Print this page

ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ

2022-05-05 07:31:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1022 times
Rate this item
(0 votes)

ንኤርትራውያን ልዕሊ ኩሉ ማዕረ እትብጸሓና፡ ብሓባር ከም ብሌን ዓይንና  እንሕልዋን ብእነፍቅራ ኣዴና እንምስላን ሃገርና ኤርትራ እያ። ካልኦት ብሓባር ዝብጽሑና ጸጋታት እንተለዉ እውን፡ ቀጻልነቶም ብህልውና ኤርትራ ዝውሰን እዩ። ኣብ ወሳኒ እዋን “ኤርትራ ወይ ሞት” እንብል ከኣ ንክብሪ ኤርትራ ከም ሃገር ንምዕዛዝ እዩ። ኤርትራ እዚ ዝተጠቕሰ ወሳኒ ህልውነኣ ዓቂባ ክትቅጽል ከኣ ኩልና ደቃ ኢና ነድልያ።

ኤርትራውነትና ዓቂብና እንለብሶም ብዙሕነትና ዘንጸባርቑን፡ ተገዲድና ዘይኮነ ብድሌትና እንስዕቦምን ካልኦት መግለጺ መንነት ኣለዉና። ብሄርና፡ ሃይማኖትና፡ ቋንቋና፡ ባህልና፡ ኣውራጃናን ካለኦትን መግለጺ መንነትና እዮም።  ኩሎም እዚኣቶም፡ ብዘይ ህልውና ልኡላዊት ኤርትራ ትርጉም የብሎምን። በዚ መሰረት ቅድሚቲ በዞም ዝተጠቕሱ መንነታት ኣቢልና ከነረጋግጾን ከነማዕብሎን እንደልዮ መሰላት ብጉዳይ ኤርትራ ከም ሃገር ክንግደስን ክንጭነቕን ግድን እዩ። ናይዞም ዝተጠቕሱ መለለይታት ዕቤትን ቀጻልነትን ምርግጋጽ ናይ ሰዓብቶም ሓላፍነት እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ክብራ ዓቂባ ክትቅጽል ግና ምፍልላይ ናይቲ ካልእ መንነትና ብዘየገድስ ኩልና ደቃ ኢና እንስለፈላ። ነቲ መሰረታዊ ጉዳይ ኤርትራውነት፡ ካለኣይ ወይ ሳልሳይ ደረጃ ኣትሒዝካ ንሓደ ካብቲ መግለጺ መንነት ብሄር ድዩ ወይ ቋንቋ ቅድሚት ምስራዕ፡ ገዛ ከይሓዝካ ብጉዳይ ናውቲ ገዛ ከም ምግዳስ ዝዓይነቱ ግጉይ ኣሰራርዓ ቀዳምነት ዝወስድዎ ብዙሓት እዮም።

ነዛ ንኹላትና ብማዕረ እትብጸሓናን ንቀጻልነታ ንኹልና እትደልየናን ኤርትራ ዝተወሰነ ኣካል እንተደለየ እውን “ናይ በይኑ” ክገብራ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ህልዊ ኩነታትና፡ ኤርትራውያን ሰልፊ ንኹን ውድብ፡ ማሕበር ንኹን ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ሃገር ንሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ዝኾነ ይኹን ነገራውን መንፈሳውን ዓቕሚ ይሃልወና ንኤርትራ ናይ በይኑ ክገብራ ዝኽእል የለን። ኤርትራውያን ብዝተወደበ ይኹን ብዘይተወደበ ኣገባብ ኣብ እንገብሮ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ፖለቲካዊ መስርሕ ብነገራዊ ዓቕሚ ድዩ ናይ ኣተሓሳስባ ዕምቆት ክንበላለጽ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ዝኾነ ሓይሊ በዚ ውሱን ጸብለልትነቱ ተዓብዩን ንኻለኦት ኣግሊሉን ልጓም ጨቢጡን ርኻብ ረጊጹን ከቶ ንኤርትራ በይኑ ከጋልባ ኣይክእልን  እዩ። ምናልባት ግና ኣብቲ ብሓባር ዝግበር ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን መድረኽ ኣበርክቶኡ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል።  ኤርትራ እውን ንኹልና መምስ  ዓቕምና እያ እትደልየና እምበር፡ ነቲ ሓደ ኣቕሪባ ነቲ ካልእ እተርሕቕ ኣይኮነትን። ንካለኦት ብትዕቢት ኣግሊልካ “ከምቲ ኣነ ዘምጻእኩዋ ብኣይ ትለምዕ ብኣይ ትጠፍእ” ምባል ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ  ርሑቕ ከይከድካ ተመኩሮ ህግደፍን ኣሉታዊ ሳዕቤኑን ምድህሳስ እኹል እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ዘላቶ መዋጥርን ስግኣትን ክትወድቕ ዝገበራ ናይ ጉጅለ ህግደፍ “ኣነ ጥራይ እየ ንኤርትራ ዘድልያ” በሃልነት ምዃኑ ርኡይ  እዩ። ብኣካይዳ ህግደፍን ዓይኖም ብጨው ዝተሓጽቡ ደገፍቱን እቲ ንኤርትራ፡ ዝሓልየላን ዝሓስበላን እቲ ጉጅለ ጥራይ እዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ንኤርትራ ኩልና ደቃ ነድልያ ምዃና በብግዜኡ እተቕርቦ ናይ ኣድሕኑኒ መጸዋዕታ ብቐጥታ ዝጋጮ እዩ። ናይ ህግደፍ በሓትነትን ኣነ ጥራይ በሃልነትን ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ንሃገርና ናበይ ይወስዳ ከምዘሎን ኣብ ምንታይ ከም ዘውደቓን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ኤርትራ ሎሚ ዘላቶ ሻቕሎት፡ እቲ ናይ መወዳእታ ጸልማት ከምዘይኮነ ይግመት። ከምቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝበልናዮ፡ ኩነታት ከይተቐየረ ኣብ ኢድ ህግደፍ እንተቐጺላ እቲ ዝጽበያ ሓደጋ ካብዚ ዘላቶ ዘይምውጸኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ዝኸፈአ ከይምዕብል ዘየስግእ ኣይኮነን። ግዳይ ናይዚ ኣብ ከባብና ዝዘንብ ዘሎ ሓደጋታት ጥሜት፡ ውግእን ምምዝባልን ከይትኸውን ውሕስነት የብላን። እንተ እቲ ንሃገርናን ህዝባን ዝሕምሶም ዘሎ ጉጅለ፡ ብናይ ሓባር ቃልስና እንተዘይቀይርናዮ ካብዚ ተሸኺልዎ ዘሎ ሓደገኛ ኣንፈት  ክወጽእ ትጽቢት እተንብረሉ ኣይኮነን።

