Wednesday, May 22, 2013
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ቃል ተወካሊ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ (SDP) ሽወደን ኣብ ኡፕሳላ፡ ኣቶ ካርል ሊንድበሪ ኣብ ፈስቲቫል 2012 ፍራንከፈርት

fft-festival-2012-14

 

 

 

 

 

ብመጀመርያ ኣብዚ ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዋዕላ ፍራንክፈርት ተርኺበ ቃለይ ከስምዕ ዕድል ምርካበይ ምውቕ ምስጋናይ የቕርብ።

ስመይ ካርል ሊንድበርግዩ ኣብ ጎድነይ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ንዝዛረቦ ዝትርጉመለይ ከኣ ካብ ብዙሕ ዓመታት ዓርከይ ዝኾነ ረዘነ ተስፋጽዮን ቅድሚ ሕጂ ኣባል ባይቶ ኣብ ሽወደን ዝነበረዩ። ክልተና ንብዙሕ ዓመታት ኣባላት ሰልፊ ሶሻል ደሞክራሲ ሽወደን ኢና። ንወልደየሱስ ዓማር ቀንዲ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብዙሕ ምስጋና ዘትረፈ ኣብ ቅድሚ ውድብና ሶሻል ደሞክራሲ ኣብ ኡፕስላ ኣብ ወርሒ መጋቢት ትረኺቡ መደረ ዝገበረሉ ክረኽቦ ዕድል ረኺበ ነይረየ። ኡፕስላ ናይ ዩንቨርስቲ ከተማ ኮይና ኣብ ቀረባ ሰሜን ስቶክሆልም እትርከብ ኢያ።

ካብ ኡፕስላ ሶሻል ደሞክራሲ ናይ ሰርሕተኛታት ኮሙን ከኣ ሰላምታ ነዚ ዋዕላ  ከቕርብ ደስ ይብለኒ። ብምኽንያት ምብጻሕ  ወልደየሱስ ዓማር ኣብ 19 መጋቢት ናይዚ ዓመትዚ ኣብ ሰልፍና ብዝገበሮ ሓያል መደረ፡ ሰልፍና ንተግባራት ገበን ኣንጻር መሰላት ሰብኣውነት ስርዓት ኣስመራ ኮኒኑ መንግስቲ ሽወደን ንመሰላት ሰብኣውነትን ደምክራስን ኣብ ኤርትራ ክድግፍ ምሕጽንታ ኣብ ርእሲ ምቕራቡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ንዘጋታት ሽወደንን ካልኦትን ዘውርዶ ምፍርራህን ጸቕጥን ምንሻውን ብምኽንያት ግብሪ ዘይምኽፋሎምውን ኮኒኑ ኣንጻሩ ስጉምቲ ክውሰድ ንመንግስትና ኣተሓሳሲቡ።  መግለጺ ሰልፍና ኣብ ኡፕስላ ነቲ ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንደገፍ ፕሮጀክት ትምህርቲ ንላዕለዋይ ደረጃን ሞያዊ ትምህርትን ከምኡውን ንመሳርሒ ዝርጋሐ ሓበረታን ትምህርትን ብረድዮ ዘቕረቦ ምልክታ ሓገዝ መንግስቲ ሽወደን ክሰምዖ ከኣ ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ንነዊሕ ዓመታት ንነጻነትን ደሞክራስን ኤርትራ ዝገበርክሞ ቃልስን መስዋእትን  ብፍላይ ብመስርሕ ኣብዚ ዝሓለፈ 11 ዓመታት ናብ ፍጹም ኣብ ዓለም ካብ ዘለው  ገባቶ ፖለቲካዊ ስርዓታት  ዝተቐየረ መንግስቲ ኤርትራ ንኣብ ምሉእ ዓለም ዘለው ሰባት ዓቢ ተስፋ ዘቝረጸ ተርእዮ ኮይኑ ብዝተፋላለየ መንገዲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝደሃኸ ስርዓትዩ። ንኹሉና ነቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ቃልሲ ንሓርነት ንስዕብ ዝነበርና ብ 24 ግንቦት 1991 ዓ.ም ተቓለስቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ንኣስመራ ብምእታው ድምጺ ህዝቢ ብዝሰዓቦ ኤርትራ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከም ነጻ ሃገረ ኤርትራ ብዓለም ተፈሊጣ።

