Print this page

ተወደብ መንእሰይ ኤርትራ !

2015-01-05 18:07:39 Written by  ክብሮም ግረነት Published in Youth Corner Read 10224 times
Rate this item
(0 votes)

                                                ክብሮም ግረነት

            ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት 2015 እንኣትወሉ ዘሎና ፣ እቲ ቀንዲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ክዕውትና ዝክእል መንእሰያትና ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ክውደቡ እንተ በቂዖም ጥራሕ እዩ። ምክንያቱ ከይተወደበ ዝተዓወተ ምንቅስቓስ የለን ። ውደባ ክብሃል እንከሎ ግን ኣብ ልዑላዊ ራኢ ሕመረት ዝገበርን ብቁጠባዊ ዓቅሚ ዝተሃንጸን ሓጺናዊ ዲሲፕሊን ክውንን እንከሎካ ጥራሕ እዩ ። ሃገራዊ ዕማም ናይዚ ውደባ እዚ ንጉጂለ ህግደፍ ኣወጊድካ ፍትሕን ማዕርነትን ዝነገሳ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ምህናጽ እዩ ።ውደባ ብኣውራጃ ፣ ውደባ ብሃይማኖት፣ ወደባ ብብሔር ፣ ውደባ ንጥቅምን ረብሓን ኩሉ ናይ ትሕቲ ሃገራውነት ንዝተቀበለ ዜጋ ጥራሕ እዩ ።

            እቶም  ክሳብ ሕጂ ዝተካየዱ  ዝተፈላለዩ ኮንፈረንሳት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ፣ ኤርትራዊ ሓድነት ይትረፍ ካብቲ ዝነበሮም ናይ ቅድሚ 3 ዓመታት ምፍሕፋሕ ኣብ ዝገደደ እዩ ኣድይብዎ ። ብፍላይ ብወገን መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለዩ ኮማት ተመቓቂሎም ወግሔ ጸብሔ ከምተን ውድባት ክባዝሑን ክራብሑን ይርኣዩ ኣለዉ ። እቲ ጽገም እዞም መንእሰያት ብፋናንስያዊ ዓቅሞም ክውድብዎ ዘይከኣሉ ኮንፈረንስ ዋናታቱ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም ።ከም ኣብነት መገለጺ ኣቶ በረኸት ካብ ሳውዝ ኣፍሪቓ እቶም መወልቲ እንታይ ተጽዕኖ ከም ዝገብሩ ንእዝኒ ዘለዎ ክሰሚዕ ዝክእል እኩል መረዳእታ እዩ። እቲ ሓደ ግዜ ብባዕላዊ ዓቅሚ EYSC ኣብ ዲሲ ዘካየድዎ ኮንፈረንስ ናይ ብዙሕት ኤርትራውያ ኣድናቆት ኣትሪፉ ነይሩ ። እንተኮነ እቲ ኮንፈረንስ ቀለሙ ከይነቀጸ በቶም ሓድነትናን ልዑላውንትና ዘይተዋሕጠሎም ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ሓይልታት ኣብ ቅድሚ ዓይኒና ክፈርስ ተዓዚብና ። እዚ ኣብ ውሽጢ መንእሰያትና ዝርኤ ዘሎ ዘይስጥመት  ኣብ ታሪክ ህዝብና ሓዲሽ ኣይኮነን ። እተን ዝበዝሓ ውድባት እውን ካብ ተጽዕና ግዳማዊ ሓይሊ ነጻ ክሳብ ዘይኮነ ኪዳን ይበላ ባይቶ  ህዝቢ ኤርትራ ክዓስለን ምጽባይ ማና ካብ ሰማይ ክወርድልካ ምጽባይ ይቀልል። መንእሰያትና ነዚ ክፈልጥዎን ክርድእዎን ይግባእ።

            እዞም መንእስያት ተወዲቦም ሓድነቶም ከደልድሉን ነቲ ኣብ ባነርት ህግደፍ ዝነብር ዘሎ መንእሰይ ኣርእያ ንምዃን ነጻ ውደባ ጥራሕ ተሪፍዎም ኣሎ ። ምክንያቱ ነቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝሰላሰል ዘሎ ዲምክራሲያዊ ቓልሲ ልዑል ኣስተዋጽኦ ገይሮም ኣለዉ ። ስለዚ ነዚ በሲሉ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ተጥቂሞም ሓደ ድልዱልን ስጡምን ናይ መንእስያት ማሕበር ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክሃንጹ እንተኮይኖም ነጻን ልዑላዊ ተበግሶ ክወስዱ ይግባእ ።

