ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ
ብ25 05 2012, ከም ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ዓለምና ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ እውን ዕዉትን ኣድማዕን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ:: እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብስመር ብዝፍለጥ ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ምንእሰያት ዝተዳለ ክወይኑ፣ ንኹሉ ብሃገሩ ዝግደስ ዜጋ ዘሳትፍ ክፉት ህዝባዊ ሰላልማዊ ሰልፊ እዩ ነይሩ:: ስለዝኾነ ድማ፣ ሰልፈኛታት ዋላኳ ዕብለላ መንእሰያት ይንበሮም እምበር ሓያለይ ኣቦታትን ኣደታትን እውን ተሳቲፎም ነይሮም::
ሰላማዊ ሰልፊ ግንቦት 25 2012 ኣብ ደምበተቃውሞ ኤርትራ ብዓይነቱን ርዝነቱን ፍልይን ብሉጽን ዝኾነ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ:: ተሳተፍቲ ናይዚ ከቢድ ዝመልእኽቱ ሰላልማዊ ሰልፍ ካብ ኩለን ከተማታት ኖርወይ ማለት ካብ በዓል ትሮንድሃይም፣ ስታቫንገር፣ ትሮምሶን ካልኦትን ናይ ክሳብ 10 ሰዓታት መንገዲ ብመጐዓዝያ ተሳፊሮም ዝተሳተፉ ነበሩ:: ብተወሳኺ ካብ ስዊድን ከተማ ዩተቦሪን ከባቢኣን ዝተሳተፉ እውን ሓያለይ ነይሮም:: እዞም ብስመር ዝብል ስም ዝፍለጡ መንእሰያት ብስሙር መንፈስ እዩም ነዚ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊዚ ንምድላውን ብዓወት ንምክያዱን ካብ ነውሕ ግዜ ኣትሒዞም ጽዑቅ ምድላዋት ክገብሩ ጸኒሖም::
ቁጽሪ ተሳተፊቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኦስሎ ንምጀመርያ ግዜ ካብ ብ10ታት ናብ ብኣማኢት ዝቁጸር ብዝሒ ተሰጋጊሩ:: ምናልባት እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዕለተ ስራሕ እንተዘይካየድ ነይሩ ግን ቁጽሪ ሰልፈኛታት ብኣሽሓት እውን መተቖጽረ ነይሩ ኢልካ እውን ዝግመት እዩ. ሰልፈኛታት ናብ ከይዲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘገልግል ዝተፈላለየ ጽሑፋት ዘለዎ ፍሉይ ማልያታት ብምድላው ንዑኡ ለቢሶምን፣ ዝተፈላለየ ጽሑፋዊ ጨርሖታት ሒዞምን እዮም ካብ ከባቢ ሰዓት 1>30 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሮም ብስሙር ድምጾም ንማእከል ከተማ ኦስሎ ኣንጎድጕዶማ:
ይኣክል ባርነት ስመር ንሓርነት፣
እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ
ህግዲፍ መንደፍ ዓንድና ግደፍ
ዝብሉን ካልኦትን ካብዚ ናይዚ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ጽሑፋውን ናይ ቃልን ጭርሖታት ነበሩ::
እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ብብዙሕ መዳያቱ ኣድማዕን ጸላውን ናይሩ. ገለ ካብ ዓወታቱ፣
- ከምቲ ስርሒት ናደው ንጭቁን ተቓላሳይ ህዝቤ ኤርትራን ንተዓዛባይ ህዝቢ ዓላምን ናይ ዓወት ቃልሲ ህዝቤ ኤርትራ ጩራ ዘንጸባረቀ፣ ሰርሕት ስመር 25 ግንቦት 2012 እውን ብተመሳሳሊ ነቲ ተስፋ ዝሰኣነ ውጹዕ ህዝብና ዓቢይ ተስፋ ኰይንዎ እዩ::
- እቲ ብሰንኪ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ሎሚ ኣብ ዕጹብ ስደትን ከርተትን ተጻዲሑ ዝርከብ፣ መጻኢ ዕድሉ ድማ ኣብ ክብረትን ትርጉምን ኣልቦ ዝኾነ ዘመናዊ ባርነት ዝወደቀ መንእሰይ ኒሰብኣዊ ዝኾነ እከይ ተግባር ናይዚ ስርዓት እዚ ድሕሪ ደጊም ካብዚ ንላዕሊ ከምዘይጻወሮ ኣዊጁ::
