እስከ ሓቂ ክንዛረብን ክንሓትትን
ብዕለት 1 ግንቦት 2010 ‘’ንምዕዋት ሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምግባእ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ቃልሲ ኣመልኪቱ ኣብ ‘’ተጎርባ’’ ዝወጸ መግለጺ ዓሰርተ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን’’ ዝብል ጽሑፍ ኣንቢበ። ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ከኣ ኣመቓቒርካን ወቓቒጥካን ከተቕርቦ ከሎኻ ንብዙሓት ከደናግር ይኽእል ኢዩ። ነቲ ኵሉ ጊዜ ብቕንዕናን ብግርህናን ክጋገ ዝኽእል ሕብረተሰብ ኮነ ውልቀሰብ ገለ ቅሩብ መጠንቀቕታ ወስ ከብል ከኣ ተገዲደ።
ንምዃኑ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምንታይ ኣብ ዋዕላ ከይካፈል መሪጹ? እቲ ንሱ ዘቕርቦን ዝጽሕፎን ዘሎ ምኽንያትከ ሓቂ ኣለዎዶ? ኪዳንከ ቅድሚ ንዋዕላ ህዝቢ ምጕያዩ ናይ ባዕሉ ማለት ናይ ኣባላቱ ዕርቅን ስምምዕን ክገብር እንታይ ጸገሞ? ቅሩብ ኣዛዊሩ ክሓስብ ዝኽእል ሰብ ዝሓቶ ሕቶታት ኢዩ።
እቲ ንዋዕላ ዝድግፍን ዝህወኽን ዘሎ ህዝቢኸ እዚ ዋዕላዚ ንሃገርናን ህዝብናን ብማዕርነትን ብፍትሕን ዝጥምት ንሕብረተሰብናን ንብሔራትናን ዘየወግን ብዓወትን ቍምነገርን ክወጽእ ዝረጋገጸሉ መንገዲ ክረክብ ኣይምተገብኤንዶ? ንምንታይከ ዘይስከፍ? ንምንታይከ ዘይሓትት? ንምንታይከ ዘይዛረብን ንፍታሕ ዘይጽዕርን? ካብ ንኺድ ጥራሕ ኢልካ ምጕያይከ እገሌ ንምንታይ ኰርዩ? ሓቂ ኣለዎዶ? ካልእከ መን ተሪፉና ኣሎ ሰብና ከይንርስዕ ኣይንትሃወኽ ምባል ኣይግባእንዶ? ትበጽሖን ትጭብጦን ነገራት ከየረጋገጽካ ምጕያይከ የዋጽኣናዶ?
ኣነ ብወገነይ እቲ ነዚ ካብ ዓሰርተ ዘይበዝሕ ንኣሽቱ ውድባት ክዓርቕን ከሰማምዕን ዘይከኣለ፡ እሞ ከኣ ዓቕምን ኵሉ ተኽእሎታትን ጸጋን ዝወነነ ህዝቢ ዋዕላ ገሩ ንሃገረ ኤርትራን ንሕብረተሰባን ንብሔራታን ብሰላምን ብስኒትን ከናብር ዝኽእል ውሳኔታትን ሕንጻጻትን ሒዙ ንኽወጽእ ኣይጽበዮን ኢየ።
ብዝዀነ እቲ ቀንዲ መልእኽትን ጕዳይን ዝተመሓላለፈ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝዀነ እቲ ኣነ ዝህቦ ዘሎኹ ርእይቶ ንዓይ ንውልቀይ እምበር ነቲ ሰልፊ ዝምልከት ኣይኰነን። እቲ ኣነ ዝህቦ ዘሎኹ ርእይቶ ከኣ ናተይ እምበር እቲ ሰልፊ እውን ከምቲ ናተይ ርእይቶ ክህልዎ ናይ ግድን ኣይኰነን። ኣብ ሓደ ሰልፊ ምስራዕ ወይ ንሓደ ሰልፊ ብመትከሉን ብዕላማታቱን ምእማን ከኣ ፖለቲካዊ ቀይዲ ክህልወካን ምስ ብጾትካ ብሓደ ክትቃለስን ክትሰርሕን እምበር ኣፍካ ክትዕበስ ንዅሉ ትደልዮን ዝመስለካን እቲ ሰልፊ ጥራሕ ክውድኣልካ ክትገድፎ ማለት ኣይኰነን።
እዚ ኣበሃህላ እዚ ዝደጋግሞ ዘሎኹ ብዙሕ ንዓኡ ዝምልከት ሕቶታት ይመጸኒ ስለ ዘሎ ኢዩ። ስለዚ ነቶም ርእይቶይ ከይጽሕፍ ትመኽሩኒ ናይ ቀረባ ይኹን ርሑቕ ኣሕዋት ጊዜኹምን ጊዜይን እንተዘየጥፋእኩም ይሓይሽ ብማለት እቕሬታ እሓትት።
ብእምነተይ እቲ ክግበር ዝበሃል ዘሎ ዋዕላ ንዅላትና ደቂ ሃገር ንምእካብን ንምቅርራብን ዝዓለመዩ ብዝብል ሽፋን ዝተጐልበበ ስዉር ‘’ተዳሙናዊ ዋዕላ’ ንጕልቡብ ሓይሊ’’ ምዃኑ ስለዝጥርጥር እሞ እዚ ከኣ ዝምልከተንን ዝትንክፈንን ስለዝዀነ ምጽሓፈይን ዝመስለንን ምግላጽ መሰለይ ኢዩ። ኣነ ዝብሎን ዝጽሕፎን ከኣ ካብቲ በብዕለቱ ብኻልኦት ቋንቋታት ከይተረፈ ዘንብቦን ዝከታተሎን መሰረት ብምግባር ኢዩ። ንዝዀነ ዝመስለካን ዘሰክፈካን ብእሩምን ስነስርዓት ዘለዎን ኣገባብ ምግላጹ ከኣ ከነማዕብሎ ዘሎና ጕዳይ እመስለኒ።
ኣብ ሰውራታት ህዝቢ ኤርትራ ሃይማኖት መሳርሒ ኰይኑ ክንደይ ውግእ ሓድሕዳትን ተዋስኦታትን ክፍኣታትን ግፍዕታትን ክስርሓሉ ከም ዝጸንሔ ሎሚ እውን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ይስርሓሉ ምህላዉ ከኣ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኰነን። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖትን ኣመንትን ዘካይዶ ዘሎ ጭኮናን ዕንወትን ሕቡእ ኣይኰነን። ኣብ ደገ ከኣ ዓቕምን ስልጣንን ስለዘየሎ ኢዩምበር ክንደይ ካብኡ ዝኸፍእ ክበሃልን ክጽሓፍን ብግልጺ ክዝረብን ይውዕል ኣሎ። ‘’ተዳሙን’’ ንባዕሉ ትማል ትማል ንመሰል ሃይማኖት ምስልምና ጥራሕ ዝጣበቕን ዝከላኸልን ምትእኽኻብ ምዃኑ ዝኣወጀ ጅሃዳዊ ጥርናፈ ኢዩ። እሞ እዚ ብተበግሶን ዕላማን ምስንዳውን ኣባል ተዳሙን ብሃታ ሃታ ዝጕየዮ ዘሎ ዋዕላ እንታይ ዓይነት ውጽኢት ከምጽእዩ ንዓይ ብዙሕ ስዉር ኣይኰነን።
እዚ ንመሰል ሓደ ሕብረተሰብ ጥራሕ ንምክልኻል ዝተኣኻኸበ ሃይማኖታዊ ሰልፍታት ንማዕርነትን ንፍትሕን ንዲሞክራስን ህዝቢ ኤርትራ ዝዓለመ ዋዕላ ክገብርየ ክብል ከሎስ እቲ ተዳሙናዊ ዓላማኡኸ ኣበይ ክገድፎ ማለት ኢዩ? ተዳሙን ክቐውም ከሎ እኮ ንሓደ ዓላማ እምበር ንዕላል ወይ ንማሕበር ሻሂ ኣይኰነን። እዚ ብምባለይ ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ጽልኢ ወይ ስኽፍታ ስለ ዘሎኒ ኣይኰነን። ናይ ብሓቂ ንማንም ከረጋግጾ ዝደሊ ኣነ ኣብ ምሉእ ዕድመይ ኣዕሩኸይን ፈተውተይን መብዛሕትኦም ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ኢዮም። ብሂወት ዘለዉ እውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ካብኣቶም ብሃይማኖታዊ ጽልኢ ዝጥርጥረኒ ሰብ ኣሎ ኢለ እውን ኣይኣምንን።
