ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ
መንእሰያት ናይ ለውጢ ተራኦም ክጻወቱ ይበጋገሱ ኣለዉ። ነዚ ዘረጋግጹ ምልክታት ድማ፡ እቶም ኣበየቦታኡ ዝቖሙ ዘለዉ ናይ መንእሰያት ማሕበራትን ዘካየድዎ ዘለው ንጥፈታትን ኢዮም። ተሳትፎ መንእሰያት፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ግንቦት 2012 ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፍታት መብዛሕትኦም ብመንእሰያት ዝተወደቡን ዝተጐስገሱን ኢዮም ነይሮም። ከምኡ ውን፡ ብኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ዝተደረኸ ናይ ዓርቢ ንሓርነት ዝብል ናይ ሰላማዊ ተቓውሞ መደብ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ኣርዒዱ ካብ ዘሎ ምንቅስቕሳት ሓደ ምዃኑ ከይጠቐስካ ክሕለፍ ኣይከኣልን ኢዩ።
ስለ’ዚ ኢዩ ውን፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘዳለዎ ጽንብል መበል 21 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ መንእሰያት ከይዝርግሉ ስለዝሰግአ፣ ቅድሚ በዓላት ምጅማሩ፡ ብርቱዕ ናይ መንእሰያት ግፋ ከካይድን ጽዑቕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ክገብርን ዝተራእየ።
ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኻየደ መንእሰያት ብብዝሒ ዝተሳተፍዎ ኮንፈረንስ ንገዛእ ርእሱ ካልእ ንዕብየት ግደ መንእሰያት ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ዝሕብር ተወሳኺ ተረኽቦ ኢዩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያት ሰዲህኤ፡ ሓው ኣማኒኤል በራኺ፡ ናብ’ዚ ኮንፈረንስ’ዚ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ደገፍ መልእኽቲ፡ እቲ ኮንፈረንስ፡ ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምሕጻርን ዲሞክራስያዊ ባህሊ ኣብ ምስራጽን ዓቢ ግደ ክጻወት ምዃኑ እምነቱ ገሊጹ። ንህዝቢ ኤርትራ ውን፡ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘካይዶ ቃልስታቱ ከሕንን ጸዊዑ።
ኣብ ሊምቡርግ፡ ጀርመን፡ ንካልኣይ ዓመቱ ዝካየድ ዘሎ ሰሚናር መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘካይድዎ ዘሎ ቃልስታት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኢዩ። ሰሚናር መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሃለዋት መንእሰያት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንሃለዋት መንእሰያት ሰልፊ ድሕሪ ምግምጋሞም፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝምድናታቶም ከደልድሉ’ዩ ጸዊዑ።
ልዕሊ ኵሉ ግን፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣድማዒ ተራ ክጻወቱ እንተደኣኰይኖም፡ ሓድነቶም ወሳኒ ምዃኑ ክርድኡ ኣድልዪ ኢዩ። መንእሰይ ሞተር ናይ ለውጢ ስለዝዀነ፡ ብመንግስቲ ይኹን ብተቓወምቲ፡ ብውሽጢ ይኹን ብግዳም ተጠማትን ተደላዪን ሓይሊ ምዃኑ ክግንዘብ ይግባእ። ካብ’ዚ ኣገዳሲ ተራ ናይ መንእሰያት ተበጊሶም ድማ፡ መንግስቲ ይኹን ተቓወምቲ፣ ናይ ውሽጢ ይኹኑ ናይ ግዳም ሓይልታት፣ ንመንእሰይ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ቅኑዕ ይኹን ጸቢብ ዕላማታት ከውዕልዎ ሓርኰትኰት ክብሉ ምዃኖም ክዝንጋዕ የብሉን። ስለ’ዚ፡ መንእሰያት ንውልቀ-ሰብ፡ ንኣውራጃ፡ ንዓሌት ወይ ንግዳማዊ ረብሓታት ዘይኰነስ ንዕላማታት ናይ ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ሰላምን ዲሞክራስን ኢዮም ክሕለቑ ዘለዎም። ጭርሖም እምበኣር፡ ንንቃሕ፡ ንወደብ፡ ብሓደ ኰይና ንረብሓታት ህዝብና ደው ንበል፡ “ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ” ዝብል’ዩ ክኸውን ዘለዎ።
ኣብ መንጐ ኤርትራዊ መንእሰይ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ-በይ አርያን (EYC) ኣብ መንጐ ኤርትራዊ መንእሰይ ምድግጋፍ ንለውጢ (EYSC) ዝተበጽሐ ናይ ሓድነት ስምምዕ እምበር፡ ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ፍጻመታት ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ኢዩ። ካልኦት ውን፡ ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ክስዕብዎ ይግባእ።
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነትና መጻኢና እነማዕድወሉ’ዩ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ውጽኢት መስዋእትነት ኩልና ኤርትራውያን...
-
ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲሸሪፈይ ዝውዕል ሓገዝ ንምእካብ፣ ኣብ በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ ዕዉት መደብ ተኻይዱ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤ.ደ.ማ) ተዳልዩ ዝተዓደመ፣ ብዙሓት...
-
ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ መስራቲ ኮንፈረንስ ናይ ምሕዝነት ገስገስቲ ሰልፍታትን መበል 150 ዓመት ጽንብል ምምስራት ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመንን ክሳተፍ ኢዩ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ...
-
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ ኣብ ፍራንክፈርት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ...
-
ውጽኢት ቃልሲና ነጻነት ርኢና፡ ውጽኢት ነጻነትና ግን ጌና ዕለት 24 ግምቦት 1991 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ: ድሙቕ ብራሃን ጸሓይ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ...
-
ናጽነት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝባን ጀጋኑኣን ኢዩ ንኤርትራ፡ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንምግልጋላ ዝተኸፍለ...
-
ወዮ ኣያና ደኣ መን ከብዱ ረጊጹዎ’ዩ ሃለውለው ዝብል ዘሎ? ዝነደየ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ፡ ትሕቲ መሬት ኣትዩ፡ መይቱ ክነሱ፡...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




