Print this page

“ባዕላ ሰቒላቶ ረሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶ በሓቘ ከይከውን”

2017-06-27 04:52:11 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in Youth Corner Read 8704 times
Rate this item
(0 votes)

 

ኣሮን ናኦድ

ከተዕውቶ ዝመደብካዮ ዋኒን ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ እትምረሓሉ ስኑድ ኣሰራርሓ ክህልወካ መሰረታዊ እዩ። ነዚ ብሓባር ሰሪሕካ ናይ ምዕዋቱ መሰረታዊ መሳርሒ ከኣ “ይርሓሰና” ኢልካ ምስ ተቐበልካዮ ክትቅየደሉን ውልቃዊ ስምዒትካ ክትቀጽዓሉን ዝግበኣካ ከከም ክብደት እቲ ዋኒን ዝቕረጽ ሕግን ስርዓትን እዩ። ናይዚ ባዕልኻ ረዲኻን ፈቲኻን ዝተሰማማዕካሉ ሓቢርካ ናይ ምጉዓዝ ቃልኪዳን ቅዩድ ምዃንን ዘይምዃንን መሰረታዊ ናይ መንነትካን ኣበርክቶኻን  መለክዒ እዩ። እዚ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት እውን ልሙድን መተካእታ ዘየብሉን ኣሰራርሓ እዩ። እዚ ነቶም ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ዘለና ኣብቲ መጀመርያ ናይ ተሳትፎና ግዜኦም ዝሓዝናዮ መባእታዊ ናይ ግንዛበን ስነስርዓትን  “ሀሁ” እምበር ከም ሓድሽ ዝንገረካ ኣይኮነን።

ንሕና ከም ተቓለስቲ ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ባህግና ዓሚቕ ድሌትና ድማ ብዙሕ እዩ። ካብ ንዓና ሓሊፍና ንህዝብና እንምነየሉ ጽቡቕን ራህዋን ማእለያ የብሉን። ነዚ እንምነዮ ንምዕዋት ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ዘጋጥመና ገለን ዝተጸበናዮም ገለን ከኣ ዘይተጸበናዮም ውረድ ደይብ ከኣ ብዙሓት እዮም። ብዚ ሓጐጽጐጽዚ ሓሊፍና ኣብ ቁምነገር ንምብጻሕ ካብ ዝሕግዙና መሳርሕታት ሓደን ቀንድን ከኣ ምኽባር’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓቢርካ ናይ ምጉዓዝ ቃል ኪዳን እዩ።

ነቲ እነማዕድዎ ጸጽቡቑ ከነተግብር ቅሩባት ምዃን ኣገዳሲ ናይ ዓወት ነጥቢ እዩ። እዚ ቅርቡነትን ድልውነትን’ዚ ብንመትከላዊ ምእዙዝነት እንተዘይተሰንዩ ግና ከቶ ኣብ ፍረ ኣይበጽሕን እዩ። ብቕዓት፡ ዓቕሚ፡ ንዋትን ብዝሕን ዝኣመሰሉ መዕቀንታት ኣብ መንገዲ ዓወት ታረኦም ውሁብ ኮይኑ፡ ብጉቡእ ተወጊኖምን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብትካላዊ ኣሰራርሓን ደሞክራስያዊ ኣዕኑድን እንተዘይ ተወዲኖም ግና ኣብ ድማዕ ኣየብጽሑን እዮም። ዝኾነ ዓቕሚ፡ ድሌትን ቅሩብነትን ንከድምዕ ብጽኑዕ መትከላዊ ኣሰራርሓ ክቃነ ግድን ምዃኑ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ዘመናዊ ኣካይዳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብባህልና እውን “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” እዩ ዝበሃል። ዘይተኣስረ ከኣ ዕድሉ ፋሕፋሕ እዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ናይ ብቕዓት መዕቀንታት መመሊሱ ክሕደስ ዝግበኦ እምበር ሓንሳብ ምስ ወነንካዮ ምሳኻ ዝነብር ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎን ህያው ንምግባሩ ንቃለሰሉ ዘለናን ግዝእተ ሕጊ፡ ብልዕልና ርኢቶ ኣብዝሓ ዝቃነ ደሞክራስን ምኽባር ኩለመዳያዊ መሰልን ዝረጋገጽ፡ ዝያዳ ኩሉ ካብ ናትካ ጸቢብ ድሌትን ስምዒትን ወጺእካ ናይቲ ድሌትን ስምዒትን ብዙሓት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝተቐርጸ ማእከላይ መትከላዊ ኣሰራርሓ ምእዙዝ እንተኮይንካ ጥራይ እዩ። በመንጽር እዚ ጽባሕ እንታይ ከም እንገብር ብናይ ሎሚ ተግባርና ስለ ዝምዘን፡ ሎሚ ኣብዞም ብስም ህዝቢ እንጭረሓሎም ዛዕባታት ክሳብ ክንደይ ምእዙዛት ከም ዘለና  ንምርዳእ ነነብስና ክንሓትት ግድነት እዩ።

