Wednesday, May 22, 2013
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

መግለጺ ምምሕዳር ሽማግለ ንዑስ ዞባ ጀርመን ሰደህኤ

epdp-logo3ናይ ጽንዓት  ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ንሕና እዞም ናይ ትማሊ ዞባ ጀርመን ናይ ሎሚ ንዑስ ዞባ ጀርመን ዝኾና ምምሕዳር ሽማግለ፡ ኣብዚ ዕለታት እዚ ብሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ሓንቲ ተጠባባቒትን ሰደህኤ፡ ኣሕዋት ኣማኒኤል ሃብተን ጽርሃ ሰሎሙንን ዝርከብዎም ተጋሂዱ ዘሎ፡ ንረብሓ መን ይውዕል ትንቢት ክትገብረሉ ዘጸግም ኵነታት፡ ክስዕብ ምዃኑ ኣለሊና ብጽሞና ንነዊሕ ግዜ  ክንከታተሎ  ጸኒሕና። ስለዚ ንዓና ሓዲሽ ወይ ብሃንደበት ዝመጸ ስለዘይኮነ  እቲ ተጠጂኡ ዝጸንሔ ንደገ ዝቃላዓሉ ግዜ በጺሑ ኢና እንብል።

እዚ ስዉር ኣጀንዳ ዝመስል፡ ኣብ ዞባዊ ኣኼባታትናን ሰሚናራትናን በጨቕ ዝብል ዝነበረ፡ ሓምታኺ ፈተነ፡ ንሰልፍና ናብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ስነምግባር  ምዃኑ ብምርዳእ፤ ብልቦና፡ ነቓዕ  ከይፍጠር ተጠንቂቕና፡  ንቕድሚት ክንጥምት ጸኒሕና። ኣብ ዘየድሊ ዋጢጥ ክንኣቱ ምርጫና ኣይነበረን። ንሰልፍና ድልዱል መንደቕ ንምዃን መሪጽና።

እዚ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ሰደህኤ ተቐልቂሉ፡ ንሓደ ዓመት ዝተሓቖነ፡ ኣብ ፍርቂ ወርሒ ነሓሰ 2012  ዘነጸረ፡  እቶም ብንጹር ዝፈልጥዎን ክገልጽዎ ዝኽእሉን እንብሎም፡ እቶም ብኣካል ክዋስእሉ ዝጸንሑ ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰደህኤ ጥራሕ እዮም ዝብል ዕግበት ኣሎና። ካብዚ ወጻኢ፡ ማለት ተራ ኣባላት ሰልፍን ኣብ ታሕተዎት ጽፍሕታት ሰልፊ  ኣብ ምምራሕ  ዘለዉ ሽማግለታትን፡ በቲ ብዘይ ኣገባብ ክዝርጋሕ ዝጸንሔ ሓደ ሸነኻዊ ኣንቴና ዝሰምዕዎን፣ ድሒሩ ኣብ ጽሑፍ ዝራኣይዎን ጸጊዕ ዝሓዙ ደኣ እምበር ብናይ ገዛእ ርእሶም ህዋሳት ምልኣተ ድህሰሳ ጌሮምን ብስርዒታዊ ኣገባብ ብዝተዋህቦም መምርሕን በጺሖሞ ዝብል እምነት የብልናን።

እቶም ኣብ ምምራሕ ዞባ ኤውሮጳ ምንባሮም ንነብሶም ኣላልዮም ካብ ሰልፊ ከም ዝሳሓቡ መግለጺ ዘውጽኡ ኣሕዋት ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሰለስተ 2012 ናይ ዞባ ኤውሪጳ ጉባኤ ምክያዱ ጉባኤተኛ ብድምጺ መሪጹ ፡ መሪቑ ምፍናው ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ናብቲ ዝመረጾም ኣካል ወሪዶም ብውሽጣዊ ጉዳይ ሰልፊ ኣልዒሎም ዋላ ንሓንቲ ደቕቕ ትኹን ብግሉጽ ክሕብሩን ኩነታት ሰልፊ ኣምልኪቶም ክገልጹን ኣይተራኣዩን። እሞ ደኣ ንዓታቶም ክሳብ ካብ ሰልፊ ምስሓብ ዘብጸሖም ጉዳይ፡ ካብቲ ዝመርሕዎ ኣካል ዝተሰወረ ብኸመይ ክፈልጥዎ ኪኢሎም? ስለምንታይ ከ ብግሉጽ ነቲ ብሓደራ ሓላፍነት ዘሰከሞም ኣካል ከዋስእዎ ዘይፈተኑ? ስለዚ ንሕና ከም ኣባላት ሰደህኤ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣብ ሕርያ ዝተሰረተ ዝምድና፡ ብሕሹኽሹኽ ንገለን ዝሕበር ንገለን ዘጓኒ፡ ሓደ ማለት ኣብ ሓንቲ ጃልባ ሰደህኤ ከምዘይነበርና  ዘርኢ፡ ናይ ነንሕድሕድ ሞራላዊ ምትእምማን ዝጎዶሎ ኣካይዳ  ከም ዝጸንሔ ካብ መግለጺኦም ክንዕዘብ ኪኢልና። ነቲ እምነት ዘንበረሎም ኣካል ኣብ ግምት ብዘይምእታው ስማዊ መዝነት፡ ዘይሰርሕሉ ኣሜን ኢሎም ምቕባልን፡ ሰላሕታ ጉዕዞ ክሳብ የለናን ምባል ዘብጽሕ ምሓዞም፡ ዘስደምም እዩ።

