ህንጸት ዲሞክራሲ ብብሩስ ኢቫንስ
ካብ ሎሚ መዓልቲ ብምጅማር ንዝቕጽል ውሑዳት ሳምንቲ ‘ህንጸት ዲሞክራሲ’ ዝተባህለ ዓንቀጽ ብምትርጓም ከነቕርበልኩም መዲብና ኣሎና። ንምንታይ ኢና ነዚ ጽሑፍ’ዚ ንምቕርቡ መሪጽና ዘቃልሕ ንእሽቶይ መእተዊ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተስምዓና ከምዝስዕብ ነቕርብ ኣሎና’ሞ፡ ሰናይ ምክትታል።
መእተዊ፡
ጥንታዊት ግሪኽ ካብ ዘበርከተትቶም ብዙሓት ኣገደስቲ ሓሳባት ሓደ፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መዓልታዊ መንብሮና ብምድግጋም ክጥቀስ ዝውዕልን ኮታ ውቁብ ቃልን ‘ዲሞክራሲ’ ምኻኑ ፍሉጥ’ዩ። እዚ ‘ክራቶስ’ እንዳበለ ን’ምሕደራ’ ዘመላኽት፡ ከምኡ’ውን ‘ዲሞ’ ኢሉ’ውን ን’ዝበዝሑ’ ዘሳሲ ኩቡር ግሪኻዊ ቃል’ዚ፡ ‘እቶም ብዙሓት ዝደንቆሩ ስለዝኾኑ ንጉዳያቶም ንኸየማሓድሩ ብቕዓት የብሎምን።’ ብምባል ሓፋሽ ተናዒቖም ብኻልኣይ ደረጃይነት ዝነብሩሉ ዝነበሩ እዋናት ኣዝዩ ነዊሕ ዘመናት ነይሩ ከብቅዕ፡ ወዮ ክቡር ‘ዲሞክራሲ’ እውን ብማዕሪኦም ተጓሒፉ ነይሩ’ዩ። በዚ መዋዕላት’ዚ ዝሓለፈት ዓለምና በቶም ያኢ ‘ብሩሃትን፡ ውሑዳትን’ ክትቃነ ዝነበረቶ እዋናት ኣኽቲሙ፡ ቅኒት ብዙሕነት ዝቓነየ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ብምብጽሓ፣ እቶም ነዚ ክውንነት’ዚ ዘቐልቀሉ ፈላስፋታት’ውን ን’ዲሞክራሲ’ ዝያዳ ክብረት ኣረጋጊጾሙሉስ፡ እኖሆ ኣብ መንብሮ ደቂ-ሰባት መቐረት ብዙሕነቱ ተጎናጺፉን ሰፊሑን ተባሃጊ መንብሮ ዓይነት ስርዓት ንምዃን በቒዑ።
እምበኣርከስ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሚእቲ ዓመታት’ዚ፡ ዲሞክራሲ ከም ኣገዳሲ ምሕደራዊ ቃል ክስራሕን፡ ክፍታሕን፡ ክውቀጥን፡ ክኳሓልን፡ ክመዓራረን፡ ብኹኖኡ’ውን ኣብ ጸቢብን ዝተፈላለየ ረብሓታትን ከይተረፈ ክጥጃእን፡ ክጽሞቕን ንርእዮ ኣሎና። ብርግጽ ማራኺ ጥራሕ ዘይኮነስ መማላኽዒ እውን ያኢ ኮይኑ። ዋናታቱ ኢና ዝብሉ ሰፊሖም። ድሑራትን፡ ሓለኽቲ ምዕባለን ከይተረፉ ‘ንሕና ንሱ ኢና፡ ንሱ’ውን ንሕና ኢዩ’ ብምባል መልክዓቶም ከጸባብቑሉ ተራእዮም። ሊበራላውያን፡ ትሒዘ-ጸኒሓውያን፡ ማሕበራውያን፡ ርእሰ-ደሳውያን፡ ሕሉፋውያን ይኹኑ ፋሺስታውያንን እውን ከይተረፉ ‘ዲሞክራስያውያን’ ኢና ብምባል ንውነናኡ ክገልጹን፡ ክግለጹሉን ኣብ ዝረኣዩሉ ዘሎ እዋን ኢና እንርከብ ዘሎና። ስለዚ’ውን፡ እዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከይተረፈ ‘ኣነ ዝወጸለይ ዲሞክራስያዊ እየ!’ እንተበለ፡ ሰብ ዘይገብሮ ኣይገበረን’ሞ፡ ምስ ትዕዝብትና ንስሕቕ።
