Thursday, May 23, 2013
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ብኣባል ባይቶ ዝምራሕ ‘’ካብ ባይቶ ነጻ ዝኾነ’’ ማሕበር

ከምቲ ‘’ንሰፍላላስ ይፈጥረላ’’ ዝበሃል ምስላ ወለዲ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ካልእ ጸገሙ ገዲፍካ ብብግዜኡ መዛረቢ ዛዕባ ሓሪምዎ ኣይፈልጥን እዩ። እቲ በብግዜኡ ብውድባት፡ ሰልፍታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዝካየድ ዘይምእኩት ምንቅስቓሳት ከይሓወስካ፡ ዋዕላ ኣቃቂ፡ ናይ ኤርትራውያን ምሁራት ኣኼባ፡ ናይ መራሕቲ ውድባት ኣኼባን ጉባአ ኣዋሳን በብግዜኦም ኣዛረብቲ ነይሮም። እነሆ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ኣብቲ ልሙድ ናይ ኤርትራዊ ዋዕላታትንን ጉባአኤታትን መረበት ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ደብረዘይቲ(ቢሽፍቱ) ዝተኻየደን ስያመኡ መሊኡ ዘይተጻረየን ‘’ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ምትእኽኻብ’’ ተኻይዱ። ብዝኾነ እዚ ኣጋጣሚዚ’ውን ኤርትራዊ ተረኽቦ ስለ ዝኾነ ከምቲ ዝሓለፈ ተመኩሮታት ኣዛራቢ ክኸውን ናይ ግድነት እዩ። እቲ ምዝራብን ምጽሓፍን ከከምቲ ናብቲ ናይቲተረኽቦ ሓበሬታ ዘለካ ቅርበት ዝካየድ ስለ ዝኾነ ተሳተፍቱ ዝያዳ ክዛረብሉ ናይ ግድን ነይሩ። ተዛሪበምሉ ኸዓ’ዮም። ናይ ጋዜጠኛ ቴድሮስ መንግስቱ ተኸታተልቲ ዜናዊ ጸብጻባት ካብ ቦታ ኣኼባ፡ ናይ ‘’መንእሰይ’’ ዶ/ር መሓመድ ኬር   ተደጋገምቲ፡ ተጻባእትን ካብ ክሎም ወጻኢ ዝሓባሉቑን ዘጸልሙን ሓተታታት ከምኡ’ውን ናይ ጋዜጠኛ  ኣማኑኤል ኢያሱ ትዕዝብቲ ካብቶም ብተሳተፍቲ ደብረዘይቲ ዝቐረቡ ርኢቶታት እቶም ውሑዳት እዮም።

ብርግጽ እቶም ቀንዲ ዋናታት ኣኼባ ደብረዘይትን ውጽኢቱን እቶም ኣብኡ ዝተሳተፉ መንእሰያትን ሽማግለታትን እዮም። እዚ ኣብቲ ዛዛሚ ጋዜጣዊ መግለጺኦም’ውን ኣነጺረምዎ እዮም። ደረቶም ሓሊፎም ንኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ኢና እንውክል ዘይምባሎም ድማ ካብ ጉባአ ኣዋሳ ዝተመኮሩ ይመስሉ። እንተኾነ እቲ ዛዕባ ኤርትራዊ ስለ ዝኾነ ንዘይተሳተፉ ኤርትራውያን እውን ከሳሕዮምን ንዝንኣድ ክንእዱን ንዝንቀፍ ክነቕፉን ግድነት እዩ። እዚ ተበግሶኦም ሓላፍነታዊ ሰማዒ እዝኒ እንተረኺቡ ሓጋዚ ከም ዝኸውን ድማ እሙን እዩ። ከም ናይ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዝካየዱ ኣኼባታ ተመኩሮ እቶም ዝወዓልሉ ሐሕማቑ ከዊሎም ክንእዱ ዝተለምደ እዩ። ስለምንታይ ናይቲ ዝተሳተፍሉ ኣጋጣሚ ድኽመታት ምጥቃስ ከም ነቶም ካብ ቅድም ጀሚሮም ነቲ ምግባእ ዝቃወምዎ ዝነበሩ ኣካላት ምሕጓስ ገይሮም ስለ ዝቖጽርዎ። እንተኾነ እቲ ባዕልኻ ብዛዕባ ድኽመትካ ዘይምዝራብ ሃስያኡ ከምቲ ‘’ ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ አውሱ’’ ምዃኑ ከቶ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ብናተይ ሚዛን እዚ ናይ ደብረዘይቲ ኣጋጣሚ ካብ ዝፍጸም ድሮ ሰሙናት ስለ ዘሕለፈ፡ ተሳተፍቲ’ውን ነናብቲ ዝነቐልሉ ስለ ዝተመልሱ እቲ ሓበሬታ እንተላይ’ቲ ናይ ውሻጠ አባሂሉ ተታሒዙ ዝነበረ ኣብ ኢድ ኩሉ ስለ ዝበጸሓ ደብረዘይቲ ዘይወዓሉ’ውን ርኢቶ ክህቡ እዋኑ እዩ።

