Print this page

ኤርትራ ከም ዓባይ መርከብ

2021-11-27 17:55:16 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 935 times
Rate this item
(0 votes)

እስከ ንኤርትራና ከም ዓባይ መርከብ ንመስላ። ኣብዛ መርከብ ዝተጻዕና ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝህባ ነናተን ህልውና ዘለወን ጀላቡ እውን ኣለዋ። እዛ መርከብ ውቅያኖሳትን ባሕርታትን ሰንጢቓ ካብኣ ዝድለ ኣገልግሎት ከተበርክትን ህልውነኣ ዓቂባ ክትቅጽልን ናይዘን ዘሳፈረተን ጀላቡ ብጽሒት ወሳኒ እዩ። እተን ጀላቡ ዝተሰለፋሉ ተልእኮታት ክፍጽማ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህላወአን ትርጉም ክህልዎ እውን፡ ናይታ እተሳፍረን ዓባይ መርከብ ግደ ወሳኒ እዩ።

ካልእ ይትረፍ እተን ጀላቡ ምእንቲ ህልውነአን፡ ኣብቲ ንኹለን ዝምልከተን ምዕቃብ ህልውና ናይታ ሓቛፊተን ዓባይ መርከብ ብሓባር ክዓያን ክናበባን ተደላዪ እዩ። ኣብቲ ነንበይነን ዝህበኦ ኣገልግሎትን ህልውናአን ዝዕቅባሉን ብብዙሕ መምዘንታት ዝፈላለ እውን ነታ ሓቛፊተን ብዘይሃስን ብዘይከፋፍልን ተኸኣኢለን ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ የብለንን። እዚ እተን ጀላቡ እንተፈተዋ ዝገብረኦ እንተጸለኣ  ከኣ ዝገድፈኦ ዘይኮነ፡ ዘይስገር ናይ ኩለን ማዕረ ቅሩብነት ዝሓትት  ናይ ህልውናአን ወሳኒ ሓላፍነት እዩ።

ነታ ዓባይ መርከብ ከም ኤርትራ መሲልናያ ኣለና። እተን ጀላቡ ከኣ ነተን፡ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣውራጃ፡ ዝያዳ ድማ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝማእከለን መንነታት፡ ውዳበታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ከኣ ከምተን ኣብታ መርከብ ዝተሳፈራ ጀላቡ ጌርና ንውሰደን እሞ፡ ነቲ ዝምድናአን በዚ መንፈስ ንቓንዮ። እዘን ከም ጀላቡ ተመሲለን ዘለዋ ኣብ ክሊ ዝኾነ ዛዕባ ወይ ኣተሓሳስባ ይወደባ ብዘየገድስ  ካብ ህልወና እዛ ዓባይ መርከብ ኤርትራ ዝተፈልየ ህልውናን ቀጻልነትን የብለንን። ኩለን ናይታ ዝዋሰኣላ ኤርትራ ህልውና ናይ ምዕቃብ፡ እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ እጃም ዘይትከኣሉ ንኹለን ዝምልከት ግደታ ኣለወን። ንልኡላውነትን ሃገርነትን ኤርትራ ከይዓቀብካ ዝኾነ ዓይነት ውዳበ ይሃለውካ ቀጻልነት የብሉን። እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብን ሃገርን ዘሎ ፈላሊኻ ክረአ ዘይከል ዝምድና ኣዕሚቑ  ዘርእየና ኢዩ።

 ኣጠማምታ ጉጅለ ህግደፍ ብኣንጻርዚ ግልቡጥ እዩ። እቲ ጉጅለ እታ መርከብ ኮነ እተን ጀላቡ ንሱ ጥራይ ገይሩ እዩ ዝወስድ። እዚ ምስቲ “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ዝብል ጓዕጻጺ መዝምሩ ኣዛሚድካ ክረአ ዝኽእል እዩ።  ስለዚ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ፖለቲካውን ህዝባውን ውዳበታታን ዘሎ ዝምድና ትርጉም ኣይህቦን እዩ። እዚ ከኣ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ካብ ዘርእየሉ መልከዓት ሓደ እዩ። ህግደፍ ሓንሳብ መንገዲ ምልኪ ስለ ዝመረጸን ኤርትራ ክንዲ “ንህልውነኣ ዋጋ ዝኸፈለ ሓርበኛ ህዝቢ”  ዝኣክል ሕቡን ዋና ከም ዘለዋ ኣብ ግምት ኣየእቱን እዩ። ካብዚ ዕዉር ትዕቢትን ንዕቀትን ስለ ዝነቅል ከኣ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት “ኣነ እየ ኹሉ” ብዝብል  ብዘይዝኾነ ይኹን ቅቡል ውክልና፡ ብስም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓደገኛ ዘይትካላውን ዘይሕጋውን ውሳነታት ይውስን። እቲ ውሳነታት ድማ ብዋጋ እቲ ዋና ኤርትራ ክነሱ ኣብቲ ውሳነ ኢዱ ዘይሓወሰ  ህዝብን ንብረቱን እዩ ዘተግብሮ።