ንሕና ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ከምቲ ስምና እውን ዝሕብሮ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኢና። ስለዝኾንና’ውን ኣብ ኣስራርሓና ንዲሞክራስያ ከም ባህሊ ተቐቢልናዮስ ንመርሓሉን ንምርሓሉን’ውን። ሓቀይና ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ክከኣል ምእንታን’ውን ኣብ ውሽጢ ሰልፍና ብምልኣት ንግልገለሉ፡ ንተሞክሮና’ውን ከነውርሶ ንፍትን። እምበኣርከስ ሕጂ፡ ነዚ ዘማዕደወ ተረድኦና’ዩ ነዚ ንኽነከታትለኩም መሪጽና ነቕርቦ ዘሎና ጽሑፍ’ዚ ማለት ‘ህንጸት ዲሞክራሲ’ The making of Democracy ዝተገደስናሉ።
እዚ ጽሑፍ’ዚ መሰረቱ ካብ ቡዳሃሃማ ፋውንደሽን ብዝተባህለ ትካል፡ ካብ ዘቕርቦም ጽሑፋት ተመሪጹን ተተርጉሙን ዝቐርብ ዘሎ ጽሑፍ’ዩ። ብሩስ፡ ኢቫንስ ዝተባህለ ሰብ ኣብ 1992 ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ንገለ ደቂ ታይላንድ ምስቲ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣብ ከተማ ባንግኮክ ኣንጻር’ቲ ዝነበረ ስርዓት ዝነበረ ምልዕዓላት መሰረት ብምግባር ንደገፈታኡ ዝቐረብ መደረ ንጻውዒት ቃልሲ’ዩ።
ብቐዳምነት ነዚ ጽሑፍ ንዘዳለዉ ይኹኑ ንዝዘርግሑ ምስጋናና እንዳ ኣቕረብና ንክውንነት ሃገርና ንኽሰማማዕ ገለ ንኣሽቱ ጽገናታት ብምትእትታው ተርጉምናዮ ኣሎና።
ሰናይ ምክትታል።
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ውጽኢት ቃልሲና ነጻነት ርኢና፡ ውጽኢት ነጻነትና ግን ጌና ዕለት 24 ግምቦት 1991 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ: ድሙቕ ብራሃን ጸሓይ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ...
-
ናጽነት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝባን ጀጋኑኣን ኢዩ ንኤርትራ፡ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንምግልጋላ ዝተኸፍለ...
-
ወዮ ኣያና ደኣ መን ከብዱ ረጊጹዎ’ዩ ሃለውለው ዝብል ዘሎ? ዝነደየ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ፡ ትሕቲ መሬት ኣትዩ፡ መይቱ ክነሱ፡...
-
ነጻነትና ንናይ ሎሚ ሃለዋትና ጠንቂ ኣይኮነን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅነ መዓልቲ ነጻነትና ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ...
-
ንብሎን ንገብሮን በበይኑ ኤርትራዊ፡ካብ ጥንቲ - ጥቅምቲ፡ ንመሰሉ ተጣባቂ፡ ከም ዝኾነ ብቀዳሞት...
-
ናይ ሓዘን መግለጺ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዲሞከራሰያዊ ሓይልታት ኤርትራ(CC-ENDF)፡...
-
ሃገር ብቅኑዕ እምበር ብሓሶት ሓበሬታ ኣይትህነጽን ኣብ ዝኾነ ዓለም እንተኸድና እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ሓሶት ኢዩ። ወረ...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