ሎሚ ኣብ ውድቡ፡ ሰልፉ፡ ማሕበሩን ካልእ ናይ ቃልሲ መድረኽን ንግዝኣተ ሕግን ልዕልና ብዙሓትን ዘይተማእዘዘ ብኣንጻሩ  ካለኦት ካብቲ ናይ ሓባር ቃልኪዳን ወጺኦም በቲ ንሱ ዝሃንደሶ ቅዲ ክኸዱ ክደፍእ ዝደናደን ጽባሕ ንግዝኣተ ሕጊ ኣኽቢሩ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ክኽብር’ዩ ኢልካ ምጽባዩ ኣጸጋሚ እዩ። መላኺ ኢሳይያስ እውን ንዲክትቶርነት ካብ ቀደም ዝረዓሞ እምበር ኣስመራ ምስ ኣተወ ዝሓደሮ ውቃበ ከምዘይኮነ ብዙሓት ካብ ቀደም ጀሚሮም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ። ሓደ ኣካል ሎሚ ናይታ ዘለዋ ውዳበ ሕግታት ከየኽበረ፡ ጽባሕ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ከውሕስ’የ እንተበለ ክትቅበሎ ዘተባብዕ ኣይኮነን። ህግደፍ ባዕሉ ዘጽደቖ ሕገመንግስቲ ከተግብር ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ክቐርበሉ ምስ ጸነሐ፡ ኣብ መወዳእታ ኣይኮነንዶ ከተግብሮ “ እቲ ሕገመንግስቲ ሞይቱ እዩ” ዝብል መርድእ ዝዘርሐ ካብ ቀደሙ እውን ቅዋማዊ እምነት ከምዘይነበሮ ዘመልክት እዩ። ሎሚ ኣብ መስርዕ ቃልሲ ምእንቲ ደሞክራስን መሰረታዊ መሰላትን ዘለና ጽባሕ እንታይ ዓይነት ስርዓት ከነተኣታቱ ከም እንደሊ ዘይኮነስ ንምትግባሩኸ ንኽእልዶ ኣይንኽእልን ኣብ እንፍተነሉ ደረጃ ከም ዘለና ክንርስዕ ኣይግበኣናን። ነዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ብሸፈጥን ዓመጽን ሰጊርና ጽባሕ ኣብ ምርግጋጽ ፍትሓውነትን ልዕልና ሕግን ሸለውለው ምስ በልና፡ ኣብ ልዕሌና  “ባዕላ ሰቒላቶ ረሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶ በሓቘ ” ከም ዝምሰል ኣይንዘንግዕ።

ኣብ መንግስታት ኮነ ከምዚ ንሕና ዘለናዮ ኣብ ውድባትን ሰልፍታትን ዝወጽእ ሕጊ ክትግበር እንከሎ ከይዕንቀፍ ዝሕልውዎ፡ ዝትርጉምዎን ዘተግብርዎን ኣካላት የድልይዎ እዮም። ናብዚ ቀንዲ ሓላፍነት ዝስከሙ መንግስታትን ኣብ ውድባት ድማ መሪሕነታትን እዮም። ካለኦት ተግበርቲ ኣካላት እውን በብደረጃኦም ሓላፍነት ኣለዎም። መሪሕነታት ሕግን ስርዓትን ንዝኽብሩ ኣካላት ምትብባዕ ጥራይ ዘኮነ፡ ካብ መስመር ንዝወጹ ኣካላት ናብቲ ግቡእ መስመር ምምላሶም ኣድላይ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ግድነት እውን ኣለዎም። እቶም ናብ ግቡእ መስመር መምለሲ መሳርሕታት ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ኣየናይ ስጉምቲ፡ መዓስን ብመንን ክውሰዱ ከም ዘለዎም ምርዳእ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሕግን ስርዓትን ዘይመልክዑ እንዳሓዘ ዝዝንግዕ መሪሕነት ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓባር ቃልኪዳን ዝበልናዮ ሕጊ ተሓታቲ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና እዚ ዕማምን ሓላፍነትን ንመሪሕነት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ኣካላት ውሁድ ተሳትፎ ከም ዘድሊ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ።