Print this page

ዓመት ሓሊፉ፡ ዓመት ክትካእ

2014-12-22 12:42:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3007 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ብዛዕባ’ታ ናባና ገጻ ትቀራረብ ዘላ’ሞ ንሕና ከዓ ክንቅበላ ኢድና ንዝርገሓላ ዘለና ሓዳስ ዓመት 2015 ቅድሚ ምዝራብና ብዛዕባ’ዛ ኣብ ኣጋ መወዳእትኣ ዘለና ዓመት 2014 ሓደሓደ ነጥብታት ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ዓመተ 2014 ብመንጽር ሃለዋት ህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩን ደንበ ተቓውሞን ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ክወዳደር እንከሎ መሰረታዊ ፍልልይ ኣይነበሮን። ግና ድማ ብድፍኑ ከምቲ ዝሓለፈ ዓመታት ነይሩ፡ ኢልካ ጥራይ ምሕላፉ እኹል ስለ ዘይኮነ ሓደሓደ ነጥብታት ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝጥቀስ ግና ኣብ’ዛ ኣብ መወዳእታ ምዕራፋ ትርከብ ዓመት ካብ ዝተባህለ መሪጽካ ንምድጋም እንተዘይኮይኑ ከቶ ማይ ዘይጠዓመ ኣይኮነን።

እቲ ስሩ ካብ ዝሰድድ ነዊሕ ዝዕድሚኡ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐን ዘሎን እዚ ይጐድሎ ዘይበሃል በደል ኣብ 2014 እውን ቀጺሉ’ዩ። እቲ ስእነት፡ ስግኣት፡ ግዱድ ዕስክርናን፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዘይትቐርበሉን ምኽንያቱ ዘይትፈልጠሉን ማእሰርትን ኣብ’ዛ ኣብ ኣጋ ምውዳኣ ዘለና ዓመት እውን ገዲዱ እምበር ኣይነከየን። እቲ ንኹላትና ምስጢሩ ጠፊኡና ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት እውን ቀጺሉ። ብሰንክ’ዚ ዘይውሑስ ዋሕዚ ናብ ስደት ኣብ ዶባት፡ ምድረበዳን ባሕርን ዝጠፍእ ኤርትራዊ ህይወት እውን ወሲኹ እንተዘይኮይኑ ኣይነከየን። ናይ’ዚ ዝዛሪ ዘይመስል ዋሕዚ ናብ ስደት ሓደጋኡ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብተን ኤርትራውያን ከም ናይ መወዳእታ መዕረፊኦም ዝመርጽወን ሃገራት ምዕራብ’ውን ኣዝዩ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ስለ ዘሎ፡ ዝተወሰና ሃገራት ክሓስባሉ ጀሚረን ኣለዋ። ብሓፈሻ 2014 ኣብ ህዝብና ዝጸንሐ ሻቕሎት መሊሱ ዝወሰኸሉ ኩነታት እዩ ጸኒሑ።