ኩሉ ህግደፍ ዝገብሮ ንኤርትራ ዘየርብሕ እኳደኣ ናብ ሓደጋ ዘእትዋ ኢድ ምትእትታዋት ብሓፈሻ፡ ኣንጻር ሱዳን፡ የመንን፡ ጅቡትን ብፍላይ ከኣ ኣንጻር ኢትዮጵያን በብግዜኡ ዘካየዶን ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዘኽፈለን ውግኣት ካልእ ናይዚ ዘይሓላፍነታዊ መንገዱ መግለጺ እዩ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ናይ ህግደፍ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ካብ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ምኻዱን ንሃገርና ኣብዚ ዘላቶ ስግኣት ከእትዋን ኣይኮነንዶ ንኤርትራውያን ንዘይኤርትራዊ ኣካላት እውን ውሁብ እዩ። ኣይገብሮን እምበር ንዓና ኮነ ንሕብረተሰብ ዓለም ብርቂ ተረኽቦ ዝኽውን ህግደፍ መሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ መንገዲ እንተዝሕዝ እዩ።

 እቲ ኣዛራብን ሕቶታት ዘኸትልን ዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግደፍ ኣንጻር ረብሓኡን ክብሪ ሃገሩን እንዳ ዓንደረ እንከሎ ፡ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ስቕ ክመርጽ እንከሎ እዩ። ስቕ ኢሉ ክበሃል እንከሎ ዓው ኢሉ ዘይምዝራቡ ጥራይ ዘይኮነ እምበርከ፡ ማዕረ’ቲ ክብደት ጭቆናኡን ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መንገድንከ   የስተብህለሉዶ ይህልዉ? ክትብል እውን ስለ ዝድርኽ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘገርም ከኣ ገለ ዝተዓዛዘሮምን ሓንሳብ ካብ ኣተኹዎ ኣይወጽእን ኢሎም ኣብ ህልኽ ዝኣተዉን ኤርትራውያን  ኣገልገልቲ ናይቲ ጉጅለ ነዚ ዘይርትዓውን ዘይፍትሓውን ኣሽካዕላል፡ ርዒሞም “ንኺድ ጥራይ” ክብልዎ እንከለዉ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኢትዮጵያውያን “ምዕራባውያን ሃገራትን ናይ ዜና ማዕከናቶምን ካብ ጉዳይና ኢድኩም ኣልዕሉ” ብዝብል ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘካየድዎ ሰልፍታት፡ ባንዴራ ኤርትራ እውን ትውዛወዝ ምንባራ ዝተዓዘብናዮ እዩ። ስም ኤርትራ ኣብ ከምዚ ተረኽቦ ክለዓል እንከሎ፡ ንዓና ሓይልታት ለውጢ’ውን  ኣስደሚሙና። ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝነጥፉ ኢትዮጵያውያን እኳ “ንሕና ዝያዳ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ኢና። ጉዳይና ባዕልና ክንዓምም ዘእኽል ዓቕምን ድምጽን ስለ ዘለና ናይ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ሓገዝ ስለ ዘየድልየና ዓዲ ይውዓሉልና” እናበሉ ክሕጭጩ ሰሚዕናዮም። ኣብ ርእሲዚ  ካብቲ ኣሸሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝሃልቅሉ ዘለዉ ጀሚርካ፡ ንኩለ-መዳያዊ ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብ ጉዳዮም ዝረግሙን ዝቃወሙን ኢትዮጵያውያን ውሑዳት ኣይኮኑን።  እቲ ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ዘሎ ዓለም ለኻዊ  ውግዘት ከኣ ኣብ ዘለዎ እዩ።

እስከ ናብቲ መእተዊ ሓሳበይ   ክምለስ። ኣብ ብዙሓት ናይ ለውጢ ውዳበታት እንዋሳእ ብዙሓት ኤርትራዊ ኣካላት ኣለና። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓደ ካብዞም ኣካላት እዩ።  ኤርትራ ድማ ንኹልና ብማዕረ እያ እትብጸሓና። ኤርትራን ህዝባን ንልኡላውነቶም፡ ልምዓቶም፡ ሰላሞምን ዲሞክራስያውነቶምን ናይ ኩልና ኣበርክቶን ቃልስን ይጽውዑ ኣለዉ። ስለዚ ነቶም ኣይኮነንዶ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ዲሞክራስያውነት ክሓልዩ፡ ንህልውነኣ ዝፈታተኑ ዘለዉ ህግደፍን ናይ ግዳም መሻርኽቶምን ብኣትኩሮ እናጠመትና፡ ንሕና ሓይልታት ለውጢ፡ ክውገን ዝኽእል ፍልያትና ግቡእ መኣዝን ኣትሒዝና ኣብ ዝዓበየ ናይ ህልውናን ለውጥን ዕማም ብሓባር ክንቃለስ ኣብ እንግደደሉ ወሳኒ እዋን ምህላውና ኣይንረስዕ። ከምቲ ዝድለ ናይ ዘይምብርባር ድኽመት ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ እነላግበሉ ዘይኮነ፡ ናባና’ውን ክንጥምት ግድን እዩ። ህግደፍ እናተወጠረን ዓቕሊ ኣናጽበበን ክኸይድ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ ሓይልታት ለውጢ ክንብርኽ ዝግበኣና፡ ከምኡ ንደክም ምህላውና ንቡር ኣይኮነን። ስለዚ መርከብና ከይትጥሕል ንምድሓና ናብ ንቡር ቦታና ንምድያብ ንብቃዕ።

Last modified on Saturday, 27 November 2021 18:58