ብወገኖም ዝብሉዎ እንድዒ እምበር ዋላ እዞም ዝዛረበሎም ዘሎኹ ኣብ ተዳሙን ዘለዉ መራሕቲ ውድባት እውን ከም ሰብ መጠን ኣነ ምስኣቶም ፍቕሪ እምበር ጽልኢ የብለይን። እቲ ኣነ ዘይቅበሎ እቲ ሃይማኖታዊ ክነሱ ፖለቲካዊ ኢሎም ዘቕርቡዎ ፍልስፍናኦም ጥራሕ ኢዩ። ነቲ ብዛዕባ ከበሳን ክርስትያንን ዝጽሕፉዎን ዝዛረቡዎን ዘርእዩዎ ምፍርራሕን ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ክልቲኡ ሕብረተሰብ ከትኣታትዉዎ ዝደልዩ ጽልእን ቅርሕንትን ስለዘይቅበል ጥራሕ ኢየ።
ገለ መራሕቲ ተዳሙን ንስርዓት ኣስመራ ከም ክርስትያናዊ መንግስቲ ኢዮም ክዛረቡሉን ክሰብኩሉን ክጽሕፉሉን ዝሰምዕ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ ክርስትያናዊ ስርዓት ምዃኑ ብምእማን ከኣ ሎሚ ቅድሚ ንሱ ምውዳቑ ንዕኡ ዝትክእ ናቶም ‘’እስላማዊ ሓይሊ’’ ኣማዕቢሎም ቀሪቦም ክጸንሑ ብግልጺ ኢዮም ዝዛረቡን ዝጽሕፉን። እቲ ኪዳን ቍንጣሮ ክርስትያን ስለ ዘለዉዎ ከኣ ክኣምኑዎ ኣይጸንሑን። ስለዚ ከኣዮም ካብ ውሽጡ ‘’ተዳሙን’’ ዝብሉዎ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ትካል ዝመስረቱ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይውሓዱ ይብዝሑ ብኽርስትያንን ኣስላምን ዝቖመ ሰልፊ ኢዩ። እንተወሓደ ከኣ ንኽልቲኡ ሕብረተሰብ ዘገልግል ፍትሕን ማዕርነትን ኵሎም ዜጋታት ዘረጋግጽ ቅዋም ኣለዎ። ኣነ ዝኣምኖን ዝድግፎን ከኣ ብቕዋሙን ብሕንጻጻቱን እምበር ብሃይማኖት መራሕቱ ወይ ብመንፍዓቶም ኣይኰነን።
ተዳሙን ግን ዋላ ሓደ እውን ክርስትያን ክኣትዎ ዘይክእል ናይ ጅሃዳውያን ሕዙእ ትካል ኢዩ።
ኣብ ዝዀነ ምትእኽኻብ ሓደ ውሕድ ዝበለ ወይ ድኽም ዝበለ ኣካል ክህልወካ ከሎ ከየስተማስልን ከይቅየምን ብዙሕ ኢኻ ትጥንቀቐሉ። ኣብ ተዳሙን ግን ከምዚ ዝበሃል ስኽፍታ የልቦን። እቲ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተመስረተ ንሰለስተ ሰልፍታት ዝጠርነፈ ሰልፊ ዋላ ኣብ ሓደ ከይተጠርነፈ ከሎ እውን እንተዀነ ብቝጽሪ ንሳቶም ይበዝሑዎ ከም ዝነበሩ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ከም ሓቂ ኣብ ሓደ ምጥርናፉ ከኣ ከሓጕሶም እምበር ከስግኦም ኣይምተገብኤን።
