20 ሰነ፡ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ
ህዝቢ ኤርትራ፡ ምእንቲ ናጽነት ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ እዚ ኢልካ ዝትመን ኣይኰነን። ንብረቱ፡ ርሃጹ፡ ገንዘቡ፡ ስልማቱ፡ ኣካላቱን ህይወቱን ኵሉ’ዩ ከፊሉ። ምእንቲ ናጽነቱ፡ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣንጻር ሓያላን ናይ ግዳም ሓይልታት ውን ክምህ ከይበለ ተዋዲቑ። ሳላ ዝኸፈሉ ክቡር መስዋእቲ ድማ ናጽነቱ ተጓናጺፉ።
ጸላእትና ብብረት ጥራሕ ኣይኰኑን ተዋጊኦምና፡ ንሓድነት ንምብታንን ንጽንዓትና ንምዕጻፍን፡ ማእለያ ዘይብሎም ውዲታት ኣሊሞምን ማእለያ ዘይብሎም ፈተነታት ኣካይዶምን ኢዮም። ብዓሌት፡ ብሃይማኖት፡ ክኸፋፍሉና፣ ነብሰ-ምምሕዳር እናበሉ ክጠባብሩናን ብገንዘብን ሽመትን ክገዝኡናን ፈቲኖም ኢዮም። ህዝብና ግን፡ በዚ ተታሊሉ ኣብ መንጐኡ ነቕዓት ኣይፈጠረን። ብኣንጻሩ፡ ሓደን ሓድነትን ኰይኑ ተቓሊሱ’ዩ ናጽነቱ ኣምጺኡ።
ነዛ ዕለት ከነኽብር ከለና እምበኣር፡ ኣብ ቅድሜና ዝድቀን ዝኽሪ፡ ብቐዳምነት እቶም እነፍቅሮም ንእስነቶም ከይጸገቡ ካባና ዝተፈልዩ ጀጋኑ ስውአት ተጋደልትን፣ እቶም ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ሃገርና ብጸላኢ ዝተቐንጸሉ ንጹሃት ሰማእታት ዜጋታት ኤርትራን፤ ከምኡ’ውን፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ትርጕም ዘይብሉ ውግኣት ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ይኹን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝተሰውኡ ዜጋታትን ኢዮም።
እቲ ዘሕዝን፡ እታ ህዝባ ብሰላም፡ ብቕሳነት፡ ብፍትሕን ማዕርነትን ከነብረላ፡ ናይ ማእለያ ዘይብሎም ጀጋኑ ኤርትራውያን ደምን ርሃጽን ዝፈሰሰላ ሃገር፡ ነቶም ውሑዳት ሰበ-ስልጣን ህግደፍን መጋበርያታቶምን ገነት፤ ንሓፋሽ ህዝብና ድማ ግሃነም ምዃና ኢዩ።
እቲ ብመስዋእቲ ናይ መላእ ህዝብና ስልጣን ዝጨበጠ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንሰማእታትና ሌላን ጕሌላን ክገብር፤ ንገሊኡ መደበሲ ክህብ፡ ንገለ ክኸልእ፤ ንገሊኡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ሓመድ ድበ ክገብረሉ፡ ንገሊኡ ድማ፡ ሬሳኡ ናብ ዓዲ ከይኣቱ ክኽልክል ምርኣይና ድማ ድርብ ጓሂ ይስምዓና።
እቲ ዘተስፉ ከኣ፡ ዝበዝሐ ክፋል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንባህርያት ናይ’ቲ ስርዓት ተረዲኡ፡ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ተቓውሞታት ክገብር ምጅማሩ’ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝተጋህዱ ናይ መምህራን፡ ተመሃሮ፡ ተጋደልቲ፡ ውጉኣት ሓርነት፡ ኣባላት ፓርላማን ሰበ-ስልጣንን ነበርን፥ ከምኡ ውን ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ብፍላይ ድማ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝገብርዎ ዘለዉ ተቓውሞታት፡ ምልክት ናይ ብሩህ መጻኢ ኢዩ።
እዚ ተቓውሞታት’ዚ፡ ብፍላይ ድማ፡ እቲ ናይ ውሽጢ፡ ብማእሰርቲ፡ ስቅያትን ሞትን ዝግለጽ ከቢድ መስዋእቲ እኳ ይኽፈለሉ እንተሎ፥ መስዋእቲ ህዝብና ግን ከንቱ ኰይኑ ከምዘይተርፍ፡ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመታት ተጋድሎና ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ብዘይ መስዋእቲ ክረጋገጽ ዝኽእል ፍትሒ፡ ሰላም፡ ማዕርነትን ዲሞክራስን የለን። ናይ ሎሚ ድኻምናን መስዋእትናን፡ ጽባሕ ደቅናን ደቂ ደቅናን ዝሕጐስሉን ብሰላም ዝነብርሉን ንታሪኽናን ቃልስናን ዘመጕስሉኡን መዋእል ክመጽእ ግድን ስለዝዀነ፤ ብናይ ሎሚ መስዋእትን ስቅያትን ከይሰንበድና፡ ኣርሒቕና ብምጥማት ንዝያዳ ሕኑንን ሓላፍነታውን ቃልሲ ክንብገስ ይግባእ።
ከም’ቲ ንውዲታት ጸላኢ ሓደ ኢድ ኰይና ብጽንዓት ተቓሊስና ዘምከና፡ ሎሚ ውን፡ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣንጻር ዲክታቶር ኣብ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ሓደን ሓድነትን ኰይና ብጽንዓት ክንምክት ንጥለብ ኣሎና።
ህዝብና ዝድበሰላ ዲሞክራስያዊት ስርዓት ንምትካል ሓቢርና ንቃለስ
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
መብጸዓና ንመጻኢ መዓልቲ ነጻነት ንመበል 22 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ድሮ ንድሕሪት ክንገድፋ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ፡ ንልዕሊ...
-
ነጻነት መዓልቲ ኤርትራ ግንቦት ዕስራን ኣርባዕተን ናይ ህዝቢ እምበር ኣይናይ ሓደን ኣይናይ ጉጅለን ኣቐዲመ ነቲ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ህዝቢ ኤርትራን ደቁን ዝተሰዋእሉን...
-
ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ሰላማዊ ሰልፊ ንድሕነት ሕዝቢ ኤርትራ! ዕለት፥ 24 ግንቦት 2013 ካብሰዓት...
-
ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነትና መጻኢና እነማዕድወሉ’ዩ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ውጽኢት መስዋእትነት ኩልና ኤርትራውያን...
-
ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲሸሪፈይ ዝውዕል ሓገዝ ንምእካብ፣ ኣብ በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ ዕዉት መደብ ተኻይዱ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤ.ደ.ማ) ተዳልዩ ዝተዓደመ፣ ብዙሓት...
-
ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ መስራቲ ኮንፈረንስ ናይ ምሕዝነት ገስገስቲ ሰልፍታትን መበል 150 ዓመት ጽንብል ምምስራት ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመንን ክሳተፍ ኢዩ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ...
-
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ ኣብ ፍራንክፈርት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




