Print this page

ግደን ሓላፍነትን ኣረካብን ተረካብን

2017-12-19 12:35:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 4008 times
Rate this item
(1 Vote)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታቱ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ ምቅልጣፍ ምስግጋር መሪሕነታዊ ተራ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ናብ ክዉንነትን ምቕያር ዘኽእል መሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይ’ዚ እዋን ቀዳምነታቱ ምዃኑ የረጋግጽ።” (ካብ ፖለቲካዊ ውሳነታት 2ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

ጉዕዞ ቃልሲ መስርሕ ምቅብባልን ምርኽኻብን ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩልና ርዱእን ተመኩሮና ዘርኣየናን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ቃልሲ ብሓደ ኣካል ተጀሚሩ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ በብምዕራፉ ኣገባቡ እንዳቐያየረ ዝቕጽል መስርሕ እዩ። ኣብዚ ዘየቋርጽ ቃልሲ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ ሓደ ከረክብ እቲ ካልእ ከኣ ክርከብ እቲ መስርሕ ቀጻሊ እዩ። እቲ ቃልሲ ኮነ ግደን ሓላፍነትን ናይቶም ተዋሳእቲ፡ እቲ ቃልሲ ብዝሓልፎ ናይ ርሑቕን ቀረባን ምዕብልናታት፡ ብባህሪ ናይቲ ቃልስን ዓቕምን ሓላፍነትን ናይቶም ተዋሳእትን እንዳተቕያየረ እምበር ከምቲ ዝተጀምረሉ ኩነታት ብዘይክብ ለጠቕ ዝቕጽል ኣይኮነን። መስርሕ ምርኽኻብ በዚ ጀሚሩ ኣብዚ ክውዳእ እዩ ኢልካ ውዱእ ቆጸራ ዝተሓዘሉ ዘይኮነ ብመስርሕ ዝግዛእ እዩ። እቲ ዘረክብ መድረኽ እንዳገደፈ፡ እቲ ዝርከብ ድማ ቦታኡ እንዳስፈሐ ብዘገምታ ዝካየድ እዩ።

ከምቲ ቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ቃልሲ ናይ ወለዶታት ምቅብባልን ቀጻልነትን እዩ። እቲ መስርሕ ነባር ብሓድሽ ናይ ምትካእን ንሓደ ምዕራፍ ቃልሲ ሰጊርካ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ቃልሲ ናይ ምእታው ተግባር’ዩ። እቶም ተቓለስቲ እውን ከምኡ ኣብቲ ነባር ምዕራፍ ዝነበሩ፡ ንናይቲ ሓድሽ ምዕራፍ ተቓለስቲ መንእሰያት እንዳረከቡ እቲ መስርሕ ብዘይምቁራጽ ይቕጽል። እዚ ምስግጋር ንቀጻልነትን ዓወትን ቃልሲ ወሳኒ እዩ። ወሳኒ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ብዘይምስግጋርን ምውርራርስን ውሕስነት ቀጻልነት ስለ ዘየለ እዩ። ቀጻልነት እንተዘየልዩ ድማ እቲ መልክዑን ኣገባቡን ደኣ ይቕይር እምበር ቃልሲ ኣየቋርጽን እዩ።  “ምስግጋር ክሳብ ክንድዚ ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ወሳኒ ግደ እንዳሃለዎ ክሳብ ክንደይ’ሞ ንግደሰሉን ንጥንቀቐሉን? ዝብል ጉዳይ ቆላሕታ ዘድልዮ እዩ።

ምስግጋርን ምትኽኻእን ከምዚ ዝተጠቕሰ ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከቢድ ምዃኑ እውን ካባና ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝያዳ ምስክር ኮይኑ ዝቐርብ የለን። ብተመኩሮ ደረጃ እንተኾይኑ ናትና ናይ ምስግጋር ሃብታም ተመኩሮ ኣለና። እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍና፡ እቲ ካብ 1961 ንነጀው በብምዕራፉ ዝተፈላለዩ መልከዓት እንዳሓዘን ንውረድ ደይባት እንዳመከተን ዝቕጽል ዘሎ ቃልስና ብመስርሕ ምርኽኻብዩ ኣብዚ በጺሑ። እቶም ነቲ ቃልሲ ዝጀመርዎ ሎሚ ኣብ መድረኽ የለዉን። ቃልሶም ግና ሳላ ምርኽኻብን ምብርራይን እነሆ ህያው ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ትማሊ ተረካቢ ሕድሪ ኮይኑ ነቲ ቃልሲ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘብጸሐ ነባር ከኣ እነሆ ናብ መንእሰያት ናይ “ተረኪብኩም ሕድርኹም ፈጽሙ” መጸዋዕታ የቕርብ ኣሎ። ኤርትራውያን መንእሰያት ከኣ ናይ ተረኪብካ ሕድሪ ጀጋኑኻ ምፍጻም ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣብ ቅድሚኦም ተገቲሩ።