- ብሰንኩ ድማ ንመላኺ ስርዓት ኢሰያስን ኣምለኽቱን ዓቢ ራዕድን ርበጻን ፈጢርሎም. እዚ ከም ኣብ ሕድሕዱ ተጐራቢቱ ዝተቀብረ ነታጕ ሓንቲ ካብኣተን ምስተፈንጀረት እቲ ካልእ እውን ኣሰራ ዝስዕብ፣ ድምጺ እዚ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ድምጺ ውጹዕ መንእሰይ ድማ ብፍላይ ካብ ግዜ ናብ ግዜን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ግንፋለኡ እንዳዛየደ ምምጽኡ ን ህግዲፋውያን ዓቢይ ስግኣት ኰይንዎም ይርከብ. እቲ ከም ኩምራ ደመናታት ኣብ ሰማይ ተኣኻኺቡ ናብ ማይ ብምቅያር ንምሬት ብጠሊ ዘርህወላን ንንሕድሕዱ ተጋጭዩ ብርቂ ኰይኑ ከምዝወርድን፣ ህግደፋውያን እውን እዚ ምትእኽኻብን ምዃማርን ድምጺ ውጹዕ ዝተበታተነ መንእሰይ ኤርትራ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ መስተርሆ ንህግዲፋውያን ድማ ናይ ምቅጻዕቲ ነጐድጓድ ኰይኑ ንኽወርዶም ዕለቱ ነዊሕ እምዘይኮነ ኣረጋጊጾም ፍሊጦም::
- ብዘይካ እዚውን ስርሕት ስመር ግንቦት 25 ነቲ ኣድማዕነቱ ብዘየገስ ድሌት ህዝቢ ኣብ ግምት ከየእተወ ልውጢ ብጎነጻዊ ቃልሲ ዝብል ፖሊስን ስትራተጅን ናይ ገለ ክፋል ደምበ ተቃውሞና፣ ልውጢ ኣብ ህልው ኤርትራዊ ሃዋህው ብጐነጻዊ ስልትን ብብረታዊ ወስታን ዘይኮነስ ክውንነቱ ብዘይጎነጻዊ ቃልሲ ምኳኑ ብግብሪ ኣርእዩ. ከመይሲ ን10ታት ዓመታት ዝቀጸለ ጻውዕት ንብረታዊ ቃልስን ወስታት ኲናትን ንመላኺ ስርዓት ህግደፍን ኣምለኽቱን ካብ ምሽዳን ሓሊፎም ዘምጽእዎ ለውጥን ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓትን ሰዓብቱን ዝገድፍዎ በሰላን ኣይነበረን::
በዚ ምኽንያትዚ ድማ ሰላማዊ ሰልፊ ግምቦት 25 2012፣ ስርሒት መንእሰያት ስመር ግንቦት 25 212 ተባህሉ እንተ ተሰምየውን ዘይግብኦ ኣይኮነን::
ዓውት ንደሞክራስያዊ ቃልስን ንውጹዕ ህዝብን!!!
ክፍሊ ዜናን ሓበረታት ጨንፈር ኖርወይ.
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነትና መጻኢና እነማዕድወሉ’ዩ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ውጽኢት መስዋእትነት ኩልና ኤርትራውያን...
-
ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲሸሪፈይ ዝውዕል ሓገዝ ንምእካብ፣ ኣብ በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ ዕዉት መደብ ተኻይዱ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤ.ደ.ማ) ተዳልዩ ዝተዓደመ፣ ብዙሓት...
-
ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ መስራቲ ኮንፈረንስ ናይ ምሕዝነት ገስገስቲ ሰልፍታትን መበል 150 ዓመት ጽንብል ምምስራት ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመንን ክሳተፍ ኢዩ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ...
-
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ ኣብ ፍራንክፈርት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ...
-
ውጽኢት ቃልሲና ነጻነት ርኢና፡ ውጽኢት ነጻነትና ግን ጌና ዕለት 24 ግምቦት 1991 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ: ድሙቕ ብራሃን ጸሓይ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ...
-
ናጽነት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝባን ጀጋኑኣን ኢዩ ንኤርትራ፡ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንምግልጋላ ዝተኸፍለ...
-
ወዮ ኣያና ደኣ መን ከብዱ ረጊጹዎ’ዩ ሃለውለው ዝብል ዘሎ? ዝነደየ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ፡ ትሕቲ መሬት ኣትዩ፡ መይቱ ክነሱ፡...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




