ኣገዳሲ ዓወትን ዕዙዝ መጻኢ ሓላፍነትን

2015-08-03 08:20:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 4438 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይስልኪ ጸዓቱ ኣብ መስርሕ ለውጢ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣገደስን ኣብ መስርሕ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ መስርሕ ናቱ ጽልዋን ተጽዕኖን ዝህልዎ ኣገዳሲ ዕማም ፈጺሙ ኣሎ። ቀዳማይ ክፋል 2ይ ጉባአኡ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ጎንደር ኣካይዱ። ናይዚ ናይ ጎንደር መጋባእያ ኣካል ዝኾነ ካለኣይ ክፋል ጉባአኡ ድማ ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ኣብ ከተማ ቪስባደን ኣካይዱ። እዞም ክልተ ተመላላእቲ ክፋላት ጉባአ ብቦታን ግዜ’ኳ እንተተፈላለዩ ትሕዝተኦምን ቆላሕታኦምን ግና ሓደን ሓደን ምንባሮም ብናይ መወዳእታ ዕዉት ውጽኢቶም ኣመስኪሮም እዮም።

2ይ ጉባአ ሰልፍና ዝተኻየደሉ ግዜ ሓፈሻዊ ሃለዋት ሃገርናን ከባቢናን ክሳብ ክንደይ ኣሻቓልን ረዚን ሓላፍነት ዘሰክምን ምንባሩን ምህላዉን ንተሳተፍቲ ጉባአ ሰልፍና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ብሩህ ብምዃኑ ንምግላጹ፡ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝግበር ናይ ናይቲ ሕሰም ምኽንያታትን ሳዕቤናቱን ዝርዝር ከነቕርብ ንግደድ ኣይመስለናን። ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ገገዛና ዘሎ ሃለዋት ባዕሉ ዝዛረብ ስለዝዀነ ኢዩ። ጓሲኻዮ ንዘይምሕላፍ ግና፡ እዚ ጉባአ፡ ጽልኢ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣዝዩ ኣብ ዝመረረሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ በደላት ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ህዝብና ንክፋእ ጉጅለ ህግደፍ ብዓሚቕ ተረዲኡ ለውጢ ንምምጻእ ዝያዳ ፋሕተርተር ኣብ ዝብለሉ፡ ብኣንጻሩ ብመንጽር እዚ ኩሉ ናይቲ ገዛኢ ጉጅለ ወጽዓታትን ናይ ህዝብና ናይ ራህዋ ጻዋዒትን፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ግቡእ መስርዕ ምሓዝ ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን ምዃኑ ጠቒስካ ምሕላፍስ ናይ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ህጹጽን ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክምን እዋን እዩ 2ይ ጉባአና ተኻይዱ።

ጉባአና፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘየቕስን ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ዕማም ረዚን ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ተባራዕቲ እዋናዊ ጉዳያት፡ ብፍላይ ከዓ ኣብ ውሽጣዊ ሓያልነት ሰልፊ፡ ኣብ መሰረታውነት ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ’ዚ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ኣብ እዋናውነትን ኣገዳስነትን ምቅርራብ ሓይልታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን፡ ኣብ ኣገዳስነት ፍትሓውን ቀጻልን ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣትኪሉ ተመያይጡ፡ ኣገደስቲ ውሳነታት’ውን ወሲኑን ኣሎ። ካብዚ ሓሉፉ ጉባአ ውሳነታት ኣብ ወረቐት ምስፋር ጥራይ ዓወት ከም ዘይከውን ብምግንዛብ፡ ኣብ ርእሲ ኣገደስቲ ሰነዳት ምጽዳቕ፡ ኣብ ውጽኢት ንምብጻሕ ዘኽእሉ ንኡሳን ናይ ኣፈጻጽማን ናይ ሰፊሕ ተሳትፎን ሓበርቲ ስልትታት ሓንጺጹ ኣሎ። ንሎሚ ብመንጽር ትማልን ጽባሕን ምርኣዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምስትውዓል ከዓ ጉባአ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ጉዕዞ ሰልፊ ዳህሲሱ፡ ክእረሙ ዝግበኦምን ኣብ መጻኢ መሊሶም ክሕይሉ ዝግበኦምን ዛዕባታት ብግቡእ ኣለልዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞና ዝበረኸ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዘንጸባረቐ ማእከላይ ባይቶ መሪጹ ኣሎ።

