዝተጸንዐ መደባት ነዲፉ ዘካይዶ ዘሎ መደብ ምሕዳስ ሰልፊ ዘራጉድ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሓት መደብ ምሕዳስ ሰልፊ ብሰልፋዊ ኣካላት ክጅምር ስለ ዝግበኦ ካብቶም ቀዳምነት ዝተዋህቦም መደባት ምሕዳስ “ብርታዐናን ድኽመትናን ምልላይን መፍትሒ ምርካብን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኩሉ ዞባታትን ብደረጃ ዞባ ኣብ ዘይተወደበሉ ከባቢ ድማ ኣብ ጨናፍር፡ ላዕለዎት ኣካላት ሰልፊ ዝመርሕዎ ሰሚናራት ተኻይዱ። ካብዚ ኣብ መጻኢ’ውን ዝቕጽል ሰሚናራት ከኣ መጻኢ መደባት ኣብ ምሕንጻጽ ዝሕግዝ ኣገዳሲ ሓሳባት ካብ መሰረታት ሰልፊ ተሓፊሱ። እዚ ተግባር ኣብ ጉዕዞ ግሉጽነትን ምቅርራብን ኣብ ምዕኳኽ ብጽሒቱ ዕዙዝ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ከተማ ለንደን “ፎሩም ኤርትራዊ ሃገራዊ ዘተን” “ማእከል ዜና ኤርትራን” ኣብ ዘዳለዉዎ ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ፡ ብኣመንበር ሰዲህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝምራሕ ልኡኽ ምስታፉ፡ ማሕበር ምትሕብባር መታሕት ኤርትራ ኣብ ከተማ ከለን ኣብ ዘዳለዎ ጽንብል 4ይ ዓመት ምምስራቱ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ እትመርሖ ልእኽ ምንባሩን ብዓብይኡ ድማ ክልተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ኣቶ ትኩእ ተስፋይን ወይዘሮ ፈቨን ጊደዎንን ዝርከብዎ ልኡኽ ኣብ እስራኤ ናይ ስራሕ ዑደት የካይዱ ምህላዉ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በብኩርናዑ ኣብ ጽዑቕ ሰልፊ ናይ ምሕዳስ ስረሓት ተዋፊሩ ምህላዉ ዘመልክትን ዝቕጽልን እዩ።

ከምቲ ኩሉ ግዜ እንገልጾ ኣብዚ እዋንዚ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣብቲ ዝሰማመዓሉ ነጥብታት ሓቢሩ ዝሰርሓሉ ጽላል ምፍጣር ቅድሚት ካብ ዝስርዑ ኣብ ማህደር ምሕዳስ ሰልፊ ካብ ዝተታሕዙ ዕማማት እዩ። እዚ ድማ ሕጂ ዝጅመር ዘሎ ዘይኮነ ንነዊሕ ግዜ ክጽናዕ ምስ ጸንሐ፡ ካብ 4 ሰነ 2018 ጀሚሩ ብወግዒ ብደረጃ እማመ ሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ 4 ኣገደስቲ መሰማምዒ ነጥብታትን 3 ብሓባር ክስረሓሎም ዝኽእል መዳያትን ሒዙ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላትን ህዝብን ዝተዘርግሐ ሰነድ እዩ። እዚ እማመ ክሳብ ሕጂ ከም መዋጽኦ ካብዚ ተቓውሞና ኣትይዎ ዘሎ ደውታ ናይ ብዙሓት ወገናት ቀልብን ደገፍን ዝስሕብ ዘሎ እዩ። ሰዲህኤ ብወገኑ “ናተይ ጥራይ እኹል እዩ” ከይበለ፡ ኣብቲ እማመ ናይ ካለኦት ወገናት ሓሳብ ንክቕበል ሕጂ’ውን ድልዊ እዩ። በዚ መሰረት እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቑሱ ልኡኻት ሰልፍና ኣብቲ ዝረኸብዎ ኣጋጣምታት ነዚ እማመ እዮም ከም ሓደ ኣገዳሲ እዋናዊ ዛዕባ ከቕርብዎ ቀንዮም።

ሰዲህኤ ጉዳይ ስደት ኤርትራውያን ውጽኢት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕሰም ምዃኑ’ዩ ዝኣምን። በዚ መሰረት ስደት ደውን ንክብል እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ነቲ ጠንቂ ስደት ዝኾነ ነፋጊ ስርዓት ንክውገድ ከም ኩሎም ኤርትራዊ ጸረ ምልኪ ሓይልታት ይቃለስ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም መሰሎም ንክሕሎ ከኣ ብዘይምቁራጽ እቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶም ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን ምሕጽንታን መዘክራትን ከቕርብ ጸኒሑን ኣሎን። ብፍላይ ነቶም ኣብ እስራኤል ናይ ስደተኛ መሰላቶም ተገፊፉ፡ ናብቲ ዝራሕርሕዎ ስርዓት ናይ ምምላስ ወይ ናብ ዘይውሑስ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምኻድ ወይ ድማ ኣብ እስራኤል ምእሳር ደበና ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ዘንጠልጠለሉ ናይ ጸበባ ግዜ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ከምኡ ከኣ ኣብቲ ጉዳይ ብቐጥታ ኢደን ዘእትዋ ሃገራት፡ እስራኤል፡ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ምሕጽንታኡ ብደረጃ መዘክራት ናብ ላዕለዎት ሓለፍተን “ዓገብ በሉ” ክብል ጸኒሑ እዩ።

እቲ ኩነታት ተወጢሩ፡ ብማዕዶ ኮይንካ መዘክራት ምልኣኽ ጥራይ እኹል ከምዘይከውን ምስተረደ ከኣ ብውሳነ መሪሕነት ነቲ ኩነታት ብኣካል ምስቶም ግዳያት ዝላዘብ መሪሕነታዊ ልኡኽ ብ31 መጋቢት 2018 ናብ እስራኤል ሰዲዱ። እዚ ዕማምዚ ንክሳለጥ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዘርኣይዎ ቅሩብነት ከኣ፡ ንሓድነትን ተወፋይነትን ኣባላት ሰዲህኤ ዘመስከረ ዝነኣድን ዝድነቕን ተግባር ነይሩ። እቲ ኣብቲ ጸልማት ብርሃን ከም ዘሎ ኣሚኑ ኒሕን ጽንዓት ዓጢቑ ዝኸደ ክልተ ኣባላት ባይቶ ዝሓቘፈ ልኡኽ ሰዲህኤ ውጽኢት ዑደቱ ክሳብ ክንደይ ዕዉት ምንባሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚድያታት ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ምድግጋሙ ዘድሊ ኣይኮነን። በቲ ይኹን በዚ ግና ዕላማ እቲ ተልኦ ናይቶም ኣብቲ ስቓይ ዘለዉ ስደተኛታት ጸገም ተኻፋልነት ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ እውን ሓቢርካ ንናይ ህዝብን ሃገርን ረብሓን ራህዋን ናይ ምቅላስ ባይታ ዝምድምድ ስለ ዝኾነ ዝተደራረበ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ። ሰዲህኤ ከኣ ንመጻኢ’ውን ኣበየናይ ኩርናዕ ዓለምና ኣለዉ ብዘየገድስ ኣብ ጐኒ ስደተኛታት ኮይኑ ዓቕሙ ብዝፈቕዶ መሰላቶም ንክሕሎ ካብ ምብርካት ድሕር ከምዘይብል ዘመልክት’ውን እዩ። ምስዚ ከኣ ስደተኛታት ፖለቲካዊ ፍታሕ ዝጽበዩ ዘይኮኑስ ኣካል ናይቲ ፍታሕ ምስዝኾኑእቲስቅያትከም ዝውገድሰልፊዲሞክራሲህዝቢኤርትራዓቢይ እምነት ኣለዎ

እዚ ኩሉ ዘመልክቶ ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት እጃሙ የበርክት ከም ዘሎ እዩ። ኣብቲ እንደልዮ ራህዋ ንምብጻሕ ድማ ናይ ሓደ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሓበር ተልእኮን ሓላፍነትን ዘይኮነ፡ ብናይ ኩልና ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣበርክቶ ዝውሰን እዩ። ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ ኩልና በበቲ እንኽእሎ ክንወፍር እሞ ናይ ኩልና ተደሚሪ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንክፍጠር ንጽውዕ።

Last modified on Monday, 16 April 2018 09:30