EPDP News

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መኽፈቲ ጉባኤኡ ዝካየደሉ ዘሎ እዋንን ፍሉዩነቱን ተመልኪቱ፡ ኣብ ሃገርናን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ-ባሕርን ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ ሓፈሻዊ ዘይርጉእ ፖለቲካውን ናይ ኵናት ኩነታትን ርእዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ካልእ እዋን ብዝሓየለ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣበጊሱ ሕኑን ቃልሱ ንለውጢ ዘካይደሉ ዘሎ ግዜ ይግበር ምህላዉ ሰልፍና ኣሐይልና ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ እነበርክተሉ መደባት ክንትልም ኣብ ዝጠልበና ዘሎ መድረኽ ይግበር ምህላዉ’ውን ኣስሚርሉ።

ጉባኤና ኣብ ቅዋምን ፖሊቲካዊ መደብ-ዕዮን 4ይ ጉባኤ ሰደህኤ ዝሰፈሩ ውሳኔታት መሰረት ብምግባር፣ ኣብ ከክልተ ዓመት ከካይዶ ንዝጸንሐ ስሩዕ ጉባኤታቱ፣ መብዛሕትኦም ኣባላቱ ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብ20 ምያዝያ 2024 ጉባኤኡ ብመራኸቢ ዙም ኣካይዱ።

ዞባዊ ጉባኤ ብኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ዞባ ሽማግለ፣ ብጻይ የማነ ፍትዊ፣ መኽፈቲ ቃል ቀሪቡ። ቀጺሉ ብቕደም-ስዓብ ተሰሪዑ ዝቕረበ መደባት ብምኽታል፡

- ኣቦመንበር ሰልፊ ብጻይ ገረዝጊሀር ተወልደ፡ ሰናይ ባህጉን ናይ ዓወት ትምኒቱን ንዞባዊ ጉባኤ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ኵነታትን ንሰልፍና ዝጽበዮ ዘሎ ብድሆታትን ኣብሪሁ።

- ኣቦመንበር ዞባ ሽማግለ ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ፣ ዝርዝር ጸብጻብ ንጥፈታት ናይ መላእ ዞባን ጨናፍርን፣ ዝተሳለጠ ዕማማትን ዘጋጠመ ብድሆታትን ድሕሪ ምቕራቡ፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ዞባ’ውን በብተራ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቶም ዝተሰላሰለ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።

ጉባኤ ካብ ከተገልግል ዝጸንሐት ኣካያዲት ዞባ ሽማግለ ዝቐረበሉ ጸብጻባት ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ፣ ኣድላዪ ክትዓትን ምርድዳእን ኣካይዱ። ጉባኤኛ ነቲ ሕጋዊ ሰነድ ናይ ዞባ ተቐቢሉ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ። ዞባ ሽማግለ ሓላፍነታ ብጸብጻብ ንጉባኤ ድሕሪ ምርካባ፣ ጉባኤ ካብ ውሽጡ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መሪጹ። ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ንዝቐረበሉ ዛዕባታት ምርኩስ ብምግባር ኣገደስቲ ሰልፋውን ውሽጣውን ኩነታት፣ ኤርትራውን ከባብያውን ሃለዋት ዘጠቓለለ ኣድላዪ ክትዓት ኣካይዱን ገምጊሙን።

ጉባኤ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት ዝቐረበ ንጥፈታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ብፍሉይ ቆላሕታ ካብ ዘተኰረሎም:

- ኣብዚ እዋን’ዚ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መላኽን ገባትን ጉጅለ ህግደፍ ዝነብሮ ዘሎ ኣሰቃቒ ሃለዋት፤ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናባኣሰ ዝኸይድ ዘሎ፣ ማይ፣ መግቢ፣ መብራህትን ካልኦት መሰረታውያን ቀረባትን ኣብ ዝበዀረሉ ኵነታት ምህላዉ፡

- ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራውያን ንስደት ብናህሪ እናዛየደ ይኸይድ ከምዘሎ፡

- ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንምንዋሕ፤ ንህዝብና ብውግእን ወረውግእን ጅሆ ሒዙ፣ ኣብ ዝጻሕተሮ ናይ ኵናት እቶን ይነቝቶ ምጽንሑን ምህላዉን ከይኣኽሎ: ኣብ ውግእ ህይወቶም ንዝጠፍኡ ኣባላት ሰራዊትን ኣገልግሎትን፣ ንወለድን ህዝብን እቲ ንቡርን ግቡእን መርድእን       ደበስን ዘይምክያዱ፡ ኣተሓሳሳብን ኣሻቓልን ሃዋህው ምስፋኑ፡

- ሰልፍና ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤታቱ ዝደገፎም ናይ ይኣክልን ብርጌድ ንሓመዱን፡ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ዞባዊ ጉባኤና ደጊሙ ከምዝድግፎን ዝሳተፎን’ውን ኣስሚሩሉ፡

- ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘካይዶ ዘሎ መስርሕ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ደገፉ ኣረጋጊጹ።

- ሰልፍና ንምሕያል፡ ኣብ መዳይ ውደባዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖሊቲካዊ፣ ዜናዊ፣ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ንጥፈታቱ ከዛይድ መብጽዓኡ ኣሓዲሱ።

ኣብ መደምደምታ፡ ዞባዊ ጉባአ ሰልፍና ንምሕያል ዘገልግሉ ኣገደስቲ ዕማማትን ውሳኔታትን ኣሕሊፉ። ንዝመጽእ ክልተ ዓመት እተገልግል ብሸውዓተ ቀወምትን ክልተ ተጠባበቕትን ዝቖመት ናይ ዞባ ሽማግለ፣ ካብዚኦም ድማ ክልተ ደቀንስትዮን ክልተ መንእሰያትን ብተወሳኺ ሓደ ተቖጻጻርን (ኦዲተር) ብዓብላሊ ድምጺ ብምምራጽ ዕማሙ ዛዚሙ።

ውድቀት ንመላኽን ገባትን ስርዓት ህግደፍ !!

ንቕዋማዊ ምሕደራ፣ ዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!

ዞባዊ ጉባአ ሰሜን ኣመሪካ ሰደህኤ

20 ምያዝያ 2024

ኣብ ሃገር ኢጥልያ ኣብ ንኡስ ዞባ ምምሕዳር ሚላኖ፡ ዝርከብ ጨንፈር ይኣክል ብ13 ማዝያ 2024 ንተግባራት ህግደፍ ዘቃልዕ ሰሚናር ኣካይዱ። እቲ "ኤርትራዊ  ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ዝነብር ህዝቢ" ኣብ ትሕቲ ብዝብል ጭረሖ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ኣካላዊ፡ ስነኣምሮኣውን ማሕበራዊ፡  ፖለቲካውን ጭቆናን ግህሰት ሰብኣውን ስቪላውን መሰላትን በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ቁጠባዊ ምድስካልን ምንቁልቋልን፣  ኣብ ገደብ ኣልቦ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ዝበልዩ ዘለዉ መንእሰያትን ካልእ ብዙሕ ዝርዝራትን ዝሓቖፈ ምንባሩ እቶም ተሳተፍቲ ኣፍሊጦም።  

እዚ ብተሳትፎን ምትሓርን ጨንፈር ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክልን ሰልፊ ዲሞክራሲ ሚላኖን ዝተወደበ ሰሚናር ንከይዕወት ኣንበሳደር ህግደፍ ኣብ ኢጣልያ ፍሰሃጼን ጴጥሮስ ኣብ ድሮ እቲ ሰሚናር ብ12 ማዝያ 2024 ብሕቡእ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢጣልያ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ጽሒፉ። እንንተኾነ ፈተንኡ ተቐባልነት ስኢኑ እቲ ሰሚናር ከም ዝቐጸለ  ተፈሊጡ። ናይቲ ሰሚናር ተሳተፍቲ ኣካላት መደባቶም ኣብ ርእሲ ምዕዋቶም ንተግባራት እቲ ኣንበሳደር ዘቃልዕ “ቅሉዕ መልእኽቲ” ብዝብል መልእኽቲ እውን ኣመሓላሊፎም።  