fft-festival-2012-15

ብፍላይ ንዓይ ካብ ዝዝክሮ ፍጻመ ኣብቲ እዋንቲ ክልተ ኣባላት ባይቶ ሽወደን ንሓርነታዊ ቃልሲ ዝድግፉ ዝነበሩ ኣብ ሓጎሶም ብነጻነት ኤርትራ ተኻፋላይ ምንባረይን፡ ኣብ ፍርቂ ተስዓታት ገለ ካብቶም ኣብ ብዙሕ ተስፋ ዝተንብረሉ ምትሕግጋዝ ዩኒቨርስቲ ኡፕሳላን ዩኒቨርስቲ ኣስመራን ዝነበሩ ፕሮፎሰራት ሓደ ዝተቐበልክዎ ዘሐጉስ መልእኽትንዩ።  ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሒነት ሚኒስትሪ ክፍሊ ትምህርቲ ምክትል መንግስታዊ ጸሓፊ ኮይነ ክሳብ 2004 ሰሪሐ። ኣቕድም ኣቢለ ኸኣ ኣብ ባይቶ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ትምህርትን ምርምርን ሰሪሐ። ብጠቕላልኡ ኣብ መንግስትን ባይቶ ሽወደንን ን 19 ዓመት። ቅድሚኡ ከም መምህር ኣብ ምንቅስቓስ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ንገለ ዓመታት ከኣ ከም ምክትል ኣቦ መንበር ኣብ ሽወደናዊ ማሕበር ሕቡራት ሃገራት።

ክሳብ ክፍላ ተሰዓታት እቲ ኣወንታዊ ምዕባለ ዝነበረሉ እዋንዩ ኣብ ኤርትራ። ቁዋምኩም ብንጥፈት ዝተሰርሓሉን ዝጸደቐሉን ግን ከኣ ፈጺሙ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ። ኤርትራ ኣብተን መጀመርያ ቀዳሞት ናይ ነጻነት ዓመታት ኣወንታዊ ምዕባለ ኣመዝጊባ ነይርያ።

ዋላኳ ሃገረ ኤርትራ ንኣገደስቲ ውዕላት ሕቡራት ሃገራትን ኣህግራዊ ማሕበር ሰርሕተኛታትን ዝፈረመት እንተኾነት ኩሉ መብጻዓታት ደሞክራሲ ዝጠለምትያ። እቲ ዳርጋ መንግስታዊ ብግምጣል ዝገበረ ብ 2001 ንብዙሓት ሚኒስተራት ዝኣሰረ ፍሉይ ምንዋጽ ዝፈጠረን እቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኤርትራ ናብ ፍጹም ጠቕላሊ ምልካውነት ዘእተወሉን እቲ ሎሚ ንሃገርኩም ኣብ እሕዛኒ ኩነታት ኣጻጢሑ ዘሎንዩ።

እዚ እቲ ንስኻትኩም ትነብርሉ ዘሎኹም ክውንነትዩ። ግን ንሕና ከም ብወጻኢ ኴንና እንርኢ ነቲ ዝተፋላለየ ጸብጻባት ሓቀኛታት ተማራመርቲ፡ ውድባት ሰብኣዊ መሰላት ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሁማን ራይት ዎች፡ ጸብጻባት ስግር ዶብ፡ ኮሙሽን ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት፡ ወከልቲ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበራት እንረኽቦውንዩ። ስእሊ ምሉእ ምቊጽጻርን ምዕጋት ዜናዊ ማዕከናት ብዘይ ነጻ ጋዘጣታት፡ መዓስከራት ቤት ማእሰርቲ፡ መጠን ዘይብሉ ኩነት ማእሰርቲ ማለት ምስ ምቕጥቃጥን ካልእ ጨካን ኣተሓሕዛ ሰባትን። ካብታ ሃገር ዘየቋርጽ ስደት ሰባት ካብ ጉዱድን ዘየተወሰነ ግዜ ኣገልግሎትን።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓመት 2001 ን 21 ጋዘጠኛታትን እሱራት ፖለቲካን መርሚሩ ንኽፍትሑ ዘቕረቦ ሕቶ ነጺግዎዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና እሱራት ሓበረታ ክህብ ተሓቲቱ ዝኣበየዩ።

