Print this page

ተመኩሮ መመሃሃሪ መድረኽ እዩ

2018-02-28 21:54:23 Written by  ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3082 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ብዙሓት ኣይውቅዑኻ፡ ብዙሓትስ ይሃቡኻ” ከም ዝበሃል ምስላ ወራዙት፡ ናይ ካለኦት ተመኩሮ ምቕሳምን ተመኩሮኻ ንካለኦት ምክፋልን ኣብ ርእሲ ዘለካ ዓቕሚ ዝፈጥር ምዃኑ ብተግባር ዝተረጋገጸ ኣሰራርሓ እዩ። ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ንምውሳን ብዛዕባኡ እኹል ሓበሬታን ተመኩሮን ምርካብ ኣብ ቅቡልነት እቲ ውሳነ ወሳኒ ብጽሒት ኣለዎ። ብመንጽር እዚ እዩ ከኣ ተመኩሮ መመሃሃሪ መድረኽ’ዩ ዝበሃል። ከምዚ ዓይነት ተመኩሮ ናይ ምርካብ ኣገዳስነት ንምጥቃስ እዩ ከኣ “መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ” ዝበሃል

ተመኩሮ ኣብ መጻኢ ክምዕብል ዝግበኦ ቅኑዕ ፍጻመ ምቕሳም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ ክድገም ብዛዕባ ዘይግበኦ ዘይቅቡል ኣሰራርሓ’ውን ዘስተምህር እዩ። በዚ መመሃሃሪ መድረኽ ኣቢልካ ድማ ምሉእ ብምሉእ’ኳ እንተዘይተባህለ ንመጻኢ ጌጋታትን ድኽመታትን ምውጋድ ከም ዝከኣል ብብዙሕ ኣብነታት ክግለጽ ዝኽእል እዩ። ንተመኩሮ ግቡእ ቦታ ዘይምሃብ ግና ወትሩ ናብ ሓድሽን ጀማርን እዩ ዘውርደካ። ኣብ ሓደ ዕማም ዝተሰለፉ እሞ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዝዋስኡ ኣካላት ናይ ዕላማ ሓድነቶም ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣብ ከከባቢኦም ብዝረኣዩ ምዕብልናታት ስለ ዝጽለዉ ኣተገባብረኦም ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ካብዚ ውሱንነትዚ ወጺኦም ብዛዕባቲ ዝተሰለፍሉ ዕላማን ኣተገባብርኡን ምሉእ ግንዛበ ክህልዎም ኣገዳሲ እዩ። እዚ ምሉእነት ካብ ዝረጋገጸሉ መንገድታት ምልውዋጥ ተመኩሮ ኣገዳሲ ቦታ ዝሕዝ እዩ።

ብመንጽር እዚ ዞባታት፡ ንኡስ ዞባታት፡ ጨናፍርን ኣባላትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣሜሪካ-ካናዳን ኤውሮጳን ብ24 ለካቲት 2018 ምውርራስ መኽሰባት ተመክሮኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘካየድዎ ናይ ተመኩሮ እንካን ሃባን ኣኼባ ኣገዳሲ ኣብነት እዩ። እዚ ኣጋጣሚ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዘሎ ምዕብልናታት ሰልፊ ብኣካል ብዝቐርብ ተመኩሮ ምርድዳእን ሕድሕድ ንምልላይን ዘኽኣለ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዕማማትን መትከላትን ሰልፊ ኣብ ምትግባር መምስ ከባቢኡ ብዝሰማማዕ ዝተሓዙ ሜላታት እንታይ ከም ዝመስሉ ዝበርህሉን ዝመላልኣሉን ኣጋጣሚ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ እዚ ርክብ ኣብ ምውሓስ ሓድነት ኣባላት ሰልፊ ዓብይ ቦታ ኣለዎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ መሪሕነት ሰልፊ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ነዚ ናይ ተመኩሮ መድረኽ ዝወደቡ ኣብያተ-ጽሕፈት ጉዳያት ውድባ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰልፊ መጻኢ መደባቶም ኣብ ምሕንጻጽ ኣገዳሲ መበገሲ ሓሳብ ዝረኸብሉ ኣጋጣሚ እዩ። እዚ መድረኽ ኣብ መንጎ ዞባታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መንጎ ዞባታትን መሪሕነት ሰልፍን ንዘሎ ስርዒታዊ ዝምድናታት ኣብ ምድልዳል’ውን ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። እዚ መደብዚ ንመጻኢ ስሩዕ ቀዋሚ ግዜ ተታሒዝሉ ናይ ኩሉ ኣባል ሰልፊ መራኸቢ ኮይኑ ክቕጽል ምምዳቡን ዝትግበረሉ ስሩዕ ቀጥዒ ምትላሙን ከኣ ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣብ መስርሕ ቃልሲ እዩ።

