Print this page

ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምስ ረኸበ “ኩራዕ - ተሓበን” ዝብል ኣዘራርባ፡ ንበሃማት ጥራሕ እዩ።

2022-09-28 08:15:42 Written by  ክፍላይ ተኪአ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 717 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ኩራዕ - ተሓበን” ዝብል ኣዘራርባ ተኸቲለ ሓሳባተይ ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ብመጠኑ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። ኣነ ከም ሰብ ንዘሎ ኩነታት ሃገረይን ሕብረተ-ሰበይን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ማሕራዊ ብዓቢኡ ከኣ፡ እቲ ኣብ ሂወት ሓደ ሕብረተሰብ፡ እቲ ቀንዲ መሰረታዊ ንኩሉ ትካላት መኣዝን ዘትሕዝን ዘመሓድርን ቅዋማዊ ሕጊ’ዩ እብል። እዚ ከይገበርካ፡ “ተሓበን - ኩራዕ” ምባል፡ ንቡር መነባብሮ ከይረኣኻ ን30 ዓመታት ኣብ ሓደ ሕብረተሰብን ሃገርን ዝኾንካ መሪር መስዋእቲ ዝኸፈልካ፡ ልቦና ዝመልኦ ሕጊ እንዳባ ዝጸንሓካ መግዛእቲ ጥልያን እንግሊዝ ኢትዮጵያ ከም ዘለዎ ዝተቐበሉዎ ኮይኑ፥ ግን ካብ ነጻነት ክሳብ ሕጂ ሓጋግን-ፈጻምን-ፈራድን ብዘይብሉ እቲ ስርዓት ብከርፋሕ መነባብሮ መሰልካን ክብርኻን ንሕስያ ዘይብሉ ረጊጹ ክሳብ ሕጂ ይኸይድ ኣሎ። ንመን’ዩ “ተሓበን-ኩራዕ” ዝብል ዘሎ? ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣበየናይ ኩነታት ኣሎ፡ እቶም ከምኡ ዝብሉ ዘለዉ ኣበየናይ ዘበን ከም ዘለዉ ዝፈልጡ ኣይመስለንን።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሰልካን ክብርኻን እናተረገጽካ፡ ብቃላት ክነግሩኻ እሞኸኣ ንኣኻ/ኺ ኤርትራዊ/ት ብስቕታ ትኸይድ ኣሎኻ። እዚ ንሰማዒ ዘገርም’ዩ። ስማዕ ኤርትራዊ፡ ንስኻ ሰብ ኢኻ ኣእምሮ ብኣምላኽ ዝተዋህበካ፡እንስሳታት ናይ ባዕሎም ሕጊ ከም ዘለዎም ትፈልጥ ኢኻ። ሕጂ’ውን ደጋጊመ ንስኻ ሰብ ሓሙሽተ ህዋሳት ዘሎካ ኢኻ። ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን እትነብር ዘሎኻ፡ ከምቲ ኣህዛብ ናይ ካልእ ክፍለዓለም ማዕረ ማዕሪኡ ክንከይድ ዝነበሮ ብዘይምኻድና፡ እዚ ከኣ በቲ ስርዓት ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ዓጸባን ጥምየትን ጸልማትን ጽምኣትን ስደትን ፋሕፋሕን (ምብትታንን)፡ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ብትምህርቲ ዝጸግቡ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ዕድመ ንእስነቶም ክሳብ ዘብሊ መጻኢ ራኢ ዘይብሉ ጸልማት ስለ ዝኾኖም፡ ንስደት ክውሕዙ ንዓለም ዘገርም ምዕራፍ ታሪኽ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ’ዩ። እዚ ከኣ ከም ሰብ ከም ኤርትራዊ ብዙሕ የተሓሳስበኒ።

ንሕና ኤርትራውያን ፈሊጥና ዲና ከይፈለጥና ዘድሊ ዘየድሊ ኣብ ርእሲ መንእሰያት ደቅና ብዙሕ ተዛሪብና። ኣንቱም ሰባት፡ ሰባት ኢኹም፡ ወዲ ሰብ ይኹን ዝኾነ ነገር መወዳእታ ኣለዎ። ወዲሰብ ኣብ ሂወቱ ኩሉ ግዜ ለውጢ’ዩ ዝደሊ። ኮይኑ ግን ሓሲቦም ብዘይምዝራቦም ንነብሶም ኣበይ ከም ዘለዉ ኣቐሚጦም፡ እቲ ዘገርም ዘረብኦም ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ደቅና እቲ ሃገር ዘውሓሰ ንባዕሎም ኣብ ስደት እናተቐመጡ እንታይ ክገብሩ መጺኦም ዓዲ ገዲፎም፡ ከዳዓት ብምባል፥ ነዚ ኩሉ ሓደጋታት ከጓንፎም ከሎ መን ምጽኡ ኢሉዎም እናበሉ ሃየንታ ዘለዎ ዘረባታት ይዛረቡ።  

