Print this page

ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ዝተመዝገበ ለውጥታት

2016-12-31 07:55:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 5475 times
Rate this item
(0 votes)

"ናይ ሎሚ ወለዶ ናይ ትማሊ ኣይኰነን፤ ኣብ ትማልን ኣብ መጻእን ምትኳር ንሎሚ ምርሳዕ ኢዩ"

 

ሓደ ወልዶ፡ ካብ’ቲ ቅድሚኡ ወይ ድሕሪኡ ዘሎ ወለዶ 25 ዓመታት ኢዩ ዝፈላልዮም። ንኣብነት ካብ 1966 ኣትሒዙክሳብ 1991 ዘሎ ወለዶ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ወለዶ ክኸውን ከሎ፤ ካብ 1991 ክሳብ 2016 ዘሎ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ካልእ ሓድሽ ወለዶኢዩ። ስለ’ዚ፡  ቅድሚ 91 ዓ.ም ድሕሪኡን ዘሎ 25 ዓመታት፡ እንታይ ኢዩ ፍልልዩ? እንታይ ለውጥታት ተመዝጊቡ ምርኣይ ኣገዳሲ ኢዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ኣብ ውሽጢ 50 ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ኣገደስቲ ለውጥታት እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ንምድህሳስ ኢና ክንፍትን?

 

ካብ ስሳታት ኣትሒዙ ክሳብ መጀመርያ ተስዓታት ዓለምና ኣብ መንጐ ብኣመሪካ ዝምራሕ ርእሰ-ማላዊ ደንበን ኣብ መንጐ ብሶቭየት ሕብረት ዝምራሕ ዴሳዊ ደንበን ተኸፋፊላ፡ ብዝሑል ውግእ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ውድድር መዋእል ትልለ ነይራ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ጽለዋ ዴሳዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ ዓለም እናሰፍሐ ዝኸደሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ናይ ሓርነት ምንቅስቓሳት ተጓሃሃረ፤ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እስያን ላቲን ኣመሪካን ሽዑ ኢየን ካብ መግዛእቲ ተገላጊለን ናጻን ልዑላውያንን ሃገራት ክዀና ዝኸኣላ።

 

ገድሊ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ካብ 70ታት ኣትሒዙ፡ ኣነ’የ ዝያዳ ርእሰ-ዴሳዊ ኣነ’ባ ገስጋሲ፡ ኣነ ማርክሳዊ እናበለ ነንሓድሕዱ ዝወዳደረሉ እዋን ምንባሩ እውን ዝዝከር ኢዩ። ከም’ቲ ኣብ መንጐ ዴስነትን ርእሰማልነትን ዝነበረ ውድድርን ኣተሓሳስባን፡ እቶም ክልተ ዓበይቲ ውድባት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባርን ተሓኤን፡ ሓደ ነቲ ካልእ ስዒሩ ስልጣን ንበይኑ ክብሕት ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ። ሜዳ ኤርትራ፡ ካብ ሓደ ውድብ፡ ካብ ሓደ መሪሕነት፡ ካብ ሓደ ሰራዊት ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን’ዩ: ኣጣልን ኣባጊዕን ኣይተሓዋወሱን ኢዮም ዝብል ኣረዳድኣ ዝዓብለሎ መድረኽ’ዩ ነይሩ። ዲሞክራሲ፡ ብዙሕነት፡ ሕድገት . . .ወዘተ ዝብሉ ኣምራት ቦታ ኣይነበሮምን።

 

ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ’ቲ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ኢዩ ተጸሚዱ ነይሩ። እቲ ዝስደድ ከኣ፡ መብዛሕታኡ፡ ናብ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ስዑድያ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። ብዙሓት ካብ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብርኦምን ትምህርቶምን ገዲፎም ናብ ገድሊ ኤርትራ ዝጽንበርሉ ወቕቲ እውን’ዩ ነይሩ።

 

ካብ ሰማንያታት ኣትሒዙ ግን፡ ብሰንኪ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ልዕሊ ተሓኤ ዝወሰድኦ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተጋደልቲ ተሓኤ ናብ ሱዳን ስለዝኣተዉ፡ ሃገራት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝኸፈትኦ ማዕጾ ተጠቒሞም ናብ ሃገራት ምዕራብ ብብዝሒ ክውሕዙ ተራእዩ።

 