ቅድሚ ኩሉ ኣነ ብርኢቶይ መንእሰያት እንተደለዩ፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ኣብ ዝዓገብሉ ውድብ ክስለፉ ወይ ድማ ናቶም ውድብ ክምስርቱ መሰሎም ስለ ዝኾነ ንምታይ ተኣከቡ ኣይብልን። ድሕሪ ነቲ ምእካቦም ብመትከል ምቕባሉ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ዝመረጽዎ ኩለመዳያዊ ኣገባብ  ሕቶ ክለዓልን ዝተፈልየ ሚዛን ክቐርብን ግና ባህርያዊ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ሓቀኛ ዝተኣከብሉ ዕማም ሓቢኦም፡ ማሕበ ኢና እንተዘይብሉና መመረጽኩ። ስለምንታይ ነቲ ‘’ ፖለቲካዊ ውድብ ምስ ኰኑ በዓል ዶ/ር መሓመድ ኬር፡ ዮሴፍ ገብረህይወት፡ መሓሪ ኣብርሃ፡ ኣመሃጼን ደመኒኮ፡ ሚርያም፡ ኣማኑኤል ሳህለ …ወዘተ፡ ገለ ካብ መራሕቶም ክኾኑ’ዮም’’ ዝብል ናይ ገዛገዛ ሰላሕታዊ ወረ  ንግዜኡ ንጐኒ ገዲፍካ ፖለቲካዊ ውድብ ብዛዕባ ምዃኖምስ ሓያሎ ካብ ተሳተፍቲ ‘’ ንግዜኡ ደኣ ኣብ ልብኹም ግበርዎ’ምበር’’ እንዳበሉ ዘውርይዎ ዘለዉ እዩ። ብዝኾነ ‘’ናይ ደንበ ተቓውሞ ጸገም ደኣ ዋሕዲ ውድባት ምዓስ ኮይኑ’’ ዘበል’ኳ እንተኾነ ካብ መረጽዎስ ‘’ጻዕዳ ይጽናሕኩም’’ ምባሎ’ዩ።

ብዙሓት ወገናት ነዚ ናይ ደብረዘይቲ ኣኼባ ካብቲ ዝሓለፈ፡ እሞ በበቲ ብድሕሪኡ ዝመጸ ተመኩሮ ዝተነወረን ዝተነድሐን፡ ምሕዝነት፡ ኪዳን፡ ኮሚሽን፡ ባይቶ ዝሓሸን ተስፋ ዝንበረሉን እዩ ክብሉ ይስምዑ እዮም። ከምኡ ኢሎም ዝጸሓፉ’ውን ኣለዉ። እዚ ክትሰምዕ እንከለኻ ‘’ኣፍኩም መዓር ይምላእ’’ ኢልካዮ ክትሓልፎ ትደሊ’ሞ እቲ ከምዚ ንምባል ዘቕርብዎ መርተዖታት ኢድካ ምምላእ ምስ ኣበየካ ‘’ኣይፋሉን’’ ክትብል ትግደድ። ነዚ ናይ ደበረዘይቲ ተረኽቦ ምስ ኩሎም እቶም ሕጂ መምስ ሓለፉ መሕጨጪ ኮይኖም ዘለዉ ተመኩሮታት ምውድዳር ነዊሕ መንገዲ ስለ ዝኾነ፡ ምስቲ ምዕባዩ ማለት ምስ ጉባአ ኣዋሳ ጥራይ ምውድዳሩ ዝሓጸረ መንገዲ ይመስለኒ። እዚ ክበሃል እንከሎ  ናይቲ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብኩለንተናኡ እንተላይ በቶም ዝወዓልዎ ዝንቀፍ ዘሎ ጉባአ ኣዋሳ ዘራይ ኮይንካ ንምቕራብ ኣይኮነ።

