ጥሙር መግለጺ: ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ
ልክዕ ቅድሚ 49 ዓመታት ከምዛ ሎም እታ ንፓለቲካዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ: ናብ ብረታዊ ገድሊ ዘሰጋገረት ቀዳመይቲ ንጣር ቁልዒ ሓዊ: ካብታ ብሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እትምራሕ ቀዳመይቲ ጋንታ ሓርነት: አብ እምባ አዳል ተተኮሰት::
አብቲ እዋን: ሒደት ቁጽሪ ዓዋተን እቶም ካብ 13 ዘይበዝሑ ብጾቱን: ተዓጢቖሞ ዝወፈሩ ዓይነት ብረትን: ዓይነትን ትሕዝቶን ንብረቶም ብሓደ ወገን: እቶም ብአንጻሮም ደው ኢሎም ዝነበሩ ገዛእትን ደገፍቶምን: ንሶም ዓጢቖሞ ዝነበሩ ብረትን ከዋፍርዎ ዝኽእሉ ዓቕሚ ሰብን በቲ ካልእ፡ ምስ ዝነጻጸሩ: ናይ ጻጸን ሓርማዝን ፍልልይ'ዩ ነይሩዎም::
ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ነገራውን ንዋታውን ዓብላልነት ከም መጎልበቢ መሰረታዊ ሕቶ ናጽነትን ሓርነትን ንምግባር፡ ነቲ ፍትሓዊ ሕቶ ንምዕባጥን: ንዓዋተን ሰዓብቱን ሓንሳብ ዘመዛዝን አእምሮ ዘይብሎም ምስ ከውሒ ዝራጸሙ: ሓንሳብ ከም ሸፋቱ ጌሮም ከቕርብዎም ፈተኑ:: በዚ ድማ እቶም ፈሊጦም ዝደቀሱ ገዲፍካ ፡ ግዳያት ናይቲ ገዛእቲ ምእንቲ ጥቕሚ-ነብሶም ዝዝርግሕዎ: ዝነበሩ ናይ ምድንጋር ዘመተ ኮይኖም: ብዛዕባ አድላይነት ሓርነት ገዛእ ርእሶም ዝተጠራጠሩ ደቂ ሃገር ውሑዳት አይነበሩን:: ገለ ዉሑዳት ካብ ምጥርጣር ሓሊፎም "እዝስ ጽላለ እዩ" ዝበሉ አይተሳእኑን::
ታሪኽ ግን ዓቢ መምህርዩ። እቲ አብ ንጹርን ፍትሓውን ዕላማ አናጨመተ ዝምርሽ ደላይ ሓርነት ክዕወት ዓቢ ቁጽሪ ሒዙ ክብገስ ናይ ግድን ከም ዘይኮነ ብግብሪ አብ ባይታ አስተምሂሩና። ውሑዳት ግን ብርኩታት ከቢድ ዋጋ እናኽፈሉ ዘሳለዩዎ ቅዱስ ዕላማ ይንዋሕ ይሕጸር አብ መዓልብኡ ከምዝበጽሕ ክአ ብዓይንና ክንርእይ ስለዝበቓዕና ሎም ይኹን ዘንተእለት ዘየጠራጥረናን ነግ ፈረግ ዘይንብለሉን ትምህርቲ ቀሲምና ኢና።
ይኹን’ምበር ሎም’ኸ፡ ነዚ እተጠቕሰ ትምህርቲ ታሪኽ ዝረስዑ ክንደይ ይኾኑ፧ ነቶም አንጻር ባርነታዊ ጭቆና ደው ዝበሉ፡ ነቶም አንጻር ዘይደሞክራሲያውነት ስርዓት ህግደፍ ክምጉቱ ዝተመቁሑ፡ ነቶም ምስቲ አደንቚርካ ግዛእ ዝብል ፍልስፍና ህግደፍ ክራባረቡ ግዳያት ዝኾኑ ብሉጻት ደቂ ህዝቢ፡ ከም ዘየመዛዝኑ ገይሮም ዝቖጽሩ’ኸ ክንደይ ካባና ይኾኑ፧ ብርግጽ ውሑዳት አይኮኑን። ሕሉፍ ሓሊፍዎም፡ አንጻር ሓርነት ገዛእ-ርእሶም ደው ዝበሉ አለዉና። ገለ ዉሑዳት ሓቂ እናፈለጡ ዝኸነቡ ድማ ‘እዞም ዝቃወሙ ፡ ሓቆም’ኳ እንተኾኑ ውሑዳትን ንዋት ዘይብሎምን እዮም እሞ፡ አበይ ከይበጽሑ’ ዝብሉ ከምዘለው መሰኻኽር ዘየድልየሉ ሓቂ እዩ።
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ውጽኢት ቃልሲና ነጻነት ርኢና፡ ውጽኢት ነጻነትና ግን ጌና ዕለት 24 ግምቦት 1991 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ: ድሙቕ ብራሃን ጸሓይ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ...
-
ናጽነት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝባን ጀጋኑኣን ኢዩ ንኤርትራ፡ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንምግልጋላ ዝተኸፍለ...
-
ወዮ ኣያና ደኣ መን ከብዱ ረጊጹዎ’ዩ ሃለውለው ዝብል ዘሎ? ዝነደየ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ፡ ትሕቲ መሬት ኣትዩ፡ መይቱ ክነሱ፡...
-
ነጻነትና ንናይ ሎሚ ሃለዋትና ጠንቂ ኣይኮነን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅነ መዓልቲ ነጻነትና ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ...
-
ንብሎን ንገብሮን በበይኑ ኤርትራዊ፡ካብ ጥንቲ - ጥቅምቲ፡ ንመሰሉ ተጣባቂ፡ ከም ዝኾነ ብቀዳሞት...
-
ናይ ሓዘን መግለጺ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዲሞከራሰያዊ ሓይልታት ኤርትራ(CC-ENDF)፡...
-
ሃገር ብቅኑዕ እምበር ብሓሶት ሓበሬታ ኣይትህነጽን ኣብ ዝኾነ ዓለም እንተኸድና እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ሓሶት ኢዩ። ወረ...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