ኣብቲ ንምቅልዑ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ኣንበሳደር ነቶም ምእቲ ለውጥ ፍትሕን ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያ  ብምዕግርጋርን ብምዕናውን” ከሲሱ፡ ነቶም ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉ ናይ ህግደፍ መሳርሕን ብስም “ሓደ ልቢ”፡ ንሓንሳብ ብስም “4 ግንባር” ሓንሳብ ድማ ብስም “ሻዕብያ" ዘዋፍርዎም ዕሸላት ናይ ፕሮፖጋንዳ መሳርሒ ኣይኮኑን” ምባሉ፡ ክሳብ ክደይ መልእኽቱ ሓሶት ምዃኑ ኣቃሊዖም። ብኣንጻሩ እቶም ብሰንኪቲ ንሱ ዝውከሎ ጨቛኒ ጉጅለ ዝተሰዱን ሰማያዊ ሰውራ ዘካይዱ ዘለዉን መንእሰያት ኤርትራ ናይ ህግደፍ ናይ ፕሮፖጋንዳ መድረኻት ዘፍሽሉ ዘለዉ ምዃኖም ገሊጾም።

ነቲ ኤርትራ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ናይ ምዕባለን ናይ ሰላም ሃዋሁን ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ተካይድ ኣላ" ዝበሎ ኣመልኪቶም ድማ፡ እዚ ኣበሃህላ ኣብ ናይ ሕልሚ እምበር፡ ኣብ ናይ ጋህዲ ዓለም  ዝነብር ኣካል ዝሎ ከምዘይኮነ ብምጥቃ ከም ዘቃልዕዎ እቲ ጸብጻቦም ሓቢሩ።

ኣቶ ነብዩ ተድላ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብ18 ማዝያ 2024 ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሰሙናዊ መግለጺ፡ ንጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ከብርህ እንከሎ፡ “ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ከባቢ እቲ ዶብ ዘሎ ማሕበረሰብ ብዘሳትፍ፡ ብክልቲኦም ወገናት ብዝቐውም ናይ ሓባር ኮሚተ ዝፍታሕ እዩ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ካብ ክልል ትግራይ ምስ ዝተወከሉ ኣስታት 200 ተሳተፍቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ሰፊርዎ ዘሎ ቦታ ናይ ኤርትራ ድዩ ናይ ኢትዮጵያ ንምጽራይ ካብ ክልል ትግራይን ፍደራል መንግስትን ብኣባልነት ዝርከብዎ ኮሚተ ኣቚምና ኣለና፡ ድሕሪኡ በቲ ዝቐርበልና ጸብጻብ መሰረት ብዘተ ንፈትሖ ክኸውን እዩ” ኢሉ ነይሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ኣዚ ቀረባ ግዜ ብዛዕባ ኣተሃላልዋ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ/ትግራይ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ መሬቱ ምህላዉ ጠቒሱ፡ ጉዳይ ዶብ ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ብዘይምለስ ደረጃ ተወዲኡ እዩ ዝብል መልሲ እዩ ሂቡ ነይሩ። እዚ ድማ ብወገን ኢትዮጵያ “ኣይተወደአን”  ብወገን ኤርትራ ከኣ “ተወዲኡ እዩ” ዝብሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ይንጸባረቐሉ ምህላዎም  ዘርኢ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብወገኑ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ሎሚ’ው ሕማም ደሓር ከይከውን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ “….. መስርሕ ምጥራር ዶብ ኣብ መሬት፡ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ እምበር፡ ኣፍካ መሊእካ “ካብዚ መሬት ኤርትራ ካብቲ  መሬት ኢትዮጵያ”  ኣብ ዝበሃለሉ ውዱእ  ደረጃ ዝብበጸሐ ኣይኮነን. ……….” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስፈረ ይዝከር።

ወጻኢ ሚኒስተራት ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘየቋርጽ ወጥርታት ከም ዘተሓሳስቦም፡ ገሊጾም። እቶም ሚኒስተራት ድሕሪ ምዝዛም ኣኼባኦም ብ19 ማዝያ 2024 ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እዮም ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ቁጠባዊ ቅልውላውን ስእነት ውሕስነት መግብን የጋጥም ከም ዘሎ ብምርዳእ ሻቕለቶም ገሊጾም።

እቶም ሚኒስተራት ነቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝሓደሮም ስግኣት ዘንጸባረቑ ኣብ ኢጣልያ ካፕሪ ኣብ ዝተባህለት ደሴት ዘካየድዎ ኣኼባ ክፍጽሙ እንከለዉ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እዮም። እዞም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምትግባር ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስ ከም ዝነኣድዎ ከኣ እቲ መገልጺኦም ኣስፊሩ።

ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ናይ ሲቪል  ዜጋታት ሓለዋን ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ፡ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ልዝብ፡ ዕርቂ፡ ብሄራዊ ዘተ፡ ናይ መሰጋጋሪ ፍትሕን ኣብ ግዜ ውግእ ገበን ዝፍጽሙ ከም ዝሕተቱ ምግባርን ክበራታዕ ጸዊዖም። ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ከባብታት ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት እውን ኩሎም ወገናት ብዝሳተፍሉ ልዝብ ሰላምን ዕርቅን ንምውራድ ተመሳሳሊ ትብዓት ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ክህሉ እቶም ሚኒስተራት መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ብሰንኪቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ውግኣት፡ ዝተጐድኡ ማሕበረሰባት፡ መሊሶም ከም ዝሓውዩን እግሪ ከም ዝተኽሉን ንምግባር፡ ናይ ዕጡቓት ዕጥቆም ኣውሪዶም፡ ነናብቲ ዝመጽዎ ንምፍናውን ብቐጻሊ ንምጥያስን ካብቲ ዝርከብ በጀት ቀልጢፎም ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ምግባር ከም ዘድሊ በቲ መግለጺኦም ኣተሓሳሲቦም።

ኣብዚ ኣኼባ ዝተሳተፉ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ እንግሊዝን ኣሜሪካን ኮይኖም፡ ኣብ ርእስቲ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ሊቢያን ኮንጎን እውን ከም ዘሻቕሎም ኣስፊሮም። 

መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ዞባ ሰሜን ጎንደር

ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ህጻን ስደተኛ ኣማን መሓመድ ዑስማን ብ4 ማዝያ 2024 ኣብ ዞባ ሰሜን ጐንደር ወረዳ ዳባት ድሕሪ ምጭዋዩ ብ17 ማዝያ 2024 ኣብታ ዝተጨውየላ ቦታ ከም ዝተፈትሐ ወላዲቱ ወይዘሮ ራሕማ ኣፍሊጣ።

 ኣማን ዝተጨውየ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጺኡ ናብ ገዝኡ እናተመልሰ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ጭወይቲ ካብ ምዕባዩ ሓዉ ፈልዮም ወሲዶም ኣብ ዘይተፈልጠ ኣሲረምዎ ቀንዮም። ድሕሪ ንክልተ ሰሙን ኣሲረምዎ ምጽናሕ እቶም ጨወይቲ ከም ዝለቐቕዎ ወይዘሮ ራሕማ ሓቢራ። ወይዘሮ ራሕማ ምስቶም ጨወይቲ ብኣካል ከም ዘይተራኸበትን ካብቲ ሓቲተምዎ ዝነበሩ 800 ሺሕ ብር ጐዲሎም 200 ሺሕ ብር ብ3ይ ኣካል ምስተላእከሎም ኣብ ሓደ ጐደንና ከትማ ዳባት ደርብየምዎ ከም ዝኸዱ ሓቢራ።

ወይዘሮ ራሕማ ወዳ ኣብ በረኻ፡ ኣብ እግሪ ኦም ኣብ ጽምዋ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ከም ዝቐነየን ብተደጋጋሚ ስለ ዝተወቕዐ፡ ስንብራት ከም ዘለዎን ምስተፈትሐ ድማ ጋና ስለ ዝብህርር ናብ ንቡር ኩነታቱ ኣይተመልሰን ኢላ።

ነቲ ክልተ ሚእቲ ሺሕ ብር ክልተ ግዱሳት ኣባላት ስድራቤት ከም ዝኸፍልዎ ጠቒሳ፡ ንዓኣቶም ኣመስጊና እቶም ብገንዘብ ክሕግዝዋ መዲቦም ዝነበሩ ካለኦት ኤርትራውያን እቲ ሓገዝ ንካልእ ካብኣ ዝገደደ ጽጉም ንክህብዎ ገሊጻ ንኹሎም ምድንጋጽን ምትሕብባርን ዘርኣይዋ ኣካላት ድማ ምስጋናኣ ኣመሓላሊፋ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መነባብሮ ኤርትራውያን ስደተኛታት መደበር ኣለምዋጭ ኣብ ኣዝዩ ኩለ-መዳያዊ ጸገም ከም ዘለዉን ደጋጊሞም ምሕጽንተኦም የስምዑ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ስእሊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሃኖም (ካብ መሕበራዊ መዲያ)

