Monday, May 20, 2013
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ያሲን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ መታን ከካይድ ደፋእ ኢሉ ክኸይድ የድልዮ

ኣቦ መንበር መደበር ሶይራ ንሰብኣዊ መሰላት፡ ኣቶ ያሲን መሓመድ ዓብደላ፡ ንተመኵሮ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብምግምጋም፡ “ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣብ ርእስ’ቲ ዘይምቹእ ኵነታት፡ ብሰሪ ገንዘባዊ ሓሳባውን ውድባውን ሕጽረት ኣብ’ዘን ዝሓለፈ 11 ዓመታት ዋዕላ ክገብር ኣይከኣለን ድሕሪ ምባል፣ እዚ ኵነታት ጌና ከይተቐየር እንከሎ’ዩ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዋዕላ ክግበር ኣለዎ ኢሉ ክደርቕ ዝርአ ዘሎ ኢሉ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብውሽጣዊ ጸገማት ይሳቐ ኣሎ። ኣገብብ ኣቃውማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድማ ቅኑዕ ኣይነበረን። እቲ ዝቐርብ ምኽንያታት ውን ወድዓዊ ኣይኰነን። ዋዕላ ብጽቡቕ ኣገባብ እንተዘይተዳልዩን፣ ሃገራዊ ክብደትን ሓሳብን ካልእ ኣድላዪ ዓቕምታትን ዘለዎም ሃገራውያን ከሳትፍ እንተዘይክኢሉ ድማ፡ ዘይተጸበናዮ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።

ኣቶ ያሲን፡ ኣብ’ዚ ምስ ኣካያዲ ማሕበረሰብኣዊት ረድዮ ኣውስትራልያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሓትት፡ ዋዕላ ንምክያድ ተብተብ ምባል ኣድላዪነት ከምዘይብሉ ገሊጹ። ብዛዕባ ዛዕባታት ዋዕላ፡ ብዛዕባ ውሕሉል ምስንዳእ ዋዕላ ብዝምልከት ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ መጽናዕቲ፡ ምብራህ ናይ’ቲ ጕዳይን ተሳትፎ ናይ ካልኦት ምርግጋጽን ከምዘድልዮ ውን ኣሚቱ። እቲ ክፍጸም ዝረኣኽዎ ግን፡ ይብል ያሲን፡ ዘድሊ ቅድመ-ኵነት ከይተማልአ እንከሎ ኣብ ግብራዊ ስጕምታት ምእታው ኢዩ። እዚ ቅድሚ ምግባር ግን፡ ብዛዕባ ዕላማን መቆሚታትን ዋዕላ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክብጻሕ ነይርዎ እብል። ድሕር’ዚ ጥራሕ’ዩ ኣብ ግብራዊ ስጕምታት ክእቶ ዝነበሮ ደኣምበር፡ ከም’ቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ በንጻሩ ክኸውን ኣይምተግብአን።

ንስርሓት ናይ ኪዳን ኣመልኪቱ ከኣ፡ ድኹም ወይ ዘየድምዕ ኰይኑ ምጽናሑን ምህላዉን ገሊጹ። ነቲ ብስርዓት ኢሳያስ ዝፍጸም ጌጋታት፡ ንባሓትን ጻሕታሪ ውግኣት ዝዀነ ባህርያቱን፣ ኪዳን፡ ብግቡእ ተገልጊሉ ንምውዳቑ ኰነ፡ ተገዲዱ ኣብ ናይ ዘተ መኣዲ ኮፍ ከምዝብል ኣይገበሮን። በንጻሩ ኣብ ውሽጣዊ ቈይቍን ዋጢጥን ስለዝነብር፡ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክገብሮ ዝኽእል ግደ ኣይተጻወተን ኢሉ። ልክዕ ከም ሓደ ኣብ መርመራ ዘይተሳተፈ ተመሃራይ ውጽኢት ናይ መርመራ ክሰምዕ ዘይጽበ፡ ኪዳን ውን፡ ከይሰርሐ፡ ውድቀት ናይ ስርዓት ኢሳያስ ክርኢ ክጽበ የብሉን። ስለ’ዚ ኪዳን፡ ውሽጣዊ ሽግራቱ ክፈትሕ፡ ንቅርጻ ውድቡ ዳግማይ ርእይቶ ክገብረሉ፡ እቲ ስራሕ ንውጽኢት ከምጽኡ ዝኽእሉ፡ ብቕዓት፡ ተቐባልነት፡ ክእለት ንዘለዎምን፣ ንለውጢ  ብዕቱብነት ንዝሰርሑን ሰባት ከመሓላልፎ ክኽእል ኣለዎ።

