ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰደህኤ ካልኣይ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ
ዞባ ሰሜን ኣመሪካ እቲ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ኣብ ከክልተ ዓመት ዝካየድ ጉባኤኡ ካብ ሰነ 9-10 ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ ብዓወት ደምዲሙ።ተሳተፍቲ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ኣውርጃታት ሃገር ካናዳን ካብ መላእ ሃገር ኣመሪካን ኣብ ከተማ እንድያናፕሊስ ብምውሓዝ ንመላእ ጨንፈራት ሰልፊ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝወከሉ እዮም ኔሮም።
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ ኣቶ ጎይትኦም ኢማምን ወይዘሪት ኤርትራ ኣልኣዛርን ኣብ ጉባኤ ዞባ ብምርካብ ንቤት ጽሕፈታቶምን ንሰልፍን
ብምውካል ንጉባኤ ዞባ ተወሳኺ ትሕዝቶን ፍሉይ ክብደት ሂቡዎ ኔሩ። ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኣቶ ኣለም ዮውሃንስ ኣብ ጉባኤ ብምርካብ ንቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ብምውካል ሰፊሕ ስራሓት ቤት ጽሕፈቱን ዝጽበየና ብድሆታትን ንጉባኤኛታት ኣቕሪቡ።

ኣብ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ካልኣይ ጉባኤ ኣባላት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ምትእስሳር ደሞክራሲያውያን ሓይልታት ኤርትራ ወኪሎም ዝተሳተፉ ኣቶ ረዘነ ሃብተን ኣቶ ጸጋይ ነጋሽን ነቲ ኣብ ምቛም ዝርከብ ምትእስሳር ምስ ኣባላት ሰደህኤ ኣላልዮሞን ሰፊሕ ናይ ሕቶን መልስን ዘተ ብምክያድ ንምደሓኤ ዝኸዶ ዘሎ ጉዕዞን ዕላማታቱን ንጉባኤኛታት ዝምስጥ መግለጽን ናይ ደገፍ መልእኽትቶምን ኣመሓላሊፎም።
ጉባኤ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ብጸብጻባት ኣሰናዳዊት ሽማግለ ንጀሚሩ ናይ ደገፍ መልእኽታት
ድሕሪ ምስማዕ ናብ ጸብጻብ ዞባ ሽማግለ ብምእታው ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ። ኣቐዲሙ ግን: ንጸብጻባትን መደባት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ምጽዳቕ እትመርሕ ሽማግለ ናይ ጉባኤ ሰክረታርያ ብደሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ መደባቱ ኣሰላሲሉ።ንኩሉ ንመደባት ዞባን ጸብጻብ ዞባን ድማ ጉባኤ ብሙሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።ጉባኤ ኣብ ምውዳእ ናይ ቀዳማይ መዓልቱ መደባት ሓዳሽ ናይ ዞባ ሽማግለ ንምምራጽ ሕጹያት ብምሕጻይ መደባቱ ወዲኡ ናብ ናይ ባህሊ ምሸት ብምእታው በቶም ውናማት ናይ መንእሰያት ባህዊ ጉጂለ ሰደህኤ ወጋሕ ትበል ለይቲ ናይ ምዝንጋዕ ጊዜ ተደምዲሙ ናብ ናይ ሰንበት እኼባ ንኽራኸብ ናይቲ መዓልቲ መደባት ተደምደመ።
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
መብጸዓና ንመጻኢ መዓልቲ ነጻነት ንመበል 22 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ድሮ ንድሕሪት ክንገድፋ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ፡ ንልዕሊ...
-
ነጻነት መዓልቲ ኤርትራ ግንቦት ዕስራን ኣርባዕተን ናይ ህዝቢ እምበር ኣይናይ ሓደን ኣይናይ ጉጅለን ኣቐዲመ ነቲ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ህዝቢ ኤርትራን ደቁን ዝተሰዋእሉን...
-
ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ሰላማዊ ሰልፊ ንድሕነት ሕዝቢ ኤርትራ! ዕለት፥ 24 ግንቦት 2013 ካብሰዓት...
-
ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነትና መጻኢና እነማዕድወሉ’ዩ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ውጽኢት መስዋእትነት ኩልና ኤርትራውያን...
-
ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲሸሪፈይ ዝውዕል ሓገዝ ንምእካብ፣ ኣብ በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ ዕዉት መደብ ተኻይዱ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤ.ደ.ማ) ተዳልዩ ዝተዓደመ፣ ብዙሓት...
-
ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ መስራቲ ኮንፈረንስ ናይ ምሕዝነት ገስገስቲ ሰልፍታትን መበል 150 ዓመት ጽንብል ምምስራት ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመንን ክሳተፍ ኢዩ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ...
-
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ ኣብ ፍራንክፈርት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