ዝኸበርኩም ብጾት ኣባላት ሰደህኤ

ንሕና ከም ምምሕዳር ሽማግለ ንዑስ ዞባ ጀርመን ዋላውን ነቲ ሓደራ ዘሰከመና ኣካል ብዝተወደበ ኣገባብ ከነዋሰኦ መደብ እንተሓዝና፡ ከም ወትሩ ኣብ ልዕሊ ሰልፍናን ብጉባኤ ኣቢልና ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መሪሕነትናን ዝምጽእ ተጻብኦታት ብትሪ እናተኸላኸልና ነቲ ዓትዒትና ሒዝናዮ ዘሎና ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ መደብ ዕዮና ንምዕዋት ብዘሎና  ዓቕሚ ክሳብ ምሉእ ዓዋት ክንቃለስ ኢና።

ንዓና ነቶም ብነጻ ድልየቶም ንነዊሕ ዓመታት ምሳና ክወድቁን ክትስኡን ዝጸንሑ ኣሕዋት፡ ኣብዚ ፈታኒ መዋእል ብድልየቶም ካብ ሰልፊ ምስሕቦም ዘሔጉስ ዜና ኣይኮነን። ይኹን እምበር ሓሳብ ልቦም ክሰምረሎም ሰናይ ትምኒትና  ንገልጸሎም።

ጭርሖና ፤ ንሰልፍና እናሃነጽና  ብእዱብን ስጡምን ኣገባብ ቃልሲ ንኹሉ ዓይነት ተጻብኦ ክንብደሆ ኢና።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

ተስፋማርያም ክብራኣብ:

ኣቦ መንበር ንዑስ ዞባ ጀርመን ሰደህኤ

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity. We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ። ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

إن ا، هو توفير بيئة صحية وحرة للتبادل الحر والبنـــــَّــــاء للرأي بين أصحاب الرأي من مختلف المشارب والمذاهب، أفراداً كانوا أو جماعات. لذلك فالموقع علي استعداد لنشر أية أفكار أو آراء موضوعية عدتها وعتادها الحجة والمنط لهدف الأساس الذي أنشأنا من أجله هذا الموقع الالكتروني علي الشبكة العنكبوتية الدوليةق، وصحيح أنه كما يقولون: ليس هناك أفكار خاطئة ولكن أحكام خاطئة، إلا أن ذلك لا يمنعنا من حقنا في رفض الكتابات التي يتأفــَّــــف حتى أصحابها من نسبها اليهم أو وضع بصماتهم وتوقيعاتهم وعناوينهم الحقيقية عليها ولا يتشرفون بتبنيها أو ادعاء المسئولية عنها، فضلاً عما تعج به تلك الأفكار من سموم مدسوسة وظاهرة وآراء ملـــــــوِّثة للبيئة الفكرية والإنسانية في ارتريا حاضراً ومستقبلاً، وطمس وتزييف للحقائق واغتيال واغتياب معنوي لمن يتصدون للعمل النضالي العام في جسارة وإنكار ذات. إننا ننطلق في مبادئ النشر عندنا من كل ما يشجع علي تبادل الود والاحترام بين الكتاب أنفسهم ونشر التسامح بينهم رغم تباين آرائهم، والعمل سوياً علي البحث والتنقيب عن حلول المشكلات وتقديم البدائل الأفضل، والسعي الي تقريب المسافات وتذويب الفجوات بين مختلف قطاعات شعبنا والتــــَّـــرنـــُّـــم معاً علي أنغام سيمفونية الوحدة والتقارب، لا الألحان النشاز المفسدة لأذواقنا جميعاً.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form