Print this page

ገበን  ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣታትን ኣሰናዳእተንን

2021-09-18 18:56:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1157 times
Rate this item
(0 votes)

ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ዝመረጸ፡ እቲ ቃልሲ ዝሓቶ ዋጋን ዝወስዶ ግዜን ናይ ምኽፋል ህርፋን ስለ ዝነበሮን ዘለዎን ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለስ ብዘይካ ተቓሊስካ ብምምንዛዕ ጸለእቲ ፈትዮም ዘይተኹብሉ መሰል ስለ ዝነበሮን ዘለዎን እዩ። ናይቲ ን30 ዓመታት ምእንቲ ናጽነት ዘካየዶን ሎሚ  ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘካይዶ ዘሎንቃልሲ ከኣ፣ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ትርጉምን ምኽያትን የብሉን። ብፍላይ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምእንቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራሲን ኣብ ሓደ እዋን ሎሚኸ ድሕሪ’ታ ዝበሃግናያ ነጻነት ምርካብና እንታይ ቃልሲ ኣድለየ ዝብሉ ወገናት ይስምዑ ነይሮም እዮም። ከምዚኦም  ዝኣመሰሉ ወገናት ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ኣበሩ ሓቢኦም ከጸባብቕሉ ዝደልዩ፡ ወይ ድማ ትርጉም ምሉእነት ናጽነት ዘይተረድኡ እዮም።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ሕገመንግስቲ፡ ዲሞክራስያዊ ምርጫ፡ ምኽባር መሰረታዊ መሰላት፡ ልዕልና ፍትሒ፡ መሰል ሕሳብካ ምግላጽ….. ወዘተ”  እናበልካ ዝበኾሩ መሰላት ምጽብጻብ፡ ዋላ ሓንቲ ዝተኸብረ መሰል የለን” ምባል ዝቐለለ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ብዓብይኡ ነቲ ናይ ኩሉ ሕግታት ዓንዲ ማእከል ሕገ-መንግስቲ ኣጊዱ ከብቅዕ፡ ኣብ 1996  ኣዋጅ ፕረስ  ቁጽሪ 90 /1996፡ ብዝብል፡ ኣዝዩ ጸቢብ ዕድል ዝህብ፡ ሕጊ ፕረስ ኣውጺኡ ምንባሩ ይፍለጥ።  

ነዚ ተኸቲለን ከኣ ሸውዓተ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክዕንብባ ጀሚረን ነይረን። ህዝቢ ኤርትራ በዘን ናይ ብሕቲ ሕትመታት ኣቢሉ ካብቲ መንግስቲ ዝዝርገሖ ዝንቡዕን ስሱዕን ዜናታት ዝተፈልየ መማረጺ ሓበሬታ ብምርካቡ ኣብ ለውጢ ተስፋ ኣሕዲሩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ተስፋ ህዝቢ፣ ዘይተስፍኡ ዝኾነ ጉጅለ ኢሳያስ፡ ክዕገስ ባህሪኡ ስለ ዘይፈቐደሉ፡  ምስቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጉጅለ-15 ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣጐዛጒዙ፡ በቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፈጸምቲ ራዕዲ ዘሕደርዎ ሻቕሎት ተኸዊሉ፡ ነተን ጋዜጣታት ኣብ ወርሒ መስከረም ብ2001 ክዓጽወን እንከሎ፡ ካብቶም ኣብኣተን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዝነጥፉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት 16 ኣሲሩ። በዚ ከኣ ነቲ ጩራ ዘይመንግስታዊ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድል ምሉእ ብምሉእ ኣጸልሚትዎ። እዚ ስጉምቲ ሽዑ “” ኢሉ ዝተጀመረ ጸረ ዲሞክራሲ ስጉምቲ ዘይኮነ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ድሕሪ ሕጂ ብውድባት ሓሸውየ የለን ብዝብል ዝፈለመ ናይቲ ጉጅለ መንደልሓቒ ተግባር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ከኣ ምስቲ ዕቤት ማሕበራዊ መራኸቢ ዘርእዮ ዘሎ ቅልጡፍ ገስጋስ፡ ሚድያ  ከም ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፡ እንታይነት ሓደ መንግስቲ ካብ ዝግለጸሉ መምዘንታት ሓደ ናብ  ምዃን ደረጃ በጺሑ ዘሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ሓበሬታ ሓይሊ  ዝኾነሉ መዋእል፡ ህግዲፍ ንህዝቢ ናጻ ሚድያ ምንፋጉ ከኣ ኣብ ዝለዓለ ጫፋ ጸረ ዲሞክራሲ ምህላዉ ካብ ዘርእዩ ምልክታት እዩ። በዚ መሰረት እያ  ከኣ፣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እዚ ጉጅለ፡  ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ፤ እንኮ ዘይመንግስታዊ ትካል ዜና ዘየብላ ሃገር ኣፍሪቃ ኮይና ተመዝጊባ ዘላ። በብግዜኡ ብደረጃ ዓለም ብዛዕባ ምእሳር ጋዜጠኛታት ዝርዝር ክዳለው እንከሎ ከኣ ደረጃ ኤርትራ ካብ መጠረስታ  ንላዕሊ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ዘይሓልፍ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ግደ ናጻ ፕረስ ኣብ ምህናጽ ሃገርን ናይ ህዝቢ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣብ መጻኢት ኤርትራን ፍሉይ ግምት ካብ ዝህቦም ሓደ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ብደረጃ ጉባአ ዝጸደቐ ንመጻኢ’ውን ዘማዕዱ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (...) ሓበሬታ ዘይብሉ ህዝቢ ብዛዕባ መሰላቱን ነጻነቱን ብቑዕ ኣፍልጦ ከምዘይውንን ይኣምን። ኣብ ኤርትራ መራኸቢ ብዙሓን ካብ ምቍጽጻር መንግስትን ካብ ምግባት ዓበይቲ ኮርፖረሽናትን ነጻ ኰይነን ሰፊሕን ዓሚቝን ዝተኣሳሰረን  ዜናታት ንከቕርባ  ዘኽእለን ባይታታት ንምፍጣር ክጽዕት ኢዩ። ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ።