ዋና ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም/WHO፡ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ፡ ብሰንክቲ ሓደ ዓመት መሊኡ ዘሎ ውግእ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ማእከላት ጥዕና ዝካየድ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ንሱ ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረበ ኣብቲ ብ15 ማዝያ 2024 ንሰብኣዊ ሃለዋት ሱዳን ብዝምልከት ኣብ ፓሪስ ዝተጋብአ ሰፊሕ ዋዕላ እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቲ ዋዕላ ንዝወደቡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ሕብረት ኤውሮጳን ኣመስጊኑ።

ዶር ቴድሮስ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ናብ ሱዳን ዘእቱ ኣፍደገ ከም ዘድልዮ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ብወገን ቻድ ዘሎ ኣፍደገ ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ህጹጽነት ጥዕናዊ ኩነታት ሱዳን ብምጥቃ ካብቲ ዘድልዮ ገንዘብ ኣብ ኢድ እቲ ትካል ዘሎ 12% ጥራይ ምዃኑ ሓቢሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ትሕቲኡ ዘለዋ ትካላትን ንክልግሱ ጸዊዑ።

ኣብ መደርኡ፡ ኣብ ህይወቱ ምስ ሱዳን ዘለዎ ዝምድናን ብዓብይኡ ከኣ ካብቲ ዞና ዝመጸ ብምዃኑ፡ በቲ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብውቁ ከም ዝሓዝን ኣስፊሩ፡ እቲ ዝፍጠር ዘሎ  ናይ ጥዕናዊ ጸገም በሰላ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ዝመሓላለፍ እዩ ኢሉ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ እዋንዚ፡ 15 ሺሕ ሱዳናውያን ብሰኪቲ ውግእ ከም ዝተቐትሉ፡ ዳርጋ 30 ሺሕ ከም ዝቖሰሉ ብዙሓት ከኣ ብሕማምን ጥሜትን ይሞቱ ከምዘለዉ ከምኡ ከኣ ዝያዳ 15 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ጥዕናዊ ረዲአት ከም ዘድሎም  ተጠቒሱ።

ብመጽናዕቲ ዝተጻረየ ጥራይ ኣብ ልዕሊ 62 ጥዕናዊ ማእከላት መጥቃዕቲ ከም ዝወረደን፡ ዘይተጸንዐ ጉድኣት ከም ዝህሉን ዝጠቐሰ ዶር ቴድሮስ፡ ብሓፈሻ 70% ማእከላት ጥዕና ሱዳን ይሰርሓ ከም ዘየለዋ ሓቢሩ፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ሱዳን ብስእነት ሕክምና ብዝተፈላለዩ ሕማማት ይሳቐዩ ኣለዉ ምባሉ ካብቲ ዋዕላ ዝወጸ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ብጻይ  ኣረፋይነ  እስጢፋኖስ   ካብ ኣቡኡ  ኣቶ እስጢፋኖስ  ምራጭ  ካብ ኣዴኡ ወይዘሮ ኣራደሽ አረጋይ ብዕለት 04/09 /1956   ተውሊዱ። ብዕለት 16/03/2024  ኣብ 68 ዓመቱ ኣብ ሕክምና  ከተማ ዮንሾፒንግ ሃገረ ሽወደን ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብዘይ ተጸቤናዮ ሃንደበት ካብ ዚ ዓለም ብመስዋእቲ  ሓሊፉ።

 ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ኣብ  ኣስመራ  ዓቢዩ ኣስመራ 12  ክፍሊ ትምሃርቱ ወዲኡ ናይ ማትሪክ ስለ  ዝተዓወተ ኣብ  ኣዲስ ኣባባ ናይ 2ይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ  እንዳ  ተማህረ  ኮሎ እዩ ሃገራዊ ስሚዒት ኣብ ጥርዙ ስለዝበጽሔ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስሚዒቱ ገዲድዎ እብ 1975  ኣብ  ተ.ሓ.ኤ. ተሰለፈ ። ንሳሕል ድማ ወረደ። ኣብኡ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቱ ድሕሪ ምውዳእ ቀዳማይ ረዲኤት ሕክምና ወሲዱ ኣብ ሓይልታት ተመደበ ።  ኣብ ሳሕል ድሕሪ በጦለኒ 961 ምቃማ  ድማ ኣባል ሓይሊ 151 ኮይኑ ተመዲቡ።