ንዓታቶም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከሰክፎም ዝኸኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት እምበኣር ብርእይቶይ ስርዓት ኢሳያስ ብቐሊል ዝኸይድ ስለዝመስሎም እዚ ከበሳዊ ወይ ክርስትያናዊ ሓይሊ ዝብሉዎ ከይሕይልን ከይዓብን እሞ ህዝቢ ከይስዕቦን ጽባሕ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣስመራ ከይወዳደሮምን ኣብ ስልጣን ከይመጽእን ዓቢ ስግኣት ስለዝፈጠረሎም ጥራሕ ኢዩ።
እቲ ካብ ኵሉ ዝገርም ግን ነቲ ምስኣቶም ዘሎን ንዓታቶም ዝቐረበን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ካብ ኵላትና ዝበዝሔን ዝሓየለን ህዝብን ሰራዊትን ክፈርሑዎን ክስከፉሉን ክጥንቀቑሉን ዘይምርኣይ ኢዩ።
እቲ ቀንዲ ዓው ኢሎም ክዛረቡሉን ክስከፉሉን ትርእዮም ከኣ እዚ ሎሚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ምጽናት ዘርእን ዘይኮነ ጽባሕ ኢሳያስ ምስ ከደ ወልደማርያም ወይ ወልደጋብር ዝበሃል መራሒ ከይመጾም ጥራሕ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም ከኣ እዚ ወልደማርያም ካብ ደገ ከይመጽእ እምበር ኣብ ውሽጢ ከይፍጠር ወይ ከይጸንሕ ዝብል ስግኣት ኣይትርእየሎምን። ብእምነቶም ኢሳያስ እንድሕሪ ኣልጊሱ ነቲ ፍርቂ ሚልዮን ሰራዊቱ ብሓንሳብ ከጥፍኡዎን ክድምስሱዎን ከም ዝኽእሉ’ዮም ዝኣምኑ።
እቲ ዘስደምም ከኣ ክርስትያንባ ከበሳባ እንዳበልካ ከተንኣእስን ክትንዕቕን እናውዓልካ ተመሊስካ ከኣ ዲሞክራስን ፍትሕን ለውጥን ዘንግስ ‘’ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’’ ከነካይድ ኢልካ ምምጽዳቕሲ ንሳቶም እውን ከምቲ ናይ ስርዓት ህግዲፍ ነቲ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ከም ዝንዕቁዎ ጥራሕ’ዩ ዝበርሃልካ። ዲሞክራሲ ኣብ ዓዲ ዲሞክራሲ ዘይገበሩስ ዲሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ ወይ ኤርትራ ከትኣታትዉ ከኣ ብወገነይ ኣይጽበዮምን።
እቲ ንሶም ዝደልዩዎ ለውጢ ከኣ ንዅላትና ደቂ ሃገር ኣስላምና ክስታንና ትኣማሚናን ተፋቒርናን ብሰላም ንነብረላ ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምምጻእ ዘይኰነስ ነቲ ኣበስመራ ዘሎ ክርስትያናዊ ስርዓት ኣውዲቕካ ብእስላማውን ጅሃዳውን ተዳሙናውን ስርዓት ምቕያር ኢዩ። እዚ እቲ ናይ ብሓቂ ዕላማ ተዳሙን ኰይኑ ብዙሕ ዘይሓባብኡዎን ዘይስከፉሉን ብፍላይ ብዓረብን እንግሊዝን ብናይ ብርዒ ኣስማት ብቐጻሊ ክጽሓፍ ዝውዕል ዘሎ ጕዳይ ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ከበሳ እንድሕሪ ዝዕብልልን ዝጸቅጥን ኰይኑስ ኣብ ኪዳንከ ድኣ ሓደ ምስ ዓሰርተ እንታይ ሚዛን ክወሃቦ ኢዩ?