እዚ ክልተ ዞባታት ሰዲህኤ ኣሜሪካ-ከናዳን ኤውሮጳን ብዙሓት ሰብ ሃብታም ተመኩሮ ኣባላት ሰልፍን መንእሰያትን ዝርከብዎም ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰልፋዊ ዕላማን ሸቶን ነናይ ገዛእ ርእሶም ተመኩሮ ዘለዎም እዮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ኣብ ሰዲህኤ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓደጋ፡ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ሰልፊ ጸኒዑን ሰጢሙን ብዘካየዶ ቃልሲ ሓድነቱ ዘውሓሰ ስለ ዝነበረ ነቲ ናብዚ ዘብቀዖ ተመኩሮ ምድህሳሱ ኣገዳሲ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ምንዕዓብ ጐሊሑ ኣብ ዝተራእየሉ ዞባ ኣሜሪካ-ከናዳ፡ እቶም ጽኑዓት፡ ተባዓትን ውፉያትን ኣባላት ነቲ ኣብ ልዕሊኦምን ሰልፎምን ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ሓደጋ ኣምኪኖም፡ ሕጊ ሰልፊ ብዘፍቅዶ መሰረት ብህጹጽ ጉባአ ተጸንቢሎም ብሓፈሻ ህልውና ሰልፊ፡ ብፍላይ ድማ ድሕነትን ህልውናን ዞባኦምን ሕጋዊ መሪሕነቱን ንምርግጋጽ ዘካየድዎ መሪር ግና ድማ ዕዉት ቃልሲ ዝያዳ ነቲ መድረኽ ምልውዋጥ ተመኩሮ ዘሃብተሞ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ተመኩሮ ምምቕራሕ ሓድነት ኣባላት ሰልፊ ዘደልድል ጥራይ ኣይኮነን። ደረጃ ኣፍልጦኦም ኣብ መትከላት ሰልፊ ንክመጣጠን እውን ግደኡ ዕዙዝ እዩ። ናይ ኣባላት ሓድነት ኣዳኺሞም ናቶም ጸቢብ መደባት ከዕዉቱ ዝሃልኩ ወገናት ኩሎም ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ኩርናዕ ዝነዝሕዎ ኣብ ባይታ ዘየለ ዝተሰነዐ ወረ ኣብ ምቅላዕን ንግሉጽነት ኣብ ምንጋስን ከኣ ዓብይ ግደ ኣለዎ። እዚ መድረኽ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብምልውዋጥ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ ኣብ መጻኢ ከመይ ጌርካ ኣብ ሕድሕድ እንዳተናበብካ ዘስርሕ ሰልፋዊ መደብ ከም እትትልም እውን ዝሕግዝ እዩ። ብዘይካዚ ኣብዚ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ምስራሕ ወሳኒ ዝኾነሉ ዘሎ እዋን ብኽመይን ምስ መንን ናይ ሓባር መድረኽን ጽላልን ትፈጥር ኣብ ምድህሳስ’ውን ግደ ኣለዎ። ብዛዕባ መጻኢ ክትሓሰብ እንከለኻ ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣብ ግምት ምእታው ብመሰረቱ ኣገዳሲ እዩ። ግምት ምሃብ ማለት ግና ነቲ ዝሓለፈ ከም ዝነበሮ ምድጋም ማለት ዘይኮነስ ነቲ ኣብ መጻኢ’ውን ከስርሕ ዝኽእል ምውሳድን ምምዕባልን ማለት እዩ። እዚ ኣገባብ ቃልስን ዓወትን ከኣ ትውልዲ ኣብ ምቕጻልን ምትኽኻእን እውን ኣገዳሲ እዩ።

Last modified on Wednesday, 28 February 2018 22:58