Print this page

“ዓመት ናብ ዓመትየ ይዕቆረና”

2017-12-31 10:41:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2967 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ካብ ሓደ ብርኪ ናይ ግዜ ናብ ካልእ ክትሰጋገር እንከለኻ፡ ብፍላይ ከኣ ሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣፋኒኻ ናብ መጻኢ ሓድሽ ክትሰጋገር እንከለኻ፡ “ዓመት ናብ ዓመትየ ይዕቆረና” ምምርራቕ ዝተለምደ እዩ። እዚ ብፍላይ ኣብ ግዜ ዮሃንሰ-መስቀለ ብመሳጢ ዜማ ደቂ ኣንስትዮ ይስነ እዩ። እነሆ ከኣ ዓመተ 2017 ኣፋኒና 2018 ኣብ እንቕበለሉ በጺሕና እሞ “ዓመት ናብ ዓመትየ ይዕቆረና” ንብል። ካብቶም ብናይ ዝኾነ ተጽዕኖ ካብቲ ልሙድ ኣካይደኦም ዝያዳ ዘይቅልጥፉ ወይ ዘድንጉዩ ብናቶም ናይ ዑድት ሕጊ ዝግዝኡ መስረሓት ግዜ ሓደ እዩ። ግዜ ናጻ እዩ። ኣብቲ ባህርያዊ ቦታኡ ይወግሕ ይዓርብ። ይመውቕ ይቖርር። ይዘንብ ይጻሒ። ወዲ ሰብ ከኣ ግዜ ናብኡ ክመጽእ ከምዘይክእል ስለ ዝርዳእ ምስቲ ግዜ ዘምጸኦ ምዕባለታት ክመሳሰል ይግደድ። ስለዚ  2017ን 2018ን ምርኽኻብ ስለ ዝፈጸማ፡ 2018 እንዳበልና ክንቆጽር ቅሱባት ኢና። ነዚ ናይ ግዜ ሓያልነት ስለ እንርዳእ ኢና ድማ ሓደ ሓድሽ ምዕባለ ከጋጥመና እንከሎ “ግዜ ወይ ዘበን ኣምጸኦ” እንብሎ።

ግዜ ኣብ ህይወትና ፈጣሪ ተጽዕኖ ምዃኑ ስለ እንርዳእ፡ ሓደ ክፋል ግዜ ንኣብነት ዓመት ክሓልፍ እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ዝመጽእ ሰናይ ትምኒትና ክንገልጽን መብጸዓታት ክንኣቱን እንከለና፡ ንግዜ ዘለና ክብሪ ንገልጽ ምህላውና ብሩህ እዩ። ኣይኮነንዶ ንናይ ዓመት ምቅይያር ንናይ ወርሒ መጀመሪ ባሕቲ እውን ትርጉም ንህቦ ኢና። እዚ ከኣ ካልእ ንክብሪ ግዜ ዘመላኽት እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ ናይ ክልተ ዓመታት ናይ ሓላፍነት ምርኽኻብ “እንኳዕ ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም” ተተበሃሃልና ተዘይንኢሱና ኣይዓብየናን እዩ። ስለዚ “ርሑስ ዓድሽ ዓመት 2018 ይኹነልና”። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ግና ብምምናይና ዘይኮነ፡ ትምኒትና ኣብ ምትግባር ብቑዓትን ትጉሃትን ኮይና እንተቐሪብና ጥራይ እዩ።

ከምቲ ኣብ ኩሉ ተረኽቦታት ኣድህቦናን ኣቓልቦናን ናብቲ ዝሓለፈ ዘይኮነስ ናብ መጻኢ ዝያዳ ከማዕዱ ይግበኦ እንብል፡ ዓመት ሓሊፉ ሓድሽ ዓመት ክትካእ እንከሎ እውን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ክንዓሞ ዝግበኣና ብዘይምዕማምና እነስቆርቁርን እንጠዓስን፡ ናብቲ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ክንዓሞ ዝግበኣና ዝያዳ ከነድህብ ይግበኣና። ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመኩርና ክንመሃረሉን ክንውከሶን ግና ናይ ግድነት እዩ።