እዞም ኣሕዋትና ‘’ተዳሙን’’ ዝያዳ ንዝቐረቦምን ዝኣመኖምን ኣብ ክንዲ ዝቐርቡዎን ዝተባብዑዎን ብዝያዳ ከርሕቑዎን ከቐይሙዎን ክንዕቁዎን ክትርኢ ከኣ ናይ ብሓቂ ይገርም። ብርእይቶይ ሃይማኖት እምነት እምበር ፖለቲካ ኣይኰነን። ኤርትራ ከኣ ቅኑዕን ዉፉይን መራሒ እምበር ድሕሪ ሕጂ ንሃይማኖትን ወገንን ተዀልኵሉ ዝመጽእ መራሒ ኣይክትቅበልን እያ። ምኽንያቱ ሎሚ እቲ እዞም መራሕቲ ጀብሃ ነበር ሒዞሞ ዘለዉ ናይ ስሳታት ዕላማ ዝሰርሓሉ ኵነታት ዘይኮነስ ናይ ዕስራን ሓደ ክፍለ ዘመን ህዝቢ ኣብ ናብራ ዓለም ዝቀዳደመሉን ንምንባር ንባዕሉን ምስ ጐረባብቱን ብጠቕሚ ዝትኣሳሰረሉን ዘሎ እዋን ኢዩ።
ተዳሙን ናይ ብሓቂ ንስምረትን ምቅርራብን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓስቡ እንተዝዀኑ ከኣ ኣይኰነንዶ ባዕላቶም ክጠቕሱዎ ክስምዑ መጀመርያ ነቲ ኣስላምን ክርስትያንን ከበሳን መታሕትን እናበልካ ክወጽእ ዝውዕል ዘሎ ኣነዋሪ ጽሑፋት ምዀነኑን ከም ዝተርፍ ምጽዓሩን። ቀጺሎም ከኣ ነቲ ናይ ከበሳን ክርስትያንን ዝብሉዎ ምስኣቶም ዘሎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንጽሉዎን ከዳኽሙዎን ኣብ ክንዲ ምፍታን ክከናኸኑዎን ከኽብሩዎን ቅንዕንኦምን ሕውነቶምን ንኽልቲኡ ሕብረተሰብ ብማዕረ ዝጥምቱ ምዃኖም ፍትሓውነቶም ከረጋግጹሉን ምጽዓሩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ብርእይቶይ ብኣዋጃትን ብምፍርራሕን ዝርከብ ሓድነትን ምትእምማንን ኣብ ሎሚ በጺሑ ክመጽእ ዝኽእል ኣይመስለንን።
እስከ ሓቂ ክንዛረብን ክንሓትትን።
ብመጀመርያ እስከ በቶም ዓሰርተ ውድባትን ሰልፍታትን ዝበሉዎም ክጅምር። እዞም ዓሰርተ ውድባትን ሰልፍታትን ዝተባህሉ መነመን ኢዮም? ካብ ህዝቢ ኤርትራኸ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ክንደይ ስዓብን ሓጋዝን ኣለዎም? ዕላማኦምን ፖለቲካዊ ትሕዝትኦምንከ እንታዩ? ካብዞም ዝተጠቕሱ ዓሰርተ መራሕቲ ውድባት ነቲ ብዙሕ ጊዜ ብመራሕቲ ተዳሙን ዝንዓቕን ዝንኣኣስን ሕብረተሰብ ከበሳ ወይ ክርስትያን ዝውክሉኸ ክንደይ ኣለዉ?
