ህግደፍ ምስ ግዜን ኩነታትን ዘይምዕብል ጉጅለ ጥፍኣት
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መርበብ ሓርነት፣ ህዝቢ ኤርትራ ንተደጋጋሚ ባርነትን ባዕዓዳውያን ገዛእትን ንምብዳህን ነጻ ኮይኑ ዕድሉ ክውስን ዘክእሎ መንገዲ ብረት ዓጥቅኻ ጥራሕ ምዃኑ ብምግንዛብ ሃገራዊ ወኒ ተዓጢቁ ናይ ጸላእቱ ወተሃደራዊ ጸብለልትነት ከይዓጀቦ ነቲ መስርሕ ምርብራብ ክፋለሞ ብ1961 ወሲኑ ተበገሰ ። ዕላማኡ ሃገራዊ ነጻነት ንምዕታር ኮይኑ ፡ ጸለምትን ቀያሕትን ደቁ ኣሰዊኡ ከኣ ብ1991 ነጻነቱ ክዓትር በቂዑ እዩ። ስለዚ ታሪኽ ቓልሲ ህዝብ ኤርትራ፣ ንሰላም ፍትሕን ኮይኑ፣ ንናይ ካሎኦት ህዝብታት መሰል እውን ዘክብር እዩ።
እወ ፣ ኣብ መድረኽ ምርብራብ ናይ 30 ዓመት ዝወሰደ ቓልሲና ፡ ዓለምና ኣብ ክለተ ደምበ፣ ሃጽይነትን ፣ ዴስነትን ተመቂላ ደደረታ ፍልያ እስከ ተሓልፊያ ኣብ እትብሃለሉ ዝነበረት ግዜ ፡ ክልቲኡ ደምበታት ጥቅምታቱ ንምሕላው ተተበራርዩ ምስ ጸላእትና ኣንጻርና መኪቱ እዩ። ሰውራ ኤርትራ ግን በዚ ሽርክነትዚ ከይተሰናበደ በቲ ቀቅሩብ ካብ ሓድ ሓደ ፍተውቲ ሃገራት ኣዕራብ ዝረኽቦ ዝነበረ ሓገዝን፡ በቲ ዘይነጽፍ ዝነበሮ ውሽጣዊ ህዝባዊ ድጋፍ ጥራሕ ፣ቓልሱ ክሳብ ዕለተ ዓወቱ 1991 መኪቱ ኣሳላሲሉዎ እዩ። እዚ እቲ ኩውነንት ስለ ዝነበረ ፡ ህዝቢ ኤርትራን ሰውራኡን ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ጠሊሙና ክብልን መረሬኡ ከስሚዕ ኣብቲ ግዜ እቲ ግድነት ነይሩ ቅቡል ከኣ እዩ።
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ እዚ መርበብ እቲ ብ1989 ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳ ዝተባረዔ ናሺናሊዝም ነቲ ጠስጢሱ ዝጸንሔ ስርዓተ ደስነት በጣጢሱ ነቶም ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ህዝብታታ መሰላት ከውሕስ በቂዑ እዩ። ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳ ሓደሽቲ ሃገራት ክቦቅላን ብደሞኽራስያዊ ኣገባባ ቁዋማዊ ስርዓታት ክሃንጻ በቂዔን ኣለዋ። እዚ ዴሳዊ ስርዓት ኣብ ዝዓነወሉ ፡ ስርዓት ኢትዮጵያን እውን ዝዕንግሎ ተካኢ ሓይሊ ብዘይ ምርካቡን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ መሰላቶም ዝሓቱ ብሔራት ብምልዓዓሎም ሓይሉ ክዳከምን ነቲ ናይ ሰውራ ኤርትራ ሃገራዊ ቓልሲ ክዓግቶ ኣይኸኣለን። ኤርትራ ከኣ ብ1991 ድሕሪ መሪርን ታሪካዊ ወተሃደርዊ ዓወታት ጸላእታ እናቆዘሙ ነሓዋሩ ካብ መሬታ ከምዝሰናበቱ ገይራቶም።
ኤርትራ ኣባል ሃገራት ዓለም።
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብቅልጽሙ ዘምጾኦ ነጻነት፡ ብመስሪሕ ረፈረንዱም ክዛዚሞ ምውሳኑ ኣባልነቱ ኣብ ሕ/ሃ ከውሕስ ዝክእል ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ነይሩ። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ናይ በረኻታት ኤርትራ ስርዓተ ምሕደራ ኣብቂዑ ፡ ኣብ ሰፊሕን ስልጡንን ህብረተሰብ ዓለም ይጽንበር ከም ዘሎን ነዞም እዚ ሕብረተሰብ እዚ ዝግዘኣሎም ሕግታት ንምክባር ምብጽዓ ይኣቱ ከም ዝነበረ ዝተሰወሮ ኣይኮነን። እንተኮነ እዚ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ዝተሰማመዓሎም ውዑላት ጎስዩ ኣብ ናይ ካሎኦት ሃገራት ጉዳይ ኣትዩ ከዳውስ ግዜ ኣይውሰደሉን ። ንምጥቓስ ዝኣክል ፡ ሱዳን ፡የመን ፡ ኢትዮጵያ ፡ ጁቡቲ ፡ ሶማል ፡ወዘተ ።
ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ብዝነበሮ ተነጽሎ ከይተበገረ ብዘምጾኦ ሃገራዊ ነጻነቱ ናይ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኣድናቆት ኣመዝጊቡ እዩ ። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ፣ ካብ ተመክሮ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክመሃሩን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ምሕዝነት ክፈጥሩን ብዙሓት ሃገራት ብግብሪ ተንቀሳቂሶም እዮም። ብ1994 ካብ ኣዲስ ኣባባ ኣስመራ ክኽይድ እንከሎኩ ብኣጋጣሚ ሓደ ኡጋንዳዊ ኣብ ጥቓይ ኮፍ ኢሉ ስለ ዝነበረ ፡ እንታይ ክገብር ኣስመራ ይከይድ ከም ዘሎ ተወኪሰዮ ነይረ።ንሱ ‘ ኤርትራ ዓድኩም መዲና ናይ ኣፍሪቓ ኮይና ኣላ ፡ ብዙሓት ኣፍሪቓውያን ካብ ተመክሮኩምን ምስጢር ዓወትኩም ክመሃሩ ኣስመራ ይመጹ ኣለዉ “በለኒ።ኣብታ ሰዓት እትኣ ንድሕሪት ተመሊሰ ብምዝካር ነቶም ነዚ ኩውንነት እዚ ጋህዲ ክገብሩ ዝተሰውኡ እናዘኸርኩ ብውሽጠይ እንቛዕ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዓውትዚ በቅዔ በልኩ። እንተኾነ ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብዚ ሰዓትዚ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ስርዓት ህግደፍን ኤርትራን ዘለወን ስእሊ እንታይ ከምዝመሰል ምድጋሙ ዘድሊ ኣይመስለንን።
ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ፣ሕብራት ሃገራት ድሕሪ ነጻናት ንህዝቢ ኤርትራ ንምሕጋዝ ኩሎም ትካላት እቲ ማሕበር ኣብ ልምዓት ኤርትራ ከምዝነጥፉ ገይሩ እዩ። እንታኮነ ጉጅለ ህግደፍ እዚ ናይ ሽርክነት ስራሕ ብጽፍሩ ዘሰላሰሎ ከምዘሎ ክምድር ተራእዩ ጸኒሑ ከኣ በብሓደ ገበርቲ ሰናይ ከይግደፈ ኩሎም ካብ ሃገር ከም ዝባረሩ ብምግባር ንህዝቢ ኤርትራ ብቁልጡፍ እግሩ ከይተክልን ከይርህዎን ኣዕናዊ ተራ ክጻውት ጀሚሩ። ህዝቢ ኤርትራ ብጥሜትን ሕማምን እናተጠቅዔ እንከሎ ህግደፍ ሓገዝ ሕብረተሰብ ዓለም ኣይደልን ዝበለ።
ዝከበርኩም ኤርትራውያን እዚ ናይ ጥፍኣት ጉጂለ እዚ ኩሉ ኣዕናዊ ተበግሶታቱ እናፈጸመ ሕብረተሰብ ዓለም ብጽሞና ክምዕድዎን ከጠንቅቁዎን ክሽምግሉዎን ዘይተኣደነ ጻዕርታት ኣካይዶም እዮም። ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ውሽጢ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ብደገ ክኣ ኣንጻር ጎረባብቲ ሃገራት ዝገበሮ ተጻቦኦታት እናዛየዶ ከይዱ ሕጂ ኣብ መንቀራቅሮ ኣትዩ ኣብ መወዳእታ ሓመድ ድበኡ ዝኣትወላ ዕለት ስለ ዝቐረበት ብሕሉፍ ተዘክሮታቱ ዝድሕን መሲሉዎ ክትክዝ ይርከብ ኣሎ።
ማዕቀብ።
