Print this page

ምእንቲ ርትዓውነት

2017-03-10 19:41:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3470 times
Rate this item
(1 Vote)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራን ፖለቲካዊ ኩነታታን ከነልዕል እንከለና፡ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓትን ንምቕያሩ ዝቃለስ ዘሎ ደምበ ተቓውሞን ከይተላዕሉ ኣይውዕሉን። እቲ ሓደ ወገን በቲ ኩለመዳያዊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ በደልን ግፍዕን፡ እቲ ድማ ምእንቲ ለውጢ የካይዶ ብዘሎ ፍትሓዊ ቃልስን። እቲ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ጉጅለ ህገድፍ ብደለይቲ ፍትሒ ዝቐርብ በሊሕ ነቐፈታን ተቓውሞን ኣብ ቦታኡ እዩ። ነቲ ስርዓት ተዘይውሒድዎ ስለ ዘይበዝሖ። ኣብ ልዕሊ ደምበ ተቓውሞ ዝወሃብ ነቓፊ ሓሳባት እውን ኣሎ። እዚ ኣብ መርበብ ሓበረታታትን ናይ ፓልቶክ መድረኻትን ወትሩ ዝድመጽ እዩ። ደምበ ተቓውሞ በቲ ዘርእዮ ድኽመት ክንቀፍ የብሉን ዝብል ሓሳብ ምቕራብ ቅቡል ኣይኮነን። እቲ ደምበ ተዘይተነቒፉ ድኽመቱ ክርእን ከእርምን ስለ ዘይክእል። እንተኾነ እቲ ዝቐርብ ነቐፈታ ኣፍካ ከም ዝሃበካ ብዘይሓላፍነት ዝዱርጓሕ ዘይኮነ፡ ርትዓውን መጻኢ ደሓን ንምምጻእ ዝሕግዝን ክኸውን ኣይግባኦ። ከምኡ ተዘይኮይኑ ንነቓፋይ ኮነ ተነቃፋይ ዝህቦ ፋይዳ የብሉን።

ደምበ ተቓውሞ ከነጽሮ ካብ ዝግበኦ ቀንዲ ጉዳይ ኣንጻር መን ይቃለስ፡ ምስመንከ ይስለፍ ዝብል ጉዳይ እዩ። ቅድሚ ናብዚ ዝርዝርዚ ምእታው ግና ደምበ ተቓውሞ ከም ስሙ ሰፊሕ ደምበ እዩ። ኣብዚ ሰፊሕ ደንበ ዘዐማ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ከኣ ብዙሓት እየን። እትህቦ ርኢቶ ፍትሓዊ ንክኸውን ከኣ ኪኖ ነቲ ደምበ ተቓውሞ ብጃምላ ምምዛኑ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እተን ኣብቲ ደምበ ሰፊረን ዘለዋ ፖለቲካዊ ውዳበታት ደቂቕ ኣፍልጦ ምሓዝን ነናተን ሚዛን ምሃብን መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። እቲ ባዛዕባ ደምበ ተቓውሞ ዝወሃብ ሓፈሻዊ ሚዛን ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ውድብ ወይ ሰልፊ ዝርዝር ኣፍልጦ እተዘየልዩ እቲ ዝወሃብ ሚዛን መፍትሒ ንምርካብ ዘይሕግዝ እዩ። እቲ ኣብ ሰፊሕ ደምበ ተቓውሞ ዝሕቆፍ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ባዕሉ ዝሕተተሉ ነናቱ ሚዛንን ርኢቶን ኣለዎ። ካብዚ ፍልልያትዚ ስለ ዝነቅል እዩ ከኣ ብዙሓት ውድባት ዝኸውን።

ፖለቲካዊ ውድባት ህዝቢ ዝፈልጦን ዝወዓሎን ክውንነት ክኽሕዳ ኣይግበአንን። ንኣብነት ብዛዕባ ህዝባዊ ግንባር ክዝረብ እንከሎ ብዙሓት ወገናት ነናቶም ሚዛን ኣለዎ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እኳ እቲ ንታሪኽ ክግደፍ ዝግበኦ ንተረኽቲ ገዲፉ ብዛዕባ ግደ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብቲ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ኣብ ሓድነቱ፡ ተባላሕነቱን መሃዝነቱን ዝተመርኰሰ፡ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ብ1961 ኣንጻር መግዛእታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ፡ ዝተባርዐ ነዊሕ ሓርበኛዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ብ24 ግንቦት 1991 ብወሳኒ ተራ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ሃገራዊ ናጽነት ጋህዲ ኰነ።” ብዝብል ኣስፊርዎ ይርከብ። ገለ ወገናት ነዚ ስኑድ መርገጽ ክሒዶም ንኹሉ ውድባት ብናይ ገለ ወገናት ስንኩፍ ኣተሓሕዛ ክውንነት ኣጎልቢቦም፡ ደምበ ተቓውሞ ንግደ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ይክሕድ፡ በዚ ድማ ህዝቢ ብፍላይ መንእሰይ ይርሕቆ ክብሉ ክትሰምዕ እንከለኻ እቶም በሃልቲ  ክሳብ ክንደይ ኣብ ናይ ሸንጠፍ ዓለም ይነብሩ ከም ዘለዉ ምርዳእ ኣየጸግምን። ንግደ ህግ ምንጽብራቕ ነቲ ግንባር ዝወሃብ ህያብ ዘይኮነስ፡ ንክውንነት ናይ ዘይምኽሓድ ርትዓውነት እዩ።