ንምዃኑኸ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ህግደፍን ተቐርቂርና ከም ኣብ መንጎ ክልተ እምኒ ዝበቘለት ኪታ ኮንና ምህላውና ይርድኦምዶ ይኸውን? ንዓታቶም ኣሕዋትና ኣይንገድፍን ኣይነዋስንን ኣይንንዕቕን ስለዝበልናን ምስእእቶም ትሓዊስና ስለዝተቓለስናን በቶም ጸላእቲ ፍትሒ ዝዀኑ ህግደፋውያን ኣሕዋትና ክሳብ ክንደይ ከም ንጽላእን ከም ንጽየፍንከ ይፈልጡዎዶ ይዀኑ? ህዝቢ ኤርትራኮ ኩሉ ንስርዓት ኢሳያስ ስለዝፈተዎ ኣይኰነን ካብ ቃልሲ ርሒቑ ዘሎ? ካብቲ ፍልስፍናታቶምን ጽልእታቶምን ድሌታቶምን ስለዝሰግኤ ጥራሕ ኢዩ።
እሞ ኣይፋልኩም ሎምስ ብሕጊ ድኣ ንኺድ እምበር ብዘይካ’ቲ ፈሊጡ ክጋገ ዝመረጸ ንህዝቢ ምግጋይሲ ዝከኣል ኣይመስለንን ንብሎም።
እቲ ሕጊ ከኣ ኤርትራ ዓዲ ኣስላም ወይ ዓዲ ክርስትያን ኣይኰነትን። ዓዲ ኵላትና እያ። ስርዓት ኣስመራ እውን ክርስትያናዊ ስርዓት ዘይኰነስ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢዩ። ኪዳን ግን ሃገራዊ ወይ ከምቲ ስሙ ዲሞክራስያዊ ዘይኰነስ ብጅሃዳውያንን ሃይማኖታውያንን ዝተዓብለለ ትካል ኢዩ። ካብቶም ዓሰርተ ትብሉዎም ዘለኹም ውድባት ከኣ እቶም ሾመንተ ብእስላማውያን ዝምርሑ ኰይኖም ብፍላይ እቶም ኣርባዕተ ናይቲ ንሃይማኖት ምስልምና ጥራሕ ክጣበቕ ብዕሊ ዝኣወጀ ‘’ጅሃድ ወይ ተዳሙን’’ ኣባላት ኢዮም። ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ክልተ እውን ብዙሕ ዝፈልጦን ክብሎ ዝኽእልን ነሩኒ። ንሎሚ ግን ክቝጠብ ኢየ።
እሞ ብሓጺሩ እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ‘’ተዳሙናዊ ዋዕላ’’ ከኣ ብርእይቶይ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘይኰነስ ነቲ ኵሉ ጊዜ ዝሓልሙዎን ዝጽሕፉዎን ናይ ሃይማኖትን ተዳሙንን ዕብለላ ንምርግጋጽ ዝግበር ዋዕላ ኢዩ። ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ንረብሓ ሃገሮምን ህዝቦምን ብምሕላይ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ዝካፈሉ ውሑዳት ከበሳውያን ክርስትያን ከም ዝህልዉ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እንተ እቲ ውጽኢቱን ዕላማኡን ግን ከይደቀስካ ዝተሓልመን ምንም ዘየዋላውልን ገለ ንጣር ክርስትያን ዝሕወሱዎ ስርዓት ኢሳያስ ምስ ከደ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ዝሕሰብ ጅሃዳዊ ወይ ተዳሙናዊ ሓይሊ ንምፍጣር ዝገብሩዎ ሕልምን ጻዕርን ምዃኑ’የ ዝኣምን።
እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ዋዕላ ከምጽኦ ዝኽእል ጠንቂ ግን ከምቲ ናይ ብራሰልስ ወይ ሎንዶን ብውልቀሰባት ዝተበገሰ ኣኼባታት ወይ ዋዕላታት ንቅሩብ ጊዜ ኣዛሪቡ ጥራሕ ዝሓልፍ ጕዳይ ኣይኰነን። ኣብ ታሪኽ ቃልስናን ሕብረተብናን ዘይሕከኽ ሕማቕ ስምብራት ክገድፍ ኢዩ። ከቀራርብ ዘይኰነስ ነባሪ ጽልእን ቅርሕንትን ከየትርፍ እውን ዘስግእ ኢዩ። ነዚ ከኣ እቶም ዝምልከቶም ሰባት ኣጸቢቖም ክሓስቡሉን እንደገና ክርእዩዎን ይግባእ።