ናይ ህግደፍ ጠኒኑ በቲ ሓደገኛ መንገዲ ምቕጻል ንዓና ዘሰክመና ሓላፍነት ብኽንድኡ ደረጃ ከቢድ እዩ። ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ሃገርና ንምድሓን ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝብል ኣምር ግቡእ ትርጉም ሂብና ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ግደታ ኣለና። ምናልባት ካብቶም ብሓባር ኮይና ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ቃልሲ ከነካይድ ዝጸናሕና ንመጻኢ እውን ክንቅጽሎ ትጽቢት ተነቢሩልና ዘሎ ቅልጣፈና ግና፡ ማዕሪኡ ዘየለ ጽባሕ ንኤርትራ “ኣነ ይኣኽላ እየ”  ዝብል ሕልና ዘለዎ እንተልዩ ብኣግኡ ናብ ልቡ ክምለስ ይግበኦ። ኣብ ርእሲቲ ኤርትራ ኩሉኹም ኢኹም ተድልዩኒ እናበለት ትጣራዕ ምህላዋ፡ በይናዊ ጉዕዞ ዓዲ ከም ዘየእቱ ካብ ምግንዛባ ዝነቅል ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት  ዝተወሰነ መምዘንታት እናመዘዘ “ኣነ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለኒ” ዝብል ሕልና ዘለዎ ወገን ይህልወና ይኸውን። እዚ ስምዒት ሓቅነት እውን ይህልዎ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝብል ሓደ ወገን በይኑ ኣይምልሶን እዩ። እቲ ሓቀኛ ዝሓሸ ዓቕሚ ዘለዎ ኣብቲ ዝፍጠር ናይ ሓባር መድረኽ ብዘበርክቶ ኣስተዋጸኦን ዘሕድሮ ጽልዋን እምበር፡ ብዝመርጾ በይናዊ ጉዕዞ ዝግለጽ ኣይኮነን።

ብሓባር ተቓሊስና መጸዋዕታ ኤርትራ ንመልስ ክንብል እንከለና፡ ሸቶኡ ሓደ ክነሱ በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ኣተሓሳስባታትና ኣቀራሪብና ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ነጥሪ ማለት እዩ። ኣብዚ መስርሕ እንካን ሃባን ናይ ገሊኡ ወገን ኣተሓሳስባ ብመንጽር ህልውን መጻእን ኤርትራዊ ድሕነትን ረብሓን ተመዚኑ የዋጽእ ተባሂሉ ብምልኡ ይኹን ብኸፊል ቅቡል ክኸውን ይኽእል። ብኣንጻሩ ኣተሓሳስባኡ ተመዚኑ ብምሉእ ድዩ ብኸፊል ተቐባልነት ዘይረክብ ወገን ክህሉ’ውን ይኽእል። ኣብዚ ኤርትራ ምእንቲ ክትድሕን ሓሳቡ ዝተነጽጎ ወገን ነቲ ተቐባልነት ዝረኸበ ናይ ምኽባር ትብዓት ክህልዎ ይግባእ። ኣብ ርእሲ’ዚ ነቲ ብኻልእ ወገን ዝቐረበ እሞ ተቐባልነት ዝረኸበ ከም ናቱ ወሲዱ ናይ ምትግባሩ ትብዓት ክውንን ድልዊ ክኸውን ግደታኡ እዩ። ጉዳይ ኣተሓሳስባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሃዋስነት ሕቶ መሪሕነት እውን በዚ ኣገባብ እዩ ክመሓደር ዝግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ”  ዝብል ከነተግብረሉ እንኽእል ካልእ መንገዲ የብልናን።

Last modified on Thursday, 05 May 2022 09:36