ኣንታ ንሕና
ዘይተምውቕ ጸሓይ ዘየዝሕል ደበና
ዘየስምዕ ድምጺ ዘየርኢ ብርሃና
ንበይኑ ዝቑዝም ዘይፈልጥ ንሕና
ዘይዕቀን ርሕቀት ዘይምዘን ክብደት
ዘይፍለጥ ሕብሪ ዘይተራእየ ደረት
ምስምንታይ ይቑጸር? ብመንከ ይግመት
ዝናብ እንከሎ ዘይዛሪ
ክኢላ እንከሎ ዘየዕሪ
ግብሩ ፈሊጡስ ዘይኩሪ
ናበይ ዕንይንይ ፈዘዝመዘዝ
እግሪ ይርገጽ ኢድ ይሓዝ
ነብስኻ ኸኣል ናብ ባላ ኣይትጐዝጐዝ
ብተይ እንከሎ ዘይዕንድር
ሓሳብ እንከለዎ ዘይምድር
ንውሽጢ ዝነብዕ ዘንጸርጽር
ዘይሓስብ ንደሓር ብሎሚ ዝግዛእ
እንዳተጻወተ ጸጸር ክሳብ ዝውዳእ
መንዩ ክፍውሶ ቃንዛኡ ንምህዳእ
ዘይረግእ ጸባ ዘየውጽእ ጠስሚ
ለውጢ ዘየብሉ ሎሚ’ውን ከም ዓሚ
ዘይጻዒ ምዕዶ ዘይፍታሕ ሕልሚ
ኣንታ ንሕና እዞም ተጣበቕቲ
እስኪ ንመርመር በብሓንቲ
ንፈልዮ ደለና ንሜላ ካብ ስልቲ
ኣካ ወዓልና ኣብ ጉባአ ዱብዱብ
ካን እታ መገሻ ንሳ ድያ ተዕግብ
ኣብ ህዉኽ ዕዳጋ መኽሰብ እትጽብጽብ
ንግርህነት ይሃልዎ ደረት
ንስስዐ ንግበረሉ መግዕገት
ናይ ሕርጓቶ ሳእኒ ኣይውስኽን ቁመት
ዝደንደነ ድሂኹ ሕልና የምክኽ
ትኣምኖ ንምባል ኣይትሕነኽ
ኣይትረስዕ ዝሃበ ከም ዝልእኽ
ኢድ ሰብ ምጽባይ የነውር
መዓር እንከሎስ ይመርር
ሃበኒ’ኮ ህበይ’ዩ ዝገብር
ኣንታ ንሕና እወ ንሕና
ንርእዮ ንሰምዕዶ ኣለና
ይፈኩስኮ ኣሎ እቲ ዛንታና
እስኪ ንጸመም ንጽናዕ
ህዝብና ክብለና ኣገናዕ
ኣይንወስኸሉ ነቲ ነቓዕ
ድሌት ደረት የብሉን ተዘይተዓገተ
ቢሑቕ ታይትርጉሙ ተዘይተሰንተ
ሓንቲአን ንምረጽ ካብተን ክልተ
እስኪ ንሕና ንኹን ናይ ብሓቂ
ውጽኢቱ ክኾነልና ዲንቂ
ብራህዋ ክሰዓር’ቲ ጨንቂ
ቅድሚ ምስጓምና ናብ ጉባአ ዋዕላ
ወፍርና ክህልዎ መዓላ
ሃዲእና ንትከሎ ነቲ ጓይላ
ኣብ ሎሚ ኣይንረስዕ ጽባሕ
ብዘይናትና ቅልጽም ኣይንመካሕ
ብዘይናትና ልሳን ኣይንንባሕ
ኣብቲ ዘይፈላሊ ኣይንፈላለ
ኣብቲ ዝፈላለ ንተኣላለ
ጻዕርና ክኸውን ዝተኣውለለ
እቲ ንረኽቦ ብኸመይ ንፍለጦ
ንኽብርና ከየፍኩሶ ከይቅንጥጦ
ዘሪእካ’ምበር ኣይትኮብን ቁሚጦ
ኣይንበል ጣምጣም ንስልጣን
ፈሊና ንፍለጦ ንመልኣኽ ካብ ሰይጣን
ኣይዓብልኸና ናይ ስስዐ ዕጣን
ልቢ ጓና ምሸት ናብ ዋናኡ
ነዚ’ባ ነስተውዕል ብኣጋኡ
መልእኽቱ ክርደኣና’ዩ ብድሕሪኡ
ኣንታ ንሕና ኣንታ ንሕና
ህዝባዊ ዕማምና ነዊሕ ጉዕዞና
ሓድነትና’ዩ ምስጢር ናይ ዓወትና
(ኣርዓዶም በርሀ)
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ውጽኢት ቃልሲና ነጻነት ርኢና፡ ውጽኢት ነጻነትና ግን ጌና ዕለት 24 ግምቦት 1991 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ: ድሙቕ ብራሃን ጸሓይ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ...
-
ናጽነት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝባን ጀጋኑኣን ኢዩ ንኤርትራ፡ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንምግልጋላ ዝተኸፍለ...
-
ወዮ ኣያና ደኣ መን ከብዱ ረጊጹዎ’ዩ ሃለውለው ዝብል ዘሎ? ዝነደየ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ፡ ትሕቲ መሬት ኣትዩ፡ መይቱ ክነሱ፡...
-
ነጻነትና ንናይ ሎሚ ሃለዋትና ጠንቂ ኣይኮነን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅነ መዓልቲ ነጻነትና ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ...
-
ንብሎን ንገብሮን በበይኑ ኤርትራዊ፡ካብ ጥንቲ - ጥቅምቲ፡ ንመሰሉ ተጣባቂ፡ ከም ዝኾነ ብቀዳሞት...
-
ናይ ሓዘን መግለጺ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዲሞከራሰያዊ ሓይልታት ኤርትራ(CC-ENDF)፡...
-
ሃገር ብቅኑዕ እምበር ብሓሶት ሓበሬታ ኣይትህነጽን ኣብ ዝኾነ ዓለም እንተኸድና እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ሓሶት ኢዩ። ወረ...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