            እምበኣር ነዚ ነጻን ልዑላዊ ዝኮነ ማሕበር ንምህናጽ ክሕግዘኩም ቁሩብ ዝኮነ ኣካል ሓደ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ  ምክንያቱ  ሰዲህኤ እቲ ሓደ ሕብረብሔራዊ ሰልፊ ኮይኑ ፣ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ምትእትታው ዘየፍቅድ፣ ኣብ ዓውዲ ቓልሲ ንዲሞክራሲያዊ  ለውጢ ብምትእማምን  ነብሱ ክእሉ ዝቓለስ ዘሎ እዩ ። ልዑላዊ ክብል እንከሎኩ እቲ ሰልፊ ብዓቅሚ ኣባላቱን ደገፍቱን ዝምወልን ኣብ ጉባኤታቱን ብሓንጸጾም መትከላት ተቀይዱ ዝነጥፍ ፣ ካብ ዝኮኑ ናይ ደገ ሓይልታት  ምትእትታው ነጺጉ ናጽነቱ ዘውሓሰ ሰልፉ እዩ ። ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቀጻልነት ናይ ሃሳብን ግብሪን ልዑላዊት ኤርትራ እዩ ።

            ኣብ ታሪክ ሰውራ ኤርትራ እቶም ቀዳምት ተጋደልቲ ብረት ዝዕጥቆም ደጋፊ ህገር ስለ ዘይነበሮም ነቲ ገድሊ ከቛርጽዎ ኣይሓሰቡን ። በተን ዝተዋህበኦም 10 ብረት ነቲ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቓ ዝሓየለ ሠራዊት ክብድህዎ ተላዕሉ ። እዚ ስለ ዝኮነ ኣብ ግዜ ኹናት ኣንጻር ጸላኢ ናይ ዝተሰወኤ ብጻዮም ብረት ንጸላኢ  ከይገድፉ ከሳብ 5 ተጋደልቲ ከምዝትሰውኡ ታሪክና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ ። እዞም ገዳይም ተጋደልቲ መዓስከራት ጸላኢ እናኣጥቁዑ ብረት ይዓጥቁ ነይሮም ። ኣብ ሰብዓታት ከኣ ህግሓኤ “ ንጻላኢ ብብረቱን ብጥይቱን “ ክብሉ እንከሎዉ ናይ ደገ ሓገዝ ስለ ዘይነበሮም ፣ እቲ ፍታሕ ንጸላኢ ብብረቱን ብጥይቱን ጥራሕ ነበረ። ነዚ ሕቅነት እዚ ዘረጋግጾ መንግስቱ ሃይለማርያም ባዕሉ “ ንሕና ብረት ንገዝእ ምስ ወምበዴ ከኣ ንማቀሎ ኣሎና “ ዝበሎ ። ስለዚ እዚ ዘመዝገብናዮ ሃገራዊ ነጻነት ውጽኢት ናይ ኤርትራዊ ሓቦን ቖራጽነትን እምበር ናይ ደገ ሓይልታት ተለኣኣክቲ ብምዃን ኣይነበረን ። እምበኣር  መንእሰያትና  ነዚ ሃገር ዝጥፍእ ዘሎ ሰርዓት ንምምሓው ፣ ሎሚ ብረትን ጥይትን ዘይኮነ ድሲፕሊን ዘለዎ ልዑላዊ ውደባ የድሊኩም ኣሎ ።

            ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሎሚ ክልተ ተመሳሰልቲ ጉጂለታት በብዝጥዕሞም  እናተበራረዩ ንመንእሰይ  ኤርትራ ክጽንትዎን ከዳክምዎን ይቓለስዎ ኣለዉ ። ሓደ ጉጂለ ህግደፍ ክከውን እንከሎ ፣ እቲ ሓደ ከኣ ብሽም ደምበ ተቓውሞ መእሰይ ከይውደብን ሓድነት ክይገበር ካብ ቁሸት ህገረ ኤርትራ ጀሚሮም ክሳብ ኤውሮፓን ሰሜን ኣሚሪካን ጸቢብን መርዛም ዝኮነ ኣውራጃዊ ምትእክካብ ንምፍጣር ክቓለሱ ጸኒሖምን ኣለውን። ነዚ ዝከየድ ዘሎ ስውር ቓልሲ ንምፍሻልን መንእሰያትና ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ብንቅሓት ክምክትዎ ክዕወቱሉን ናይ ግድን ይኽውን ።

