ደምዳሚ መግለጺ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰሜን ኣሜሪካ
ዞባዊ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ከተማ ኢንዲያናፖሊስ፡ ኢንድያና፡ ካብ ዕለት 09-10 ሰነ 2012 ተቓኒዑ። ጉባኤ ኣብ ትሕቲ "ልዑላውነታን ዶባታን ዝትሓለወ ምስ ጎረባብታ ብሰላም አትነብር ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ ክንቃለስ ኢና፣ ህዝባዊ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘይብዳህ ዕጥቂ ሰዲህኤ. እዩ፣ ኤርትራ ሓድነታን ብዙሕነታን ብቕዋም ኣውሒሳ ክትነብር ሕድሪ ስውኣትና እዩ፣ ብዘይ ተሳትፎ መንእሰይን ደቀ ኣንስትዮን ዝዕወት ህዝባዊ ዲሞክራስዊ ቃልሲ የልቦን፤ ዝብሉ ሓያል መልእኽቲ ዝሓዙ መርሖታትን ጭርሖታትን እዩ ተኻይዱ። ጉባኤ ከምቲ ልሙድ ብእንቋዕ ብድሓን መጻእኩም ዝብል ናይ የአንጋዲት ከተማ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ቀጺሉ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዘውጽኣቶ መደብ፣ ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለን ዛዕባታት ጉባኤን ብኣቦ መንበር ኣሰናዳዊት ሽማግለ ኣቶ ተኽለ ዑቕባዝጊ ቀረበ።
ቀጺሉ መልእኽቲ ኣቦ መንበር ሰልፊ፣ ኣቶ ሓምድ ድራር ብኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣቶ ዮሴፍ ሃይለ ድሕሪ ምንባቡ፣ ኣቶ ወልዱ ነጋሲ፣ ኣቦ መንበር ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብወገኑ ንንጥፈታት ዞባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰሜን ኣሜሪካ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕረበ። ጉባኤ ድማ ንዝቐረበ ጸብጻብ ኣጽደቐ።
ጉባኤ ንጸብጻብ ምምሕዳር ዞባ ድሕሪ ምስማዕ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣትኲሩ ዘተየ።
1. ዞባዊ ምምሕዳራዊ ጉዳያት
2. ስርርዓዊ ጉዳያት
3. ገንዘባዊ ጉዳያት
4. ኣህጕራዊ ጕዳያት
5. ጕዳይ ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን
6. ማሕበራባዊ ጉዳያትን።
ተጋባእቲ ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጉዳያት ዕቱብ ምምይያጥ ድሕሪ ምክያድ ጉድለታት ተለልዮም ብምእራምን ሃጓፋት ተመሊኦምን ብዝበለጸ መንገዲ ቃልሶም ንቕድሚት ከሕንኑ ተሰማሚዖም።
ንጉባኤኛታት ካብ ዝመሰጡን ኣብ ጕዕዞ ቃልሲ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክገብሩ ትጽቢት ኣንቢሮሙሎም ዘለዉን፡ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ መደባት ተኻዪዶም።
1ይ፡ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ፣ ኣሕዋት ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ ጎይትኦም ኢማምን ሓውትና ኤርትራ ኣላልኣዛርን፡ ናይ ኣብያተ ጽሕፈት ክፍሊ ምምሕዳር ኣባላት ሓው ኣለም ዮውሃንስ፣ ኣባል ማእከላይ ባይቶን፡ ሓው ፍስሃየ ሓጎስን ሓው ዮውሃንስ ምስግናን ነንዝምልከቶም ቤ/ጽ ወይ ክፍሊ ምምሕዳር ወኪሎም ኣገዳስን ሰፊሕን ሓበሬታ ኣስኒቖም። ጠቓሚ ለበዋታት እውን ተቐቢሎም።
2ይ ኣሕዋት ዶክ/ ገብረመስቀል ገብረ፡ ጎይትኦም ኢማምን ገረዝጊሄር ተወልደን ብዛዕብ ኣወንታዊ ለውጢ ንሰዲህኤ እንታይ ማለት ምዃኑን መበገሲኡን መስርሑን መዕለቢኡን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም።
3ይ ኣሕዋት ረዘነ ሃብተ፡ ጸጋይ ነጋሽን ተስፋሚካኤል ዮውሃንስን ንኣውሃሃዲ ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ ወኪሎም ብዛዕባ ናይ ምንቅስቓሶም መንቀልን ዕላምኡን ኣዕሚቖም ገሊጾም። ናይ ደገፍ ቃሎም ድማ ብሓው ረዘነ ሃብተ ተነቢቡ።
ጉባኤኛታት፡ ብ2010 ሰዲህኤ፡ ንዝወሰዶ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዝሕሉ፡ ንመጻኢ ትውልዲ ሕማቕ በሰላ ዘይገድፍ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ቃልሲ፣ ሓቀኛ፡ እንኮን ዘይዋላወልሉን ስትራተጂ ምዃኑ ደጊሞም ኣረጋጊጾም። ንምዕዋቱ ድማ ቃልሶም ብዝለዓለ ከሕይሉ ምዃኖም መብጽዓኦም አሐዲሶም።
ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ክረጋገጽ ዝኽእል ዲሞክራስያዊ ለውጢ ስለዘየለ፣ ጉባኤ ዝክኣል ምትብባዕን ደገፍን ክግበር ኣድላዪንቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣስመረሉ።
ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራ ተበጊሱሉ ዘሎ ልዑል መትከላዊ ዕላማ ምእንቲ ክዕወት ኣባላት ሰዲህኤ ግደኦም ብዕቱብ ከበርክቱ ይጽውዕ።
ኣብዚ ዲጂታል መዋእል፡ ዓለምና ብናይ ወረ ማዕከናት ትናወጸሉ ዘላ እዋን፡ ሰልፍና ንዝኾነ ዝነፍስን ዘሻቕልን ወረታትን ጉዳያትን ሃዲኡ ዝርእን ኣስተውዒሉ ዝምልስን ምዃኑ ኣሞጐሰ።
ምድፋር ልዑላዊ መሬትና ካብ ንስርዓት ህግደፍ ምቅዋም ፈሊኻ ዝርአ ዓብይ ጕዳይ ስለ ዝዀነ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓወት ፈጺመዮ ክብል ዝገለጾ ወትሃደራዊ ስርሒታት፡ ሰልፍና ንዝወሰዶ መርገጽን ኣተሓሕዛን ጉባኤ ደገፉ ገለጸ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኢርትራን ሓሓሊፉ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተዅሲ ልውውጥ ናብ ዝኸፍኤ ዕንወትን ህልቂትን ምእንቲ ከይሰጋገር ክልቲአን መንግስታት ብዘይውዓል ሕደር ከቋርጻኦን ንፍልልያተን ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሓን ጉባኤ ይጽውዕ።
ብሸውዓተ ኣባላትን ክልተ ተጠባበቕትን ዝቖመት ንዝመጽእ ክልተ ዓመት እተካይድ ሓዳስ ሽማግለ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ ጉባኤ ዕማምማቱ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ድማ ነበስር።
ኣብ መደምደምታ ናይ ምልኪ ዕምሪ ክሓጽር፡ ህዝብና ቀሲኑ ክነብር፡ መንእሰያትና ትርጉም ዘለዎ ህይወትን ናብራን ንከሕልፉ፡ ብዘይ ፍርዲ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ዘስካሕክሕ ኵነታት ዝነብሩ ዘለዉ ፍትሒ ምእንቲ ክረኽቡ፡ ሃገርና ብዊንታ ናይ ሓደ ባእታ ወይ ጕጅለ ዘይኰነስ ብቅዋም እትምሓደር፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዝኸብረላ፡ ፍትሕን ሰላምን ዲሞክራስን ዝሰፈና፡ ብልጽግቲ ሃገር ንኽትኰነልና ሰልፍና ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዅሎም ኣብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ጠቕሚ ዘለዎም ሓይልታትን ባእታታትን አእጃሞም ከበርክቱ ኣዕዚዙ ይጽውዕ።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስታት ህዝብና!
ወድቀትንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ!
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና!
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዞባኣ ሰሜን ኣሜሪካ
10/06/2012
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ውጽኢት ቃልሲና ነጻነት ርኢና፡ ውጽኢት ነጻነትና ግን ጌና ዕለት 24 ግምቦት 1991 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ: ድሙቕ ብራሃን ጸሓይ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ...
-
ናጽነት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝባን ጀጋኑኣን ኢዩ ንኤርትራ፡ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንምግልጋላ ዝተኸፍለ...
-
ወዮ ኣያና ደኣ መን ከብዱ ረጊጹዎ’ዩ ሃለውለው ዝብል ዘሎ? ዝነደየ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ፡ ትሕቲ መሬት ኣትዩ፡ መይቱ ክነሱ፡...
-
ነጻነትና ንናይ ሎሚ ሃለዋትና ጠንቂ ኣይኮነን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅነ መዓልቲ ነጻነትና ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ...
-
ንብሎን ንገብሮን በበይኑ ኤርትራዊ፡ካብ ጥንቲ - ጥቅምቲ፡ ንመሰሉ ተጣባቂ፡ ከም ዝኾነ ብቀዳሞት...
-
ናይ ሓዘን መግለጺ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዲሞከራሰያዊ ሓይልታት ኤርትራ(CC-ENDF)፡...
-
ሃገር ብቅኑዕ እምበር ብሓሶት ሓበሬታ ኣይትህነጽን ኣብ ዝኾነ ዓለም እንተኸድና እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ሓሶት ኢዩ። ወረ...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




