ግደ ዘይኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ

2016-07-16 19:07:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 4825 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እዚ ዘለናዮ ዘመን ዓለምና ሳላ ዘመናዊ ስልጣነ መራኸቢ ናብ ንእሽቶ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ ደረጃ በጺሓ ኣላ። እዚ ምዕባለ’ዚ ውጽኢት ብዙሕ ጥበባት፡ ውህሉል ተመኩሮታትን ምርምራትን ስለ ዝኾነ፡ ኣተሓሕዛ ተጸቢቕካሉ ግደኡ ኣውንታን ዕቤትን እዩ። ማዕሪኡ ክትስጉም ተዘይክኢልካ ግና፡ ናብ ዕንወትን ውድቀት ክወስደካ እቲ ዕድል ሰፊሕ  እዩ። ነዚ ክውንነታዊ ምጽልላው ክሒዶም፡ ብጉልባብ “ነብሰ ምርኮሳ” ገዝኦም ዓጽዮም ብብሕትውና ክዓብዩ ዝሕልኑ ወገናት ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘለዉ ናይ ህግደፍ ንጹል ኣተሃላልዋ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

ነዚ ንዓለምና ናብ ቁሸትነት ዝቐየረ ምዕባለ ተኸቲሉ ኣብ ሕድሕድ ሃገራት ቀጻሊ ኣሉታዊ ኮነ ኣውንታዊ ምጽልላው ኣሎ። እቲ ነቲ ኣሉታ ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ተጸላላዊ ኮይኑ ኣሎ። ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ኣብ ሓደ ሃገር ጥራይ ተደሪቱ ኣብ ዘይተርፈሉ ደረጃ ምዕባለ ኢና ዘለና። እቲ ቀደም ወለድና “እንተ ክትድቅስ’ሞ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝብልዎ ዝነበሩ ምስላ፡ ሎሚ ብዘመናዊ ስልጣነን ዲፕሎማሲያዊ ምድግጋፍን ተረጋጊጹ እዩ። ስለዚ ደለይቲ ሰላም፡ እታ ዝብህግዋ ሰላም ንምዕቃብ ኣብ ሃሃገሮም ጥራይ ተደሪቶም ማዕጾ ዓጽዮም ዝገብርዎ ቃልሲ እኹል ኣይኮነን። ኣብ ሃገርካ ክትቀስን፡ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ተላባዒ ህውከት ኣባኻ ከይበጸሐ ክትገትኦ ናይ ግድን እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ብፍላይ ከም ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ዓለም ለኻዊ ኣካላት ኣብ ሓደ ከባቢ ጸገም ከጋጥም እንከሎ በቲ የድምዕ’ዩ ዝበልኦ ኣገባብ ዓገብ ናይ ምባል፡ ሓደሓደ ግዜ’ውን ጣልቃ ናይ ምእታው ሓላፍነት ኣለወን። ኣብ ፈቐድኡ ሃገራት ዓቀብቲ ሰላም፡ ፖለቲካዊ ተዓዘብትን መርመርቲ ኮምሽናትን ዘቑማ’ውን ካብዚ ሓላፍነት’ዚ ብምብጋስ እዩ። ከምቲ “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ዝበሃል እዘን ኣካላት ኣብቲ ጸገምካ ክሳተፋ፡ ንመትክላተን ከተኽብር ግድን እዩ። ከምዚ ናይ በዓል ህግደፍ ዘይዘራእካዮ ክትዓጽድ ምግዓር ግና ቦታ የብሉን።

ናይ ሓደ ሃገር ዜጋታት ከምዚ ንዓና ንኤርትራውያን ወሪዱና ዘሎ ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ፡ ዓብዒበምዎ ስቕ ዝብሉ ዘይኮነስ ሕብረተሰብ ዓለም ክፈልጠሎምን ክሕግዞምን ከእውዩ ናይ ግድን እዩ። እዚ ስምዕታ ካብ ሕመቕ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ናይ ዓለምና ተጸላላውነትን ምትሕግጋዝን ዝነቅል እዩ። ዜጋታት ሓንቲ ሃገር እዚ መልእኽቲ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዘመሓላልፍዎ ኮይኑ፡ ናይ ሓባር ሰልፊ ሓደ ካብኡ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ሰልፊ ኤርትራውያን ቀንዲ ዕላምኡ ንሱ እዩ። እንተኾነ ሰልፍታት ሰለ ተሰለፍካ ጥራይ ኣብ ፍረ ዝበጽሑ ኣይኮኑን። እቲ ንምስላፍ ዘምርሕዎ ጭረሖን መሰረታዊ ሓሳብን ርትዓዊ ክኸውን ብቐጻሊ ግብራዊ ስጉምታት ክስነን ናይ ግድን’ዩ። ንኣብነት ኣብ ጀነቫ እንተኬድና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዘካየድዎ ሰልፊ ኣንጻር ውጽዓ፡ በደል፡ ብኩራት ፍትሕን ሰናይ ህዝባዊ ምምሕዳርን ዘተኮረ ስለ ዝነበረ ቅኑዕ እዩ። ብኣንጻሩ ደገፍቲ ህግደፍ ዘካየድዎ ሰልፊ ግፍዒ፡ ዓመጽ፡ በደል ዘይፍትሓውነትን ጸረ ህዝብነትን ሱር ሰዲዶም ክቕጽሉ ዝጠልብ ስለ ዝነበረ ቅቡል ኣይኮነን።

ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ንኣብነት ኤርትራውያን፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣብ ዓለምለኻዊ ኣደባባያት ክስለፉ እንከለዉ ወይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መዘክራት ከቕርቡ እንከለዉ፡ “ ንጉዳይና ንሕና ስለ ዘይከኣልናዮ ንስኻትኩም ፈጽሙልና” ካብ ዝብል ተጸባዪ መንፈስ ዘይኮነስ፡ “እቶም ወሰንቲ ሰብ ጉዳይ ንሕና ኢና። እዚ ወሪዱና ዘሎ ጸገም ግና ተሓጋጊዝና ተዘየቕሂምናዮ ጽባሕውን ካባና ፈሲሱ ካልእ ከባቢ’ውን ክልክም ይኽእል እዩ እሞ፡ እቲ ንሕና ዘይከኣልናዮ ኣብ ምምላእ ተሓጋገዙና” ካብ ዝብል ናይ ምትሕብባር መንፈስ ዝነቅል እዩ። እቲ ብኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ዝኸውን ዘሎ’ውን ከምኡ እዩ። ብእምንቶን መደብ ዕዮን ሰደህኤ ብሰልፊ ሓሳብካ ምግላጽ ሓደ ካብ መርኣያታት ደሞክራሲ ስለ ዝኾነ ኣብ መጻኢት ደሞክራስያዊ ኤርትራ’ውን ክቕጽል’ዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ውሱናት ድገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ከም መመላእታ’ቲ ናትና ወሳኒ ጸዓትና ዘካየድናዮ ዓለምለኻዊ  ሰልፊ ዘይመልክዑ ክትሕዝዎ ንሰምዕን ነንብብን ኣለና። ጉዳይና ናብ ዓለማዊ መድረኽ ይቕረብ እንተበልናስ ያኢ ሃገራዊ ክድዓት ይብልዎ። መራሕቲ ህግደፍ ክንድቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸምዎ ገበን ይቀጽዑ እንተበልና ከኣ ልኡላውነትካ ኣሕሊፍካ ምስ ምሃብ የዛምድዎ። ናይዚ ኩሉ ድምር ኣበሃህላኦም ትርጉም ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ድላዩ እንተገበረ ስቕ ኢልኩም ርኣይዎ ዝብል ሸፋጢ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ።  ንዓና ደለይቲ ለውጢ ከኣ፡ ንምውጋዱ እንዳተቓለስናስ “ንመን ፈቲኹም ንመን ክትጸልኡ ከም ዝግበኣኩም ህግደፍ ይምረጸልኩም” ዝመንፈሱ መልእኽቲ እዩ ዝንገረና ዘሎ። ምእንቲ ሓቂ ንዛረብ እንተ ኢልና እምበኣር እቲ ክድዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራናስ ኢደ-በይዛ ጉጅለ ህግደፍ ምዃን እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ ንኽልቲኡ ወገናት ንደገፍቲ ህግደፍን ተቓወምትን ዝነቕፉን ዝግስጡን ናጻ መሲሎም ዝቀላቐሉ ጉሒላታት ንዕዘብ ኣለና። ንዝተወሰነ ርሕቀት ደድሕሪኦም ተሲዕብካዮም ግና መወድቐኦም ኣብ  እንዳ ህገደፍ እዩ። ብቐሊሉ ነቲ ንህግደፍ ካብቲ ተሓቢእዎ ዝነበረ ዓማጺ በዓቲ ኣውጺኡ ኣብ ቅድሚ ኣደባባይ ዓለም ጠጠው ዘበለ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘይመልክዑ ይህቡ። ንመራሕቲ ህግደፍ ኣብቲ ተመጣጣኒ መቕጻዕቲ ዝቕጽዕሉ መገባእያ ይቕረቡ ንዝብል መጸዋዕታ ድማ ጉዳይካ ንኻልኦት ኣሕሊፍካ ከም ምሃብ ይገልጽዎ። ንሰልፊ ጀነቫ ድማ ንሉኡላዊት ኤርትራ ከም ዝህድድ ገይሮም ይቐርጽዎ። እዚ ግና ኩሉ ብጉጅለ ህግደፍ ብውሕሉል ኣገባብ ዝተዋህበ ሕቡእ ዕዮ ገዛ ምዃኑ ከይንዝንግዕ ሓደራ። እቲ ዘይኤርትራዊ ወገናት ኣብ ጉዳይና ዘበርክትዎ ግደ ኣለዎ፡ ግና ንግደ ኤርትራውያን ዝትክእ ከምዘይኮነ ብዓንተቦ እንግንዘቦ እዩ። 

Last modified on Saturday, 16 July 2016 21:14