ንደንከል ብባሕሪ ምስ ሓይሉ ተጋዕዘ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፋላለየ መደባት ምስ ኩሉ ሕልኽላኻት  ድሕሪ ምጽናሕ 1977   ሓንቲ ሓይሊ  ናይ ከቢድ ብረት ስለ ዝቖመት ከም ሓኪም ሓይሊ  ናታ ተመደቡ  ኣብኡ ድማ  ናይ ከቢድ  ሓይሊ ሓኪም  ኮይኑ  ምስ ብጻይ ስዉእ ሽፋ ኣብ ጎውረይቶ  ዝተባህለ ከባቢ በይሉል  ድማ ዓስከሩ። ኣብዚ እዋን ኩነታት መስዋእቲ ናይ ብጾት ዓብደልቃደር መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ድራር ዑመር እልፍ ሃለቃ  ዓብደልቃደር  ሙሉገታ ሞንጁስ ዝተሰውእሉ ኣብ ከባቢ ስለ ዝነበረ  ኣብቲ  ቦታ ከቢድ ቅልውላው ተቀልቀለ። ነዚ ንምእላይ ካብቶም ብዝለዓለ ግደን   ልዙብ  መንገዲ ስላምን ሕግን  ዝተበገሱ  ስዉእ ኣረፋይነን ስዉእ  ሽፋን ነይሮም።  ብዘይ ምግርጫው ስለ ዝተፈጸመ ድማ ዓቢ ታሪኽ  ፈጺሞም ።ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፍላለየ መደባት ድሕሪ  ምጽናሕ  1979 ብርጌዳት ምቋም ስለ ዝጀመራ፣ ብርጌድ 64 ኣብ ዝቖመትሉ ንሱ ከም ኮሚሽነር  ሓይሊ ኮይኑ  ተመደበ።

ጸኒሑ ኩነታት ደንከል እና ጸንከረ ምስ ከደ   ብጻይ ኣረፋይነ ድማ ምክትል መራሕ ሓይሊ ናይ  ወድ ኬፉ ኮይኑ  ኣብ ደቡብ ደንካሊያ ከም ምክትል ኣገልገለ። ቃልሲ ኣብ ደንከልያ ምስቲ ሓያልን ጽንኩርን ሃኪክ ኣየሩ ዉግእ ብመሬትን ብባሕርን ምስ መዳፍዕን ደብዳብ ኣየርን ብጽንዓት በዲሆም ታሪኽ ዝሰርሑ ሓደ ካብቶም ጀጋኑ ክሳብ 1981 ኣብ ሃኪክ ጎላጉል ደንካልያ ዝዓንደረን ታሪኽ ዝሰርሔን ምኻኑ  ዝምስክሩ ብጾቱ ኣብ ናይ ቀብሪ ስነስርዓቱ ምርካቦም ድማ ምስክርነት ታሪኻዊ ቃልስታቱ እዮም። ቀጺሉ ዝተጋነፎም ኩሉ ናይ ደቡብ ዳንካልያ ምስ ሓለፈ ድማ  ንጅቡቲ ኣተዉ ።  ኣብ ጅቡቲ ናይ ጥዕና ጸገም ስለ ዘጉነፎ  ብሕቡራት መንግስታት ናብ  ኣይቨሪኮስት ሰደድዎ   ካብኡ  እውን  ኣይሓወየን  ብግሪኽ ኣቢሉ ንሽወደን ብ1989 ኣተወ።  ኣብ ሽወደን ውን  ምስ ሓዳሩ  ሓፍትና  ኣልጋነሽ  ካሕሽን ናብራኡ እንዳገበረ   ብናይ ኮምፒተር ተክኒክ  ትምህርቱ ፈጸመ ። ብትምህርቱ ድማ ናብ ስራሕ ተመዲቡ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ሰራሓሉ።

ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ቃልሲ ውን ካብታ ሜዳ ዝሓደገላ  ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ  ድሓር ድማ  ቀጺሉ  ንጡፍ ኣባል ሰልፊ  EPP ጸኒሑ ኣባል EPDP  ሰ ዲ ህ ኤ ብመድረኻት እንዳተሰጋገረ ኣብ ዝተፈላልለየ  ሓላፍነታት  ክቃለስ ጸነሐ ።