ኣብ ሃገርና ሽወደን ኩነታት ኤርትራ ኣብ 2001 ምስ ምእሳር ጋዘጠኛን ጸሓፋይን ኣፍራይ ትያትርን ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ ሓደ ካብ ኣዳላውቲ ጋዜጣ ሰቲት ምስ ካልኦት 17 ጋዘጠኛታት ኣብ መስከረም 2001 ተኣሲሩ ካሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ዘይፍለጥዩ ዝተኣሳሰር። ኩሎም ጋዘጣታትን ረድዮን ተለቪጅንን ደረት ዘይብሉ ጸብጻባት ብዛዕባ ዳዊት ኢሳቕ ኣቕሪቦም ኣለው። ካብ ሚእቲ ሽሕ ዝበዝሑ ሽወደናውያን ንምፍትሑ ዘመልክት ጥርዓናት ኣቕሪቦም። ኣብዚ ዝሓልፈ ዓመታት ኣባላት ባይቶ ሽወደን 44 እማመታት ካብ ሽወደናዊ ወጻኢ ፖለቲካ ካብ 22 ዘይውሕዱ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ዝተነከፉ ነይሮም። ድልየት መንግስቲ ኤርትራ ስቕ ምባል ብዛዕባ ደገፍ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ከኣ ኣይተዓወተን። ስእሊ ዜጋታት ሽወደን ኣብ ኤርትራ እምበኣር ብዓቢኡ ብሕብሪ ኣተሓሕዛ ዳዊት ኢሳቕዩ ዝርአ።

ናይ ገዛእ ርእሰይ ስእሊ ብዛዕባ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ዝኸኣለ ብውሳነ ሕቡራት ሃገራት ጸጥታዊ ባይቶ ኣብ ዕለት 6 ታሕሳስ 2011 ዝወሰዶ ውሳነ ኢዩ። እቲ ንምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ኣብ ርሑቕ ሃገራት ዓለም ንዝርከቡ ውልቀሰባት ዝግበር ምፍርራህውን ዝጠቐሰ።

እቲ ውሳነ ምስ ረኸብኩ ነቲ ሓበረታ ኣብ ኣገዳሲ ጋዜጣ ከተማና ኡፕሳላ ከም ሓበረታ ዓንቀጻት ብምጽሓፍ ነቲ ኣብ መሬት ሽወደን ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ንዘይከፍሉ ዝግበር ምፍርራህ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሽወደንን ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡን ጠቒሰ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሽወደን ካርል ቢልት ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ንኸምዚ ተግባራት ንምዕንቃፍ ክዎስዶ ዝግብኦ ስጉምቲ ንምፍላጥ ሓቲተ።

ጽሑፈይ ካልእ ውጽኢትውን ኣስዒቡ። ሓደ ወካሊ ውድባት ኤርትራየ ዝብልን ንመንግስቲ ኤርትራ ዝካላኸልን፡ ካብ ሓደ ብልሽው ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመጸ ውሳነ እምነት ዝወሃቦ ኣይኮነን ክብል መሊሹለይ። እቲ ሰብ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ዓንቀጹ ንዓይ ንምምላሽ ብዝነበሮ ኣቛም፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ብነጻን ክፉትን ኣብ መንጎና  ዝግበር ክርክር ዘለዎ ኣወንታዊ ክብሪ ንኸነጽር ዕድል ሂቡኒዩ። ከምዚ ዝኣመሰል ዕድል ኣብ ኤርትራ ዘይምህላው ብምቅላዕ፡ ማለት ነቲ ዳዊት ኢሳቕን ጋዜጠኛታት ብጾቱን ንዝወረዶም ጨካን ኣተሓሕዛ።

