Wednesday, May 22, 2013
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ-ቤይ ኤርያ (EYSC Bay Area)

አብዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝያዳ ኩሉ ጊዜ ስምረቶም አደልዲሎም ንሓርነት ህዝብና አብ ዝቋረቑሱሉ ዘለው ወቕቲ፡ እቲ ኩቱር ራዕዲ ዝሐደሮ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ናህሪ ንምግታእ ከንቱ ፈተነታትን ተንኮላት አብ ምፍሓስ ይርከብ። መርአያ ናይዚ ድማ ናይ ሓሶት መሰኻኽር አዋዲዱ ንአባላት ማሕበርና ዝኾኑ ተበዓት ነዚ ቃልሲ ዝመርሑ ኤርትራውያን መንእሰያት አንጻሮም ክሲ ሰኒዑ አሎ። ዝብእስ አብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ፡ አጓዛ አንጹፍለይበለ ከምዝበሃል፤ እቲ ክንዲ ፍረ ጣፍ ትአክል እንታይነት ሕጊ ዘይሱቆሮ ንገዛእ ህዝቡ ብአታሕዛ ጊላ ዘሳቒ ባርባራዊ ስርዓት ህግደፍ ስሙ ቀይሩ ብመጋበርያታቱ አቢሉ ናይ ማሕበረሰብ ኤርትራ ስም ለቢሱ ናይ አምሰሉ ክሲ ምኽሳሱ አየገርምን።

ኩሉ ወዲ ሃገር ከም ዝፈልጦ ህዝቢ በይ-ኤርያ ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ከተማ ኦክላንድ ድማ ብፍላይ ሕምብርቲ ተስፋ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ኮይኖም ነዚ አብ ዓለም ተባሪዑ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነት ቁልዒ ሓዊ ኮይኖም ከምዘጎሃሃርዎ ይፍለጥ። መንእሰያት ቤይ ኤርያ ዝተኸተሉዎ፡ ህግደፍ ካብ ምድሪ ቤትናን ከባቢናን እንድሕር ጸሪግናዮ ካብ ምድሪ ኤርትራ ምጽራጉ አሸጋሪ አይክኸውንን እዩ ዝብል አገባብ ቃልሲ ሎሚ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ኤርትራዊ አብ ምሉእ ዓለም የተግብሮን ይዕወተሉን ምህላው ንህግደፋውያን ድቃስ ከሊእዎም ይርከብ።

እዚ ብደጀን ህግደፍ ዝፍለጥ ዝነበረ ከተማ ኦክላንድ ሕጂ ካብ ቁጽጽር ህግደፍ ወጻኢ ኮይኑ አብ ኢድ ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዝወደቐ ከባቢ አብ ታሪኽ ፍሽለት ህግደፍ ዕዙዝ ተራ ሒዙ ይርከብ። እዚ ፍሽለት ዘጋጠሞም ረብሕኦም ዝጎደሎም ጎሓላሉን፡ ሰብ ድሑር ሕልሚ ንሕና ንሱቅድሚ ሕጂ ሃሱሳት አዋፊሮም ዝፈተንዎ ተንኮል ክሰልጦም ስለዘይከአለ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ፈተነ ምፍታኖም ቡዙሕ ዘሰክፍን ዘሻቕልን ከምዘይኮነ ንአብ ሙሉእ ዓለም እትርከብ ደላይ ለውጢ ህዝብና ክንሕብረካ ንፈቱ።

እቲ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመሰል እተን ዝግፍዓ ዘለዋ ደቀ አንስትዮ ኤርትራውያን ኮነ ብዛዕባ እቶም አብ አጻምእ ሲናይ ዝጭወዩ፡ ዝቕዘፉን ኩላሊቶም ዝዝረፉን ዘለው መንእሰያትና ሓንቲ ቃል አስተንፊሱ ዘይፈልጥ ብስም ህዝቢ ኤርትራ አጀንዳታት ህግደፍ ዘተግብር ናይ ሓሶት ኮሚኒቲ፡ መሰል ኤርትራዊ ዲፕሎማት አብ ኒው ዮርክ ግሂሶም ምባሉስ ምስ ምንታይ ይቑጸር።

