መደረ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2012
ክብርቲ ልኡኽ ከንቲባ ፍራንክፈርት ወ/ሮ ኤሪካ ፍሮንድሻው፤
ክቡር ወኪል ሶሻል ዲሞክራሲ ስልፊ ሽወደን - ኡፕሳላ ኣቶ ካርል ሊንድበርግ፤
ክቡር ኣቦመንበር ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣቶ ሁመድ መሓመድ ኩሉ፤
ከቡር ወኪል ማሕበር መንእሰያት ሽወደን ኣቶ መስፍን በርሀ፤
ዝኸበርኩም ኣባላት ተቓውሞ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን፤
ዝኸብርኩም ኣባላት ኤርትራምዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽምግለ ፈስቲቫልን፤
ክቡራት ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን መላእ ኣባላት ሰልፍን፤
ዝዓዘዘኩም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል፤
በዚ ዓቢ ዕለት’ዚ ኣብዚ ብሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ዝካየድ ዘሎ ኤርትራዊ ፈስቲቫል ተረኺበ፡ ቃል ሰልፊ ከስምዕ ከሎኹ፡ ዝስመዓኒ ሓጎስ ወሰን ከም ዘይብሉ እናገለጽኩ፡ ዓዚዝ ሰላምታይ ከምሓላልፍ እፈቱ። እዚ ፈስቲቫል’ዚ ኣብ እውን ጾመ ሮሞዳን ይካየድ ብምህላዉ ድማ “ሮሞዳን ከሪም” እናበልኩ፡ ንሃገርና ኤርትራን መላእ ህዝባን፡ ናይ ኦኣወትን በረኸትን ወርሒ ክኸውን ሰናይ ምንዮተይ አመሓላልፍ።
ነቶም ነዚ በዓል’ዚ ዕዉት ንምግባር፡ ለይትን መዓልትን ብምንቅስቓስ፡ ኣብዚ ዘብጻሕኩምና፡ ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለን፣ ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ዞባ ኤውሮጳ፡ ንኡስ ዞባ ጀርመንን፡ ኣውራ ድማ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኣን፡ ብስም ሰልፊ፡ ልዑል ኣድናቖትን ምስጋናን እናመሓላለፍኩ፣ ከምዚ ዝበለ ምስንዳእን፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን፡ ንህዝብና ተስፋ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ድማ ራዕዲ ምኳኑ ኤረጋግጽ።
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ
ዓሚ ከምዚ ሎሚ ኣብዚ ኣደራሽ’ዚ ተኣኪብና ከንብዕል እንከሎና፡ ሰልፍና ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣካይዱ፡ መደባት ዕዮኡ ሓንጺጹ፡ ንስራሕ ንበገስ ኣብ ዝበለሉ፡ ስውእቲ ሓፍትና ወይዘሮ ጻዕዳ ኣብ መንጎና ተረኺባ፡ ናይ ሰናይ ትምኒትን ተስፋን ዕታሮ ዕምባባ ሒዛ ኣጆኹም ዝበለትሉ እዋን ነበረ። ሕጂ ነዚ ፈስቲቫል’ዚ ክንከፍት ከሎና ድማ ንስውእቲ ጻዕዳ፡ ብኽብሪ ክይዘከርና ክንሰግር ኣይንኽእልን። ከምኡውን እቲ ንእስነቱን መላእ ህይወቱን ንረብሓ ሃገር ኣወፍዩ ን45 ዓመታት ዝኣክል፡ ክምህ ከይበለ ክቃልስ ዝጸንሐ ኣባል መሪሕነት ሰልፍና፣ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ካብ መንጎና ብመጭወይቲ ተፈልዩ፡ ይሳቐ ምህላው እናዘከርና፡ ኩሉቲ ወሮ ጽዕዳን መሓመድ ዓሊን ዝተወፈይሉ ዕላማታት ተኸቲልና ክሳዕ መላእ ዓወት ህዝብና፡ ክንቃለስ ምዃንና፡ ቃለ መብጽዓ ንኣቱ።