ረዘነን ኣነን ኣብ ሽወደን ኣብ ፖለቲካ ንነጥፍ ኢና። ኣብ ሽወደን ዘሎ ኩነታት ምስ ኤርትራ ኣመዛዚንና ክሳብ ክንደይ ሓለፋ ከምዘለናን ተረዲእና፡ ንኽብሪ ደሞክራስን ዋሕስነት መሰልን ፍትሕን ማዕርነት ሕብረተሰብን ቀዳምነት ረኺቦም ንሓሳባቶም ምዝርጋሕን ምህናጾምን ሓላፍነትውን ዘሰክመናዩ። እዞም ሓሳባት እዚኣቶም ንዓኹም ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ውን መሰረታውያን ኢዮም። እዞም ሓሳባት እዚኦምን ክብርታቶምን ኣብ ሕልሚ መብዛሕቶኦም መራሕቲ ፖለትካ ቅድሚ ምእዋጅ ነጻነት ኤርትራ 1993 ምንባሮምውን ዘጣራጥር ኣይኮነን። እቶም ሓሳባት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ከም መሰረት ኣምጻእቲ ሰላምን ምዕባለን ን ጥዕይቲ ኤርትራ።

ሃገርና ሽወደን ኣብ መጀመርያ 1900 ካብተን ኣብ ኤውሮጳ ዝነበራ ዝደኸየት ሃገርያ ነይራ። ደምክራስዋያን ዝኾናሉውን ገና ኣብ 1921 ኢዩ። ኣብ ናይ 1917 ዓ.ም ሰውራ ኣብ ኤውርጳ፡ ሽወደን ዝመረጸቶ መገዲ ነይሩ። ብበግዚኡ ብዝግበር ጽገና፡ ድኽነት ኣብ ሕብረተሰብና ከም ዝቕየር ኮይኑ። ሰልፍና ሰልፊ ሶሻል ደሞክራሲ ካብቲ እዋንቲ ጀሚራ ንደምክራስያዊ ማሕበርነትያ ጠጠው ኢላ። ኩሉ ግዜ መንግስታዊ ስልጣን ኣይነበረናን። እንተኾነ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ እዋን ካብ 1932 ካሳብ 1976 ዋላኳ ደሞክራስያዊ ምርጫ ንሃገራዊ ባይቶ ኣብ ከክልተ ዓመት ዝግበር እንተነበረ፡ ከምኡውን ምስ ምህላው መራኸቢ ብዙሓት ካብአን ወነንቲ ጋዘጣታት ሰማንያ ካብ ሚእቲ ተማጻደቕቲ ካልኦት ሰልፍታት ይንበሩ ን 44 ዓመታት ብተኻታተሊ ኣብ መንግስታዊ ሰልጣን ነርና  ብ 1982 እንደገና ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ተመሊስና ን 9 ዓመት ስልጣን ሒዝና። ካብ 1994 ክሳብ 2006 መንግስታዊ ሓላፍነት ድሕሪ ምሓዝና ስልጣንና ብዘሎ መንግስቲ ተሳዒሩ። ሕጂ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ 2014 ናብ ስልጣን ክንምለስ ዓቢ ተስፋ ኣለና።

ሽወደን መብዛሕትኡ ግዜ ሞደል ማሕበራዊ ተራድኦ ኣብ ሃገራት ሰሜን ተባሂላ ትርአያ። እዚ ማለት ሓያል ሃገረ ሽወደን መንግስቲ ምህላውናዩ። ሓያል ሃገረ ሽወደን መንግስቲ ምህላው ማለት ሓያል ሕብረተሰብኣዊ ትካላት ብደርጃ ኮሙንን ኣውራጃን ምህላው ማለትዩ። ኣብ ሽወደን መብዛሕትኡ ህዝብና ሓያል ሃገረ ሽወደን መንግስቲ ምህላው ከም ዝፍራሕ ዘይኮነስ ከም ዋሕስነትዩ ዝርአ። ኣብዚ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርአ ፍልልይ ኣሎና። ኣብኡ መብዛሕተኦም ንሃገረ መንግስቲ ከም ኣፍራሂ ኢዮም ዝርእይዎ። ኣብ ሽወደን ዜጋታት ኣብ ሕጋዊ ህዝባዊ ስርዓተ ምምሕዳር እምነት ኣለዎም። ብሰበ ስልጣናት ብፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ክርኣዩ ትጽቢት ኣለዎም። ኣብኡ ብልሽውና ዳርጋ ዘይሕሰብዩ። ኩለን ኣብ ሰሜን ዝርከባ ሃገራት ብኣህጉራዊ ሚዛን ካብ ጸገም ብልሽውና ኣብ ዝለዓለ ደረጃየን ዝርከባ። ኣርባዕቲአን ሃገራት ነርወይ ደኒማርክ ሽወደን ፊንላንድ ካብተን ቀዳሞት ሹድሽተ ሃገራት ኣብ ዓለም ኽኾና ከለዋ ኤርትራ ብምውድዳር ኣብቲ ዝተሓተ ሕማቕ ደረጃያ ትርከብ።