ብዛዕባ ፖለቲካዊ ሃለዋት ኤርትራ ክለዓል እንከሎ፡ ንኩነታት ደንበ ተቓውሞ ከይጠቐስካ ምሕላፍ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ብመንጽር እዚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ብደረጃ ውድባት ኮነ ግንባራት ክረአ እንከሎ ኣብ’ዛ ዳርጋ ወዲእናያ ዘለና ዓመት ዘተባብዕ ስጉምቲ ኣይሰጐመን። ምናልባት እውን ብዙሓት ፖለቲካዊ ምርሕሓቓት ዝተራእየሉ ናይ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ክልተ ስጉምቲ ንድሕሪት ጉዕዞ ዓመት ነይራ ምባሉ ዝከኣል ይመስለና። እቲ ብዙሕ ግዜ ዝተፈተነ ንሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ንብዙሓት ዘሳትፍ ናይ ኣብ ዝተሓተ ነጥብታት ምስምማዕውን ስጉምቲ ማዕረቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይተረጋገጸን። በዚ ኣቢልካ ኣብ ሓደ መኣዲ ተኣኪብካ፡ ቅድም ንጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ፡ ደሓር ድማ ክፍጠር ንዝኽእል ሃጓፍ ናይ ምምላእ መሕለውታ ናይ ምዃን ዓቕሚ ኣይተጠርየን። ኣብ’ዛ ኣብ ምፍናዋ ንርከብ ዘለና ዓመት እቲ ትልኽ ምባል ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ዘተኣማምን ቀጻሊ ህይወት ግና ኣይተሰዅዐን። ሓቢርካ ንምሕያል ዝተገብሩን ዝግበሩ ዘለዉን ፈተነታት፡ ብሰንኪ ኣብ ጽኑዕ ባይታን ሰፊሕ መድረኽን ብዘይምድኳኖም፡ ንድሕሪት ዝተመልሱ ውዳበታት ክንርኢ ጸኒሕናን ኣለናን። እዚ ዘይምዕዋት ወድዓውን በዓል ቤታውን ምኽንያታት ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስብ ዝምልከቶም ተዋሳእቲ ኣካላት፡ ነቲ ወድዓዊ ምቹእነት ዝተረደአ በዓል ቤታዊ ዓቕሚ ብዘይምውናኖም ክፍጠር ዝጸነሓ ርኡይ ድኽመት እዩ። ዋላ’ኳ ከም ባህሊ ተወሲዱ፡ ንኹሉ ደንበ ተቓውሞ ብሓደ ዓይነት ናይ ድኽመት መለክዒ ክግለጽ ላህመታዊ ሚዛን እንተጸነሓ፡ ውድባትን ግንባራትን ብመንጽር ነናቶም ፋይላት ኣብቲ ኣውንታ ኮነ ኣብቲ ኣሉታ ፈሊኻ ምምዛኑ ኣገዳሲ እዩ። ሽዑ እዩ ኸዓ ኩሉ መን ምዃኑ ዝርዳእን ተሓታትነቱ ዝስከምን።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ጸላዊ ኣካል ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ 2014 ብቐጻሊ ናይ ኣባላቱን ናይ ህዝብን፡ እሞ ድማ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት’ዛ ዓለም ኣኼባታት ኣካይዱ’ዩ። ኣብዚ ኣኼባታቱ ብዘካየዶ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ ኣብ ጉዳይ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምጥን ኣገባብ ቃልሲ ምኽታል፡ ኣብ ምንጻር ግደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ መሰረታዊ ለውጢ፡ ንኤርትራ ከም ዘይትሓልፍ ሃገርን፡ ነቲ ሓላፊ ጉጅለ ህግደፍን ፈሊኻ ኣብ ምርዳእ፡ ኣብ ኣገባብ ምእካብ ነዚ ተበቲኑ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ ናብ ሓደ ንምምጻእ ዘለዎ መርገጽታት ኣብ ምስራጽ ደሓን ባይታ ዝረኸበሉ ዓመት’ያ ነይራ። ናይ’ቲ ካብ ደንበ ተቓውሞ ክሃድም ዝጸንሐ ኤርትራዊ መንእሰይ ልቢ ኣብ ምምላስ እውን ከምኡ። ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ድማ ከም መንጸባረቒ መድረኽ ናይዚ ዝተጠቕሰ ጻዕርታትን ዝተመዝገበ ጽልዋታትን ብኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። ናይዚ ሰልፊ ማእከላይ ባይቶ ኣብ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ናብ ዝምልከቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘቕረቦ ናይ “ኩላትና ኣብ ሰፊሕ መድረኽ ተራኺብና መዋጸኦ ንድለይ” መጸዋዕታኡ’ው ካልእ ኣብነት እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣካል ናይቲ ብደረጃ ዓለም ዝካየድ ናይ ሰላም፡ ልምዓትን ደሞክራሲን ቃልሲ ክነሱ፡ ቆላሕታ ስኢኑ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ሰደህኤ ኣብ’ዛ ንጠቕሳ ዘለና ዓመት 2014፡ ነዚ ዓለምለኻዊ መድረኽ ሃሲሱ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ለውጢ ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ንምልላዩን፡ ዓለም ለኻዊ ኣጀንዳ ከም ዝኸውን ንምግባሩ’ውን ሰፊሕ ጻዕሪ ኣካይዱ ብዙሓት ተስፋ ዝህቡ ኣፍደገታት ከፊቱ ኣሎ። ናይ’ዚ ቀረባ መዓልታ ተሳትፎኡ ኣብ ዓውደ መጽናዕቲ ጆሃንስበርግ ከዓ ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣገዳሲ ኣብነት እዩ። ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልስና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ህልውና መጻኢት ኤርትራ እውን ተጽዕኖ ከም ዝህልዎ ብምርዳእ ግቡእ መልክዕ ንምትሓዙ፡ ሰደህኤ ናብ ብዙሓት እዚ ጉዳይ ዝምልከተን ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጥርዓናቱ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ። ምስ እዚ ኩሉ ግና እዚ ሰልፊ ብመንጽር ንኤርትራዊ ኩነታት ዝምጥን ሰልፊ ኮይንካ ምቕራብ ዝተርፍዎ ዕማማት ከም ዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ሰልፍና ንሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ንምስራት ካብኡ ዝድለ ክገብር እንተዘይኮይኑ፡ በይኑ ዝዓሞ ዕማም ከም ዘይኮነ ይኣምን እዩ።