ሰልፍና፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰልፊ መትከልን ሰልፊ ሓድነትን እዩ። ካብቲ ቀንዲ ዓወታቱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን፡ ዝጸንሐ፡ ክሳብ ደማዊ ውግእ ሓድሕድ ድማ ዝበጽሐ ፍልልያት፡ ጽልእን ቅርሕንትን ስዒሩ ሓደ ውድብ ክምስርትን ከደልድልን ዝኸኣለ ሰልፊ እዩ። ንሓድሕዳዊ ተጻብኦታት ሰጊሩ፡ ናብ ሓደ ሰልፊ ምምስራት ምብቃዑ፡ ድማ ቀሊል ጉዕዞ ኣይነበረን። ናይ እንካን ሃባን፡ ናይ ምጽውዋር ባህሊ ክነጥሪን ክንውንኖን ነይሩና እዩ። ኣብ መድረኽ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ከም ሰልፊ ኣብ ሓደ ርእይቶ ክበጽሑ ዝኸእሉ፡ ሸነኻትን ውልቀሰባትን እውን ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ መስሪትና፡ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ኣቚምና ክንንቅሳቐስ ጀሚርናስ ንመላእ ህዝብና ተስፋታት ዓወት እነስርጸሉ ዕውደ ስራሕ ኣብ ምህንዳስን፡ ሓድሽ መደባት ሓንጺጽና ኣብ እንዋፈረሉን መድረኽ ኣቲና ኣሎና።
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ
ብፍላይ ኣብዚ መድረኽ’ዚ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝነብሮ ዘሎ ሃለዋት፡ ናብ ዝኸፍአ ደረጃኡ ወዲቁ ምህላው፡ ሃገርና ድማ ብሰንኪ ፖሊሲታት ናይዚ ስርዓት’ዚ ካብ ኣህጉር ተነጺላ ከም ዘላ፡ ብምረት እነልዕሎ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ። እቶም ናብ ትምህርትን ሃገራዊ ልምዓትን ክዋፈሩ ዝነበሮም መንእስያት ሃገር፡ ክፋል ዕድሜኦም ተሰሪቑ፡ ንኣስገዳድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ወይ’ውን ንስደትን ሓደጋታትቱን ተሳጢሖም ክሳብ ኣካላቶም ናብ ገበነኛታት ነጋዶ ዘድቕ ኮይኑ ናብ ዕዳጋ ኣካል ሰብ ከም ዝዝርግሑ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ህዝብና ድኽነትን ጥሜትን ሳዕሪሩ፡ ኣሎ። ሓያሎ ካብ ክፍልታት ህዝብና፡ ኣደዳ ማእሰርትን ስቅያትን ኮይኖም ኣለዉ። እዚ እቲ መሪር ሃልዋት እዩ። ይኹን’ምበር ሓደ ሓቂ ድማ ኣሎ። ንሱ ድማ ህዝብና ንይ ልውጢ ቃልሱ የሕንን ምህላዉ እዩ። ስቅያት ህዝብና ፍታሕ ዝረክብ ህልዊ ስርዓት ተሳዒሩ፡ ብህዝባዊ ቅዋማዊ ስርዓት ምስ ዝትካእ ምዃኑ ተደጋጊሙ ተረጋጊጹ እዩ። ንሕና ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድማ፡ እዚ ስርዓት’ዚ ኣሪጉ እዩ፤ ኣብ ብልሽውና ተሸኪሉ ትልኽ ዝብል ዘሎ ስርዓት እንተዘይኮይኑ፡ ዝሰርሕ ትካላት የብሉን ካብ ዝብል ኣምንቶ ተበጊስና፡ ብዘይካ፡ ወድቀትን ዕንወትን ካልእ መዋጽኦ ከም ዘይብሉ ንግምግም። ስለዚ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ናይቲ ስርዓት ኣካል ወይ ደጋፊኡ ምዃን ንገዛእ ርእስኻ ኣብ’ቲ ናይ ውድቀት ታኼላ ምሽካል ስለ ዘኾነ፡ መላእ ህዝብና ተሪር ተቓውሞኡ፡ ብኣድማዒን ምርኡይን መንገዲ ከዘውትር፡ ካብዚ መድረክ’ዚ ጸዋዒትና ነሐድስ።
