Print this page

እታ እንኮ መዋጽኦ

2017-02-27 10:06:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3720 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብሓፈሻ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፡ ብፍላይ ከኣ ሃለዋት ደንበ ተቓውሞና ዘየሕጉስ ኮይኑ ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ እዩ። ካባና ንምጅማር ናብ ደንበ ተቓውሞና ከነድህብ እንከለና፡ ካብቲ ብዙሕ ሓደን ቀንድን ጸገምና ኣብቲ ብሓባር እንእምነሉን እንዕወተሉን መትከላት ብሓባር ክንሰርሕ ዘይምኽኣልና እዩ። እዚ እቲ ቀንዲ ኣብ ዕንክሊል ዘንብረና ዘሎ ጠንቂ ኮይኑ ካልኦት ጸገማት’ውን የብልናን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እዚ ዓብይ ጸገም እንተተወጊዱ እቲ ዝተረፈ ንኡስ ጸገማትን ፍልልያትን ወይ ብሳላ ምፍታሕ እቲ ዓብይ ጸገም ዝፍታሕ ወይ ድማ ካብ ኣፈታትሓ እቲ ዓብይን ቀንድን ጸገም ተመኲርና ክንፈትሖ ግዜ ዝህብና እዩ።

እቲ ዘገርም ምናልባት እውን ኣባና ፍሉይ ተመኩሮ ክበሃል ዝኽእል፡ ጸገምናን ጠንቁን እንታይ ምዃኑ ንፈልጥ፡ መፍትሒኡ ከኣ ብሓባር ምስራሕ ምዃኑ እንዳተቐበልና፡ ኣብ ትግባረኡ ክንበቅዕ ዘይምኽኣልና እዩ። ኩልና ከም እንርደኦ ናይ ሓደ ጸገም መበቆል ምፍላጥ ኣብ ምፍታሑ ሓደ ስጉምቲ ንቕስሚት እዩ። መፍትሒኡ እንታይ ከም ዝኸውን ብሓሳብ ምርድዳእ ድማ ዝያዳ ንቕድሚት ምስጓም እዩ። እቲ ዝተርፍ ናይ ተግባር ስጉምቲ ቀሊል ኮይኑ፡ ትብዓትን ንዝኣመንካሉ ውፉይ ምዃንን ጥራይ ዝሓትት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ነቲ መራሕቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ 2013 ተራኺቦም ዝዳህሰስዎ ዝርዝር ጸገማትን ነቲ ፖለቲካዊ ውድባትና ኣብ ዕላዊ መድረኻት ንምቅርራብ ውድባት ብዝምልከት ዘውጸአኦ መግለጽታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።

ብዙሓት ወገናት ካብ ዝእምትዎ ነዚ ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ናይ ምስላፍ እንኮ መዋጸኦ ርዒምና ክንሰርሓሉ ዘይምኽኣልና ምኽንያታት፡ ካብ ጸቢብ ክሊ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበርን ተመሳሳሊ ውደባን ወጺእካ ብዛዕባቲ ሰፊሕ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ክትሓስብን ክትሻቐልን ዘይምብቃዕን፡ ከምኡ ከኣ ንናይ ጽባሕ ኣጀንዳ ቅድሚ ናይ ሎሚ ዕማም ናይ ምስራዕ ስሰዐ ካብቶም  ዝጥቀሱን ንህልዊ ኩነታትና’ውን ዘንጸባርቑ እዮም። እዚ ነቲ ህበይ ኢላቶ ዝበሃል “ኣብ መቐመጫይ ዘሎ እሾኽ ደኣ ይውጸኣለይ እምበር እቲ ዝተረፈስ ባዕለይ ኮፍ ኢለ የውጸኦ” በለት ዝበሃል’ኳ ነስተብህለሉ ዘለና ኣይመስለናን። ግዜ ዘይህብን ንዓለም ዘጨንቕ ዘሎን ጉዳይ ኤርትራ ካለኣይ ደረጃ ኣትሒዝካ ናእሽቱ ውዳበታትካ ንምጽብባቕ ቀዳምነት ምሃብ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ብስም እንስሳ ናብ ሰባት ዘቕነዐ ምስላ ክንምስል የገድደና። እዚ ማለት ግና እቲ መዋጸኦ እዩ እንብሎ ዘለና ምህናጽ ሓባራዊ መድረኽ ዘተኣማምን መዋጸኦ ንክኸውን ኣብተን ዝሓብራ ሓይልታት ዝዕመም ዋኒን ከምዘሎ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