ኣነ ከም ጸሓፋይ ሓሳብ ኣቕራቢ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ጽባሕ ንግሆ ደኒኖም ከም ዝኸዱ ኣይጠራጠርን። ጽባሕ ንግሆ’ውን ደቆም ክሓቱዎም ምዃኖም ኣይጠራጠርን፡ መልሲ’ውን ዝረኽቡሉ ኣይመስለንን። ወትሩ ድማ ሕልንኦም ክወቕሶም’ዩ። ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ለባማት ኣቦታትና መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓብትኻ ኣበይ ኣላ? ክብሉ እንከለዉ፡ እቲ ጥፍኣት ሰሃራን ምድረበዳን ምጥላቕ ኣብ ባሕርን ስለ ዝረኣዩዎ፡ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣመሓላሊፎም። ሕጂኸ መንእሰይ ወድኻ መንእሰይ ጓልካ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ይጠፍኡ ኣለዉ።

ስማዕ ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣዴታት ሶማላውያን ደቅና ኣበይ ኣለዉ ደቅና ኣምጽኡልና ዝብል ሕቶን ሰላማዊ ሰልፍን ብዘይዕርፍቲ ብምክያድ መንግስቲ ኣለዊጠን፡ ገና ሕቶአን ስለ ዘይተመለሰ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ስለዚ ኣዴታት ኣቦታት ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብዚ እንታይ ትመሃር? ታሪኽ ስራሕ ዋልታ ደቅኻ፡ ዋልታ ደቅና ክንከውን አማሕጽነካ። እቲ ስርዓት ኩሉ ኣብ ኣፍካ ኢሉካ’ዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ፈስቲቫል እዋን ንለባም ዘተሓሳሰበ ኣገራሚ ተርእዮ ተራእዩ። እቲ ሓደ ካብኡ፡ ኣብ መንጎ ፈስቲቫላውያንን ብርጌድ ንሓመዱን’ዩ። ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ክጥምቶ እንከለኹ፡ ብዛዕባ እቲ ጎነጽ ብህድኣት ክፍታሕ ዝነበሮ ክንሱ ኣብ ጎነጽ በጺሑ። እቲ ሕቶ ዝቐረበ ናብ ዝምልከቶም ከተማታት፡ እዚ ዝግበር ፈስቲቫል ጽልኢ ዘጐሃህርን ምንእኣስ ሕብረተሰብን ስለ ዝኾነ፡ ሓደጋ ናቱ ከቢድ’ዩ። ስለዚ ንሕና ብሕጊ ንሓትት ኣሎና ንከቋርጽ፡ ዝብል’ዩ ነይሩ። እዚ ሕቶ’ዚ ብወገን ኣመሓደርቲ ከተማ ጀርመን ቅቡልነት ኣይነበሮን። ኣመሓደርቲ እቲ ከተማ ድሕሪ ሕጋዊ ሕቶ ዝግበር ነገር ክርድኡ ነይሩዎም በሃላይ’የ።

ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ንምንታይ ኣብ ጎነጽ ዝእቶ፡ እዚ ዘሕፍር’ዩ፡ ስለዚ ሕጊ ንኹሉ ወሳኒ ስለዝኾነ እንታይ ዘሰሓሕብ ነይሩዎ፡ እቲ ጸገምከ ኣበ’ዩ ነይሩ ንዝብል ሕቶ፥ ብመጀመርታ በቶም መንእሰያት፡ ኣብ ዓዲ ሕጊ ስለ ዘሎና፡ ሕጊ ድማ ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ስለ ንፈልጥ፡ ኣቐዲምና እዚ ፈስቲቫል እዚ ንከይግበር ብሕጊ ንሕተት ብምባል ሕጋዊ ሕቶ ከም ዝቐረበ ዝፍለጥ’ዩ። እንተኾነ ምምሕዳር ከተማ ጀርመን ነቲ ፈስቲቫል ደው ኣቢሉ ገና ከሎ እቲ ጎንጺ ከይመጸ ክኣልዮ ዝነበሮ ኮነ ክገብሮ ዝነበሮ ምድላዋት ስለ ዘይገበረ’ዩ እቲ ጎነጽ ተፈጢሩ በሃላይ’የ። ስለዚ ጠንቂ እቲ ጎነጽ ሰዓብቲ ህግደፍን ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ጀርመንን እዮም በሃላይ’የ።

    ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ

     ብክፍላይ ተኪአ

      ጀርመን

Last modified on Wednesday, 28 September 2022 10:18