ጉባአና ኣብ ዘካየዶ ሓላፍነታዊ ዳህሳስ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዲክታቶር ኣወጊድካ ራህዋ ዝዓሰላ፡ ኩሉ ኣፉ መሊኡ “ንሳ ናተይ ኣነ ድማ ናታ” ዝብላ ኤርትራ ንምህናጽ ናይ ውሱናት፡ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ጥራይ ሓላፍነት ዘይኮነስ ብቐንዱ ናይቲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይልን ተጠቃምን ህዝቢ ኤርትራ ዕማም ምዃኑ ብምስትብሃል፡ ኤርትራውያን ኩሎም ብሓባር ክሰርሑ ጸዊዑ። ፖለቲካዊ ናይ ተቓውሞ፡ ሓይልታት ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ናይ ርኢቶ ደረጃ ምቅርራብን ምርሕሓቕን ከም ዘለዎ ኮይኑ ብሓባር ምስራሕ ዘይስገር ምዃኑ ጉባአና ኣቕሊብሉ’ሎ።፡ ኣብዚ ጉባአ ከም ዝተንጸባረቐ ብሓባር ምስራሕ ማለት፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ምውጋድ ወይ ተጨፍሊቕካ ሓደ ውድብ ምዃን ማለት ዘይኮነስ፡ ንፍልልያት ናይ ርእይቶ ከም መባልሕን ናይ ርኢቶ ምርጫታት መቕረቢ መድረኽን ወሲድካ፡ ኣብዚ ውድድር ንፍልልያት ኣብቲ ትሰማማዓሉ ምስራሕ ብዘይዓግት መልክዑ ምምሕዳር ማለት ምዃኑ ብንጹር ርእይዎ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ መዳይ ካብ ሰልፍና ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ተግባር ክዕመም ቅሩብ ምዃኑ ጉባአ ኣነጺሩ።

ሓደ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ክንስዕሮ ዘይከኣልና፡ ናይ ድኽመትና መርኣያ ኮይኑ ዘሎ፡ ኣባሉ ንዘይኮንካዮ ውድብ ከተዕንቅፎ ምህቃንን፡ ናቱ ድኽመት ከም ናትካ መሕየሊ ኣምሲልካ ምውሳድን እዩ። ኣብ’ቲ ሓቂ ምስ እንመጽእ ግና፡ ኩልና “ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ለውጢ ኣለና” ካብ በልና፡ ናይቲ መመሓዝውትኻ ፖለቲካዊ ትካል፡ ጸገምን ድኽመትን ናትካ’ውን ዕዳ፡ ብእንጻሩ ዓወቱ ዓወትካ ምዃኑ ጌና ኣይተሰወጠናን። ብመንጽር እዚ ናይ ጉባአና ብዓወት ምዝዛም፡ ናይ ኩሎም ሓቀኛ ደለይቲ ለውጢ እንተላይ ኣባል ሰደህኤ ዘይኮኑ ኤርትራዊ ኣካላት ኣገዳሲ ብስራት እዩ ኢልና ንኣምን።

ኩልና ከም ዘይንስሕቶ ጉባአ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ሰልፊ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ። ምስጢር ኣገዳስነቱ ድማ መሰረታዊ ፖሊሲታት ዝቕረጸሉን ዝለዓሉ ተግበርቲ ትካላትን ኣካላትን ዝስየምሉን ዝለዓለ ሕጋዊ መድረኽ ስለ ዝኾነ እዩ። ብመንጽር እቲ ጉባአ ዘካይድ ፖለቲካዊ ትካል ኣማዕድዩ ዝርእዮ ናይ ነዊሕ መጻኢ ሽቶ ግና፡ ምስላጥ ጉባአ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እምበር ናይ መወዳእታ ዓወት ከም ዘይኮነ ሰልፍና ብግቡእ’ዩ ዝርዳእ። እቲ ዝያዳ ዝኸበደ ውሳነታት ምሕንጻጽ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ጉባአ ዝተሓንጸጸ ናይ ምትግባር ዕማምን ሓላፍነትን ምዃኑ ከኣ ይግንዘብ። ብመንጽር እዚ እቶም ኣብ ነዊሕ ቃልስና ንሰልፍና ዘሰስኑን ጉባአ በዚ ዝተጠቐሰ ኣገባብ ንክዕወት ኩሉ ዋጋ ዝኸፈሉን ኣባላት ሰልፍና ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ድማ ኩሎም ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ለውጢ ዝብህጉ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን በሃግቲ ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ኣብ መጻኢት ኤርትራ፡ ውሳነታት ጉባአና ኣብ ምትግባር ክተግሁ ምዃኖም ብሩሁ ትጽቢት ሰልፍና እዩ። ናብዚ ጉባአና ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝተላእኩልና ናይ ምሕዝነት መልእኽትታት’ውን ነዚ እዮም ዘመልክቱ።

ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕወት ፍትሓዊ ቃልስና፡ ብሓድነትና ይዓኩዅ!

3 ጉንበት 2015