ጎረባብቲ ኤርትራ ዝኮነ ሃገራት ኢጋድ ፣ጉጅለ ህግደፍ ብድልየቱ ካብቲ ማሕበር ድሕሪ ምስንባቱን ተጻቦኦታቱ ስለ ዝቀጸሎ ናይ ሓበር ግምባር ብምፍጣር ንምክልኻሉ ብሓባር ተሰማሚዔን ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክውሰን ዝተሰማመዓ ። እዚ ማዕቀብ እዚ ቀጺሉ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቓን ፡ ወድብ ጽጥታ ሕ/ሃ ብዘይ ሓደ ተቓውሞ ኣብ ግብሪ ክውዕል ተገይሩ። እዚ ስጉምቲ እዚ ዘብርሆ ጉዳይ እንተሎ ፡ ሕብረተሰብ ዓለም እዚ ጉጂለ እዚ ክውገድ ድልየት ከም ዘለዎ ዘነጽር ብሩህ መልእክቲ እዩ። ንምኳኑ እቲ እገዳ ወይ እውን ማዕቀብ ኣብቲ ስርዓት ክውስን እንከሎ ብረት ከምድላዩ ከይሽምትን ነቲ ከባቢ ከየናውጽን እዩ ነይሩ ፣ብኣንጻሩ ሕብረተሰብ ዓለም ዘይተገንዘብዎ ድሮ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ባዕሉ ብዝበየነሉ ማዕቀብ ከይነግድን ከይሓርስን ከይመሃርን ከይሰርሕን ኣምላኹ ከየመግንን ዝከፍኤ እገዳ ተጻዒኑዎ ጉድዩ ሰማዕን ድጋፍን ተሓሪሙዎ ምንባሩ ነይሩ ።
ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ ተመሊሱ ዓለም ዘርያትኒ ኩሉ ኣንጻረይ ኮይኑ እንበለ ይቁዝም ኣሎ ። ጥርዓኑ ክሰሚዕ ዝክእል ዝነበረ ውዳብ ሕ/ሃ ፀጥታ ቤት/ ጽ እውን ሕጂስ ተመኒዩዎ ግዲ ኮይኑ ንጥርዓኑ ክሰሚ ፍቓደኛ ኾይኮነ ዝተረፈ። ወሃቢት ቓል ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ ኢትዮጵያ 18 ኪሎሜትር ኣብ መሬት ኤርትራ ኣትየ ኣጥቂ ዝበለቶ እንታይ ርእይቶ ኣሎኪ ምስ ተባህላት “ ሕጂ ዝስምዖ ዘሎኩ ሓዲሽ ጉዳይ ስለ ዝኮነ ርእይቶ ክህብ ኣይክእልን ድሕሪ ምባላ ፣ እቲ ጋዜጠኛ ኣስዒቡ እዚ ኢትዮጵያ እትብሎ ዘላ ከ ሓቂዶ ይመስለኪ ንዝበላ ክትምልስ ኣይፈቀደትን ። ህግደፍ ኣንጻር ኣሜሪካ ኪሲ ካብ ዝጅምር ኣይወሓደን ፡ ዝምድናኡ ድሕሪ እቲ ባዕሉ ዝጀመሮ ኹናት ባድመ ኣሜሪካ ኣብ ጎኑ ደው ስለ ዘይበለት ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ዝኮነት ሃገር ክጻረፍ ከማርርን ይውዕል ዘሎ። ሚ. ወጻኢ ጉዳይ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ሕምርበቲ ከተማ ኒው ዮርክ ህዝቢ ኣኪቡ “America is a terrorist State “ ክብል እንከሎ ክሳብ ክንደይ እቲ ጉጅለ ፋሉልን ብድኽነት ናይ ዲፕሎማስያዊ ቋንቋን ከምዝተጠቅዓዔ እዩ ዝሕብር ።
ዝከበርኩም ኤርትራውያን ኣብዚ ግዜዚ ኤርትራ ሃገርና ስርዓት ኢትዮጵያ ዶባት ኤርትራ ጥሕሱ ንህዝቢ ኤርትራ ከሻቅልን ነቲ ህዝቢ እቲ ከባቢ ቅሳነት ኣብ ዝኸልኣሉ ዘሎ ግዜ ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብልዑላውነት ሃገር ክፍክርን ክምካሕን ከምዘጸንሔ ህሉው ኩነታት ዶባት ንህዝቢ ኤርትራ ክገልጽ ኣይከኣለን። እዚ ጉጅለዚ እንታይ ኣጀንዳ ሕዙ ከምዘሎ በቲ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሰብኣውን ቁጠባን ማህበራውን መንፈሳውን ቀጻሊ ዕንወት ከርድኣና ይግባእ። እዚ ኣረሜናዊ ጉጅለዚ ዕድሜኡ ዘብቀዔ ናይ ምትኹኡ ጉዳይ ጥራሕ ክህሰበሉ ይግባእ ።
ሕጂ ሓንቲ ፍጻሜ ነዚ ናይ ህግደፍ ተግባራትን ጠባያትን እትዝክር ከዋጋዓኹም ። ኣቦይ ንጉሩ ዝብሉዎም ሰብኣይ ኣብታ ዝቅመጥዋ ዝነበሩ ዓዲ ለይቲ ለይቲ ዝብኢ ወሲዱኒ እናበሉ ኣውያት ይገብሩ ፡ ወዮ ዓዲ ካብ ድቓሶም ኣብቲ ድቅ ዝበለ ጸልማት ተሲኦም ክረድኡ ይጎዩ ። እንተኮነ ኣብቲ ቦታ ኣባይ ንጉሩ ምስ በጽሑ ዝብኢ የለን ውላድ ዝብኢ ። ወዮ ዓዲ እናተራገሙ ኣብ ገገዘኦም ይምለሱ ። እንደገና ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣቦይ ንጉሩ ከም ኣመሎም ኣውያት ይድርጉሑዎ ፡ ዓዲ ኸኣ ክትረድእ ትኽይድ ፡ ሕጂ እውን ዝብኢ የለን ኣሰር ዝብኢ ። ኣብ ሳልሳይ ግዜ ነቦይ ንጉሩ ዝብኢ ብሓቂ ይመጾም ፡ ካብ ግንባሮም ዓይኖም ሓዊሱ በጂሉ ይውስድ ፡ ኣውያት ደርጉሑዎ ዓዲ ግን ሰብኣይ ክንደይ ግዜ ከታልለና ሕጂ እውን ሓሲዩ ይኸን ብምባል ኣስቅጥ ኣቢሎም። ኣቦይ ንጉሩ ብሓንቲ ዓይኖም ክነብሩ ተገዲዶም ። ህግደፍ ከኣ ዓለም ኣንጻረይ ኮይና ክብል ክምድርን ክፍክርን ድሮ 12 ዓመት ኮይኑዎ ። ዓለም ከኣ ብተግባራቱ ብሓቂ ፍንፊናቶ ኣመሉ እዩ ስለ ዝበለት ፀጥታ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕ/ሃ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ እንተጋህሰ ከም ዘይሰምዔትን ዘይረኣየትን ኣስቂጣ ትርከብ።
ኣብ መወዳእታ መጸዋዕታ ንሓይልታት ምኽልኻል ኤርትራ።
ጉጅለ ህግደፍ ብፀጥታዊ መዳይ ጠንቂ ናይ ምድፋር ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ክኽውን እንከሎ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስራሕ ኣልቦነትን ጥሜትን ክሳቐ ዝፈረደ ጉጅለ ሃገር ክመርሕ መሰል የብሉን ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኩን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ነዚ ጉጅለዚ ንምእላዩን ምውጋኑን ሰዓቱ ዝበዝጽሔ ምዃኑ ዝእምት ካብ ኾነ ፣ እቲ ቅያ ካባኻትኩም ሓይልታት ምኽልኻል ኤርትራ ጥራሕ ክመጽእ ኣለዎ። ታርኽን ክብሪን ሃገርኩምን ስዉእትኹምን ኣሕድሱ!
ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስውኣትና
ክብሮም ግረነት
6/19/12
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ውጽኢት ቃልሲና ነጻነት ርኢና፡ ውጽኢት ነጻነትና ግን ጌና ዕለት 24 ግምቦት 1991 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ: ድሙቕ ብራሃን ጸሓይ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ...
-
ናጽነት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝባን ጀጋኑኣን ኢዩ ንኤርትራ፡ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንምግልጋላ ዝተኸፍለ...
-
ወዮ ኣያና ደኣ መን ከብዱ ረጊጹዎ’ዩ ሃለውለው ዝብል ዘሎ? ዝነደየ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ፡ ትሕቲ መሬት ኣትዩ፡ መይቱ ክነሱ፡...
-
ነጻነትና ንናይ ሎሚ ሃለዋትና ጠንቂ ኣይኮነን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅነ መዓልቲ ነጻነትና ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ...
-
ንብሎን ንገብሮን በበይኑ ኤርትራዊ፡ካብ ጥንቲ - ጥቅምቲ፡ ንመሰሉ ተጣባቂ፡ ከም ዝኾነ ብቀዳሞት...
-
ናይ ሓዘን መግለጺ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዲሞከራሰያዊ ሓይልታት ኤርትራ(CC-ENDF)፡...
-
ሃገር ብቅኑዕ እምበር ብሓሶት ሓበሬታ ኣይትህነጽን ኣብ ዝኾነ ዓለም እንተኸድና እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ሓሶት ኢዩ። ወረ...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