ክሳብ ሕጂ ከም ዘተረደኣኒ ናይ’ዚ ናይ ደበረዘይቲ ኣጋጣሚ ብልጫ ተባሂልም ዝጥቀሱ ዘለዉ፡ ተሳተፍቱ መንእሰያት ምዃኖም፡ ህጹጽነት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ተረዲኡ ማሕበር ንምምስራት ናይ ተግባር ስጉምቲ ምውሳዱ ካብቶም ብዓውታ ዝግለጹ ዘለዉ ነጥብታት እዮም። ምናልባት ደኣ እታ ተሳተፍቱ መንእሰያት ምንባሮም እትብል ሓረግ እምበር፡ እቲ ካልእ ምኽንያትስ ኣብ ባይቶ ኣዋሳ ዝተዋህቦ ክብደት’ኳ ይዓዝዝ። ደሓር እዛ ህጹጽነት እትብል ሓረግ ንናይ ኩሉ ዝሓለፈ ዘይብሱል ስጉምትታት ከም መኸወሊ ከተገልግል ዝጸነሓት እያ። እምበርከ ነቲ ‘’ ተሃዊኸን ይደፍእኦ’ሞ ተመሊሰን ይኣርይኦ’’ ዝበሃል ምስላ ወለድናስ ነቕልበሉዶ ኣለና።

ኣብዛ ናይ ዕድመ መቐየሲት ሓረግ፡ እንተመጻእና’ውን ምናልባት ደኣ መብዛሕተኦም መንእሰያት ክንብል እንተዘይኮይና፡ ነቶም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ በዓል ኣማንኤል ሳህለ፡ ኣመሃጼን ደመኒኮ፡ ዶ/ር መሓመድ ኬር፡ ሚርያም፡  መሓሪ ኣብረሃ .. ወዘተኸ ኣበይ ከነእትዎም። ናይ ደቂ 45ን 50ን ዓመት ዝዕድሚኦም እንተ ኣልዒልናን እቲ ገደብ ናይ ንእስነት ከምቲ ክሳብ ሕጂ ንርደኦ 35 ዓመት እንተወሲድናሞ ኸዓ፡ እቲ ሓቀኛ ናይ መንእሰይ ዝዕድሚኡ ተሳታፊ ናብ ዝወሓደ ቁጽሪ ከይወርድ የስግእ እዩ። እስኪ ምስቲ ባህላዊ ናይ ዕድመ ኣመዳድብና ዝምልከት ‘’ወዲ ኣርበዓ ዘርባዕበዓ’’ ዝብል ብሂል ነወዳድሮ። ደሓን ነቲ ናይ ዕድመ ምጽብጻብ ንግዜኡ አዲፍና፡ ‘’ብዕድመ ንኡስ ምዃን ጥራይ ቅኑዕን ኣርሒቑ ዝርእን ካብ ድሑር ሕማማት ዝነጸሀ፡ ሓሳብ ናይ ምውናን ውሕስነት ከም ዘየብሉ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ስለምንታይ ከምኡ እብል ኣለኹ ብዘይተጉላባ ንዛረብ እንተ ኢልና፡ ሎሚ ብዙሓት መንእሰያት ጸቢብ ዓዳዊ፡ ዓሌታዊ፡ ሃይማነታዊ፡ ናይ ዕድመን ዝኣመሰሉን ድሑር ሕማማት እሱራት ክኾኑ ምዕዛብ ዝተለምደ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ብስምዒት ንብዕድመ ንኡስ ናይ ቅንዕና፡ ንብዕድመ ዝደፈአ ድማ ናይ ድሕረት ሊቸንሳ ከይንልጥፍ ክንጥንቀቕ ይግበኣና።