ነዚ ክውን ዝገበረ ነጻነት መራኸቢ ብዙሓትን ሰራሕተኛታት ኣብ ዝተፋላለየ ትካላትን ሕብረተስብን ዘለዎም መሰል ስቱሩነትንዩ። ዝኾነ ሓላፊ ይኹን ፖለቲከኛ መን ንመራኸቢ ብዙሓት ሓበረታ ኣመሓሊፉ ንምፍላጥ ዘኽእሎ ሕጊ ወይ መሰል የብሉን። እዚ ማለት ከይተፈልጥካ ወይ ብስቱር ኣብ ውሽጢ ትሰርሓሉ ቦታ ዝግበር ብልሽውና ክትሕብር ወይ ከተቃልዕ ትኽእል ማለትዩ። በዚ ኣቢሉ ንዓይነታዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሕብረተሰብ ሓጋዚ ይኸውን። ሰባት ንዝገበርዎ ብልሽውና ይኹን ካልእ ጌጋታት ሃንደበት ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ክርእይዎ ይኽእሉዮም። እዚ ኾይኑ ሎሚ ኣብ ሽወደን ብምኽንያት ውልቃዊ ዋንነት ትካላት ንስቱርነት ቀኒሱ ንዓይነታዊ ምዕባለ ብኣሉታ ክጸሉ ዘኽእል መገዲ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ሃገረ መንግስቲ ከም ኣንጻር ስቪካዊ ሕብረተሰብ ኣይረአንዩ። ብኣንጻሩ ኣዝዩ ሓያል ዝኾነ ሲቪካዊ ሕብረተሰብ ኣሎና። ሓያል ስቪካዊ ማሕበረ ሰብ ንተኻፋልነት ኣብ ሂይወት ፖለቲካን ደሞክራስያዊ ምዕባለን ዘሐይልዩ። ስቪካዊ ውደባ ብዘይ ጸቕጢ መንግስትን ውልቀሰባትን ወይውን ስድራቤትን መራሕቲ ሃይማኖትን  ምንቅስቓሳቱ ከይተዓግተ፡ ኣብ መንጎ ጾታን ሃይማኖትን አትኒካዊ ፍልልይን ድልድል ዝፈጥር ማሕበራት ንኸምጽእዩ።

ኣብ ሃገራት ሰሜን ብኣባላት ማሕበራት ዝተሰረተ ብደሞክራስያዊ ቅርጺ ዝቖሙ ይውሓድ ይብዛሕ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎም ማሕበራት ኣለው። ነጻን ብገዛእ ርእሶም ዝመሓደሩንዮም። ምስ መንግስቲ ዝገብርዎ ምትሕብባር ኣብ ነጻ ድልየቶም ዝተመስረተዩ። ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ምንቅስቓስ ምትሕብባር፡ ኣብ ዝተፋላለየ ጉዳያት(cooperative organzations) ውድባት ውሃብቲ ስራሕ፡ ምንቅስቓስ ተጣበቕቲ ከባቢ፡ ሃይማኖታውያን ማሕበራት። ዕላመኦም ከኣ ድልየት ኣባላቶም ንምስፋንዩ።

ኣብ ሽወደን ብፍላይ ሰልፍና ሰልፊ ሶሻል ደሞክራሲ መሰረታዊ ክብረ ሓሳብና ማዕርነትዩ። ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ዘሎ ፍልልይ ምጽባብ ከም ቀዳማይ ስራሕና ኢና እንወስዶ። ዘመናዊ ምርምር ብንጹር ከምዘርእዮ ሕብረተሰብ ማዕርነት ምስ ዝህልዎ ኣብ ሕብረተሰብ ዝለዓለ ምትእምማን ኣሎ። እዚ ኸኣዩ ኣብ ሕብረተሰብ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘምጽእ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ሕብረተ ሰብ ኣገደስቲ ኣብ ምምዕባል ማዕርነት ሓጋዚ ዝኾነ ረቛሒ ዓይነታዊ ትምህርትዩ። በዚ ምኽንያት ሽወደን ካብ ብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ትምህርቲ ብነጻfft-festival-2012-16 ክትህብ ጸኒሓ ኣላ። እዚ ኸኣ ካብ መባእታዊ ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርስትን ደረጃ ምርምርንዩ። ዋጋ ትምህርቲ ካብ ዜጋታት ብዝኽፈል ግብሪዩ ዝካየድ። በዚ ምኽንያት ካብ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ሽወደን ዝለዓለ ግብሪ ምኽፋል ኣሎ። እዚ ኣገባብዚ ኣብ ሕብረተሰብ ብዜጋታት ደገፍ ኣለዎ።