ካብዚ ዘለናዮ ዕጽዊ ሳንዱቕ ክንወጽእ ክንነቅል እንከለና ግድን ከነስተብህለሎም ካብ ዘለና ጉዳያት፡ ብሓደ ኩርናዕ ሓደ ሓሳብ ክቐርብ እንከሎ ቀንዲ ኣድህቦና  ናብቲ ዝበሃል እምበር ናብቲ በሃሊ እምብዛ ከነድህብ ኣይግበኣናን። ብዘይካዚ ኣብ ህልዊ ኮይና ንቕድሚት ምቁማት እምበር ንድሕሪት ተመሊስና እምብዛ ናብ ምጽብጻብ ከነድህብ ሓጋዚ ኣይኮነን። ንኣብነት ሓደ ኣካል ካብቲ ቅድም ከቕርቦ ዝጸነሓ፡ ሓድሽን ዝያዳ ሃናጽን ለውጢ ዝእምትን ሓሳብ ሒዙ ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ “ቅድምዶ ከምዚ ይብል ኣይነበረን” ዝብል ሓረግ ነኮማስዕ፡ “እንኳዕ’ባ ምስዚ ናይ ለውጢ ሓሳብ መጸአ” ኢልና ክንንእዶን ንሕጽረታቱ ብዘይኳሳሕ ኣገባብ ከነትሕዞን እቲ ዝሓሸ እዩ። ኣብዚ ሓደ ነቲ ሓደ ዝጥቅወሉ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ኩልና ተገቲሩ ዘሎ እዋናዊ ሓላፍነት እዩ

ከምቲ ዝተገልጸ ኣበየኖት ነጥብታት ኣትኪልና ብሓባር እንተሰሪሕና ኢና ነቲ ጸድፍን ቀላይን ኮይኑና ዘሎ ቀዳማይ ምዕራፍ ክንሰግሮ እንኽእል ዝብል ሕቶ ክንምልስ እንከለና፡ ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ናይ ጭቆና መሓውራቱን፡ ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛምን ግዝኣተ ሕጊ፡ ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል ዝብሉ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ ጌና ዘይተዓወተ ብሓባር ናይ ምስራሕ ፈተነታትና ኮነ ኣብ ነናትና ንሕቶ ሓድነት ዝምልሱ ሰነዳት ሰፊሮም ዝርከቡ እዮም። እዚ ከበሃል እንከሎ ናይ ነፍሲ ወከፍና ውድባትን ሰልፍታትን ናይ ቃልሲ መዓርፎ እዚ ዝተጠቕሰ ነጥብታት ኣይኮነን። ኣብዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቑ ብዘትከለ ናይ ሓባር ቃልሲ ኣቢልና ኣብ ሓድሽ ህዝቢ ብናጽነት ዘሳትፍ መድረኽ ምስ ኣተና ብናይ ህዝቢ ተሳትፎን ሕገምንግስታዊ ኣላይነትን  ናይ መወዳእታ መልክዕ ነትሕዞም ፍልልያት ኣለዉና።

በዚ ኣገባብ ዝፍጠር ናይ ሓባር መድረኽ፡ ነቲ ዝያዳ ምስ እንቀራረቦም ወገናት ዝያዳ ዕምቆት ዘለዎ ምቅርራብ ምፍጣር ዝጻባእ ኣይኮነን። እንተኾነ እዚ ዝያዳ ኣብቲ ናይ ጽባሕ  ምዕራፍ ዝጐልሕ ንኡስ ምቅርራባት ነቲ ንኹሉ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ነጥብታት ዝርዕም ንናይ ሎሚ ህጹጽ መድረኽ ብዝይጐድእን ናይ መደባት ምድብላቕ ብዘይፈጥርን ኣገባብ ክተሓዝ ናይ ግድን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ነዚ እንኮ መዋጸኦ እሞኸኣ ብቕልጡፍ ክንትግብር እንተዘይክኢልና ሳዕቤኑ ኣብቲ ውሱን ደንበ ተቓውሞና ጥራይ ዝተርፍ ኣይኮነን። ብዓብይኡ ንመላእ ኩነታት ኤርትራ እዩ ዓይኒ መፍተሉ ዘጥፍኦ። ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ንስመን ዝምጥን ሓላፍነት እንተዘይፈጺመን ናይ ሓድነት ማእከላይ ስሕበት ተዘይኮይነን፡ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ንክውንነት ኤርትራ ዘይምጥን ዘይቅዱስ ውዳበታት ክቕልቀልን ህዝብናን ንሕናን መፍቶ ህግደፍ ክንከውንን ባህርያዊ እዩ። ካብዚ ኩሉ መዘዝን ተሓታትነትን ንምድሓን ከኣ ብሓባር ካብዛ ኣቲናያ ዘለና ዕንክሊል ክንወጽእ ምብቃዕ ጥራይ እዩ።

Last modified on Monday, 27 February 2017 11:12