Sunday, May 19, 2013
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ቃል ኣቦ መንበር ኣውሃሃዲ ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ

fft-festival-2012-24ክቡራትን ክቡራንን

ኣቐዲመ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር፡ ኣብ'ዚ ዓመት፡ ዓምት፡ ኣብ ክተማ ፍራንክፈርት፡ ጀርመን፡ ዘዳልዎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ወይ ፈስቲቫል ክንሳተፍ ንዝገበረልና ክቡር ዕድመ ብስመይን ብስም ኣውሃሃዲት ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ክብ ዝበለ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ። ከም'ዚ ዝኣመሰለ በዓል ዓመት፡ ዓመት፡ ክህልወና ድማ ንድግፎን ነመጕሶን ተግባር ኢዩ። ፈስቲቫል 2012 ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ጕባኤ ኣውሃሃዲት ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ ውን ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ኣብ'ዚ ቦታ'ዚ ክካየድ ኢዩ።

ክቡራትን ክቡራንን

ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃልሱ ከየቋረጸ ክቕጽል ዝተፈርደ ህዝቢ ኢዩ። ከም'ቲ ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ናይ'ቲ ብ1971 ዝተኻየደ ቀዳማይ ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰፊሩ ዘሎ፡ እዚ ካብ "ሓጺን ዝተርር ድሌት" ዘለዎ ህዝቢ፡ ብኵሉ ዝከኣል ኣገባባት፡ ቃልሱ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ይቕጽሎ ኣሎ። ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ'ቲ ኣቦታትና ካብ ኣርብዓታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ኣትሒዞም ኣንጻር'ቲ ንድሌታት ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ንምርዋይ፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደራላዊ ውዕል፡ ዝቖረነ ውዲታት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዘካይድዎ ዝነበሩ ቃልስታት ኢዩ ጀሚሩ። እዚ ብምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ወይ ማሕበር ሸውዓተ ዝጀመረ ቃልሲ፤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ስም፡ ብጅግና ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝመርሖ ብረታዊ ተጋድሎ ኣቢሉ፤ በቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘረጋገጾ ታሪኻዊ ዓወት፡ እቲ ኵሉ ህዝብና ዝተቓልሰሉ ዕላማ ናይ ናጽነት ጋህዲ ኰይኑ።

ተጋድሎና ልክዕ ከም ማዕበል፡ ሓደ መኸተ  ብኻልእ መኸተ እናተተክኤ ኢዩ ተኻይዱ። እዚ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሌቱ ከየረጋገጸ እፎይ ኢሉ ከምዘይዓርፍ ዝገልጽን ዘረጋግጽን ጭቡጥ ኣብነት ኢዩ። ልክዕ'ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብቓልሱ ዘረጋገጾ ናጽነት ጣዕሙ ከስተማቕር ዕድል ኣይገበረን።

እንተዀነ ግን፡ ክቡራትን ክቡራንን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ተጸሚድና ካብ ሃሎና፡ ኣብ ከባቢና ማለት ኣብ ንኡስ ዞባና፡ ኣብ ዞባናን ዓለምናን ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ቅኑዕ ንባብ ክህልወና ይግባእ።

fft-festival-2012-6

ብደረጃ ዓለም፡

ባህርይ ወይ ጆግራፍ፡ ሓያላን መንግስታት ዝጠማመትዎ፡ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝዀነ ቦታ ኣቐሚጡና ከምዘሎ ክንግንዘብ ይግባእ። ብፍላይ ድማ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገምግም ቀይሕ ባሕሪ ትርከብ፡ ካብ ባብ ኣልመንደብ ክሳብ ራስ ቀሳር፡ ኣብ ዶብ ሱዳን፡ ዝዝርጋሕ 1200 ኪሚ ዝንውሓቱ ገማግም ትውንን፥ ኣብ ጥቃ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነ ቦታታት እትርከብ ሃገር ኢያ።