ናይ ሓደ ከምዚ ናይ ደብረዘይቲ ዝኣመሰለ ተረኽቦ ዓወት ዝምዘን ኣብቲ ናይ ኣኼባ መዓልታት ብዝፍጠር ሙቐት፡ ዝቃላሕ ጭረሖታትን ዝውሰን ውሳነታትን ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ዝገፈሐ መድረኽ ወጺእካ ብዝካየድ ናይ ተግባር ምንቅስቓስ እዩ። ኣብ ተመኩሮና ኣይኮነንዶ ከምዚ ንዛረበሉ ዘለና ‘’እዚ ሰነድ’ዚ ኣጽዲቐ’ኳ ክብል ዘይከለ ልዝብ/ርክብ፡ ዘወናውን ሰነዳት ኣጽዲቑ ክንሱ፡ ኣብ ናይ ተግባር ፈተና ክሓልፍ ዘይከኣለ ተመኩሮታት ስለ ዘለና። ስለዚ ንኣኼባ ደብረዘይቲ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ኮንካ ብልዕሊ ዓቕሙ ናእዳታት ምጽዓኑ ምሽህራቱ እምበር ምሕጋዙ ኣይኮነን። ምንቃፉ ድማ ከይዝንጋዕ ንምዝኽኻሩ’ምበር ንምዕቅፉ ኣይኮነን። ጉባአ ኣዋሳ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ‘’ ነዓይ ርኢኹም ተቐጽዑ’’ ዝበለ’ውን ካብዚ ነቒሉ ይመስለኒ። እቲ ንኹሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝትከል ናይ ኣኼባ መኣድታት ክልዓል እንከሎ ናይ መልዓል መኣዲ ጸሎት ‘’ስብሃት-ለኣብ’’ ብምድጋም ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎ ጋዜጠኛ ሓው ኣማኑኤል ኢያሱ ኣብ ትዕዝብቱ ንርክብ ብሽፍቱ፡ እቶም ተሳተፍቲ ዝምዘኑ ኣብ ነንሕድሕዶም ብምንእኣድ ዘይኮነስ ነቶም ኣብቲ ውራዮም ዘይወዓሉ ብምዕጋብ ምዃኑ ንምርዳእ “ቁሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ሃብታማት፡ ‘ቶም ድኻታት ከ? ንሳቶም ደኣ ትሑዛት” ዝበሎ ምጥቃስ ይከኣል። ሓው ኣማንኤል ኢያሱ ነዛ ምስላ’ውን መንእሰይ መንእሰይ ንክትጭንወሉ መጥባሕቲ ከካይደላ ተዘይደልዩ “ቁሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ክዱናት፡ ዕሩቓትከ? ንሳቶም ደኣ ትሑዛት’’ እያ ተበሃል።

እቲ ካልእ ትሕዝቶ ናይ ደብረዘይቲ ካብ ናይቲ ሎሚ ‘’ወፊርካ ኣይትእቶ’’ ዝበሃል ዘሎ ኣብ ግዜኡ ግና ክንደይ ዳንኬራ ዝተወቕዓሉ ጉባአ ኣዋሳ ዝተፈልየ ባህሪ ኣይነበሮን። ወረ ብገለ ሸነኹስ ናይ ኣዋሳ ጉባአ ዝበልጸሉ ኣሎ። ብዙሓት ካብዞም ኣብ ደበረዘይቲ ዝቐነዩ ንጉባአ ኣዋሳ 600 ሰባት ስለ ዝተሳተፍዎን 127 ዝኣባላቱ ባይቶ ስለ ዝመረጸን ጥራይ ሰማይ የዕርግዎ ነይሮም። ሕጂ ድማ መዕየሪ ቀይሮም ነዚ ሽማግለታት ወሲኽካ 200 ዝተሳተፍዎን ብኽንደይ ቀይቀይ 21 ዝኣባላቱ ባይቶ ብምምራጹ ልዕሊ’ቲ 600 ዝተሳተፍዎ ኣዋሳዊ ዕዉት ነይሩ ይብሉ ኣለዉ። በዚ ኣተሓሕዛኦም ንዓመታ ንዝመጽእ ኣበየናይ ከተማ ይጋባእ ብዘየገድስ’ውን ከምኡ ክብልዎ ይኾኑ። ግና ስለምንታይ ንዓሚ እናረሳዕካ ሎሚ ዘበን ይሓይሽ? መሕደሲ ምዃንን ደድሕሪ ሓድሽ ንፋስ ምጉያይን ከኣ ዋላ ብባህልና’ውን ንኡድ ኣይኮነን።