ተሓኤ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ፡ ናብ ብዙሓት ውድባት ተፈናጨለት። ናይ ሶቭየት ሕብረት ውድቀት ዝፈጠሮ ስነሓሳባዊ ወይ ኣይዲዮሎጂካዊ ሃጓፍ ድማ ኣብ ብዙሕ ኵርንዓት ናይ ዓለም ብእስላማዊ ምንቅስቓሳት ተተክኤ። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ለውጥታት’ዚ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ወርሒ ሰነ 1989 ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣልማህዲ ዕልዋ ተኻይዱ “ጀብሃት ኣል ኢንቃዝ” ስልጣን ጨቢጡ።

 

ናይ ተሓኤ ምድኻምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጠር ዝነበረ እስላማዊ ምንቅስቓሳትን ብዝፈጠሮ ምቹእ ባይታ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ንኣሽቱ እስላማዊ ምንቅስቓሳት ብ1988 ሓቢሮም ጕባኤ ብምግባር እስላማዊ ጅሃድ ኤርትራ ዝብል ውድብ መስረቱ። ኣብ መወዳእታ ሰማንያታትን መጀመርያ ተስዓታትን ኣብ መንጐ ህዝባዊ ግንባር እስላማዊ ውድባትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርንዓት ኤርትራ ብረታዊ ጐንጽታት ተኸሲቶም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ።

 

ካብ ተስዓታት ንነጀው ካብ ዝተራእዩ ዓበይቲ ለውጥታት እቲ ቀንዲ፡ ውድቀት ዴሳዊ ደምበን ዓለም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ብኣመሪካ ዝምራሕ ምዕራባዊ ርእሰ-ማላዊ ሓይሊ ምውዳቓን ኢዩ። መቀናቕንቲ ምዕራባዊ ዓለም ብሓፈሻ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ዝነበረት ሶቭየት ሕብረት ፋሕ ብትን ኣተዋ። ንሶቭየት ሕብረት ዘቝማ ዝነበራ ሪፑብሊካት ተገንጺለን ናጻ ዝዀና ነናይ ገዛእ ርእሰን መንግስታት ኣቖማ። እታ ሓንቲ ዝነበረት ዩጎዝላቭያ እውን ኣብ ብዙሓት መንግስታት ተጓዛዘየት። ቸኮዝላቫክያ፡ ናብ ቸክን ስሎቨንያን ዝብሃላ ክልተ ርእሰን ዝኸኣላ መንግስታት ተኸፍለት። ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ፡ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ርእሰን ዝኸኣላ ልዑላውያን ሃገራት ክዀና በቕዓ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ደርግ ወዲቑ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ተተኪኡ።

 

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ምዕራብን ምብራቕን ጀርመን፡ ከምኡ’ውን፡ ሰሜንን ደቡብን የመን ደጊመን ክሓበራ ተራእያ። ቺና ከኣ፡ ንሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ፡ ንኣመሪካ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት እትወዳደር ሓዳስ ሓያል ሃገር ኰይና ወጸት።

 

መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብ1991 ኣብ ዘኽተመሉ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ኢድ ኰይኑ፡ ንዕለት ናጽነቱ ብክብ ዝበለ ሓጐስን ሓድነትን ኢዩ ተቐቢልዋን ጸምቢልዋን። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ንሃገሩ ብዘይዝዀነ ይኹን ኣምሳያ ብናጻ ከገልግልን ዝውንኖ ጸጋታት ኣብ ልምዓት ሃገሩ ከውዕልን ብምሉእ ዕግበት’ዩ ተበጊሱ ነይሩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ፡ እቲ ናብ ሃገሮም ምምላስ ዝነበሮም ሕልሚ ጋህዲ ኰይኑ ስለዝተሰምዖም ገለ ብሃውሪ፡ ገለ ድማ ብመደብ ምምላስን ምጥያስን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተራእዩ።

 

ኣብ መንጐ ጐረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን መንፈስ ነጊሱ ነበረ። ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ናይ ልምዓት፡ ጸጥታ፡ ምክልኻልን ስምምዓት ዝግበረሉን ዶባትና ኣብ ትርጕም ዘይብሉ ብርኪ ከነሰጋግሮ ኢና እናተባህለ ዝዝረበሉን እውን’ዩ ተበጺሑ ነይሩ። ከምውጽኢቱ ድማ፡ ኢጋድ እተባህለ በይነ-መንግስታዊ ትካል ምቛም ዝዝከር ኢዩ።

