ቁጠባዊ ወፍሪ ብሓንሳብ ዕጽድ-ኩምር-ሕፍስ ተብሎ መስርሕ ኣይኮነን
ኢሳያስ፡ ንዕግርግር፡ ንህውከት፡ንምድንጋር፡ ንውድቀት፡ ንዕንወት፡ ንጸሊም ዕዳጋ፡ ንምዝማት፡ ንምቕፋድን ምርሻንን፡ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንሰላም፡ ንቕሳነት፡ ንልምዓት፡ ንዕብየት፡ ንራህዋ፡ ክሰርሕ ሞራላዊ ይኹን ሃገራዊ ኒሕ፡ ሓቦ ወይ ሕልና፡ ፍጹም የብሉን። ክሳብ ዘሎ፡ ኣካይድኡ ክልውጥ ማለት ድማ ዘበት’ዩ።
ኢሳያስ ከምዚ ክኸውን ምኽንያት ኣለዎ። ንሱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ክነብር እንተ ድኣ ጀሚሩ ዝቐርበሉ ሕቶታት ኣሎ። እዚ ሕቶታት’ዚ ንዕኡ ከም ገበነኛ ኣዝዩ ስለ ዘስግኦ፡ ካብዚ ሕቶታት’ዚ ዝተፈላለየ፡ ጠቓሚ ዝመስል ወይ ዘተሃራርፍ፡ ግን ዘይትግበር፡ ጽውጽዋያት እንዳመሃዘ ክሃድም ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እቲ ሳዕቤናት ንሂወቱ ቀሊል ከም ዘይኮነ ስለ ዝርዳእን ስለ ዝፈልጥን።
እዚ ለቅነ ኣብ እስመራ ፓላስ ዝግበር ዘሎ፡ ወፍሪ እንዳበልካ ህውተታ፡ ናይ ሓሶት ህውተታ ኢዩ። ቅድሚ ኩሉ፡ ወፍሪ ብዘይ ሰላም ዘይሕሰብ’ዩ። ብረት፡ ንኣረጋውያን ኣይተርፍ ንሕሙማት፡ እንዳ ዓደልካ፡ ወፍሪ እንዳ በልካ ዘረባ፡ ኣይዘረባን። ውጹእ ሓሶት’ዩ። ኤርትራውያን ዘዋህለሉወን ርእሰማል እንተልየን ንምርሳየን ዝግበር ሜላ ጥራይ ኢዩ።
ኢሳያስ ሓቂ እንተልዩዎ ብዛዕባ ወፍሪ ቅድሚ ምሕሳቡ፡ ኣስፊሑ፡ ብዛዕባ ሰላም ኣብ ውሽጢ ሃገር ጎነ ምስ ጎረባብቲ ክዝትን ፍታሕ ከናድን ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ወፍሪ፡ ዋላ ማይ ዘበለ ትሕተ-ቅርጺ ይሃሉኻ፡ ሰላምን ቅሳነትን እንተ ዘይሃልዩ ኣይዕወትን’ዩ። እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ እቲ ቅድሚ ኩናት ምስ ወያነ ዝነበረ ዝርካቡ ወፍሪታት ኣይምሞተን፡ እቶም ኣውፈርቲ’ውን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣይምሰጎሙን።
ትሕተ-ቅርጺ ኣድላይነቱ ርዱእ’ኳ እንተ ኮነ ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ሃገርና ወሳኒ ኣይኮነን። ሳላ ባዕዳውያን ገዛእቲ፡ ብዙሕ ዘሕፍር ትሕተ-ቅርጺ ኣይጸንሓናን። ድሕሪ ናጽነት ዝተገብረ ትሕተ-ቅርጺ ወሲኽካ፡ ዘነይት’ኳ እንተ ዘይኮነ፡ ወፍሪ ነከይግበር ዝዕንቅፍ ነገር ኣይኮነን። ስለዚ ብተዛማዲ፡ ትሕተ-ቅርጺ ኣብ ሃገርና ከም ወሳኒ ጉዳይ ክለዓል ኣይግብኦን። ሕጂ’ውን እንተ ኮነ፡ በቃ ዘበለ ትሕተ-ቅርጺ የብልናን። ደቡብ ሱዳን ትሕተ-ቅርጺ ስለ ዘለዋ ኣይኮነን ኤርትራውያን ኣብቲ ሃገር ርእሰማሎም ዘውፍሩ ዘለዉ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ከምኡ። ንወፍሪ ዝዕድም ትሕተ-ቅርጺ በብመድረኹ ክስጉም ዘለዎ ናይ መንግስቲ ጉዳይ ኢዩ። ብኡ መጠን ከኣ፡ ወፍሪ፡ ኣብ መስርሕ እንዳ ዓበየ ይኸይድ።
ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ንምትብባዕ ድሕሪ ሰላምን ምርግጋእን እትስዕብ ብቅዋም ምስራሕ ኮይና፡ ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ እትብል ፖሊሲ ዘላታ ኢያ ተድሊ። ኣብ ውሽጢ’ዛ ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ እትብል ፖሊሲ ድማ መንግስቲ ክኸፍተንን ክተሓባበረንን ዘለዎ፡ ክልተ ወሰንቲ ጉዳያት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፡-
