Sunday, May 19, 2013
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ቃል ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ፈስቲቫል 2012፡ ፍራንክፈርት

eda-bannerዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽና ብሓበራ!

ዝኸበርኩም ኣቶ ሓሚድ፡ ድራር ኣቦ፡ መንበር ሰደህኤ!

ዝኸበርክን ወይዘሮ ኤሪካ፡ ፍሮይድሹህ ወኪል ፍራንክፎርት፡ ኣቶ ፐተር ፊልድማን!

ልዑል ግዜኹም ከፊልኩም፡ ንዝተገብረልኩም ዕድመ ኣኽቢርኩም ኣብዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ብምስታፍኩም፡ ንዝተሰመዓና ሓጎስ እንዳገለጽኩ ቃላት እኳ ኣንተውሓደና፡ ብስም እቲ ልዕሊ 7 ኣዋርሕ ኣብ ምድላው ዝጸንሐ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 2012፡ መርሓባ ኣንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ኣናበልኩ  ክብ ዝበለ ምስጋና ኣቕርበልኩም።

ኤደማ ዓመት ዓመት ነዚ ፈስቲቫል’ዚ ከእንግድ፡ ንኹሉ ኤርትራውዊ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ ከምዕላማ ስለዝሓዞ’ዩ። ኩሉ ኤረትራዊ ዜጋ ኣብfft-festival-2012-23 መላእ ዓለምና ዝርከብ በዓል ውራይ ምዃኑ ኣለልዩ፡ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ናይ ገዛ ርእሱ ናይ ስደት ሃለዋቱን ገይሩ ክላዘብ፡ ካብዚ ኣደራሽ እዚ ስንቂ ሒዙ ናብ ቦታኡ ክምለስ ዘማዕደወ’ዩ።

ኤደማ ነዚ መደብ ፈስቲቫል’ዚ ክሰርዕ ከሎ፡ ሓያል ገንዘባዊ ዓቕሚ ስለዘሎዎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ ጉልበትን ተወፋይነትን ኣባላቱ ተኣማሚኑዝዕጠቐሉ ሃገራዊ ውራይ እዩ። ክነኣድን ክምስገንን ዝግባኦ ኣባል እዩ። ኩሉ ተጠቃሚ ናይዚ ፈስቲቫል እዚ፡ ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ክፍልታትን ማሕበራትን ዝደመረ፡ እዚ ማሕበር’ዚ ንዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ቆላሕታ ክገብረሉ ንእግረ መንገድይ እጽውዕ።

እዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል’ዚ ክውን ንኽኸውን ዘኽእሎ ሰናይ ድልየት ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ስለ ዝተሓወሶ ጥራሕ’ዩ። ብጠቕላላኡ ጀርመን ሰብኣዊ መሰላት ዝኽብረሉ ሕግታትን፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ስለዝውንን ኢና ተጠቀምቲ ናይዚ መሰላት’ዚ ክንከውን ዝኸኣልና።

ስለዚ ብክብ ዝበለ ድምጺ ናብ ሓዱሽ ከንቲባ ፐተር ፈልድማን፡ ክመኡው’ ኣብ ምምራሕ ንዝጸንሓ ወይዘሮ ፐትራ፡ ሩት ክብ ዝበለ ምስጋና ብስም ማሕበርናን፡ ተሳታፋይ ናይ’ዚ ፈስቲቫልን’ዚ ነሕልፍ።

ኤደማ፡ ናጻነት ምትእኽኻብ ኣብ ሃገሩ ንዝተሓረሞ ህዝቢ፡ ብጉዳዩ ክዛተ ዕድል ምርካቡ ከም ዓቢ ህያብ ኢና እንሽንሽኖ። ብሓባር ዝተላዘባ ህዝቢ ናይ ሓባር ራኢ ሒዙ፡ ንናይ ሓባር ጸላኢኡ ክምክት እዩ ዝብል ዕግበት ስለ ዘሎና።

fft-festival-2012-6

ሎሚ፡ ዝተፈላላየ ዛዕባ ሒዞም ኣስተምህሮ ዝህቡና ክኢላታኣት ኣድሊናልኩም ስለዘሎና፡ ነዚ ዕድል እዚ ክትጥቀሙሉ ተስፋ ንገብር። ብተወሳኺ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቫልና ንዓኻትኩም ንምእንጋድ ኣዳልዩዎ ዘሎ ሽሻይ ሻማ-ሻማ ኢልና ክንውድኦ እሕብር።

ብሩኽ ምጅማርን ምውዳእን ፈስቲቫል ይግበረልና።

ዝን ኢልኩም ብምስማዕኩም የቕንየለይ።

ተስፋማርያም፡ ክብርኣብ ኣ/መ/ኤደማ 04.08.2012

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity. We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ። ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

إن ا، هو توفير بيئة صحية وحرة للتبادل الحر والبنـــــَّــــاء للرأي بين أصحاب الرأي من مختلف المشارب والمذاهب، أفراداً كانوا أو جماعات. لذلك فالموقع علي استعداد لنشر أية أفكار أو آراء موضوعية عدتها وعتادها الحجة والمنط لهدف الأساس الذي أنشأنا من أجله هذا الموقع الالكتروني علي الشبكة العنكبوتية الدوليةق، وصحيح أنه كما يقولون: ليس هناك أفكار خاطئة ولكن أحكام خاطئة، إلا أن ذلك لا يمنعنا من حقنا في رفض الكتابات التي يتأفــَّــــف حتى أصحابها من نسبها اليهم أو وضع بصماتهم وتوقيعاتهم وعناوينهم الحقيقية عليها ولا يتشرفون بتبنيها أو ادعاء المسئولية عنها، فضلاً عما تعج به تلك الأفكار من سموم مدسوسة وظاهرة وآراء ملـــــــوِّثة للبيئة الفكرية والإنسانية في ارتريا حاضراً ومستقبلاً، وطمس وتزييف للحقائق واغتيال واغتياب معنوي لمن يتصدون للعمل النضالي العام في جسارة وإنكار ذات. إننا ننطلق في مبادئ النشر عندنا من كل ما يشجع علي تبادل الود والاحترام بين الكتاب أنفسهم ونشر التسامح بينهم رغم تباين آرائهم، والعمل سوياً علي البحث والتنقيب عن حلول المشكلات وتقديم البدائل الأفضل، والسعي الي تقريب المسافات وتذويب الفجوات بين مختلف قطاعات شعبنا والتــــَّـــرنـــُّـــم معاً علي أنغام سيمفونية الوحدة والتقارب، لا الألحان النشاز المفسدة لأذواقنا جميعاً.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form