መትረብ ወይ ካናል ስዊጽ፡ ብ17 ሕዳር 1869 ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ እቲ ዝሓጸረ ንማእከላይ ባሕሪ ምስ ህንዳዊ ውቅያኖስ ወይ ድማ ንሰሜን ምስ ደቡብ ዘራኽብ መንገዲ ኰይኑ። ቀይሕ ባሕሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣገዳስነቱ እናዛየደ ዝኸደሉ ምኽንያት፡ ብቐዳምነት፡ ኣብ ክባቢ ምንጪ ናይ ነዳዲ ዝዀኑ ቦታታት ስለዝርከብ ኢዩ። ኣብ ነፍስወከፍ መዓልቲ  3 ሚልዮንን 3 ምኢቲ ሽሕን በርሚል ዝጸዓና መራኽብ፡ ብመፍትሕ ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነ ባብ ኣልመንደብ ኣቢለን ናብ ኣውሮጳ ይመሓላለፋ። ካብን ናብን እስያን ኣውሮጳን ዝኣቱን ዝወጽእን ሃለኽትን ናይ ንግዲ ኣቝሑን ዝጸዓና ብዙሓት መራኽብ ውን በዚ መንገዲ'ዚ ኢየን ዝመሓላለፋ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ፡  ቀይሕ ባሕሪ፡ ቀዋሚ መደበር ናይ ውግእ መራኽብ ኰይኑ ኣሎ። ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ነዚ ሓቅታት'ዚ ፈሊጦም ኣብ ግምቶም ከእትውዎ ይግባእ።

ብዞባ ደረጃ፡

ሶማል ካብ መጀመርያ ተስዓታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ጀሚራ፡ ሓድሓደ ግዜ ቀቢላዊ መልክዕ ዘለዎ፡ ካልእ ግዜ ድማ ሃይማኖታዊ መልክዕ ብዘለዎ ደማዊ ጐንጽታት፡ ኣብ ቀጻሊ ናይ ውግእ ሃለዋት ትርከብ ኣላ። ህዝባ ይበታተን፡ ዞባውን ኣህጕራውን ሓይልታት ድማ፡ ነቲ ጐንጺ የካውስዎ እሞ፡ ተመሊሶም ዝፈሸለት ሃገር ኢሎም ክጽውዕዋ ይስምዑ ኣለዉ።

ሱዳን ብሽግራት ተዋሒጣ፣ ናይ'ተን ኣብ ወሰናስን ዝርከባ ዝተረስዓ ኣውራጃታታ ጸገማት ምፍታሕ ተሳኢንዋ፣ መራሒኣ፡ ብኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ይህደን፡ ሃገር ድማ ብከቢድ ዝዀነ ቍጠባዊ ቅልውላውት ትሳቐ ኣላ።

ማእከላይ ምብራቕ ብዝምልከት ግን፡ 2011 ዓ.ም ንመጻኢ እምነ-መሰረት ዝኸውን ዓሚቝ ለውጥታት ዝተመዝገበላ ዓመት'ያ ነይራ። ዝሓለፈት ዓመት፡ ብዙሕ ዘይተጸበናዮ ሓደስቲ ለውጥታት ዝተኸስቱላ፡ ብሰንኪ'ቲ ሓያል ህዝባዊ ማዕበል ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ሃዶሽዶሽ ዝበሉላ ታሪኻዊት ናይ መቐይሮ ዓመት'ያ ኰይና። ናይ'ዚ መድረኽ'ዚ መለለዪ ወይ መለክዒ ድማ፡ ሃገራውያን ሓይልታት ዓቕምታቶም ብግቡእ ዝተገንዘብሉ መድረኽ ምንባሩ'ዩ ዘመልክት። እቲ ቀዳማይ ኣብ ነብሱ ተኣማሚኑ ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰውራ፡ ኣብ ቱኒዝያ ዝተባርዐ ሰውራ ኢዩ። ስዒቡ፡ ናብ ግብጺ ተሰጋጊሩ። ብድሕሪኡ ድማ፡ ናብ ሊብያ፡ የመንን ሱርያን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ኣዕራብ ልሒሙ።