ተሳተፍቲ ጉባአ ኣዋሳ ምስ ደብረዘይቲ ክወዳደሩ እንከለዉ፡ ብጾታ፡ ብዕድመ፡ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ብደረጃ ትምህርቲ፡ ብሃይማኖትን ብብሄርን ዝያዳ ብዙሕነት ነይርዎም። ከምኡ ኮይኑ ግና ውጽኢቱ እዚ ንርደኦ ዘለና’ዩ። እዚ ዳሕረዋይ መድረኽ ግና ንሓደ ጽላት ሕብረተሰብና ጥራይ ተመጢኑ ዝተሰርሐ ጸቢብ ሜዳ እዩ። ጉዳይ ኣጀንዳ፡ ጉዳይ ኣመጻጸኣ ተሳተፍቲ፡ ጉዳይ ኣመራርጻ መሪሕነት ከም መዕቀኒ እንተወሲድና’ውን ደበረዘይቲ ኣብ ልዕሊ ኣዋሳ መን ከማይ ትብለሉን ትንየተሉን  ግነዖ የብላን።

ጉዳይ ኣመራርጻ መሪሕነት ኣብ ደረዘይቲ ካብ ኣዋሳ ዝሓሸ ነይሩ ተባሂሉ። ግና ድማ ኣብ ውጽኢቱ ስኽፍታ ከም ዘሎ ኣብ’ቲ ናይ መወዳእታ ጋዜጣዊ መግለጺ ብወግዒ ተሓቢሩ እዩ። ሓው ኣማኑኤል’ውን ነዚስ ኣይሓበኦን። እኳደኣ ነቲ ዝነበረ ሃዋህው ኣብ ግምት ኣእትዩ ‘’ብሕልፊ ኣብ ምምራጽ መሪሕነት ዝተጻፈፈ፡ ጽሑፍ ቅጥዒ ምርጫ እንተዘይሃልዩ፡ ዝደለዩዎ ውልቀሰባት ኮነ ውዱባት ኣካላት ነቲ ድኻም ክብለጹሉን ክምዝምዙዎን ዕድል ከምዝኸፍት ክሰሓት የብሉን።’’ ብዝብል ኣሕፊሱ ገሊጽዎ’ዩ።

ኣብ ጉባአ ኣዋሳ ንዝምድና ኪዳንን ባይቶን ዝምልከት ከይበሰለ ብምውጻኡ እንታይ ከም ዘስዓበ  ኩሉ ዝፈልጦን ክሳብ ሕጂ ዘይጸሓየን እዩ። ሕጂኸ ዝምድና ውጽኢት ደብረዘይትን ባይቶን ከመይ’ዩ? ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ባይቶ ነጻ ዝኾነ ማሕበር ከም ዝተመስረተ ብብሩህ ኣንቢብና። እንተኾነ ናይዚ ካብ ባይቶ ነጻ ዝኾነ ማሕበር ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣባል ባይቶ ምዃኑስ ብኸመይ እዩ ክመሓደር።

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity. We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ። ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

إن ا، هو توفير بيئة صحية وحرة للتبادل الحر والبنـــــَّــــاء للرأي بين أصحاب الرأي من مختلف المشارب والمذاهب، أفراداً كانوا أو جماعات. لذلك فالموقع علي استعداد لنشر أية أفكار أو آراء موضوعية عدتها وعتادها الحجة والمنط لهدف الأساس الذي أنشأنا من أجله هذا الموقع الالكتروني علي الشبكة العنكبوتية الدوليةق، وصحيح أنه كما يقولون: ليس هناك أفكار خاطئة ولكن أحكام خاطئة، إلا أن ذلك لا يمنعنا من حقنا في رفض الكتابات التي يتأفــَّــــف حتى أصحابها من نسبها اليهم أو وضع بصماتهم وتوقيعاتهم وعناوينهم الحقيقية عليها ولا يتشرفون بتبنيها أو ادعاء المسئولية عنها، فضلاً عما تعج به تلك الأفكار من سموم مدسوسة وظاهرة وآراء ملـــــــوِّثة للبيئة الفكرية والإنسانية في ارتريا حاضراً ومستقبلاً، وطمس وتزييف للحقائق واغتيال واغتياب معنوي لمن يتصدون للعمل النضالي العام في جسارة وإنكار ذات. إننا ننطلق في مبادئ النشر عندنا من كل ما يشجع علي تبادل الود والاحترام بين الكتاب أنفسهم ونشر التسامح بينهم رغم تباين آرائهم، والعمل سوياً علي البحث والتنقيب عن حلول المشكلات وتقديم البدائل الأفضل، والسعي الي تقريب المسافات وتذويب الفجوات بين مختلف قطاعات شعبنا والتــــَّـــرنـــُّـــم معاً علي أنغام سيمفونية الوحدة والتقارب، لا الألحان النشاز المفسدة لأذواقنا جميعاً.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form