 

ብዙሓት ኣባላት ተሓኤ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ናብ ሃገሮም በብመንገዶም ተመሊሶም። ኣብ ደገ ዝነበሩ ተቓወምቲ ውድባት እውን፡ ርግኣት፡ሰላምን ፍትሕን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምህናጽ ምስ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ድልውነቶም ይገልጹ ነበሩ። ሰማዒ እዝኒ ግን ኣይረኸቡን። ብኣንጻሩ ሓሸውየ ናይ ውድባት ኣይነፍቅድን ኢና ዝብል ናይ ብድዐን ትምክሕትን ድምጺ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ክነጕድ ተሰምዐ።እዚ ጃህራድማ፡ ንኣእሙሮ ብዙሓት ደፈነ። ኣብ መጀመርያ ተስዓታት እምበአር፡ኣዝዮም ውሑዳት እንተዘይኰይኖም ድምጺ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ክሰምዕ ዝደሊ ኤርትራዊ ይኹን ወጻእተኛ ኣይነበሩን።

 

ዓለም ድማ፡ ንመራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣድናቖታ ትገልጽ ነበረት። ንፕረሲደንት ኤርትራ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ነብሰሄር መለስ ዜናውን ፕረሲደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒን ተስፋ ዝንበረሎም ሓደስቲ መራሕቲ ወለዶ ኣፍሪቃ እናበለት  እትምጕሰሉን ምስኦም ተሓባቢራ ክትሰርሕ ድልዊ ምዃና እትገልጸሉን ወቕቲነይሩ። ከምወጽኢቱ ድማ፡ ፖለቲካዊ ደገፍን ቍጠባን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን እናዓበየ ክኸይድ ተራእዩ።

 

ድሕሪ 25 ዓመታት፡ ሎሚ ኣብ ምዝዛም 2016 ዓ.ም ኣብ እንርከበሉ እዋን፡ ነቲ ሓደ ቍጥባዊ ዓለም (uni-polar world) ወይ ዓውለማውነት (Globalaization) ዝጻረር፡ ናይ የማንን ጸጋምን ጥሩፍነት ወይ ኣኽራርነት ተርእዮታት እናዓምበበ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ጥሩፍነት’ዚ ሓደሓደ ግዜ ሃይማኖታዊ መልክዕ፡ ንኣብነት ዳዕሽ፡ ኣልሸባብ፡ ቦኮሃራም . . . ወዘተ፤ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ናይ ቆርበት፡ ሃይማኖት፡ ጾታ ዝተመርኰሰ ጥሩፍ ጽልኢ (ጥሩፋት የማናውያን ሰልፍታት ኣብ ኣውሮጳ ኣመሪካን)፤ ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ንቝጣባዊ ቅልውላዋትን ብዝሒ ስደተኛታትን እናመዝመዘ ንስምዒታት ናይ ህዝቢ ዘጕሃህር ህቡባዊ (populist) ወይ ጥሩፍ ብሄርተኝነት (ultra-nationalism)  መልክዕ ክሕዝ ይርአ ኣሎ። ንኣብነት፡ ምሕያል ናይ ጥሩፋት የማናውያን ሰልፍታት፡ ኣብ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሽወደን፡ ሆላንድ ብሓደ ሸነኽ፤ ምዕዋት ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ምውጻእ (Brexit) ክዕወት ምኽኣሉ ምጥቃስ ይከኣል።

 

ሎሚ፡ ዓለምና ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ቍሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ፡ ኢንተርነትን ማሕበራዊ (ሶሽያል) ሚድያን ቀንዲ ናይ ዓለምና ናይ ርክብ መስመራት ጥራሕ ዘይኰነስ፤ ከም ሰብኣዊ መሰላት ዝቝጸረሉ መድረኽ ኢና በጺሕና ዘሎና። ኣብ ቅድመ ናጽነት ዝነበረ መድረኽ ግን፡ ኣብ ዓለምና ዓብላሊ ዝነበረ ናይ ርክብ መሳለጢታት ተለፎን፡ ፋክስ፡ ተለቪዥን፡ ራድዮ፡ ፖስታ ቤት፡ ነፈርቲ፡ መራኽብ፡ መኻይን . . . ወዘተ ኢዩ ነይሩ። ኢንተርነት ዝብሃል ብደረጃ እዚ ሕጂ ኣብ ኢድ ነፍስወከፍ ሰብ ዝበጽሓሉ ኵነታት ዝውቱር ኣይነበረን።

 

ኣብ ኤርትራ’ኸ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት እንታይ ለውጢ ተራእዩ?