- ድሓን ወፍሪ ዘውፍር ዘበለ ኩሉ ብLetter of Credit (L.C) ጌሩ ንወፍሩ ዘድሊ፡ ካብ ደገ ዘድልዮ ክገዝእ ንክኽእል ምፍቃድ። ብሕጽር ዝበለ፡ መንግስቲ፡ ብመገዲ ባንክ ናይ ወጻኢ ሸርፊ (ባጤራ) ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ምግባር። ከምቲ ኣብ ባራት ኣስመራ ዝውረ ዘሎ፡ ኣብ ወርቂ እንዳደቀስና ንኣውፈርትና ናይ ወጻኢ ባጤራ ክረኽቡ ዘይክእልሉ ምኽንያት የለን።
- ህንጻ (construction) ኣብ ክንዲ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ቀይድካ ምሓዝ፡ ምፍታሕ። ምስ’ዘን ክልተ ኣገደስቶ ጉዳያት ድማ፡ ህግደፍ፡ ኣብ ዝኾነ ወፍሪ ንዓይ ኣእትዉኒ፡ እንተዘየለ ኣይነፍቅድን፡ ዝብሃል ክሓድጎ ኣለዎ። እዚአን እንተ ተጌረን፡ ዋዕላ ኣየድሊ ወዲ ዋዕላ።
ኣውፋራይ ኣብ እንታይ ዓይነት ጽላት ከም ዘውፍርን ኣበየናይ ቦታ ከም ዝሕሾን ኣይጠፍኦን’ዩ። ባዕሉ መጽናዕቲ ጌሩ ስለ ዝቐርብ። ቀንዖ ጽቡቕ፡ ኣይቀንዖን ድማ ናቱ ጉዳይ ኢዩ ዝኸውን። ኣብዚ ጽላት’ዝን ኣብዚ ቦታዚን ይሕሸካ’ውን ኣይብሃልን’ዩ። መንግስቲ ናይ ኣውፈርቲ ሓላያይ ክኸውን የብሉን። ከምዚ ምስ ዝኸውን፡ ኣውፋራይ፡ ብሰንኪ መንግስቲ ከምዚ ኮይነ ኢሉ’ውን ኣየዕዘምዝምን። ኣውፋራይ ናይ ባዕሉ ጠመተን ራእይን ስለ ዘለዎ በታ መደቡ ክወፍር ኢዩ ዝደሊ። ራእዩ ንምትግባር ግን፡ ምኽርን ምትሕብባርን መንግስቲ የድልዮ።
ብዝተረፈ፡ እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎን ኣብ ቀጻሊ ክግበር ዝሕሰብ ዘሎን ዋዕላ/ታት፡ ንህልኪ ኮይኑ፡ ናይ ሓሶት ዋዕላታት ኢዩ። ከም ዘይትግበር ድማ 100% ርግጸኛታት ኢና። ከም ገለ ዓሻ እንተ ተረኺቡ ከኣ፡ ኣብኣ ይረኽባ!!
ግዱሳት ካብ ውሽጢ ሃገር።
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ውጽኢት ቃልሲና ነጻነት ርኢና፡ ውጽኢት ነጻነትና ግን ጌና ዕለት 24 ግምቦት 1991 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ: ድሙቕ ብራሃን ጸሓይ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ...
-
ናጽነት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝባን ጀጋኑኣን ኢዩ ንኤርትራ፡ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንምግልጋላ ዝተኸፍለ...
-
ወዮ ኣያና ደኣ መን ከብዱ ረጊጹዎ’ዩ ሃለውለው ዝብል ዘሎ? ዝነደየ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ፡ ትሕቲ መሬት ኣትዩ፡ መይቱ ክነሱ፡...
-
ነጻነትና ንናይ ሎሚ ሃለዋትና ጠንቂ ኣይኮነን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅነ መዓልቲ ነጻነትና ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ...
-
ንብሎን ንገብሮን በበይኑ ኤርትራዊ፡ካብ ጥንቲ - ጥቅምቲ፡ ንመሰሉ ተጣባቂ፡ ከም ዝኾነ ብቀዳሞት...
-
ናይ ሓዘን መግለጺ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዲሞከራሰያዊ ሓይልታት ኤርትራ(CC-ENDF)፡...
-
ሃገር ብቅኑዕ እምበር ብሓሶት ሓበሬታ ኣይትህነጽን ኣብ ዝኾነ ዓለም እንተኸድና እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ሓሶት ኢዩ። ወረ...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




