Print this page

መፍትሒ ስደት ሕጂ’ውን ኣብ ኢድና!

2017-02-07 08:31:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3657 times
Rate this item
(0 votes)

ካብ ነዊሕ ግዜ ተደጋጊሙ ክግለጽ ከም ዝጸንሐ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ዘሎ ምምሕዳር ህግደፍ ጸረ-ህዝቢ ባህሪ ካብ ዝንጸባረቐሎም ተርእዮታት ሓደ፡ ደረቱ ዝሓለፈ “ፍልሰት” ዝብል ደረጃ ዝተዋህቦ ስደት ኣብ ኩሉ ደረጃ ዕድመን ሞያን ዝርከቡ ኤርትራውያን እዩ። ጠንቂ ናይዚ ስደትዚ ቀይናን ምምሕዳር ናይቲ ጉጅለ ምዃኑ ብዘይካ ባዕሉ እቲ ጉጅለ ኩሎም ኣካላት ዘይፈላለይሉ እዩ። ኣብ ፍታሕ ናይቲ ስደት ግና ምናልባት ዓማሚ ምርድዳእ ዘይጸንሐ ክኸውን ይኽእል። መብዛሕትና ስደት ግዚያዊ ናይ ሓጺር ግዜ መዕገሲ ቃንዛ እምበር፡ ናይቲ መሰረታዊ ጠንቂ ስደት መፈወሲ ኣይኮነን ክንብል እንከለና፡ ብገለ ወገናት ግና ዓዲ ገዲፍካ ስደት ከም ናይ ኩሉ ጸገም መፍትሒ ጌርካ ናይ ምውሳድ ዝንባለ ስለ ዝረአ።

ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክትመዝን እንከለኻ ካብ ነብስኻ ምጅማር ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን ናብ ዘተኣማምን መፍትሒ ዘብጽሕን ምዃኑ ፍቱን እዩ። ብመንጽር እዚ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ ጠንቂ ስደት ክዛረብ እንከሎ፡ ወትሩ ናብ ግዳማውያን ወገናት ብምውጥዋጥ እዩ ዘዘውትር። ኣብዚ ናይ ግዳም ሓይልታት ናጻ ንምውጻእ ዘይኮነ ነቲ ሓቂ ንምንጻር፡ ነቲ ጉጅለ “ ንሱስ ሕራይ ንስኻኸ ካብ ጠንቅነት ስደት ናጻ ዲኻ?” ዝብል ሕቶ ነቲ ጉጅለ ክቐርበሉ ግቡእ እዩ። ብመሰረቱ እዚ ሕቶ ዝቐርብ እቲ ጉጅለ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክዛረብ እንተኽኢሉ ንምፍታኑ እንተዘይኮይኑ፡ ብውሕዱ ንዓና ኤርትራውያን እቲ ጠንቂ ንሱ ምዃኑ ንምርዳእ ምምርማር ስለ ዘድልየና ኣይኮነን። ምናልባት እቶም ንሱ ደጋጊሙ ዝኸሶም ናይ ግዳም ሓይልታት ነቲ ኩነታት እንተጐሃሃርዎ’ውን ኣብ ዙርያ’ቲ ንሱ ባዕሉ ኣቐዲሙ ዝኣጐዶ መጋርያ ሓዊ እዩ።

ስደት መሰረታዊ መፍትሒ ኣይኮነን ካብ በልና፡ “እሞ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ደኣ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ ግቡእ እዩ። ክምለስ ከኣ ኣለዎ። ስደት ምሳና ካብ ዝነብር ነዊሕ ግዜ ስለ ዝኾነ ብዛዕባ መፍትሒኡ እውን ምሳና ዝጸንሐ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ዝርዝራዊ ባህርን ኣተገባብራን ዘለዎ ኮይኑ፡ ብጥቕልሉ “ነቲ ጠንቂ ስደት ዝኾነ ኣካል ምውጋድ’ዩ” ምባሉ ይከኣል። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ጠንቂ ስደት ኣብ ሃገርና ግጉይን ትዕቢተኛን ምምሕዳር ህግደፍ ስለ ዝኾነ፡ ንዕኡ ኣወጊድካ ብቕርዑይ ምምሕዳር ምትካእ እዩ። እዚ ድማ ካብ ኣበርክቶ ናይ ግዳም ሓይልታት እንጽበዮ ዘይኮነስ ናትና ናይቶም ግዳይ ስደት ንኸውን ዘለና ኤርትራውያን ሓላፍነት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ስደት ዓለም ለኻዊ ባህሪ ዘለዎ ስለ ዝኾነ ነቲ ናትና መሰረታዊ ኣበርክቶ ዘራጉድ ናይ ግዳም ደገፍ ኣየድልየናን ማለት ኣይኮነን።