ኤርትራ፡ ኣብ መጀመርያ ክፋል ናይ ተስዓታት፡ ብመጠኑ ርግኣትን ቍጠባዊ ዕብየትን ከተመዝግብ ጀሚራ ነይራ’ያ። ንስርዓት ኢሳያስ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ውሑዳት ኢዮም ነይሮም። እቲ እንደልዮ ዝነበርና ናጽነት ተራጋጊጹ እንድዩ፡ ሕጂ’ኸ እንታይ ክትቃወሙ ደሊኹም ዝብል ድምጺ ዝዓብለሎ ኵነታት ሰፊኑ ነይሩ።

 

 

ነዊሕ ከይተኸደ ግን፡ እቲ ብዛዕባ ናጻ ዕዳጋ፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡  ዝግበር ዝነበረ መብጽዓታት ብምልኡ ተጠሊሙ። ሓሸውየ ናይ ውድባት ኣይፍቀድን ኢዩ ዝብል ነጋሪት ተሃሪሙ። ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምልኪ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣትያ። መነባብርኦም ክመሓየሽ ዝጠለቡ ተጋደልቲ ብሕሱም ተገፊዖም፡ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ኣካለ ስንኩላን ድማ  ብጥይት ናይ ከድዓት መራሕቶም ተቐንጺሎም።

 

ኤርትራ፡ ምስ ኵለን ጐረባብታ ኣብ ውግእን ወጥርን ስለእተጸምደት ንሓደጋታት ናይ ዘይምርግጋእ፡ ቍጠባዊ ቅልውላዋትን ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ተነጽሎን ተቓልዐት። ብ1996 ምስ የመን ድሕሪ ዘካየደቶ ውግእ፡ ደሴት ሓኒሽ ብፍርዲ ንየመን ከም ዝተዋህበት ዝዝከር ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ብ1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘካየደቶ ውግእ ሰፊሕ ክፋል ካብ መሬትና ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናይ ኢትዮጵያ ይርከብ ኣሎ።

 

ቅዋም ክትግበርን ጠንቂ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክፈልጡን ዝሓተቱ ኣባላት መሪሕነት ህግዲፍን ንድምጽታቶም ዘቃልሑ ጋዜጠኛታትን፡ በጻሕን ሓታትን ዘይብሎም፡ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ኣብ ዘይፍልለጥሉ ሃለዋት፡ ኣብ ዒራዒሮ ተዳጒኖም ይርከቡ። ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ግብጺ ፡ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝተኣስሩላ ሃገር ተባሂላ ኢያ ትፍለጥ (25 ጋዜጠኛታት ኣብ ግብጺ፡ 17 ጋዜጠኛታት ኣብ ኤርትራ)።

 

ትምህርቲ ምስ ውትህድርና ተቖሪኑ።  ኤርትራውያን መንእሰያት ናይ መወዳእታ ዓመታት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ከምዝወስድዎ ተገብረ። መንእሰያት፡ ኣብ ክንዲ ተማሂሮም ንነብሶም፡ ንስድራኦምን ሃገሮምን ዝዀኑ፡ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ብዝብል  ምስምስ ኣብ ደረት ዘይብሉ ናይ ባርነት ወፍሪ ተጸሚዶም ይርከቡ። ወለዲ ንደቆም ክቆጻጸሩ ኣብ ዘይክእልሉ ኵነታት ወዲቖም ኣለዉ። እታ ዝነበረት ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ተዓጽያ፡ በተን መላኺ ስርዓት ኤርትራ ዝመረጾ ዓይነት ትምህርቲ ዝህባ ኮለጃት ወይ ትካላት ተተኪኣ።

 

ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ኣሉታዊ ተርእዮታት’ዚ፡ ስድራቤት፡ ገሊኣ ኣብ ስደት፡ ገሊኣ ኣብ መደበራት ታዕሊም፡ ገሊኣ ኣብ መዛግብ ውግእ (ድፍዓት)፡ ገሊኣ ድማ ዕጭኣ ማእሰርቲ ኰይና ተበታተነት።

