Print this page

ዋና ናይቲ ቃልሲ፡ ወትሩ ህዝቢ እዩ

2017-12-25 19:00:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3338 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ 

 “ኣብ ሓራ ደሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ምንጪ ስልጣን ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታትን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” (ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

ኣብ ከምዚ እነካይዶ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ እቲ ቀንዲ ዋና ቃልሲ ህዝቢ ምዃኑ እንገልጸሉ ምኽንያታት ብዙሕ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ዝውጻዕን በቲ ለውጢ ዝጥቀምን ንሱ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ናይቲ መዐወቲ ናውቲ ወናኒ’ውን ንሱ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ስለ ዝኾነ እዩ ኢልካ ምጥቕላል ይከኣል። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ ኩልና ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ብኻልእ መልክዕ ዝተሰለፍና ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ባእታታትን ወርትግ ውክልናናን ተሓላቕነትናን ናይ ህዝቢ ምዃኑ እነነጽርን እነቃልሕን።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ግና ድማ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝካየድ ንቕሎን ዝቃላሕ ጭረሖን ኩሉ ቅኑዕ ዘይክኸውን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ናይ ህዝቢ ዝመስል ግና ድማ ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ወፍርታት ከጋጥም ስለ ዝኽእል ህዝቢ ነቲ ምስ መሰረታዊ ድሌቱ ዘሳንን ዘየሳንን ኣተኲሩ ናይ ምልላይ ንካልእ ኣሕሊፉ ዘይህቦ ሓላፍነቱ እዩ። ኣተኲርካ ምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ ነየናይ “ቅኑዕ” ነየናይከ “ግጉይ” ትብል ናይ ምውሳን ሓላፍነትን እውን ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዮን ብቓልሱ ከረጋግጾ ዝጽዕተሉን እንታይ እዩ ዝብል፡ ናብ ሰፊሕ ዝርዝር ከም ዝወስደና ፍሉጥ እዩ። ብውሕዱ ግና ሓድነቱን ሓድነት ሃገሩን ዘውሕሰሉ፡ ኣብ ጉዳዩ ኣብ ዝበረኸ ናይ ምውሳን ደረጃ ዝቕመጠሉ፡ ኩሉ መሰላቱ ዝረጋገጸሉን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝወጸሉን ኩነታት ምርግጋጽ ከም ዝድግፍ ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ይከኣል።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ መቑሓዊ ኣመሓዳድራ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ኣፍ ኣውጺኡ ክዛራብ ኣብ ዘይክእለሉ ዓባሲ ኩነታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ካብ መቑሕ እቲ ጉጀል ዝወጸሉ ኩነታት ርሑቕ ከምዘይከውን ዘመላኽቱ ምዕባለታት ከኣ ኣለዉ። ናይዚ ቀረባ ግዜ ተረኽቦ ኣኽርያ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ትንዕምነዓት ደሚርካ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ’ቲ “ምእንታኻ’የ” ዝብሎ ካብኡ ርሒቑ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ውዳበታት እውን ወረን ሓበሬታን የብሉን ማለት ስለ ዘይኮነ፡ ብዛዕብኡ ከሎ ጋና ንጹር ሓሳብ ክህልዎ ይግባእ። ምኽንያቱ ጽባሕ ካብዚ ንጹር ሓሳብ ዝነቅል ተግባር እዩ ዝድህሰስ ውጽኢት ዝርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ክበቅዕ ክዕቅቦም ካብ ዝግበኦ ጸጋታት ቀንዲ እቲ ብዝተፈላለዩ፡ ኣስማት ዝቐያይሩ ወገናት፡ ብውሽጥን ብወጻእን ዝህደድ ዘሎ ሓድነቱ እዩ። ሓድነቱ ንዝህድዱ ኣተሓሳስባታት፡ ሎሚ ብሓሳብ ጽባሕ ድማ ብተግባር “ኣይደልዮምን” ክብሎም ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ውጽዓ ኣብ ሓድነቱ ዘየደልደለ ህዝቢ እዩ ዝሰፍር። ምድልዳል ሓድነትን ምዕዋት ኣንጻር ወጽዓን  ፈላሊኻ ከምዘይረኣዩ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ተመኩሮ’ውን ስለ ዝኾነ።

