Friday, May 24, 2013
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ህንጸት ዲሞክራሲ

ሓርነት

ብቐንዱ ሓርነት ስለ ዘይዕገት ደረት ዘይብሉ’ዩ እንተተባህለ ጸገም ኣይኮነን። ካብዚ ተረድኦ’ዚ ብምብጋስ እውን፡ ዝበዝሑ ሰባት ንዝመስለካን ከምዝምእምእካን ንምግባር ዘኽእል ፍኑው ናጽነት ገይሮም ዝርድኡዎ ኣሎዉ። ግን’ዚ ፈኲስ ግምት’ዩ፡ እቶም ብኸምዚ ዝሓስቡ ደቂ-ሰብ፡ ነብሶም ከማሓድሩ ክኢሎም ኣሎዉ  ኢልካ ግምት ከተንብረሎም ምፍታን ሸግር ክህሉዎ ግድን’ዩ?። እዚኣቶም ብርግጽ ኣብ ውልቃዊ ሂወቶም’ውን ዕዉታት ክኾኑ ኣይኮኑን። ብርግጽ ሓደ ኣብ ክንዲ ንስራሕ ምውፋርን፡ ምምሃርን፡ ድቃስ ኣንተመሪጹ ክድቅስ ይኽእል’ዩ። እቲ ዝቐለለ መብርሂ፡ ሕግታት ትራፊክ ኣሎና’ዩ፡ ግን ኩሉ ሓደ ካባና ነዚ ሕግ’ዚ ጠጥሒሱ ከምዝደለዮ ክጓዓዝ እንተፈቲኑ፡ ብዘይካ ሓባራዊ ዕንወት ካልእ ካብኡ እንጽበዮ ኣወንታ ክህሉ ኣይክእልን። እሞ፡ ኣነ ፍትሒ ኣሎኒ’ሞ ዝደለኡዎ ክገብር እኽእል’የ ኢሎም ዝሓስቡን ከተግብሩዎ ዝፍትኑ’ውን፡ ነብሶም ከማሓድሩ ብቕዓት ዝጎደሎም ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ’ዩ።

ብተዘምዶኣዊ ኣበሃህላ ክንዛረብ እንተኾንና፡ እታ ዝበለጸ ናጻነት ኣሎዋ ኣትበሃል ሃገር’ውን እንተኾነት፡ ዘጋታታ ከምድላዮም ክገብሩ ተፍቅድ ኣይኮነትን። ስለዚ ሓርነት ማለት፡ ናጽነት ምትግባርን ምህናጽን ምርካብ እንተዘይኮይኑ ናጽነት ምዕናው ማለት ኣይኮነን። ንምሳለ ዝኣክል፡ ፍልጠት ንምድላብ ነጻ ኢና፡ ግን እንሰትዮ ኣልኮልዊ መስተ ደረታት ኣሎዎ፣ ማለት ኣበይን፡ መዓስን ኢና ክንሰትዮ እንኽእል መምርሕታት ኣሎዎ’ዩ። ኣትዊ ገንዘብ ክህሉወና ቅቡል እዩ፡ ግን ብኸመይ ኣገባብ ኢና ከነእትዎ እንኻል ደረታት ኣሎዎ።

ኣምበኣርከስ ነቲ “ሓርነት” ዝብል ኣምር ዳርጋ መረዳእታ ገርናሉ ኣሎና፣ ማለት ከምቲ ብኻላኦት’ውን ዝጥቀስ-- “ሓደ ሰብ፡ ክሳብ መሰል ካላኦት ዘይግሃሰ ክዛረብን፡ ከመላኽትን መሰሉ ሕሉው’ዩ።” እዚ ኸኣ፡ ምኽኑይ ብዝኾነ ኣገባብ፡ ኩሉ ሓደ ሰብ ሕጊ ብዘፍቅደሉ መሰረት ክዛረብን፡ ከመላኽትን ይኽእል’ዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ምኽኑይ ሓርነት ፍቑድ’ዩ ማለት’ዩ።

ገለ-ገለ ሰባት ንምኽኑይ ሓርነት፡ ደረታት ዘሎዎ’ኳ እንተኾነ ዝመስለካ እትገብረሉ ነጻነት ጌሮም ዝርድኡዎ ግን ኣሎዉ።  ምኽኑይ ሓርነት ግን ብቕድመ-ጠለባት ዝተኸበ ኮታ በዓል ደረት’ዩ። እሞ ደኣ ደረታት ክሳብ ዝሃወለ፡ ፍጹም ሓርነት ክህሉ ኣይከኣልን’ዩ። ስለዝ’ውን ደላይ ፍጹም ሓርነት፡ እቲ ኣብ ደረታት ዝነብር ምኽኑይ ሓርነት ክሓጽሮ ርዱእ’ዩ።

