Print this page

ኣገናዕ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ

2018-02-03 19:54:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3480 times
Rate this item
(0 votes)

ዞባ ሰዲህኤ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ስሩዕ ዞባዊ ጉባኡ የካይድ። ቦታን ግዜን ናይ ጉባኤ ብዞባዊ መሪሕነት ይውሰን። ህጹጽ ጉባኤ ዞባ ብጸዋዒት መሪሕነት ዞባ ወይ ሓደ ሲሶ ካብ መላእ ኣባላቱ፤ ወይ ፈጻሚ ሽማግለ፤ ብዝወሰኖ መሰረት ክካየድ ይኽእል፤ (5፡10፡1)፡ ኣርማ ሰዲህኤ፣ ብሕንጻጽ ዝርአ ዝተጣመረ ኣእዳው ፡ ንባይታኡ ዝምልከት ፍሉይ ሕብሪ የብሉን። ትርጕሙ ከኣ፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራን ልዕላውነቱን ኢዩ (1፡2፡2)። ጉባአ ሰዲህኤ ካብ ኣባላቱ 33 ቀወምትን 4 ተጠባበቕትን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ይመርጽ፡ (5፡13፡4)። ማእከላይ ባይቶ፡ ካብ ኣባላቱ፤ ትሽዓተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ የቕውም (6፡1፡14)። ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፤ 9 ኣብያተ-ጽሕፈታት ይህልዉዎ። (6፡2፡3)” (እዚኣቶም ካብ ዕላዊ ሰነድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወስዱ ዓናቕጽ እዮም)

ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እቲ ሓያልን ጸዋርን ጻዕሪ ዘካየድሉ፡ ልዑል ትጽቢት ዝተነብረሉን ሰልፋዊ ሕግን ኣሰራርሓን ተኸቲሎም ከም ዘዕወትዎ ዝተገመተን ፍሉይ ጉባአኦም ብ27 ጥሪ 2018 ኣካይደምዎ። ብ30 ጥሪ 2018 ብዘውጽእዎ መግለጺ ድማ ኣበሲረሙና። ንሕና ከኣ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተነበረ “ኣገናዕ” ንብሎም። እዚ ህጹጽ ጉባአ ዞባ ከም ተራ ጉባአ ዝረአ ዘይኮነ፡ ከምቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝበሃል ንባህግን ንትጽቢትን ኣኽበርቲ ሕግን ንቅድሚት ኣማዕደውትን ዘለምለመ ስለ ዝኾነ፡ ፍሉይ ግምትን ቦታን ዝወሃቦ እዩ።

ኣካላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ከከም ዝጥዕሞ ትዕቢቱን ኣነነቱን ከርኢ ዝደሊ፡ የማነ ጸጋም ዘላኽዖም ዘይኮኑ ብጉባአ ዝተቐየሰ ሕጋዊ መስርዕ ሒዞም ዝጐዓዙ እዮም። ዝኾነ እዚ ሕጋዊ መንገዲ ዘይማእመኦ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ክሰርዕ ዝደሊ፡ ህርፋኑ ኣርጒዱ፡ ብትዕቢትን መን ከማይነትን ክዕምጽጾም እንተፈተነ፡ ኣሕሊፎም ዘይህቡን ዘይልወዩን ምዑታት ከም ዝኾኑ እዚ ውጻእ መዓት ዕዉት ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መስካሪ እዩ። ከምቲ ወለድና “ኩሉ ካብ ሓቁ ኣይሓልፍን እዩ”  ዝብልዎ፡ ዝተባህለ እንተተባህለ ዝተጻሕፈ እንተተጻሕፈ፡ መንዩ በሃሊኡን ጸሓፊኡን ብዘየገድስ፡ ምእንቲ ሓቂ ንዝተሰለፈ ኣካል እቲ ሕጋዊ መንገዲ ኣይልወጥን እዩ። ነዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ረዘንቲ ዓናቕጽ ዘነጽሮ፡ ሕጋዊ ቀይድታት ዘለዎ ሰልፋዊ ኣካይዳ ብዝኾነ መንገዲ ምናልባት ከተዕንቅፎም እምበር፡ ከተውድቖ ኣይከኣልን እዩ። ንበበይኖም ነናቶም ባህርን መምዘንን ዘለዎም ሰባት ሓደ ዓይነት ስም እንተ ሃብካዮም ሓደ ሰብ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ኪኖቲ ናይ ሓባር ስሞም ነንገዛእ ርእሶም ዝግለጽሉ መንነት ኣለዎም። ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ዓናቕጽ ከኣ ንሓቀኛ መንነትን ሕጋውነትን ሰዲህኤ ዝውክሉ፡ ዝተኾመረ ቃላት እንተተኾመረ ኣብ ማእከል ጐልገል ዘይጠሓሱ ዋና ዘለዎም ዓናቕጽ እዮም።

ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ካብዚ ሕጋዊ መንገዶም ንከላግሱ ኣንጻሮም ኣዝዩ ጽዕጹዕ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎም እዩ። እንተኾነ ነቲ “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ኣብቲ ጥምጥም ስለ ዘጽንዕዎ እነሆ ተዓዊቶም። እዚ ንዓኣቶም ሓበንን መጎስ ኮይኑ፡ እንተ ኣስተብሂለምሉስ ንካለኦት ከምዚ ዓይነት ፈተና ዘጋጥሞም’ውን ትምህርርትን ኣብነት ጽንዓትን እዩ።  ሕቡናት ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ዝጸንሐ ብዙሕ ግና ዝጭበጥ ዘየብሉ  ኣሉታዊ ስንብራት ዝገደፈ፡ ህቦቡላን መንደራጉሕን እንሆ ስዒረምዎ። እዚ ዓወት ናይ ነፍሲ ወከፎም ዕጉስ መኸተን ኒሕን፡ ውሕሉል ኣተሓሕዛ መሪሕነትን መሰረታትን መላእ ሰልፊ ውጽኢት ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ከኣ እቲ ዝረገጽዎ ባይታ፡ ሕጋዊ፡ ስርዒታዊ፡ ርትዓውን ድልዱልን ምንባሩ ዝምስክር እዩ። ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መትከላት ሰዲህኤ ኣንጻሩ ብዙሕ ብምዝራብን ብምጽሓፍን ዘይብሕጎግ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣመጻጸኣ፡ ርዝነትን ሕጋውነትን ከም ዘለዎ ዘነጸረ እዩ። ክብደት ናይዚ ዓወት ኣብቲ ዞባ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ሰዲህኤ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ምእንቲ ሕግን ሕጋውነትን ዝሕለቕ መወከሲ ዝኸውን ተመኩሮ እዩ። ብዓብይኡ ድማ ሰልፍና ካብቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከም ዝደሓነ ካብ ዝምስክሩ ምልክታት ሓደ ኮይኑ ዝጥቀስ  እዩ።

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እነሆ ሕጋውን ስርዒታውን ህልውናኡ መሊኡ መሊሱ ኣሎ። ድሕሪዚ ናይ ሰባት ዘይቅዱስ ህርፋን ዘይኮነ ሰልፋዊ ሕጊ ብዝፈቕዶ፡ ናብ ስሩዕ ጉባአ ገጽካ ናይ ምጉዓዝ ንቕሎ ክህልዎ እዩ። ከምቲ ኣብ መግለጺኡ ጠቒስዎ ዘሎ፡ ካልእ ሰልፋዊ ዕማማት እውን ኣለውዎ። መደብ ምሕዳስ ሰልፊ፡ ምስ ካለኦት ሓይልታት ተቓውሞ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእል ባይታ ምፍጣርን ዝኣመሰሉን። ብመንጽርቲ ሕጂ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ህልውና ሰልፊ ናይ ምውሓስ ዓወት፡ ኣብቲ ዝተረፈ’ውን ከም ዝዕወት ውሁብ እዩ። ዞባ ሰሜን ኣሚሪካ ሰዲህኤ፡ ከምቲ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሶም እዚ ዓወትዚ ዞባዊ ጥራይ ዘይኮነ ሰልፋዊ’ውን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ መላእ  መሪሕነትን ኣካላትን ሰልፊ ምእንቲ እዚ ግዳይ ንክኸውን ተፈሪዱ ዝነበረ ዞባ ንክድሕንን ክዕወትን ስኖም ነኺሶም ክቃለሱ ዝጸንሑ።

እዚ ዓወት እዚ ኣዚሩ ንዝርእን ዝብሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝበሃሎ’ውን ክሰምዕ ክፉት ሕልና ንዘለዎ ኣካል ዘመሓላልፎ ረዚን መልእኽቲ ኣለዎ። ሕግን ሕጋውነትን ከምቲ “ክውዕየካ ብማንካ፡ ክዝሕለካ ብኢድካ” ዝበሃል፡ ንርኢቶኻ ዘዳምቕ ክኸውን እንከሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህርፋንካ ዝድርት ክኸውን እንከሎ’ውን ከተኽብሮ ዝግባእ ግቡግ መስመር ዘትሕዝ ልጓም እዩ። ኣብ ሕጋውን ስርዒታውን ኣሰራርሓ ኣጠርሚምካ፡ ከም ዑፍ ቀውዒ ዘዝሸወተ ምሽምጣጥ ግና ቅቡል ኣይኮነን።

Last modified on Saturday, 03 February 2018 21:00