እቶም በጃ ህዝቢ ኢና እንብል፡ ግና ድማ ብኣካል ካብቲ ህዝቢ ርሒቕና ንነብር ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ህዝብና ቀንዲ ዋሕስ ቃልስና ምዃኑ ኣብ ምርግጋጽ ክንሕግዞ’በር ክንትከኦ ኣይኮነን ዓላማና። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ እንምረሓሉ ናይ ቃልሲ ጭረሖ ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብግቡእ ዘንጸባርቕ እምበር ንናይ ውሱን ውዳበ ስምዒት ሒዙ ዝዕንድር ክኸውን የብሉን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ሓቀኛ ህዝቢ ዝውከል ርኢቶን ኣተሓሳስባን ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ክጻፈፍ ዝኽእል ከምዘይኮነ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ጽባሕ ብናይ ህዝቢ ቅዋማዊ ውሳነ ናይ መወዳእታ መልክዑ ብዝሕዝ ፍልልይ ሎሚ ኣይንረሓሓቕ እንብል።

ፍልልይ ምስ ህዝቢ ኮነ ኣብ ሕድሕድ ውድባትን ሰልፍታትን ናብ ጽልኢ፡ ባእስን ተረሓሒቕካ ምንባር ዝመርሕ ክኸውን ከምዘይግበኦ ብሓሳብ ደረጃ ኩልና ንሰማመዓሉ ኢና። ብተግባር ግና ኣይከምቲ ብሓሳብ እንረዳድኦን። ገለ ወገናት ናይ ሓሳብ ፍልልይ ካብ ሰባት ስለ ዘይፍለ ዳርጋ ተፈጥሮኣዊ ገይሮም ይወስድዎ እዮም። እዚ ፍልልያት ኣብ ሕድሕዱ ተፈሓፊሑ ዝወልዶ ናይ ሓባር ሓሳብ ከኣ እቲ ምሩጽ ዘሳኒ ሓሳብ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እዚ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ሃይማኖት፡ ዝርጋሐ ምሕደራ፡ ግደ ቋንቋታትን ባህልታትን ,,, ወዘተ ዓብዪ ናይ ሓባር ጸረ ህዝቢ ጸላኢ ኣቐሚጥና ምስሕሓብ መግለጺ ዘይምክእኣልና ተዘይኮይኑ ካልእ ትርጉም የብሉን። ምክእኣል ከኣ  ሓቢርካ ናይ ምንባር ወርቃዊ  ሜላ እዩ። እዚ ክከኣኣል ዝግበኦ ሓሳባት ተፈራሪሑ ድዩ ተነዓዒቑ ከካብቲ ዘለዎ ሳናዱቕ ወጺኡ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ተራኺቡ ተፈሓፊሑ ማእከላይ ሃናጺ ሓሳብ እንተዘይወሊዱ ከኣ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ።

ስለዚ “ዋና ናይቲ ቃልሲ፡ ወትሩ ህዝቢ እዩ፡ ለውጢ ከኣ ብህዝቢ ንህዝቢ እዩ” ክንብል እንከለና፡ መሲልካ ንምቕራብን ንመሕብእን ዘይኮነ እንግዘኣሉ መትከል ክኸውን ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ በታ ዘላቶ ውስንቲ ዕድል እውን እንተኾነ፡ ክሳብ ጽባሕ ሓሳቡ ብሰላማዊ ሰልፍን መሰል ናይ ኣደባባይ መድረኽን ዝገልጸሎ ዕድል ዝፈጥር መን እንታይ ይብል ኣሎ ምክትታሉ ክገብር ይግበኦ።

ርሑስ ክልቲኡ ናይ ልደት ኣጋጣምታን ሓድሽ ዓመት 2018ን

Last modified on Monday, 25 December 2017 20:09