እዚ ዘረጋግጾ ሓቂ እንተደኣሃልዩ፡ ህዝቢ ኣብ ባዕላዊ ዓቕምታቱ እንተደኣ ተኣማሚኑ፡ ንሓይልታት ጭቆናን በደልን ክድምስሶም ከምዝኽእል ኢዩ። በዚ ከኣ፡ ናይ ናጽነት ፍትሕን ክብርታት ክብ ኢሉ፤ ክም'ቲ ኣብ ቱኒዝያ፡ ግብጺን የመንን ዝተራእየ ኣብ ናይ ግዳም ሓይሊ ከይተመርኰስካ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ምስግጋር ይከኣል ኢዩ።

fft-festival-2012-5

ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋትን ኣሓትን

እዛ 120 ሽሕ ትርብዒት ኪ.ሚ ዝስፍሓታ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ'ተን 10 ቀዳሞት ዓመታት ናይ ናጽነት እተማልአ ትሕተ-ቅርጺ ክህልዋ ምግባር ይከኣል ነይሩ ኢዩ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ግን  ዘበርከቶ ቍም ነገር የብሉን። ዋላ'ኳ ካብ'ቲ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ዕንወት ውግእ እንተተገላገልና፣ ስርዓት ኤርትራ፡ ነቲ ናይ ህዝብና "ዘይከኣል የለን" ዝብል ናይ ቃልሲ መንፈስ ቀቲሉ፤ ንሓድነት ህዝብና ኣዳኺሙ፤ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሃገሩ ዝነበሮ እምነት ከምዝጐድል ገይሩ ኢዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ እቲ ዓንዲ ሕቆ ሃገርን ኣፍራዪ ሓይልን ዝዀነ መንእሰይ፡ ብብዝሒ ክስደድ ተገዲዱ። ኣብያተ-ማእሰርቲ ብእሱራት መሊኡ። ኤርትራ ድማ፡ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ። ኵሎም ማዕርፎ ነፈርትን ወደባትን ዓለም ከምስደተኛታት ፈሊጦምና። ኤርትራዊ ዜጋን ክፋላት ካብ ኣካላቱን ድማ፡ ግዳይ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባት ኰይኖም ይሽየጡን ይልወጡን ኣለዉ። ከም'ቲ ምስላ ዓረብኛ ዝብሎ "ሃገር ዘይብሉ፡ ክብሪ የብሉን" ኰይኑ ኤርትራዊ ኣብ ትሕቲ'ዚ ስማዊ ናጽነት ተዋሪዱ ይነብር ኣሎ።

ብደረጃ ዓለምናን ዞባናን ድማ፡ ስርዓት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ተነጺሉ፡ ዋላ'ቶም በጻብዕ ዝቝጸሩ ፈተውቱ፡ ካብኡ እናርሓቑ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ።

ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ኣውሃሃዲት ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ ስርሓታ ካብ ትጅምር ገለ ግዝያት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ብጥንቃቐን ከይተሃወኸትን፡ ግን ከኣ፡ ኣቃሊልካ ዘይርአ ስርሓት'ያ ኣካይዳ። ህላዌኣ ኣብ'ዚ ብሰዲህኤ ዝዳሎ ዘሎ ፈስቲቫል ተጠቒማ፡ ቀዳማይ ጕባኤኣ፡ ኣብ'ዚ ቦታ'ዚ ክትገብር ኢያ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ናይ ተነጽሎ ሃለዋት'ዩ ዝነብር ዘሎ፤ ሓጺናዊ ኣተሓሕዛኡ ድማ ክልሕልሕ ጀሚሩ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ስለ'ዚ፡ ኵላትና፡fft-festival-2012-25 ብመሰረት ንልዑል ሃገራዊ መትከላትን ረብሓታትን ዝጣበቕ  ቻርተር፡ ኵሎም ሃገራውያን ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ሓደ  ኣብ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ዝኣምን ሰፊሕ ግንባር ዝጥርነፍሉ ኵነታት ንምፍጣር ክንቃለስ ይግባእ። ንስጕምታትና ዝከታተል ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዘሎ ድማ ክንዝንግዕ የብልናን። ስለ'ዚ፡ ናብ ውሽጢ እነመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ናይ ውሽጥን ናይ ግዳምን ቃልስታት ዘውሃህድ ክኸውን ኣለዎ። መልእኽትና፡ ብረድዮን መርበብ ኢንተርነትን ብክልቲኡ ወግዓዊ ቋንቋታት ዓረብኛን ትግርኛን ከመሓላለፍ ኣለዎ። ከምኡ ውን፡ ካብ ኣስካሪ ጭርሖታት፡ ምጽልላማትን ምቅንጻላትን ዝርሓቑ፡ ዕላማ ዘለዎም ሃገራዊ ናይ ልዝብ መድረኻት ክንከፍት ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ኢዩ። እታ እንቃለሰላ ዘሎና ኤርትራ፡ ከመይ ክትከውን ከምእንደልያ ብዘይ ገለ ጽልግልግ ብግልጺ ዘብርህ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ክህልወና ኣለዎ። ፖለቲካዊ ውሳኔና ድማ፡ ናትና ናይ ኤርትራውያን እምበር፡ ናይ ዝዀነ ይኹን ካልእ ናይ ዞባና ሓይሊ ክኸውን የብሉን።

ክቡራትን ክቡራንን

እምበኣርከስ፡ ብመሰረት ኵሎም ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዘጽድቕዎ ቅዋም እትምሓደር፣ ሰላም፡ ርግኣትን ግዝኣተ-ሕግን ዝሰፈናን ንዅሎም ዜጋታታ እትሓቍፍን ሃገር ንምህናጽ ንቃለስ።

ዕድመ ንህዝቢ ኤርትራ

ሃገርና ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና

ሑመድ መሓመድ ስዒድ ኩሉ

4 ነሓሰ 2012

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity. We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ። ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

إن ا، هو توفير بيئة صحية وحرة للتبادل الحر والبنـــــَّــــاء للرأي بين أصحاب الرأي من مختلف المشارب والمذاهب، أفراداً كانوا أو جماعات. لذلك فالموقع علي استعداد لنشر أية أفكار أو آراء موضوعية عدتها وعتادها الحجة والمنط لهدف الأساس الذي أنشأنا من أجله هذا الموقع الالكتروني علي الشبكة العنكبوتية الدوليةق، وصحيح أنه كما يقولون: ليس هناك أفكار خاطئة ولكن أحكام خاطئة، إلا أن ذلك لا يمنعنا من حقنا في رفض الكتابات التي يتأفــَّــــف حتى أصحابها من نسبها اليهم أو وضع بصماتهم وتوقيعاتهم وعناوينهم الحقيقية عليها ولا يتشرفون بتبنيها أو ادعاء المسئولية عنها، فضلاً عما تعج به تلك الأفكار من سموم مدسوسة وظاهرة وآراء ملـــــــوِّثة للبيئة الفكرية والإنسانية في ارتريا حاضراً ومستقبلاً، وطمس وتزييف للحقائق واغتيال واغتياب معنوي لمن يتصدون للعمل النضالي العام في جسارة وإنكار ذات. إننا ننطلق في مبادئ النشر عندنا من كل ما يشجع علي تبادل الود والاحترام بين الكتاب أنفسهم ونشر التسامح بينهم رغم تباين آرائهم، والعمل سوياً علي البحث والتنقيب عن حلول المشكلات وتقديم البدائل الأفضل، والسعي الي تقريب المسافات وتذويب الفجوات بين مختلف قطاعات شعبنا والتــــَّـــرنـــُّـــم معاً علي أنغام سيمفونية الوحدة والتقارب، لا الألحان النشاز المفسدة لأذواقنا جميعاً.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form