ንሕና ኤርትራውያን ንለበዋ ሕድሪ ጀጋኑና ዕዙዝ ክብሪ ኣለና። እቲ ብህይወት ዘሎ በቶም ሕድሪ ገዲፎም ዝሓለፉ ይምሕል። ኣብ ኣኼባን ካልእ ኣገዳሲ መድረኽን ከኣ ብዝኽሮም ጀሚርና ብዝኽሮም ንዛዝም። እዚ ሕድሮም ወትሩ ምሳና ከም ዘሎ ንምንጽብራቕ ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ። ነቲ ናይ ሕልና ዝኽሪ ክሳብ ክንደይ ብተግባር ነሰንዮ ኣለና ግና ነባራትና መንእሰያትና ብጽሞና ነብስና ክንሓከሉ ዝግበኣና እዩ። መስዋእቲ ክቡር ስለ ዝኾነ ንስዉኣት ዝያዳ ክብሪ ምሃብ ቅቡል ኮይኑ፡ እዚ ክብሪ ነቶም ዓቕሞም ዝፈቕዶ ኣበርኪቶም ኣብ ናይ “ሃየ ተረከቡና” ደረጃ ዝበጽሑ ነባራት እውን ክንፈግ ኣይግባእን። እቲ ክብሪ ከኣ ካብ ልቢ ብዝነቐለ “ኣብዚ ኣብጺሕኩሙና ኢኹም ኢኹም’ሞ ደጊም ንሕና ኣለናዮ” ዝብል ብተግባር ዝስነ ቃል ክኸውን ይግበኦ።

ምርኽኻብ ናይ ሰባት “እንካን ሃባን” ምብህሃል ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ መስርሕ ቃልሲ እውን ካብቲ ዝነበረ ነባር ኣተሓሳስባ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግር ተግባር እዩ። እቲ ምስግጋር ሃናጽን ኣድማዕን ክኸውን ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ዝረኻኸቡ ነባርን መንእሰይን ምትእምማንን ግቡእ ኣፍልጦ ምውህሃብን ክህሉ ናይ ግድን እዩ። እቲ ተረካቢ መንእሰይ ነቲ ነባር ኣረካቢ ክኸዶ ዝጸነሐ ምስርሕን ዘንጸፎ መሰረትን፡ ብመንጽር ሕጂ ዘሎ ሃዋህው ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ቅድም ዝነበረ ምዕብልና  ምስ ህልዊ ኩነታት ቃንዩ ከም ኣገዳሲ መንጠሪ ተመኩሮ ክጥቀመሉን ይግበኦ። እቲ ነባር ብወገኑ፡ በቲ ንሱ መንእሰይ ዝነበረሉ ኩነታት ዘይኮነ፡ ብመንጽር ናይ ሎሚ ዕቤት ናይ ጽባሕ ትጽቢትን መዚኑ ኣብቲ መንእሰይ ግቡእ እምነት ኣሕዲሩ ከረክቦን ኣብቲ ቅኑዕ ናይ ቃልሲ ርኻብ ክሳብ ዝረግጽ ክሕግዞን ክበቅዕ ይግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ናይ “ክነረክብ ቅሩባት ኢናን ከንርክብ ድልዋት ኢናን” መብጸዓታት ከኣ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ክኸውን ኣይግበኦን። ምስዚ ኩሉ ከኣ ምርኽኻብ ቀንዲ ኣካል ናይ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ብሓላፍነታዊ ምክእኣል ዝፍታሕ ምስሕሓብ እንተጋጠሞ ክሰንብደና ኣይግባእን።

ከምዚ ኣብ ተመኩሮና ንዕዘቦ ዘለና፡ እቲ ነባር “መንእሰይ ናይ ሎሚ ከምዚ እዩ ኣደቡ” እንዳበለ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ መንእሰይ ብናይ ማዕዶ ትዕዝብቲ “ክላእ እዞም ናይ ቀደም እንታይ ገይሮም፡ ኣብኡ ክነብሩ እምበር ሓላፍነት ከረክቡ ቅሩባት ኣይኮኑን” ዝብል ኩርባባን ኩራን ንረብሓ ሓይልታት ለውጢ ኣይኮነን። እዚ ናይ ምርኽኻብ ሓላፍነት ብማዕዶ ኣእማን ተደራቢኻ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ክልቲኦም ወገናት ትውልድን ቃልስን ናይ ምቕጻል ሓላፍነት ስለ ዘለዎም ግድን ክኸፍልዎ ዝግበኦም ዋጋ እዩ። እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ድኽመታት ብምቑላል ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ዝገብሮ ፈተነ ከኣ ቅቡል ኣይኮነን። ካብዚ ቀረባ እዋን  ግንዛበን ሓላፍነትን ክልቲኡ ወገናት እንዳዓኾዀ  በቲ ነባር ኣረካቢ ኮነ በቲ ተረካቢ መንእሰይ ወለዶ ዝረአ ዘሎ ናይ ምቅርራብ ኣንፈት ግና ክቕጽል ዝግበኦ እዩ።

Last modified on Tuesday, 19 December 2017 13:41