ካልኣይ ዓመታዊ ኣኼባ መንእሰያት ሰዲህኤ፡ ኣብ ሊምቡርግ፡ ጀርመን ይካይድ ኣሎ
ብዛዕባ ሃለዋት መንእሰያት ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ሃለዋት መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ድማ ብፍላይ ንምዝታይ፣ ከምኡ ድማ፡ ንጥፈታት ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ውሽጢ’ዞም ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ንምድህሳስ ዝተጋብአ ኣኼባ ወከልቲ መንእሰያት ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳ ትማሊ ዕለት 25 ግንቦት 2012 ኣብ ከተማ ሊምቡርግ፡ ጀርመን፡ ጀሚሩ።
ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ኢዩ ተኸፊቱ። ወይዘሮ ፈቨን ግዴዎን፡ ሓላፊት ጕዳያት መንእሰያት ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳ፡ ንኣኼበኛታት ናይ ኣንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምቕራብ፡ መድረኽ ንዶክተር ኣክሊሉ ግርማይ፡ ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያት ሰዲህኤ ኣመሓለሊፋቶ።

ዶክተር ኣክሊሉ ግርማይ፡ ደጊሙ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቱ ድሕሪ ምቕራብ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንመንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ብምኽንያት መበል 21 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ። እዚ ኣብ ናይ ምሸት ሰዓታት ዝጀመረ ናይ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ብዝኽሪ 24 ግንቦት 2012 ብምጽንባል’ዩ ኣኽቲሙ።
ኣኼባ፡ ኣብ ናይ ሎሚ 26 ግንቦት መደባቱ ከኣ፡ ነቲ ብኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያት፡ ሓው ኣማኒኤል በራኺ፡ እተላእከ ናይ ሰላምታን ምትብባዕን መልእኽቲ ብምስማዕ ኢዩ ጀሚርዎ። ስዒቡ፡ ኣብ’ቲ ነዚ ኣኼባ’ዚ መጸውዒ ዝዀኑ፡ ንጥፈታት ሰዲህኤ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕን ከመይ ይመስል? ሃለዋት መንእሰያት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ሃለዋት መንእሰያት ሰዲህኤ ድማ ብፍላይ’ከ ከመይ ኣሎ? ዝብሉ መሰረታውያን ዛዕባታት ምምይያጡ ይቕጽል ኣሎ።
እቲ መግለጺ፡ ብኽልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ኤርትራ ኢዩ ዝውሃብ ዘሎ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ሰዲህኤ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ዝተዋህቦም ሓበሬታ ብዙሕ ዘይፈልጥዎ ዝጸንሑ ክፈልጡ ከምዘኽኣሎም፡ ብፍላይ ከኣ፡ እቲ ንሕጻናት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ብሰዲህኤ ዝውሃብ ዘሎ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ከምዘሐጐሶም ገሊጾም። ህዝቢ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ሰልፊ ዘለዎም ኣፍልጦ መታን ክሰፍሕ፡ ቀጻሊ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ክካየዱ ኣድላዪነቱ ኦዙዝ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ሕጽረት ከምዘሎ ድማ ኣሚቶም።

ኣብ መንጐ መንእሰያትን ዓበይትን ተቓወምትን ዘሎ ጋግ ብዝምልከት ከኣ፡ ኣዝዩ ምዉቕ ዝዀነ ክትዓት ይካየድ ኣሎ። ኣብ ክንዲ ዓበይትን መንእሰያትን እናተባሃሃልካ ምክሳስን ነቲ ጋግ ምግፋሕን፡ ክልቲኦም ሸነኻት፡ ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ነቲ ጋግ ንምጽባብ ብዕቱብነት ክስርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣኼበኛታት፡ ንመንእሰያት ዘድልዮም፡ ኣበናይ ቦታ ኰይኖም ክቃለሱ ከምዘለዎም ዝውስኑሎም ዘይኰኑስ፣ ነየናይ ዕላማ ክቃለሱ ከምዝግባእ ዝምህርዎምን ቅኑዕ ሓበሬታታት ዘስንቕዎምን ጥራሕ’ዮም ኢሎም።

እዚ ንካልኣይ ዓመቱ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ መንእሰያት ሰዲህኤ፡ ክሳብ ጽባሕ ፍርቂ መዓልቲ ክቕጽል ምዃኑ ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ።
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
Youth Corner
-
ዝተበደለ መንእስይ 1ይ ክፋል (ካብ 2 ክፋላት) ናህርን ሓቀኛ ስምዒትን ዘይምንሓፍን...
-
رسالة تضامنية من شباب حزب الشعب الديمقراطي الارتري الى مؤتمر الشباب الارتري بواشنطون دي سي المحترمون أعضاء مؤتمر الشباب الارتري المشاركون الاعزاء...
-
መልእኽቲ ምሕዝነት መንእሰያት EPDP ናብ ኮንፈረንስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ ዝኸበርኩም ኣካየድቲ ኮንፈረንስ መንኣሰያት ኤርትራን፡ ዕዙዛት...
-
ካልኣይ ዓመታዊ ኣኼባ መንእሰያት ሰዲህኤ፡ ኣብ ሊምቡርግ ብዓወት ተዛዚሙ ኣብ ከተማ ሊምቡርግ፡ ጀርመን፡ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝጸንሐ...
-
ካልኣይ ዓመታዊ ኣኼባ መንእሰያት ሰዲህኤ፡ ኣብ ሊምቡርግ፡ ጀርመን ይካይድ ኣሎ ብዛዕባ ሃለዋት መንእሰያት ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ሃለዋት መንእሰያት...
-
Interview with Youth Who Defy YPFDJ Bullying As it is recalled on August 13th PFDJ in the San Francisco Bay Area held their annual Festival in Oakland...
-
THERE IS ALWAYS CHANGE: CHALLENGING PFDJ FESTIVAL IN OAKLAND, CALIFORNIA August 13, 2011 People’s Front for Democracy and Justice (PFDJ) hosted a festival in support of the...
-
Popular uprising across the region: Are we there yet? By Samrawit Who is not inspired by the movement and demand for change in the Middle East and North...
- 1
- 2
- 3