እዝን ወዲ ከምዝን ጠርቋሽ ፈተነ ህግደፍ ነቲ አብ ዓለምና ተባሪዑ ንዘሎ ተባዕ ተቓውሞ ስድሪ እውን እንተኾነ ንድሕሪት ከምዘይመልሶ ዘማትእ አይኮነን። እቶም ነዚ ክሲ አብ ምውዳድን ምስልሳልን ገንዘብ አብ ምውጻእን ዝተዋፈሩ ሰብ ጸሊም ታሪኽ ናይ መንነት ቅልውላው ዘልዎም ስኩፋትን ሃገር ናይ በይኖም ኮይና እትስምዖም ሕሉፋትን ጊዜኡ ምስ አኸለ ምጽብሳብ ከም ዘሎ ክዝንግዑ የብሎም። ህግደፍ ዝፈተነ እንተፈተነ ቃልሲ ውጹዕ ኤርትራዊ ደው ከምዘይብልን አብ መወዳእታ ድማ ከምዝዕወትን ምንም ዓይነት ጥርጥር የልቦን። እዚ ጉዳይ እውን ጉዳይ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ስለዝኾነ ኩሉና ክንሳተፍን ጉቡእና ክንገብርን እንዳጸዋዕና አብ መወዳእታ ብዓወት ደለይቲ ሓርነት ከምዝዛዘም አየማትእን።

አባላት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ ድማ አብ ጎኒ ብጾትና ኮይና ነዚ ውዲት ከምእንገጥሞን ከምእነፍሽሎን ብርእሰ ተአማንነት ነረጋግጽ።

ነዚ ክሲ ንምፍሻል ጠበቓታትን ሰብ ሞያ ሕግን ቆጺርና ስለዘለና ሓገዛትኩም ከተወፍዩ በዚ

ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ባንኪ፡

Eritrean Youth for Change

Chase Bank

Account number is: 2984478087

Paypal account is:

https://www.paypal.com/cgi- bin/webscr?cmd=_s-xclick&

hosted_button_id=4VP6JZVUH3S9A

ወይ አድራሻ:

Eritrean Youth for Change

360 Grand Ave, Suite 328

Oakland, California 94610

(Tel-408-603-7040 email is This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it )

ክትሰዱልና ከም እትኽእሉ ንሕብር።

ቃልስና ስጋብ ሓርነት ህዝብና!!!

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ-ቤይ ኤርያ

5 ሓምለ 2012

The three members that have been sued.

sued-eysc-bay-area-members

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity. We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ። ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

إن ا، هو توفير بيئة صحية وحرة للتبادل الحر والبنـــــَّــــاء للرأي بين أصحاب الرأي من مختلف المشارب والمذاهب، أفراداً كانوا أو جماعات. لذلك فالموقع علي استعداد لنشر أية أفكار أو آراء موضوعية عدتها وعتادها الحجة والمنط لهدف الأساس الذي أنشأنا من أجله هذا الموقع الالكتروني علي الشبكة العنكبوتية الدوليةق، وصحيح أنه كما يقولون: ليس هناك أفكار خاطئة ولكن أحكام خاطئة، إلا أن ذلك لا يمنعنا من حقنا في رفض الكتابات التي يتأفــَّــــف حتى أصحابها من نسبها اليهم أو وضع بصماتهم وتوقيعاتهم وعناوينهم الحقيقية عليها ولا يتشرفون بتبنيها أو ادعاء المسئولية عنها، فضلاً عما تعج به تلك الأفكار من سموم مدسوسة وظاهرة وآراء ملـــــــوِّثة للبيئة الفكرية والإنسانية في ارتريا حاضراً ومستقبلاً، وطمس وتزييف للحقائق واغتيال واغتياب معنوي لمن يتصدون للعمل النضالي العام في جسارة وإنكار ذات. إننا ننطلق في مبادئ النشر عندنا من كل ما يشجع علي تبادل الود والاحترام بين الكتاب أنفسهم ونشر التسامح بينهم رغم تباين آرائهم، والعمل سوياً علي البحث والتنقيب عن حلول المشكلات وتقديم البدائل الأفضل، والسعي الي تقريب المسافات وتذويب الفجوات بين مختلف قطاعات شعبنا والتــــَّـــرنـــُّـــم معاً علي أنغام سيمفونية الوحدة والتقارب، لا الألحان النشاز المفسدة لأذواقنا جميعاً.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form