እምበኣርከስ፡ ንሓርነት ዝብል ቃል ኣብ ዝተፈላልየ ጽፍሕታት ክንርእዮ ንፈትን። ነዚ’ውን ኣስከ ካብ ኣስተምህሮን ተርድኦን ቡድሃ ቁሩብ ከነብርሆ ክንፍትን። ምህሮ ቡድሃ፡ ምህሮ እቶም ፍትሖም ዘውሓሱ’ዩ፣ ማለት እቶም ሓቀይና ፍትሒ ኣብ ውሽጦም ዝወነኑ። ቡድሃነት ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ እቲ ዝለዓለ ሸቶ ከረጋግጽ ዝበቕዐ ሰብ፡ እቲ ሓቂ ዝፈልጥ ኮይኑ፡ ብኡ ንብእኡ’ውን ነጻነት ፍጹም ሓቀይና ዝውነነ’ዩ። መጠናዊ ናጻ ምዃን ዝከኣል እንተኾነ፡ ስጋብ ሓቂ ብምልኣት ዘይተረጋገጸ፡ ሓቂ ዝበሃል ይኹን ፍጹም ናጽነት ክህሉ ኣይክእልን’ዩ እውን ይብሉ።

ደቂ ሰባት ንሓርነት ተረድኦኦም ኣብቲ ዝተሓተ ጽፍሑ ክረአ እንተኾይኑ፡ ዝደለዩዎ ዝገብሩሉ ናጽነት’ዩ። እቲ ካብ’ዚ ብርኽ ኣብ ዝበለ ጽፍሒ ተረድኦ ናጽነት ከምዘረድኡ’ውን፡ ሓደ ሰብ እቲ ሕጊ ስጋብ ከፍቅደሉ ዝኸኣለ ደረጃ፡ ንዘደለዮ ንኸተግብር ዘኽእለሉ መጠናዊ ፍትሒ ምርካብ ኮይኑ፣ እቲ ሳልሳይን ዝበረኸን ጽፍሒ’ውን ምስ ምህሮ ቡድሃ ዝተመዓራረየ ትርጉም ሓርነት ኮይኑ፡ እቲ ብማዕረ ሰናይ ተግባር ተማዚኑ  ዝግለጽ ተረድኦ’ዩ። እዚ ራኢ’ዚ፡ “ኣነ ሓርነት ኣሎኒ፡ ግን እዚ ዘሎኒ ሓርነት’ዚ ምስ ሓርነት ካላኦት ኣካላት ብምዝማድ’ዩ ክነብር ዝግባኦ።” ኣብ ዝብል ፍቱሕ ተረድኦ ዝነብር’ዩ። እዚ ምስቲ ምኽኑይ ሓርነት ዝበልናዮ ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ ግን ካብ ግዳማውያን ተጽዕኖታትን ስምዒታትን ጽቕጠታትን ዘይመንጨወ፡ ካብ ውሽጣዊን ብልህነትን ዘፍሪ’ዩ። እቲ ዝበለጸ መራብሕን መከናወኒን መጸገኒን ፍጹም ፍትሒ ብልህነትዩ (wisedom)።

ውልቃዊ ፍትሒ ብርግጽ ኣብ መንጎ ፍትሒ ካላኦት’ዩ ዝነብር። እቲ እንደልዮ ሓርነት ብዋጋን ግህሰትን ሓርነታት ካልኦት ክረጋገጽ ኣይግባኦን’ዩ። ንሕና ብዛዕባ ከባቢና ንምስትውዓል ዝተዓደልና ሰባት ኣንተድኣ ኮይንና’ውን፡ ብባህርያትና ሓርነት ካላኦት ዘይንግህስ፡ እኳደኣ እነድንቕን እነኽብርን ክንከውን ይግባኣና።

እቲ ካልእ ትርጉም ሓርነት፡ ነቶም ዝተረፉ ካልኦት ዕድል ንኽትህብ ድሉው ምዃን ማለት’ዩ። ብፍላይ ኣብ ዲሞክራሲ እዚ ባህሪ’ዚ ኣገዳሲ’ዩ። ብዘይካ’ዚ ንኻልኦት ዕድል ምሃብ ድሉው ምዃኑ’ዚ፡ ሓርነት ብባህሪኡ ስሱዕ ስለዝኾነ፡ እቲ ንዓኻ ጽቡቕ እንክንሱ ንኻላኦት ኣሕሊፍካ ዘይትህቦ ነገር ምዃኑ ርድእ ክኸውን ይግባኦ። ወልቃዊ ሓርነት ምስ ሓርነት ካልኦት ብሚዛን ተማዓራርዩ እዩ ክነብር ዝግብኦ። ሓርነት ንኻልኦት ዕድል ምስ ምሃብ ተጣሚሩ ዝነብር ሚዛናዊ ክኸውን ኣሎዎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ውልቃዊ ሓርነት፡ ምስ ማዕረ ሓርነት ካልኦት እንተ ተዛሚዱ፡ ብቕዓት እውሒሱ ስኒት’ዩ ዝፈጥር። ማዕርነት ዝደረቱ ሓርነት፡ ሚዛናዊ ኮይኑ፡ ጠባያት ማእከላይ መውጽኦ ቡድሃውያን’ዩ። ገለ ምዕራባውያን ምሁራት ከምዝብሉዎ’ውን፡ ሓርነት ምስ ማዕርነት ክሳነ እንከሎ፡ ንባዕሉ ማእከላዊ ነቕጣ ኮይኑ፡ ቀንዲ መራኸቢ ባይታ ንዲሞክራሲ ይኸውን።

