መሰል ብቓልሲ እዩ ዝኽበር!
ከም ሎሚ ኔራ እታ ዕለት
ሳልሰይቲ ሰንበት
ናይ መጋቢት
ድምጺ ጀጋኑ ዘቓልሐት
ናይ ቃልሲ መኣዝን ዝወደነት
ተጎርባ፡ እታ እምባ ናይ ናጽነት መጎዝጎዚት
እታ መጻኢ ግጥምያታትና ፈላሚት
ክብሪ ኣልቢሳትና
ሓቦን ስኒትን ኣዕጢቃቶም ኣያታትና።
ንቕድሚት ክስጉሙ
ናይ መጻኢ ብርሃን ክሓልሙ
ዋላ ኣይርኣይዎ
ነቲ ዝውለድ ክርህዎ
መንገዲ ከርሕዉ
እንተ ንሳቶም ክብጀዉ
ኣብ ሑቕፋ ክወድቁ
ዕድል ወለዶታቶም በዕጽምቶም ክነድቁ
ብእምቢ ከምዝጅመር
መሰላትካ ብዘይዋጋ ከምዘይክበር
ኣዘኻኺራ መስዋእቶም ተቐቢላ
ባና ብርሃን መጻኢ ርሑቕ ከም ዘይኮነ ኣበሲራ።
እቲ እምቢ ንኽብሉ እተማሕጸነቶም
መዓስ ኣብኡ ይሕጸር ዘይ ኣብ መሰላቶም
ሰለ እቲ ንመሰሉ ሓንሳብ ዘተንከፋ
ማዕጾ ዝኸፈተ ማንም ንክሃርፋ።
እታ መሰል ሎሚ ከም ትማል ዘይትቕየር
ትገሃስ ኣላ ኣብ ሃገር
ትምሕጸን ኣላ እምቢ ክንብል
ዛንታ ተጎሩባ ክንደግም
ክንገላገል ካብ ጸላም
ንመሰልና ንበል እምቢ
ሎሚ ልቢ ነዕቢ
ሃንቀውታ ሰላምን ቅሳነትን
ኢዮብ ኣርኣያ (ሽወደን)
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ ኣብ ፍራንክፈርት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ...
-
ውጽኢት ቃልሲና ነጻነት ርኢና፡ ውጽኢት ነጻነትና ግን ጌና ዕለት 24 ግምቦት 1991 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ: ድሙቕ ብራሃን ጸሓይ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ...
-
ናጽነት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝባን ጀጋኑኣን ኢዩ ንኤርትራ፡ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንምግልጋላ ዝተኸፍለ...
-
ወዮ ኣያና ደኣ መን ከብዱ ረጊጹዎ’ዩ ሃለውለው ዝብል ዘሎ? ዝነደየ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ፡ ትሕቲ መሬት ኣትዩ፡ መይቱ ክነሱ፡...
-
ነጻነትና ንናይ ሎሚ ሃለዋትና ጠንቂ ኣይኮነን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅነ መዓልቲ ነጻነትና ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ...
-
ንብሎን ንገብሮን በበይኑ ኤርትራዊ፡ካብ ጥንቲ - ጥቅምቲ፡ ንመሰሉ ተጣባቂ፡ ከም ዝኾነ ብቀዳሞት...
-
ናይ ሓዘን መግለጺ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዲሞከራሰያዊ ሓይልታት ኤርትራ(CC-ENDF)፡...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