ደጋጊምና ከም ዝጠቐስናዮ፡ ነዚ ስርዓት’ዚ ንምውዳቕ እንጥቀመሉ ኣገባብ ቃልሲ፡ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ምዃኑ ሕጂ እውን ከየስመርኩሉ ክሓልፍ ኣይክእልን። እዚ ኣገባብ’ዚ ናይ ምድኻም ወይ ኢድ ምሃብ ምርጫ ኣይኮነን። ናይ ቃልሲ ምርጫ እዩ። ህዝባዊ ናዕቢን እምቢታን ዘረጋግጽ ምርጫ ተጋድሎ እዩ። መስዋእቲ ዝኽፈለሉ ብማንም ክነዓቕ ዘይክእል ሓያል ምርጫ እዩ። ኣውራ ድማ ስልጣን ንህዝቢ ዘረክብን ኣብ መንጎ ፖሊቲካውን በርጌሳውን ውድባት ምውህሃድ ዝፈጥርን ኮይኑ ንሓዋሩ፡ ደሞክራስያዊ ሰላማዊ፡ ምዕቡል ኣገባብ ምቅብባል ስልጣን ዝፈጥር እዩ።
እዚ ኣገባብ’ዚ ነቲ ጐነጻዊ ኣገባብ፡ ቃልሲ ዝተጠቕመ፡ ተመክሮ ህዝብናን፡ ኣብ ኣኣምሮ ዝሰረጸን ባህሊን ዝምልከት ብምንባሩ፡ ከም ናይ ቃልሲ ምርጫ ክንወስዶ እንከሎና፡ ቀሊል ብድሆ ኣይነበረን። ማለት፡ ሰላማውን ደሞክራስያውን ቃልሲ፡ ናይ ኣገባብ ወይ ስልቲ ለውጢ ቅድሚ ምዃኑ ናይ ኣተሓሳስባ፡ ለውጢ ምክያድ ከም ዘድሊ ኣናተገንዘብና ኢና መሪጽናዮ። ነዚ ድማ ሰፊሕ ምንቅስቓስን ምልዕዓልን ከነካይደሉ ነይሩና። እቲ ብዓረባዊ ቀውዒ ዝፍለጥ፡ ኣብ ከባቢና ዝተራእየን፡ ዘይፈርስ ዝመስል ንዝነበረ ስርዓታት ዘፍረሰን ህዝባዊ ናዕብታት ድሕሪ ምግሃዱ ግን፡ እዚ ኣረዳድኣ’ዚ ኣብ ህዝብና ባይታ ረኺቡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሱር ሰዲዱን ወድዓዊ ተቐባልነት ረኺቡን፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኣህጉር፣ ብሰላማዊ ሰልፍታት ዝግለጽ ህዝባዊ ምልዕዓላት ክስስን ንርኢ ኣሎና። እዚ ምጅማር ናይ መወዳእታ ናይቲ ስርዓት’ዩ ዝብል እምንቶ ኣሎና።

ክቡራት ኣኼበኛታት
ንሕና ከም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ መጠን፡ ሓደ ኣካል ናይ ተቓውሞ ኤርትራ ኢና። ለውጢ ክንብል ከሎና ድማ ካብ ተስፋ ፈሊና ኣይንርእን። እቲ ኣብ ሃገርና ክረጋገጽ እንደልዮ ለውጢ፡ ንተስፋታት ህዝብና ዘዐንብብ፡ እምበር ንተስፋታት ዝቐትል ኣይኮነን። ምዕቃብ ተስፋታት ህዝብና፡ መሰረታዊ ናይ ኣሰራርሓ ስልትና እዩ። ምኽንያቱ ድማ ተስፋን ትጽቢትን ክጽንቀቕ እንከሎ፡ እቲ ሰልፊ ንባዕሉ ናብ ዓቕምታቱ ዝጽንቀቕ ኩነት ከም ዘምርሕ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ኣብ ታሪኽ ህዝብና እውን እንተኾነ፡ ንመግዛእቲ ክንስዕር፡ እንከሎና፣ መላእ ህዝብና ክኸትት እንከሎ፣ ናይ ለውጢ ተስፋ ዓቲሩ ናይ ዓወት ርጉጽነት ኣሚኑ ስለ ዝተጋደለ ኣምበር፡ ሓያል ናይ ወጻኣኢ ደገፍ ስለ ዝነበሮ፡ ወይ ናይ ብዝሒ ሰራዊትን ዕጥቅን ጸብለልታ ስለ ዝነበሮ ኣይኮነን። ናይ ኣእምሮ ወሳንነትን ናይ ርጉጽ ተስፋ ጸብለልታን ስለ ዘረጋገጸ ግን ዓወት ጨቢጡ። ሕጂ’ውን ናይ ለውጢ ተስፋ ኣሎ። እቲ ዓወት ድማ ኣብ ደረት ትርኢት በጺሑ እዩ ዝብል እምንቶ ኣሎና።
ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ንሃለዋት ተቓውሞ ክጠቅስ እፈቱ። ሓይልታት ተቓውሞ፡ ብብዝሒ ዝስስን ዘሎ ምዃኑ፡ ዝሰሓት ኣይኮነን። እዚ ነቲ ተስፋታት ዘዐንብብ ኩነት እዩ። ግን ድማ እዚ