ኣብ ምወዳእታ ነቲ ብኣህጉራዊ ደርጃ ዩነስኮ ዝንቃሳቐሰሉ ዘሎኹ ቅሩብ ክትንክፍየ። ንሱ ኸኣ ኣብ ዓለምና ዘተኣማምን ምዕባለ ብምቕያር ስርዓተ ትምህርቲ ዝብልዩ። ካብ 2004 ክሳብ 2011 ከም ኣባል ዩነስኮ ላዕለዋይ ዘተ ሕቡራት ሃገራት ንዘተኣማምን ትምህርቲ ተንቃሳቒሰ። እዚ ካሳብ 2014 ዝቕጽልዩ።

እዚ ሎሚ ኣብ ዓለምና ብቕልጣፈ ዝዓቢ ዘሎ ምዕናው ከባቢና፡ ዓቐን ብዘይብሉ ዝትፋእ ጋዛት ብከላ ኣየር፡ መዕገትን ደረትን ዘይብሉ ምህላኽ ኣብዚ ክፍሊ ዓለም ሃብታማት ሃገራት ተመልኪትና፡ ብኣተሓሳስባ ኩልና ን ዘተኣማምን ምዕባለ ክንጥምት ብዓሚቚ ክንግደሰሉ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ። ንቚጠባውን ማሕበራውን ዘተኣማምን ከባቢያዊ ተፈጥሮ። በዚ ምኽንያት ኩልና ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሃብታም ወገን ዓለም እንነብር ብዛዕባ ቁጠባዊ ኩነታትናን ደርጃ መነባብሮናን ብጥንቃቐ ክንመዝንን ክንርእንሞ፡ ድኻ ወገን ዓለምና ብኸመይ ከም ዝምዕብል ንምርኣይ ቦታ ክንህቦ። እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሪዮ ደ ጀነርዮ ዝተገብረ ርክብ ን ቀጠልያ ቁጠባ መገዲ ንዘተኣማምን ምዕባለ ከምቲ ብዙሓት ካባና ተስፋ ዘንበርናሉ ጽቡቕ ውጽኢት ኣይሃበን። እንተኾነ ድማ ፖለትካዊ ጠለብና ብግቡእ ከነቐምጥ ነቲ  ናይ መወዳእታ ሰነዳቱ ብግቡእ ክነጽንዖ ከድልየናዩ። ከመዚ ክብል ከለኹ ኣብ ዓለምና ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ቀይርና ብሓቂ ንዝተኣማምን ምዕባለ ስርዓተ ትምህርቲ ከነተኣታቱ ይግባእ። እዚ ናይ ሎሚ ዘተኣማምን ኣይኮነን።

ኣብ ምድምዳመይ እንደገና እዚ ዕድልዚ ምርካበይ እናኣመሰገንኩ ኣነን ረዘነን ነዚ ኣሰቃቒ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ምሕባር ክንገብሮ ዘሎና መብጸዓ ይኣቱ። ብቐረባ ክንገብሮ እንኽእል ኣብ ዝመጽእ  ዝግበር ሃገራዊ ጉባኤ ሰልፍና ሰልፊ ሶሻል ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ዓመጽን ገበናት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ  ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝቃላሕ ምግባርዩ። ንሓሳባት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕያልን ኣብ ኤርትራ ንሰብኣዊ መሰልን ደምክራስያዊት ኤርትራ ብማዕርነትን ክውን ንምግባር እጃምና ከነበርክት ኢና።

የቐንየለይ።

 

 

 

 

 

 


Login Form