ሎሚ ጠንቅታቱ ዝተፈላለየ ኮይኑ ስደት ኣዝዩ ኣብ ዝበዘሓሉ ግዜ ኢና ንርከብ ዘለና። ብዝሒ ስደት ኤርትራውያን ከኣ ኩሉ ግዜ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ እዩ ዘሎ። እቲ ወትሩ ዘቐንዝወና ሳዕቤን ስደት ኣብቶም ስደተኛታት ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝቕበሉ ሃገራትን ህዝብታት’ውን ከቢድ ኩለመዳያዊ ተጽዕኖ ኣለዎ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ሃገራት፡ በቲ ሓደ ወገን ካብዚ ኩለመዳያዊ ዝበልናዮ ተጽዕኖ ናጻ ንምውጻእ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓለም-ለኻዊ ንስደተኛ ዝምልከቱ ፖሊሲታት ንምኽባር ተቐርቂረን ይርከባ ኣለዋ። ካብዚ መንቀራቕሮ ንምውጻእ ከኣ ዝተፈላለያ ሃገራትን ከም ሕብረት ኤውሮጳ ዝኣመሰላ መድረኻትን ዝተፈላለየ ፈተነታት የካይዳ ምህላወን ንዕዘብ ኣለና። ኣብዚ እተን ሃገራት ኣብ ዘቕርበኦ መፍትሕታት ንገዛእ ርእሰን ካብ መጻብቦ ምውጻእ ዘቐድም ከም ዝኸውን ምርዳእ የድሊ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ከም ቀጻሊ መፍትሒ ክኸውን ትጽቢት ዝነተብረሉ ስደት ከም ከምቲ ዝደለኻዮ ዘይኮነስ ከምቲ ዝኾኖ ይኸውን።

ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ብዙሓት ሃገራት ስደተኛ ናይ ምቕባል ኣፍደገአን ክዓጽዋ ወይ ከጽብባ እንከለዋ፡ እቲ መፍትሒ ሕጂ እውን ብቃልስኻ ኣብ ሃገርካ ኩነታት ምምድማድ እምበር ምስተን ጉዳየን ብምቕዳም ዕድል ዝኸለኣኻ ሃገራት ምርጋምን ምንጽርጻርን መፍትሒ ኣይከውንን እዩ። ኣብ በዓል ኣሜሪካ ዝምዕብ ዘሎ ኩነታት እንተወሲኽናሉ ከኣ ስደት መፍትሒ ከምዘይኮነ መመሊሱ ይበርሃልና። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ባህሪኡ ደሪኽዎ ደድሕሪ ስደተኛታት ስዒቡ ንምዝራግ ዝገብሮ ፈተነታት መልክዑ ብዙሕ ምዃኑ ንሪኦን ንሰምዖን ኣለና። ኣብ ገሊኡ ብጉልባብ ስደተኛ ኣብተን ሃገራት ሰለይቲ የዋፍር። ንሓንሳብ ድማ ናቱ እሙናት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ሓሶት ምኽንያታት ኣቕሪቦም ፖለቲካዊ ዑቕባ ምስ ረኸቡ፡ ንስለያዊ ስራሕ ናብ ኤርትራ ከም ዝምለሱ ይገብር። ነዚ ዝተኸታተላ ሃገራት ከኣ እንተላይ ዕድል ናይቶም ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም ዝሳቐዩ ዕድል ክዓጽዋ ይግደዳ። ገለ ሃገራት ከኣ ካብ ነናተን ረብሓ ነቒለን ኣብ ቀረባ ስለ ዝጸንሓ፡ እቲ ኣብ ቃሉ ከምዘይጸንዕ ዝፈልጠኦ ስርዓት ህግደፍ ንዝሳስየለን ናይ ሓሶት መብጸዓ መዝሚዘን ስድተኛታት ናብ ኤርትራ እንተተመሊሶም ዘጋጥሞም ጸገም የለን ክብላ ይስመዓ ኣለዋ።

ስለዚ ሃገራት መሰል ስደተኛ ከኽብራ ብዛዕባ ዘለወን ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ሓላፍነት ንምዝኽኻር፡ ከምዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ዝገብሮ ጻዕሪ እቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መዘክራትን ምሕጽንታታትን  ምቕራብ’ኳ ቅኑዕን ግቡእን እንተኾነ፡ እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ስደትን ሳዕቤናቱን ናይ ምውጋድ ሓላፍነት ሕጂ’ውን ኣብ ኢድና  ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

Last modified on Tuesday, 07 February 2017 09:37