ካብኡ ሓሊፉ ብሓቂ ንፍቕርን ሰላምን ንሓድነትን ቍምነገር ዘለዎ ዋዕላ ክግበር ተደልዩ ግን እቲ ጕድለትን ምትእምማንን ኣበይ ጐዲሉ ከም ዘሎን እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑን ክፍለጥ ኣለዎ። ምትእምማንን ፍቕርን ሓድነትን ዝርከበሉ መስርሕ መርመራን መፍትሒን ክገብሩ ዝኽእሉ ኒሕ ዘለዎም ደቂ ሃገር ኮነ ፈተውቲ እንተልዮም ከኣ ብወገነይ እውን ዓቕመይን ሓገዘይን ከበርክት ቅሩብ ኢየ።
ብዝተረፈ ሃይማኖትን ዓሌትን ወገንን ኣብ ፖለቲካን ምምሕዳራን ዘይትሓዋውስ ንዅሎም ህዝባ ብሰላምን ብማዕርነትን ብቕሳነትን እተናብር ሃገር ንምፍጣር ኣስላምና ክስታንና ኵላትና ብሓድነትን ብምትእምማንን ክንቃለስ ኢና። ኣብ መወዳእታ ዝዕወት ከኣ እቲ ሓቂ ዝሓዘ ጥራሕ ኢዩ።
ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት
| < Prev | Next > |
|---|
why do i need a vpn service
html tag reference
HTML ASCII Codes
داستان کوتاه
تناسب اندام
عاشقانه
اس ام اس
قالب بلاگفا
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ውጽኢት ቃልሲና ነጻነት ርኢና፡ ውጽኢት ነጻነትና ግን ጌና ዕለት 24 ግምቦት 1991 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ: ድሙቕ ብራሃን ጸሓይ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ግንቦት 24 ዝተባረኸትን ብጽእትን ዕለት መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ...
-
ናጽነት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝባን ጀጋኑኣን ኢዩ ንኤርትራ፡ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ንምግልጋላ ዝተኸፍለ...
-
ወዮ ኣያና ደኣ መን ከብዱ ረጊጹዎ’ዩ ሃለውለው ዝብል ዘሎ? ዝነደየ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ፡ ትሕቲ መሬት ኣትዩ፡ መይቱ ክነሱ፡...
-
ነጻነትና ንናይ ሎሚ ሃለዋትና ጠንቂ ኣይኮነን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅነ መዓልቲ ነጻነትና ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ...
-
ንብሎን ንገብሮን በበይኑ ኤርትራዊ፡ካብ ጥንቲ - ጥቅምቲ፡ ንመሰሉ ተጣባቂ፡ ከም ዝኾነ ብቀዳሞት...
-
ናይ ሓዘን መግለጺ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሃገራዊ ዲሞከራሰያዊ ሓይልታት ኤርትራ(CC-ENDF)፡...
-
ሃገር ብቅኑዕ እምበር ብሓሶት ሓበሬታ ኣይትህነጽን ኣብ ዝኾነ ዓለም እንተኸድና እቲ ቀንዲ ዝጽላእ ሓሶት ኢዩ። ወረ...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