ኣብ ጉዳይና ክንምለስ እንከለና ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት 2017 ክንዓሞ ዝግበኣና ከምቲ ትጽቢትና ከምዘይዓመምና ፍሉጥ እዩ። እቲ ምኽንያታት ከኣ ገሊኡ በዓል ቤታዊ ገሊ ከኣ ወድዓዊ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ ውጽዓ ህዝብና ዘይተወገደ ጥራይ ዘይኮነስ ትስፉው ኣንፈት’ውን ክሕዝ ዘይከኣለ። ከምዚ ብምዃኑ እዩ ከኣ እዚ ኣጋጣሚ እንዳስሓቐ ዘሕዝን ዝኸውን። ኣብ ሓድሽ ዓመት ብምጻሕና ንሕጐስን ንስሕቕን፡ ዓሚ ክንዓሞ ኢልና ዝኣመትናዮ ክንዓምም ብዘይምብቃዕና ከኣ ንትክዝ። ምስዚ ኩሉ ግና መጻኢ ምርኽኻብ 2018ን 2019ን ከምዚ ናይ ሎሚ ጐበጨረ ዘይኮነስ ምሉእ ብምሉእ ትስፉዋት ናብ እንኾነሉ ክንቅይሮ ክንጽዕት ይግበኣና። ነቲ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ክንዲ ትጽቢትና’ኳ እንተዘይኮነ ጉጅለ ህግደፍ ይድፈር ከም ዘሎ ዘመልክት ቁልዒ ግሁድ ተቓውሞ ናብ ሃልሃልታ ክንቅይሮ ክንጽዕት ይግበኣና።

ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ወጽዓ ህግደፍ ብትሕዝቶ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ነይሩ። ኣብቲ ዝርዝራቱ ከኣ ዝያዳ ገዲዱ። ቁጠባዊ ጸገማት ህዝብና ዝያዳ ዓሪጉ፡ ምጥፍፋእ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ከኣ ዝያዳ ሳዕሪሩን ዶብ ሰጊሩን። ጉጅለ ህግደፍ ሓድሽ ብልኡላውነት ሃገርን ሃብታን ናይ ምጥላዕ ምዕራፍ ከፊቱ፡ ስደት መንእሰያት እንተዘይወሲኹ ኣይነከየን። ስርዓት ህግደፍ ሃይማኖታዊ ትካላት መሳርሒኡ ክገብረን ኩሉ መሰላት ክገፍፍን ዝወጠኖ ውጥን መመሊሱ ይገድድ ኣሎ። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ስደት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት ጌና ይብእስ ኣሎ። ብኣንጻሩ ናይቶም ነዚ ኩነታት ንምቕያርን ናብ ራህዋ ንምስግጋሩን እንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢ፡ ብቑዕ ውጥን ህግደፍ ዝዓጽፍ ዓቕሚ ክንከውን ኣይከኣልናን። እቲ ዝያዳ ከተሓሳስበና ዝግበኦ ከኣ  ህግደፍ ናይ ባህሪ ጉዳይ ኮይንዎ፡ ወጽዓኡ ኣብ ህዝብና መመሊሱ ምጽንዑ ዘይኮነ፡ ካብ ነብስና ንምጅማር ንሕና ክንገብሮ ዝግበኣና ክንገብር ዘይምብቃዕና እዩ።

እምበኣር ሓደስቲ “ከምዚ ክንገብር ኢና” በሃልቲ’ኳ እንተዘይኮንና ሕጂ እውን ኣብዚ ፍሉይ ግዜኡ ሕልዩ ዝመጽእ ኣጋጣሚ ቃል ምእታው ቀጻልነት ምእማት ስለ ዝኾነ፡ ቃል ክንኣቱ ግድን እዩ። ካብቲ ጐዲሉና ዘሎ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ሓድነትና ኣጽኒዕናን ፍልልያትና ኣመሓዲርናን ክንስጉም ቃል ክንኣቱ ይግበኣና። ምኽንያቱ ከምቲ “ዝነቐዐ እንቋቁሖ መጻወቲ ሃመማ ይኸውን” ዝበሃል፡ ንሕና ከኣ ሓድነትና እንተዘየረጋጊጽና መፍቶ ጉጅለ ህግደፍ ከም እንኸውን ኣይንረስዕ።

ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ሓድነት ናብ ምድኻም ዝመጣጠር ተጻብኦ ሳላ ተወፋይነት ኩሎም ኣካላቱ መኪቱ፡ ሓድነቱ ምስ ኣውሓሰ፡ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ዘስርሕ ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት ዘኽእል ናይ ዘተ እማመ ኣቕሪቡ ኣሎ። ነዚ እማመኡ ብመደብ ምሕዳስ ሰልፊ ከሰንዮ ወጢንዎ ዘሎ ዕማም ኣብዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመት’ውን ብዘሎ ዓቕሙ ክሰርሓሉ ምዃኑ የረጋግጽ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ እዚ ዕማም’ዚ ናይ ሓደ ውሱን መሪሕነት ወይ ሰልፊ ዕማም ስለ ዘይኮነ፡ ኣባላቱ ኮኑ መሓዙት ውድባት ኣብ ምዕዋቱ ንምርብራብ ዳግማይ ቃሎም ክሕድሱ ጸዋዒቱ የቕርብ።

Last modified on Sunday, 31 December 2017 11:47