 ኣብ  መጨረሽታ  ናይዚ 10 ዓመታት ከኣ  ናይ ገንዘብ ጉዳያት ሓላፊ ጨንፈር ቅጽሪ 2  ሰ ዲ ህ ኤ ሃገረ ሽወደን ኮይኑ  እናኣገልገለ ብመስዋእቲ ተፈልየ።

ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ  ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኮነ ሓደስቲ ስደተኛታት ዝነበሮ ምትእስሳር ዓቢ እጃም ነይሩዎ ብጠቅላላ ሓፈሻዊ ምስጉን  መዘና የብሉን። ብጻይ ኣረፋይነ  ምስ በዓልቲ ቤቱ  ወ/ሮ  ኣልጋነሽ  ካሕሽን  ኣቦ  2ተ ውሉዳትን  ባናን ንያትን ዝበሃላ ኣቦ ሕጎ 2ተ እውን እዩ።

ብጻይ ኣረፋይነ ሕድሪ ስወኣቱ ከይጠለመ ማሕበራዊ  ጉዳያቱ ከየቁኣረጸ ቃልሱን ናብ ከሰላ ዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ብጾቱ እንዳ ሓገዘ ከየቃረጸ ክሳብ ሕጂ ዕለተ መስዋእቱ ቀጸለ። ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ርእይትኡ ዘይማታእ ሓያል  ተባዕ  ንቁሕ ኣላይን መትከላዊን ለዋህን ብጾቱ ምኻኑ  ኩሉ  ምስኡ ዝተጋዕዘን ዝተቅለሰን  ዝምስክረሉ እዩ ።

ንቤተሰቡን ብጾቱን ጽንዓት  ይሃቦም መንግስተስማይ የዋርሶ!!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን  ንስዉኣትና !!!

ሓርበኛ ኣረፋይነ ብሰላም  ዕረፍ !!!!
ንቃልስኻ ክንቅጽሎ  ኢና  ቅሰን !!!!

 

እቲ ወዲ 12 ዓመት ግዳይ ኣማን መሓመድ ዑስማ

ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣማን መሓመድ ዑስማን ብ4 ማዝያ 2024 ኣብ ዞባ ሰሜን ጐንደር ወረዳ ዳባት ከም ዝተጨውየ ቢቢሲ ንስድራቤት እቲ ግዳይ ብምጥቃስ ሓቢራ። ኣማን ዝተጨውየ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጺኡ ናብ ገዝኡ እናተመልሰ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ጭወይቲ ካብ ምዕባዩ ሓዉ ፈልዮም ገጹ ሸፊኖም ብባጃጅ ከም ዝወሰድዎ ተሓቢሩ።

እቶም ጨወይቲ ድሕሪ ዝትወሰነ ግዜ፡ “800 ሺሕ ብር እንተኸፊልኩም ወድኹም ክንህበኩም ኢና። እንተደንጒኹም ድማ እቲ ዓቐን ገንዘብ ክውስኽ እዩ” ከም ዝበልዎም ቢቢሲ ኣዲኡ ወይዘሮ ራሕማ ንዝሃበቶ ቃል ብምጥቃስ ኣፍሊጣ። ኣደ እቲ ግዳይ ቋንቋ ኣምሓርኛ ስለ ዘይትኽእል ምስቶም ዓመጸኛታት ንምርድዳእ እናበኸየ ዝትርጉመላ እቲ ግዳይ ዝኾነ ወዳ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

ወይዘሮ ራሕማን ስድረኣን ካብ ኤርትራ ቅድሚ 10 ዓመታት ወጺኦም፡ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ  ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ 8 ዓመታት ጸኒሖም። ጸጥታዊ ምኽያት ኣብኡ ምቕጻል ምስ ጸገሞም ኣብ መወዳእታ 2022 ናብዚ ሎሚ ዘለዉዎ መደበር ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ዝሰገሩ እዮም።