 

ብሰንኪ’ዚ ሕማቕ ኵነታት’ዚ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ንስደት ከምርሑ ተገደዱ። ብዙሓት ካብ’ኦም ድማ፡ ኣብ ምድረበዳታት ኣፍሪቃን ኣብ ማእከላይ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ሃለቁ፤ ማእለያ ዘይብሎም ድማ፡ ግዳይ ነጋዶ ደቂ ሰባት ኰይኖም፡ ኣደዳ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዓዛብን ዓመጽን ኰኑ፤ ውሽጣዊ ኣካላቶም ተቐንጢቡ ናብ ዕዳጋታት ንመሸጣ ወሪዱ። ካብ’ዚ ዕጫ’ዚ ንምድሓን፡ ብዙሓት ማእለያ ዘይብሉ ዶላራት ክኸፍሉ ተገደዱ። ኣብ ላምፓዱሳ ዝሞቱ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ፡ መግለጺ ናይ’ዚ ኣሰቓቒ ተመኵሮ ኢዮም። ብናቶም ህልቂት’ያ ዓለም ብዛዕባ ስቅያት ኤርትራውያን ቍሩብ ክስቆራ ዝጀመረ። ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ስደተኛታት ብብዝሒ ዘፍርያ ሃገራት ተባሂለን ኣብ ዓለምና ዝፍለጣ ሃገር ኰነት።

ኤርትራውያን ስፖርተኛታት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ተምሃሮ፡ ሙዚቀኛታትን ስነ ጥበባውያን ናብ ግዳም ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ፡ በብዝኸድዎ ክተርፉ ወይ ዑቝባ ክሓቱ ተራእዩ።

 

እተን ብጽሬተንን ጽባቕአንን እንምክሓለን ዝነበርና ከተማታትና መልክዐን ተደዊኑ። ማይ፡ መግቢ፡ መብራህቲ ብኩቦንን መስርዕን ዝዀነሉ ወቕቲ ተጋሂዱ።

ኤርትራ፡ ንጥሩፍ ሶማልያዊ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ትድግፍ’ያ ተባሂላ ማዕቀብ ተነቢሩላ፡ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ እውን ኣይተላዕለን ዘሎ። ብሕቡራት ሃገራት እተመዘዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ እንተላይ ኣገዲድካ ምድፋር፡ ዓዛብ፡ ምስዋር፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምቕታልን ክሳብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍጸመላ ሃገር ምዃና ዘረጋግጽ ጸብጻባት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ።

 

ስርዓት ኢሳያስ፡ ነቲ ኣባል ሰንዓ ፎረም ዝነበረ መንግስቲ የመን ንምድኻም ኢሉ፡ ንተቓወምቲ መንግስቲ የመን ዝዀኑ ሖትይን ንነዊሕ ዓመታት ክድግፍ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ብሃንደበት ኣቅጣጫኡ ቀይሩ፡ ብወለንታኡ ተሓባባሪ ናይ’ቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ልፍንቲ ኰይኑ ንሖትይን ክወግእ ይርአ ኣሎ። ወድብ ዓሰብ፡ ማያትን ሰማያትን ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎት ልፍንቲ ኣንጻር ሖትይን ይውዕል ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኰይኑ ኣሎ።

 

ተቓውሞ ንስርዓት ኢሳያስ ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ’ዘን 25 ዓመታት፡  ብዓቐን ይኹን ብዓይነት እናዓበየ ኢዩ መጺኡ። ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ናይ 2001 ናይ ጕጅለ 15 ተቓውሞ፡ ስርዓት ህግዲፍ ዓንደ-ሕቖኡ ተሰቢሩ ኢዩ። ብምንቅስቓስ ፎርቶ ዝፍለጥ ናይ 21 ጥሪ 2013 ተቓውሞ ናይ ወዲ ዓልን ብጾቱን፤ ኣብ ጀነቭ፡ ኒውዮርክ፡ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት እተኻፈልዎም ሰላማዊ ሰልፍታት ጭቡጥ ምልክታት ናይ ዝግሃዱ ዘለዉ ለውጥታት ኢዮም።

 