ህዝባዊ ግንባር ድሕሪ ናጽነት ብፍላይ ድማ “ህግደፍ” ዝብል ስም ተጠመቐ ዝኸዶ መንገዲ ነቲ ናጽነት ኣብ ምርግጋጽ  ዘበርከቶን ሳላ ውፉይን ቀጻልን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተመዝገበ ዓወትን፡ ብጸቢብ ውልቃዊ ናይ ስልጣን ሕሳብ ዓይርዎ። ነዚ ክሕደት ከሎ ጌና ዝቃወሙ ዝነበሩ ውድባት ተቓዊመምዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ ንምውጋዱ’ውን ይቃለሱ ኣለዉ። ካብዚ ክንብገስ እንከለና ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ዝቃለሱ ዘለዉ እንተላይ እቶም ምስ ህዝባዊ ግንባር ናጽነት ኣብ ምርግጋጽ ግደ ዝነበሮም ደሓር ግና መንገዲ ይስሕት ከም ዘሎ ተረዲኦም “ክሳብ እትኣምን ኪድ፡ ካብ ዘይተኣምን ግና ተመለስ” ብዝብል ናይ ለውጢ ወገን ዝኾኑ ወገናት’ውን ይቃለሱ ኣለዉ። ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ኣብዚ ተሳትፎ ናይ ቅድም ኣባላት ህግ ዝነበሩ ዘለዎ ሚዛንን እምነትን ክፈላለ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ ብሓደ ሓረግ “ንኣበርክቶኡ ኣይኣምኑን  እዮም”  ኢልካዮ ክትሓልፍ ርትዓዊ ኣይኮነን። ንኣብነት ሰደህኤ ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ ሰነዱ     “ ሰአህኤ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ቀንዲ ውድባት ኤርትራ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን (ተሓኤ) ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን (ህግሓኤ) ዝነበረ፡ ንስኒትን ምጽውዋርን ቦታ ዝነፍግ ኩነታት፤ ሜዳና ንዝሓለፎ ተመኩሮ ውግእ ሓድሕድን ግርጭታትን ሰጊሩ ዝተመስረተ ሰልፊ እዩ። ።” ብዝብል ኣስፊርዎ ኣሎ።

ሎሚ “ዓለም ናብ ሓንቲ ገዛ ኣብ ዝተቐየረትሉ ዓለማውነት (Globalization) ኢና ንርከብ ዘለና” ዝብል ኣበሃህላ ወርትግ እዩ ዝዝውተር። እዚ ድማ ንምትህስሳይ ይኹን ንምትሕግጋዝ እቲ ምጽልላው ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ ከም ዘሎ እዩ ዘረደኣና። ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣ ብመንጽር’ዚ ንግደኡ ዝትክእ ዘይኮነስ ብሕጽረት ንዘጋጥሞ ሃጓፍ ዝመልእ ሓገዝ ካብ ጐረበት ኮነ ካብ ርሑቕ ክጽበ ውሁብ እዩ። ጽልዋ ናይዚ ሓገዝ ክሳብ ክንደይ ኣዕሚቑ` ይኸይድ ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ካልእ ዛዕባ ዝገለጽናዮ ካብ ውድብ ናብ ውድብ ከም ዝፈላለ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እዚ ሰደህኤ “… ኣብ ኣህጕራዊ መዳይ ክብራ ዝሓለወት ሃገር ንምህናጽ፡ ኣህጕራዊ ውዕላትን ውሳኔታትን ዘኽብር፡ ንልዑላውነት ሃገራት ዘየድፍርን ናይ ሕድሕድ ኢድ ምትእትታው ዘይቕበልን ዞባውን ኣህጕራውን ዕዮታት ከካይድ እዩ።” ዝብል ምስፋሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብተግባር እውን ኩሉ ዝኣትዎ ምትሕብባር በዚ ዝቃነን ዝቕየድን እዩ። ስለዚ ንከምዚ ዓይነት ስኑድ መርተዖ ጓሲኻ ናይ ካልኦት ካባ ኣልቢስካ ክትገልጾ ምፍታን ርትዓዊ ኣይኮነን። ብዛዕባ ሓደ ውድብ ኮነ ደምበ ተቓውሞ ክዝረብ እንከሎ ተቖንጢጥካ ነቲ ዝረአን ዝድህሰስን ከይከሓድካ ነናቱ ብምሃብ እምበር ኣፍካ ከም ዝሃበካ ምድርጓሕ ዘይርትዓዊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ዘምጸኦ መፍትሒ የብሉን።

Last modified on Friday, 10 March 2017 20:51