ኣብቲ ምጭዋይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓፈሻዊ ጸጥታኡ እውን ውሑስ ዘይኮነ መደበር ስደተኛ እትነብር ወላዲት እቲ ዝተጨውየ፡ ዝተሓተተቶ ገንዘብ ከፊላ ወዳ ከተድሕን ዓቕሚ ስለ ዘየብላ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝለዓለ ጨንቂ ከም ዘላ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት ጨዊኻ ኣዝዩ ዝለዓለ ዓቐን  ገንዘብ ምሕታት ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ገበን ኮይኑ ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ገበን ዝተቓልዑ እዮም።

ብ12 ማዝያ 2024 ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሚልየንዩም ኣድራሽን ህንጻታት ሳንሻይንን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ክፍለ ከተማ ቦሌ፡ ኣብ መንጎ ፖሊስን ኣባላት መሪሕነት ፋኖ ዝተባህሉን ኣብ ዝተኻየደ ተኹሲ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘጋጠመ መግለጺ ፖሊስ ኮሚሽን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምጥቃስ ምክትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ፖሊስ  ኣዲስ ኣበባ  ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ፖሊስ ነቶም ኣባላት ፋኖ ንምሓዝ  ዘካየዶ ጻዕሪ ኢዶም ክህቡ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ምዃን ስለ ዝኣበዩ  ብዝተኻየደ  ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ፡ ካብቶም ብመኪና ክሃድሙ ዝፈተኑ  ኣባላት ፋኖ ክልተ ሞይቶም ሓደ ብዘይጉድኣት ከም ዝተታሕዘን ክልተ ኣባላት ፖሊስ  ከም ዝቖሰሉን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ካብ ፋኖ ዝተቐትሉ፡ ናሁሰናይ እንዳርጌ ታሪኩን ኣቤነዘር ጋሻው ኣባተን ክኾኑ እንከለዉ፡ ሃብታሙ አንዳርጌ ተሰማ ዝተባህለ  ድማ ብዘይጉድኣት ብፖሊስ ተታሒዙ። ናይቲ ጉጅለ መራሒ ናሁሰናይ ኣብ ናይ ጎንደር ፋኖ ሓደ ካብ መራሕቲ ከም ዝነበረ ድማ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝቖሰሉ ከኣ፡ ሳጅን አራርሳ ተሾመን  ኮንስታብል ማቲያስ ጴጥሮስን ዝተባህሉ ምዃኖም እቲ መገለጺ ጠቒሱ። እንዳርጋቸው ጌትነት ዝተባህለ ሰብ ድማ “ኣይተሓባበርካናን” ብዝብል በቶም ኣባላት ፋኖ ከም ዝተቐትለን ብዘይካቶም ኣባላት ፖሊስ ክልተ ካለኦት ከም ዝቖሰሉን እውን ኣብቲ ፖሊስ ዘውጸኦ መግለጺ ተጠቒሱ።

ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ኮነ ድሕሪኡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ከጋጥም ንመጀምርያ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ ከተማ ባረቱ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 48 ጋሩ ብ12 ማዝያ 2024 ተፈቲሖም ናብ ትግራይ ከም ዝተፋነዉ ማሕበራዊ መራኸብታት ትግራይ ኣፍሊጠን። እዞም ካብኣቶም ናይ 37 ዝርዝር ኣስማት ዝጠቕሰ ተጋሩ ኣብ ግንባር ዓዲ ጸጸር ናብ ዝርከብ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ረከቡ ናብ ከተማ ሸራሮ ከም ዝተወስዱ እውን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ብይካዚ ምስቶም እሱራት ብሓይልታት ኤርትራ ተወሲደን ዝነበራ 29 ከብቲ ናብ ትግራይ ከም ዝተመለሳ እተን ምንጭታት ኣፍሊጠን።

እቶም ምንጭታት እዞም ዝተፈትሑ ግዳያት ምስ ስድራቤቶም ዝራኸብሉ መንገዲ ይስራዕ ከምዘሎ፡ ተወሰኽቲ እሱራት ክፍትሑ ተስፋ ከም ዘሎ ድማ ጠቒሶም።

ኣብዛ ብብዙሓት ወገናት “ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝተቐየረት ሃገር” እትበሃል ዘላ ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ክፍትሑስ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክቐርቡን ዝተኣስርሉ ቦታኳ ዘይፍለጥን ዝኾነ ኣካል ረኪቡ ደሃዮም ክፈልጥ ዘይክእልን ኣማኢት ኣሸሓት ኤርትራውያን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።