ነጻ ሚድያ፡ ምስቲ መንግስቲ ዝህቦ ሓበሬታ፡ ማዕረማዕረ ዝስጉም ንህዝቢ መማረጺ ሓበሬታ ዘቕርብ እዩ።  መንግስቲ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ፡ ህዝቢ ዝጐድእን ምጥፍፋእ ዘሳዕርርን መንገዲ ከይሕዝ ዝቆጻጸርን እንተተፈጺሙ ዘቃልዕን እዩ። ህዝባዊ ሓልዮት ዘለዎም ዲሞክራስያውያን መንግስታት፡ እዚ ብሕታዊ ሚድያ ንሳቶም ዘይረኣይዎ ዘርእዮም፡ ዘይበጽሕዎ ናይ ህዝቢ ስምዒታት ዘንጸባርቐሎምን ከዕርይዎ ዝገበኦም ጌጋታት ከእርሙ ዝሕግዞምን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ሕጋዊ መልክዕ ብምትሓዝ የተባብዕዎን ይሕግዝዎን። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ብዘይፈቓድ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝደየቡ፡ ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም ክጐዓዙ ንዝደልዩን ወትሩ ካብ ህዝባዊ ማዕበል ዝሰግኡን ኣካላት ግና ንናጻ ፕረስ ከም ቁርን ኣስሓይታን ይፈርሕዎን ኣብኡ ንዝነጥፉ  ጋዜጠኛታት “ብማይ ቀጠነ” ይሃድንዎምን። ህግደፍ  ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝኣገደን ኣዳለውተን ኣሲሩ ዘሳቒ ዘሎን ከኣ ካብዚ ባህሪ ጨቆንቲዚ ነቒሉ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ነተን ናተይ ዝብለን “ድምጺ ሓፋሽን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን” እውን፡ ብኣዝዩ ጸቢብ ምቁጽጻር እዩ ዝሕዘን። ኣብዘን ሚድያታት እዚኣተን ኮይኖም ዋላ ብውሱን ርሕቀት ካብ ድሌት እቲ ጉጅለ ወጻኢ ክስጉሙ ዝፍትኑ ናይ መንግስቲ ሚድያዊ ክኢላታት እውን ዕድሎም ማእሰርቲ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ፈቐዶ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ከኣ ናይ ብሕቲ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮኑ ኣብ መንግስታዊ ሚድያ ዝሰርሑ ዝነበሩ እውን ኣለዉ።

ነቶም ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ እሞ ክሳብ ሕጂ ብዘይ ፍትሕን ፍርድን ዝሳቐዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ምዝካሮም ኣገዳስን እዋናውን እዩ። እቲ ዝኽሪ ግና እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸሞ ግፍዒ ንምጽብጻብ ጥራይ ክኸውን ኣይግባኦን። ኣብ ርእሲኡ “እቲ ንሳቶም ዝጀመርዎ ንህዝቦም መማረጺ ሓበሬታ ናይ ምስናቕ ዕላማ ብኸመይ ይቐጽል?” ዝብል ሕቶ ብዝምልስ ክኸውን ይግበኦ። ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ሚዲያ ዘይምላዉ፡ ካብቲ ዝዓበየ ዲሞክራስያዊ ብኩራት ሓደ እዩ። ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ወጻኢ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዝተባባዕን ዝነኣድን እዩ። እንተኾነ ኣብርክተኦም ኣብ ክንዲ ኣብ ሕድሕዱ ዝነጻጸግ፡ ኣብ ሕድሕዱ ዝመጋገብ ኮይኑ እንተዘይተወዲቡ፡ መፍቶ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ከምቲ ንብህጎ ልሳን ናይቲ  ልሳን እንከለዎ ዝተለጉመ ህዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ኣብዚ ዓውዲዚ ዝነጥፉ ዘለዉ ክኢላታት ኣብዚ ኣጋጣሚ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግበኦም ንብል።

Last modified on Saturday, 18 September 2021 21:02