ሎሚ ኣብ ዝኮነት ኤርትራዊት ስድራ ቤት ፣ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ተነቂሒሉን ተነጺጉን እዩ። እቶም ነቲ ጉጂለ ብዝተፈላለዩ ምክንያት ከተሓባበርዎ ዝጽንሑ ደገፍቱ ፣ሎሚ ንሳቶም እውን ነቲ ለውጢ ደለይቱ ምዃኖም ብዘይ ጥርጥር ክዘረቡ ንሰሚዕ ኣሎና ። እምበኣር ነዚ ህሉው ኩነታት ካብ ተነቓሓሉ፣ ነዚ በሲሉ ዘሎ ክውንነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ነጻ ዝኮነ ሕጹጽ ውደባ የድሊ ኣሎ ። መንእሰያትና ሕሰምን መከራን ካብ ዝኮነ ኤርትራዊ ንላዕሊ ዝሰሓንዎ ስለ ዝኮኑ ፣ ርጊኦም እቲ ዓወት ኣብ ልዕሊ ጉጂለ ህግደፍ ስለ ምንታይ ክንዲዚ ግዜ ይወስድ ኣሎ ክብሉን ካብቲ ኤርትራዊ ክብሪን ልዑላውነት ሀገረ ኤርትራ ዘውሕስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክመሃሩ ይግባእ ። ምክንያቱ ሰዲህኤ ኣብ ጉዑዞ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሓዲሽ ምዕራፍ ዘበሰረ ሰልፊ እዩ ። እቶም ዝሰመሩ ውድባት ብማዕረ ነቶም ኣግደስቲ ኣርእስትታት ብሓባር ዘትዮም ክሰግርዎም በቂዖም እዮም ። 

መራሕ ጉጂለ ህግደፍ ንመንእሰያት ስራሕ ክፈጥረሎም ስለ ዘይደለየ ኣብ ከተማ ምህላዎም ከኣ ስለ ዘስጎኦ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ብዘይ ግቡእ ዓስቢ ክምዝምዞም ይርከብ ኣሎ ። እዚ ዳርጋ ንርብዒ ዘመን ዝተናወሔ ባርነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከብቅዕ መንእሰያት ክኣምኑዎ  ዘለዎም “ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ኤርትራውያን ምዃኖም ክኣምኑን”  ንኩሉ እቲ ዝጸንሖም ሕብረተሰብኣዊ ሕማማት ከራግፍዎን ክነጽሕሉን ይግባእ ። ኣብ መትከል ዝተሰረተ  ፖለቲካዊ ዝምድናታት ክሃንጹን ነቲ ቓልሲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከደይብዎ ከኣ ንጽበዮም ።

ኣብ መወዳእታ

ኣብ ወሳኒ መድረክ ምርብራብ ስለ ዝኣቶና ፣ እቶም  ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት  ዝርከቡ መንእሰያት ክውደቡን ክጥርናፉን ይግባእ ። ሓደ ከም እብነት ክውሰድ ዝግብኦ መንእሰያት ንለውጢ ላስቬጋስ ኣብ ቶጎርባ ዘውጽእዎ መግለጺ እዩ። እዞም መንኣሰያት ኣብቲ መግለጺኦም ዘቀመጥወን ኣርባዕተ ንጥብታት ብዝያዳ ክጸፋን ክምዕብላን ዝክእላ እየን ። መንእሰያትና ከም ባህሊ ክወስድወን  ዝግባኣ ጉዳያት ልዑላውነትን  ግሉጽነትን ሓቀኛ ሓበሬታ ንህዝቢ ኤርትራ ምቅራብ ይግብኦም  ።

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት 2015 ይግበረልና

ክብሮም ግረነት ።

12/31 /2014

Last modified on Monday, 05 January 2015 19:26