ከምኡ ውን፡ ኣቶ ያሲን፡ እቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ ክመጸሉ ዝኽእል ተኽእሎታት፡ መርገጻት ጐረባብቲ ሃገራት ንማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት 1907 ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ግደ ናይ’ቲ ኣቦ መንበሩ ዝነበረ ኤርትራዊ ማሕበር ተበግሶን (ጀምዓ ሙባደራ) ምሕዝነትን ዳህሲሱ። ኤርትራዊ ማሕበር ተበግሶ ኢዩ ንመጀመርያ ግዜ፡ ምሕዝነት ናይ ምቛም ሓሳብ ንኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ኣቦ መንበር ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ፡ ዘካፈለ ኢሉ። ኢብራሂም፡ ነቲ ሓሳብ ተቐቢሉ፡ ንሕና ከነበግሶ ሓቲቱና። ንሕና ግን፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ከበግሶ’ዩ ዝምረጽ ዝብል መልሲ ሂብናዮ ይብል ያሲን። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ከኣ’ዩ፡ ነቲ ሓሳብ ተቐቢሉ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ብግብሪ ዝተንቀሳቐሰሉ። እታ ቀዳመይቲ ኣኼባ ከኣ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ካርቱም ኢያ ተኻይዳ። ኣብ’ዛ ኣኼባ እዚኣ ከኣ፡ ንድፊ ቻርተር እተዳሉ ኮሚቴ ተመስሪታ ኢሉ። (ኣዱሊስ፡ ኣብ ዝቕጽል መደባቱ፡ ነቲ ምስ ያሲን ዝተኻየደ ቃለ-መሓትት ከቕርቦ ኢዩ)።




EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity. We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ። ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

إن ا، هو توفير بيئة صحية وحرة للتبادل الحر والبنـــــَّــــاء للرأي بين أصحاب الرأي من مختلف المشارب والمذاهب، أفراداً كانوا أو جماعات. لذلك فالموقع علي استعداد لنشر أية أفكار أو آراء موضوعية عدتها وعتادها الحجة والمنط لهدف الأساس الذي أنشأنا من أجله هذا الموقع الالكتروني علي الشبكة العنكبوتية الدوليةق، وصحيح أنه كما يقولون: ليس هناك أفكار خاطئة ولكن أحكام خاطئة، إلا أن ذلك لا يمنعنا من حقنا في رفض الكتابات التي يتأفــَّــــف حتى أصحابها من نسبها اليهم أو وضع بصماتهم وتوقيعاتهم وعناوينهم الحقيقية عليها ولا يتشرفون بتبنيها أو ادعاء المسئولية عنها، فضلاً عما تعج به تلك الأفكار من سموم مدسوسة وظاهرة وآراء ملـــــــوِّثة للبيئة الفكرية والإنسانية في ارتريا حاضراً ومستقبلاً، وطمس وتزييف للحقائق واغتيال واغتياب معنوي لمن يتصدون للعمل النضالي العام في جسارة وإنكار ذات. إننا ننطلق في مبادئ النشر عندنا من كل ما يشجع علي تبادل الود والاحترام بين الكتاب أنفسهم ونشر التسامح بينهم رغم تباين آرائهم، والعمل سوياً علي البحث والتنقيب عن حلول المشكلات وتقديم البدائل الأفضل، والسعي الي تقريب المسافات وتذويب الفجوات بين مختلف قطاعات شعبنا والتــــَّـــرنـــُّـــم معاً علي أنغام سيمفونية الوحدة والتقارب، لا الألحان النشاز المفسدة لأذواقنا جميعاً.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form