ሓይልታት’ዚ ቅልጡፍ ለውጢ ከረጋግጽ ብዝኽእል መንገዲ ሓይልታቱን ዓቕምታቱን ዝጠራንፈ ኣይኮነን። ሓሓሊፉ እውን፡ ንጉዳዩ፡ ብሓይልታት ወጻኢ ከም ዝዝወር ዝገብር ሽነኻት ኣለዎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ከም ኤርትራውያን ዝመቓቕለና’ምበር፡ ዘተሓባብረና፡ ጉዳያት ዘየልዕል ሸነኻት እውን ኣለዎ። ብዘይካ’ዚ ንጽልእን ቅርሕንትን ዝዕድም ወስታታት ዝርከቦ ኩነት ኣሎ። ሰልፍና፡ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ብሄራት፡ ናይ ሃይማኖት፡ ብዙሕነት ከም ዘሎን፡ ኩሉ መሰላት ብዝሕሉን፡ ናይ ስልጣንን ጸጋታት ሃገርን ፍትሓዊ ምክፍፋል ብዘረጋግጽ፡ ዘይምእኩል ርእሰ ምሕደራ ብዘተኣታቱን መንገዲ ክስራዕ ከም ዘለዎ ይኣምን። እዚ ብዙሕነት’ዚ ግን ንሃገር ብዝመቓቕል፡ ንሃገራዊ ስኒት ብዝሃሲ መንገዲ ክቐርብ ስለ ዘይግባእ፡ ነቲ ከም ሃገር ዝኣኻኽበናን፡ ዘልምዓናን’ምበር፡ ንጽልእን ቅርሕነትን ዝምግብን ዘዕኩኽን ኣገባብ ቃልሲ ኣይኣምነሉን። ኤርትራ ከም ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ ህዝባ፣ ኣብ ከባቢኣ ኮነ ኣብ ኣህጉር፡ ናይ ሓደ ብብዙሕነት ዝልለ ልዑላዊ ህዝቢ ሃገር እያ። ስለዚ ድማ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ካብቲ፡ ንተነጽሎ፡ ንጽልኢ፡ ንምምቕቓል ዝዕድም ፖሊቲካ ወጺአን፡ ሓያል መተካእታ ከቕርብ ብዝኽእል መንገዲ ከዋስኣ፡ ታሪኻዊ ጸዋዒት ኣለወን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ዕማም’ዚ ሓደ ካብ ቀንዲ ዕማማቱ ገይሩ ከም ዝዋስኣሉ ድማ ኣብዚ መድረክ’ዚ ከነረጋግጽ ንፈቱ።
ዝዓዘዝኩም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል
ኣብዚ ፈስቲቫል’ዚ ንዝምድናታት ሃገር ምስ ኣህጉር፡ ኣውራ ድማ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎና ዝምድናታት፡ ክንጠቅስ ኣገዳሲ እዩ። ፍሉጥ፣ ኤርትራና፡ ብሰሪ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝተከተሎ ፖሊሲታት፡ ኣብ ተነጽሎ ትነብር ከም ዘላ፡ ድሮ ጠቒስናዮ ኣሎና። ብስነኪ’ዚ ሃለዋት’ዚ ህዝብና ተለኪሙ፡ ኣብ ኣሳቓዪ ኩነታት ኣሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ስደተኛታትና፡ ኮነ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ማሕበረሰብና መሰረታዊ መሰላቶም፡ ኣብ ፍቆድኡ ክገሃስ፣ እቶም ካብ ስርዓት ዘምለጡ ኤርትራውያን ድማ፡ ናብ መሽጣ ክሳጥሑ እንከለው ኣውያቶም ዘስምዕ፣ ዝከራኸረሎም፣ ወይ ንድሕነቶም ዝቃለስ ኣህጉራዊ ሓይሊ፡ ከምቲ ዝድለ ኣይተረኽበን። ኤርትራዊ ኣይሃገር፡ ኣይ ክብረት ኮይኑ እንከሎ፡ ንሕና፡ ኣዒንትና ዓሚትና ኣእዳውና ኣጣሚርና፡ ድምጽና ሓቢእና ኣይንኸይድን ኢና። ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ መጋባእያታትን፡ ኣብ ሃገራትን፡ ኣህጉራዊ ውድባትን፡ ነዚ ክውንነት’ዚ ከነቃልሕን፡ ጉዳይ ኤርትራ ኣትኩሮን ደገፍን ክረክብን፡ ብዘይ ዕረፍቲ ንቃለስ ኣሎና። ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣወንታዊ ውጽኢት ከም ኣንረኽበሉ ድማ ኣይንጠራጠርን።
ኣብ ከባቢና ምስ ዘለው ሃገራት ዕዙዝ ተገዳስነት እንህበሉ መዳይ ኮይኑ፡ ምስ መንግስታትን ጉረባብትና ኣህዛብን ክህልውና እንደልዮ ዝምድና፡ ከምቲ ኩሉ ግዜ እነብርሆ፡ ኣብ ጉዳይ ሓድሕድ ጣልቃ ዘይምትእትታው ዝመትከሉ፡ ንጉዳያትና ባዕልና ከነካይድ ብዝሕግዝ መንገዲ፡ ሰናይ ሕውነታዊ ጉርብትና ክንፈጥር ባህግና እዩ። ኣብ ዝሓልፈ ቁሩብ ዓመታት ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዝምድናታት፡ ልዑላውነትን፡ ውሽጣዊ ምምሕዳራትን ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ ብዘኽብር፡ ኣብ መትከል ምትሕብባር ዝተመርኮሰ ዝርርብ ብምክያድ፡ ክመሓይሽን፡ ክምዕብልን፡ ከም ወትሩ ጸዓታትና ክቕጽል እዩ። ህዝብታትና፡ ሃገራዊ ልዑላውነቱ ሓልዩ፡ ኣብ ሰላምን፡ ሓድሕድ ምትሕብባርን እምበር፡ ኣብ ሁከትን ሓድሕድ ምድኻምን ክነብር ምርጫና ኣይኮነን።
ክቡራት ተሳተፍቲ
ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ’ዚ ኤርትራዊ በዓል’ዚ ብምስታፍ ድምቀትን፡ ተስፋ ዓወትን ከም ዝሃብኩምና፡ ብወገነይ ድማ ንመላእ ሰልፊ ወኪለ፡ ንቃልስና፡ ድምቀት ብዝህብ መንገዲ ክንዋሳእ፡ ምዃንና ቃል ከይኣተኹ፡ መደረይ ክዓጹ ኣይክእልን።
የቐንየለይ!
ክሳብ መላእ ዓወት ህዝብና፡ ኣብ ዕላማና ቀጥ ኢልና ቅጸልቲ ኢና!
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣትና!
ሓምድ ድራር
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ መስራቲ ኮንፈረንስ ናይ ምሕዝነት ገስገስቲ ሰልፍታትን መበል 150 ዓመት ጽንብል ምምስራት ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመንን ክሳተፍ ኢዩ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ...
-
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ ኣብ ፍራንክፈርት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ...
-
ውጽኢት ቃልሲና ነጻነት ርኢና፡ ውጽኢት ነጻነትና ግን ጌና ዕለት 24 ግምቦት 1991 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ: ድሙቕ ብራሃን ጸሓይ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ...
-
ናጽነት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝባን ጀጋኑኣን ኢዩ ንኤርትራ፡ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንምግልጋላ ዝተኸፍለ...
-
ወዮ ኣያና ደኣ መን ከብዱ ረጊጹዎ’ዩ ሃለውለው ዝብል ዘሎ? ዝነደየ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ፡ ትሕቲ መሬት ኣትዩ፡ መይቱ ክነሱ፡...
-
ነጻነትና ንናይ ሎሚ ሃለዋትና ጠንቂ ኣይኮነን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅነ መዓልቲ ነጻነትና ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ...
-
ንብሎን ንገብሮን በበይኑ ኤርትራዊ፡ካብ ጥንቲ - ጥቅምቲ፡ ንመሰሉ ተጣባቂ፡ ከም ዝኾነ ብቀዳሞት...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