እቶም ንሓርነት ድላይካ እትፍጽመሉ ናጽነት ገሮም ዝርድኡዎ፡ ወይ’ውን ከምዚ ክኾነሎም ዝደልዩ፡ ኣብ ዝኸዱ እንተኽዱ ንኸምዚ ዝበለ ሓርነት ኽረኽቡዎ ኣይኮነሎምን’ዩ። እንተፈቲኖም’ውን ንምርካቡ ዘይከኣል’ዩ። ንባህግታቶም ደረት እንተዘይገይሮሙሉን፡ እንተዘይቀዪሮሞን’ውን ንዝግደሱሉ ዘሎዉ ማሕበረ-ሰብ ከዕኑዉን፡ ብፋሉልነት ክጥቅዑን ይኽእሉ። ዋላ ኣብቶም ብናጽነታቶም ዝኾርዑን፡ ከማና  ፍትሓውያን የሎዉን ዝብሉ ስርዓታት’ውን እንተኾነ፡ እቲ ዝምክሑሉ ሓርነታቶም፡ ብማሓበራዊ ቀይድታትን ሕግታትን ማሕበራዊ-ፍታውን ባህልን ዝኣመሰሉ  ቀይድታት ዝተጠምረ’ዩ። ንምሳለ ኣብታ ‘ነጻዊት’ ሃገር’ያ ተባሂላ ዝንገረላ ዓባይ ሃገር ኣመሪካ’ውን፡ ንሓርነታት ዝዓግት ቀይድታትን መምሪሒታትን ኣሎዋ። እቶም ህዝባ’ውን ኣብ’ቲ ንኹሎም ብማዕረ ካብ ድልየታቶም ዝድርት ክዉንነት ሓቢሮም ይነብሩ። ንምሳለ፡ ንብረትካ ዝኾነ ቤት ንምምሕያሹ  ይኹን ዋላ ንምዕናዉ ዘኽእል ፍቓድ ብምውሳድ፡ ከም ቤትካ መጠን ድላይካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ግን እቲ ክትገብሮ እትደልዮ ስርሓት ነቲ ሕግን ህዝባዊ ቅዋማትን ዘይቀባበል ኮይኑ፡ ንኻላኦት ሽግር ዝፈጥር እንተኾይኑ፡ ክሳብ ከኽስሰካ’ውን ይኽእል። ኣብ ኣሜሪካ ነዚ ኣገባብ’ዚ ዘይቀባበል ሰብ፡ ኣብኡ ንኽነብር ኣዝዩ ጽቑጥ’ዩ ዝኸውን።

በዚ ትርጉም’ዚ ሓርነት ኣብ ዝማዕበለ ደርጃ ዋላ እንተሃሎወ፡ ጌና ዝተፈጸመ ኣይኮነን፡ ስለዚ’ውን እስከ ካላእን ኣገደስቲን ጽፍሕታት ሓርነት ብዕምቆት ክንርእዮ ክንፍትን።

 

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity. We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ። ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

إن ا، هو توفير بيئة صحية وحرة للتبادل الحر والبنـــــَّــــاء للرأي بين أصحاب الرأي من مختلف المشارب والمذاهب، أفراداً كانوا أو جماعات. لذلك فالموقع علي استعداد لنشر أية أفكار أو آراء موضوعية عدتها وعتادها الحجة والمنط لهدف الأساس الذي أنشأنا من أجله هذا الموقع الالكتروني علي الشبكة العنكبوتية الدوليةق، وصحيح أنه كما يقولون: ليس هناك أفكار خاطئة ولكن أحكام خاطئة، إلا أن ذلك لا يمنعنا من حقنا في رفض الكتابات التي يتأفــَّــــف حتى أصحابها من نسبها اليهم أو وضع بصماتهم وتوقيعاتهم وعناوينهم الحقيقية عليها ولا يتشرفون بتبنيها أو ادعاء المسئولية عنها، فضلاً عما تعج به تلك الأفكار من سموم مدسوسة وظاهرة وآراء ملـــــــوِّثة للبيئة الفكرية والإنسانية في ارتريا حاضراً ومستقبلاً، وطمس وتزييف للحقائق واغتيال واغتياب معنوي لمن يتصدون للعمل النضالي العام في جسارة وإنكار ذات. إننا ننطلق في مبادئ النشر عندنا من كل ما يشجع علي تبادل الود والاحترام بين الكتاب أنفسهم ونشر التسامح بينهم رغم تباين آرائهم، والعمل سوياً علي البحث والتنقيب عن حلول المشكلات وتقديم البدائل الأفضل، والسعي الي تقريب المسافات وتذويب الفجوات بين مختلف قطاعات شعبنا والتــــَّـــرنـــُّـــم معاً علي أنغام سيمفونية الوحدة والتقارب، لا الألحان النشاز المفسدة لأذواقنا جميعاً.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form