እቲ ዝያዳ ክንዛረበሉ ዝግበኣና እምበኣር ብዛዕባ’ታ ጉዕዘኣ ወዲኣ ትሓለፍ ዘዛ ዓመት ዘይኮነ፡ ብዛዕባ’ታ መጻኢ ሓላፍነት ክትርከብ ተቐሪባ ዘላ ዓመት ምዃኑ ኩላትና እንርደኦ እዩ። ሓድሽ ዓመት ክትርከብ እንከለኻ “ ኣብ ሓድሽ ዓመት ከምዚ ክገብር እየ” ኢልካ ቃል ምእታው ዝተለምደ እዩ። ንሕናውን ሰብ ብዙሕ ዕማምን ሓላፍነትን ስለ ዝኾና ኣብዚ ናይ ሓድሽ ዓመት ኣጋጣሚ “ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ከምዚ ክገብር እየ” ኢልና ቃል ክንኣትው ናይ ግደን እዩ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ እንኣትዎ ቃል ንኩለመዳያዊ ዓቕምናን ከባቢናን ኣብ ግምት ዘእተወን ዝትግበር ክኸውን ይግበኦ። እቲ ቃል ክንኣትዎ እንከለና ኣብ ግምት ከነእትዎ ዝግበኣና፡ ዓቕምናን ኩነታት ጸላኢናን ጥራይ ዘይኮነ ንከባቢያዊ ኩነታት እውን ኣብ ግምት ኣእቲና ክንትልምን ክንሕንጽጽን ይግበኣና። ብመንጽር እዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ገምጋሙ ተበጊሱ፡ ዝሓዞም ዕማማት እሞ ድማ ኣብ ዝሐለፈት ዓመት ዘይተግበሮም ዕማማት ኣብዚ ቀጻሊ ዓመት እውን ኣብ ከባቢኡ ንዝረአ ምዕባለታት ኣብ ግምት እንዳእተወ ክቕጽሎም እዩ።

ንሰልፍና ኣብ ዓመተ 2015 ካብ ዝጽበይዎ ዕማማት እቲ ቀንዲ፡ ምዕዋት እቲ ኣብ መጻኢ ወርሓት ክረምቲ ከካይዶ ከም መደብ ሒዝዎ ዘሎ 2ይ ሰልፋዊ ጉባአ እዩ። ነዚ ተኣሚሙ ዘሎ 2ይ ጉባአ ክትከደሉ ዝጸናሕካ መንገዲ ደጊምካ እትረግጸሉ ዘይኮነስ ናብ ሓደ ምዕራፍ ዘሰጋግር ከም ዝኸውን ንምግባሩ ስኑ ነኺሱ ክቃለስ እዩ። ብፍላይ ከዓ ነዚ ተበቲኑ ዘሎ ሓይሊ ተቓውሞ፡ ኣብቲ ዘራኽቦ ውሱን ነጥብታት፡ እሞ ድማ ንኹሉ ዝቃወም ኤርትራዊ ሓይልታት ከሳትፍ ብዘኽእል ሰፊሕ መድረኽ ከም ዝዕወት ንምግባሩ ምስ ከምኡ ሰፊሕ ርኢቶ ዘለዎም ኣካላት ኮይኑ ከይተሓለለ ክቃለስ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ነዚ ዓብይ ዕማም በይኑ ክዓሞ እዩ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ሓይልታት ተቓውሞ ብሓባር ከም ዝቃለሱ ንምኽኣሎም ዝግበር ቃልሲ ናይ ኩሎም ተሻረኽቲ ኣካላት ቅሩብነት፡ ተወፋይነትን ሕድገትን ከም ዝሓትት ሰደህኤ ብግቡእ ይኣምን። ኣባላት ሰደህኤ ከምቲ ዝተለምደ፡ ነዚ ዝጽበየና ዘሎ ዕማማት ንምዕዋት ኣብ ኩሉ ዓውድታት ብሰልፋዊ ጽንዓትን ኤርትራዊ ሓልዮትን ተሰንዮም ተሳትፈኦም ከም ዘሕይሉ ሰልፍና ዘለዎ እምነት ዘየማትእ እዩ።

22 ታሕሳስ 2014

Last modified on Monday, 22 December 2014 20:19