ናይ ባጤራ ለውጢ፦

ነቲ ብሰንኪ ግዕዙይ ምምሕዳር ካብ ዙረት ወጻኢ ኰይኑ፡ ኣብ ኢድ ውሑዳት ገበነኛታት ተዀሚሩ ዝነበረ ናይ ቀደም ናቕፋ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ንምግባር  ዝዓለመ ናይ ባጤራ ምቕያር መደብ፡  ነቲ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ዝብል ምስላ ብዘዘኻኽር ኣገባብ፡ ነቲ ንጹህ ዜጋ ኣብ ተወሳኺ ናይ ቍጠባ ቅልውላው ከምዝሽመም ገበሮ ምበር፡ ነቶም ገበነኛታት ሰበስልጣንን ተሓባበርቶምንሲ ዝዀነ ጸገም ኣይፈጠረሎምን። እዚ ናይ ባጤራ ምቕያር መደብ፡ ነቶም ኣብ ግዳም ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ቤተሰቦም ዝልእክዎ ገንዘብ ከምዝንኪ ምግባሩ እውን ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

 

ኢንተርነት፦

ሎሚ፡ ኢንተርነት፡ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝዀነሉ ወቕቲ ኢና ንነብር ዘለና። ኣብ ኤርትራ ግን፡ እዚ መሰል’ዚ ልክዕ ከም’ቶም ካልኦት ሰብኣዊ መሰላትይግሃስ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ልዕሊ ኢንተርነትን ተጠቀምቱን ዝግበር ቍጽጽርን ገደብን ከቢድ ስለዝዀነ፡ ሰባት ከምድላዮም ሓበሬታ ንኸይረኽቡን ሃብታማት ድማ ርእሰማሎም ኣብ ኤርትራ ከየዋፍሩን ዓቢ ዕንቅፋት ኰይንዎም ኣሎ።

 

ካብ ተነጽሎ ንምውጻእ፦

ስርዓት ኢሳያስ፡ ብህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ብዘጋጠሞ  ተቓውሞን  ተነጽሎን ክጽሎ ናይ ግድን ስለዝዀነ፡ ስልታዊ ለውጥታት ክገብር ተገዲዱ ኣሎ። ኣባላት ኤምባሲታት ተነቢርሎም ዝነበረ ናይ ምንቅስቓስ ደረት ክለዓል ብምግባር፤ ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ጥራሕ ክድረቶን ሓድሽ ቅዋም ክነድፍን ምዃኑ መብጽዓ ብምእታው፤ ደሞዝ ሰራዊት ኤርትራ ብምውሳኽን ምስ መሓዙት ምዕራባውያን ሃገራት ዝዀኑ ኣባላት ናይ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንትን ምስ’ታ ብምህናጽ ግድብ ትንሳኤ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ እትርከብ መንግስቲ ግብጽን ብምዝማድ፤ ኣብ ልዕሊኡ ተፈጢሩ ንዘሎ ቍጥዐን ተቓውሞን ንምትህድዳእ ይጽዕር ኣሎ። ምርኰኛታት ወተሃደራት ጅቡቲ ብናጻ ምልቃቑ እውን ኣካል ናይ’ዚ ስልቲ’ዚ ኢዩ።

 

 

ብዋሕዚ ብዝሒ ስደተኛታት ዝተሰናበዱ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መንግስታት ኣውሮጳ ድማ፡ ንጥቕሞም ክብሉ፡ ነቲ ዋሕዚ ደው ንምባል፡ ምስ መለኽቲ ስርዓታት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ክኣትዉ ይርኣዩ ኣለዉ።

 

መደምደምታ፦

ንናይ ሎሚ ወለዶ ብድሆታት፡ ናይ ትማሊ ወይ ናይ ጽባሕ ዘይኰነስ ናይ ሎሚ መፍትሒታት ኢና ከነናዲ ዝግባእ። ቃልሲ ኤርትራውያን ሎሚ ኣንጻር ባዕዳዊ ጐበጣ ኣይኰነን። ኤርትራ፡ ናጻን ልዑላዊትን  ኰይና ብዓለም ተፈሊጣ ኢያ።  ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ናይ ዶብ ጸገማት ብመሰረት እቲ ድሮ ተበጺሑ ዘሎ ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ኣህጕራዊ ስምምዓትን ውዕላትን፤ ሰላማዊ፡ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን መዕለቢታት ክግበረሎም ጥራሕ ኢና ክንጽዕር ዝግብኣና።

 

ከምኡ’ውን፡ ናይ ሎሚ ቃልስና ጀብሃ ኣንጻር ሻዕብያ ወይ ሻዕብያ ኣንጻር ጀብሃ ኣይኰነን። እዚ ቃልሲ’ዚ ኣኽቲሙ ኢዩ። ሎሚ እንርከበሉ ዘለና መድረኽ ናይ ጀብሃ ፕሮግራም’ዶ ናይ ሻዕብያ መን ዓብለለ ኣይኰነን። እዘን ውድባት እዚኣተን ንቓልሲ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝመርሓ ሃገራዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ደኣ’ምበር፡ ንዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ዝቃለሳ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣይነበራን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ምልኪ ናይ ሸቃላይ ከነረጋግጽ ኢና ዝብላ ዝነበራ ውድባት ኢየን። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ጨቢጡ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቅን መጋበርያታቱን (ወተሃደራውን ጸጥታውን) ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ። ስለ’ዚ፡ ናይ ሎሚ ቃልሲ፡ ኣብ መንጐ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ መንጐ ዲክታቶርያዊ ጕጅለ ኢሳያስን ኢዩ።

 

ናይ ሎሚ ወለዶ ክቃለሰሉ ዘለዎ ዕላማታት እምበኣር፡ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ዝሰፈኖ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕለወሉ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ብዙሓት ሰልፍታት ደኣ‘ምበር፥ ምልኪ፡ ብዝዀነ ይኹን መልክዓቱ፡ ንምንጋስ ክኸውን የብሉን።

 

ኤርትራ፡ ብብዙሕነት ናይ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ መበቆል፡ ኣውራጃ እትልለ ሃገር ኢያ።ነዚ ብዙሕነት’ዚ ጸጋና ድኣ’ምበር ዕዳና ክንገብሮ ኣይግባእን። ናይ ኵሎም ቋንቋታትና፡ ሃይማኖታትና፡ ኣውራጃታትናን ብሄራትናን ማዕርነትን መሰላትን ክረጋገጽ ክኽእል ኣለዎ። ሓደ ልዒሉ፡ እቲ ካልእ ትሒቱ ዝርኣየሉ ዝዀነ ይኹን ቅቡል ምኽንያት የለን። ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝብል መርሆ፡ መተካእታ ዘይርከቦ እንኮ ምርጫና ምዃኑ ክንኣምን የድሊ።

 

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ልዕሊ 75% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ትሕቲ 35 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኢዮም። እዚ ማለት ድማ ንፍተዎ ንጽልኣዮ ብዘየገድስ፡ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ተረከብቲ ንሶም ኢዮም። ካብ’ዚኦም፡ ድሕሪ ናጽነት እተወልደ እቲ ዝተሓተ ዕድሚኡ 25 ኰይኑ፤ እቲ ናይ ቅድመ ናጽነት ወለዶ ከኣ እቲ ዝተሓተ ዕድመ 50 ዓመት ዝገበረ ስለዝዀነ፡ ብባህርያዊ ምኽንያታት ኣብ ምሕላፍ ተጋማጊሙ ዝርከብ ኢዩ። “ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን” ከምዝብሃል፡ መንእሰይ ሓላፍነቱ ብግቡእ ክስከም እንተደኣኰይኑ ክመሃርን ክሰርሕን ኣለዎ። መንእሰይ ስለዝዀነ ጥራሕ ንሃገር ክመርሕ ወይ ንሃገር ክጠቅም’ዩ ማለት ኣይኰነን። ንትምህርቲ ዝዕንቅጹ ከም ድኽነት፡ ድሑር ባህልታትን ልምድታትን (ትሕተ-ዕድመ ምምርዓው)  ዝኣመሰሉ ወድዓውያን ምኽንያታት ምህላዎም ክዝንጋዕ የብሉን።

 

ቀንዲ ግደ ናይ መንእሰያት፡ ነዞም ዓንቀጽቲ ብድሆታት ስዒሮም ስልጡን ሃገርን ህዝብን ምህናጽ ኢዩ። ነዚ ንኽገብሩ ግን፡ ንገዛእ ርእሶም ፈተውቲ ትምህርቲ፡ ፈተውቲ ስራሕ፡ ፈተውቲ ስልጣኔን ፈተውቲ ሕብረተ-ሰቦምን ክዀኑ ይግባእ።

 

 

Last modified on Saturday, 31 December 2016 09:41